ኣብ ቅሉዕ ወራር ትግራይ ተሳቲፎም ብሰራዊት ትግራይ ዝተማረኹ ወታሃደራት ኤርትራ እንታይ ይብሉ?

Eritrea related news and publications
Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ኣብ ቅሉዕ ወራር ትግራይ ተሳቲፎም ብሰራዊት ትግራይ ዝተማረኹ ወታሃደራት ኤርትራ እንታይ ይብሉ?

Post by africangear »

Eritrean POWs
Eritrean POWs

ህዝቢ ኤርትራ ዝተቓለሰሉ ናፅነት ብሓደ ውልቀ መላኺ ስርዓት ተጨውዩ ኤርትራውያን መናእሰይ ብኣስገዳዲ ውትድርና መዋእሎም ከሕልፉን ንስደትን ባርነትን ክቓልዑን ምኽንያት ይኸውን ከምዘሎ ኣብ ቅሉዕ ወራር ትግራይ ተሳቲፎም ብሰራዊት ትግራይ ዝተማረኹ ወታሃደራት ኤርትራ ገሊፆም።

መቐለ ፡15 ግንቦት 2014 ዓ/ም(ድወት) - ኣንፃር ጨቆንትን ገዛእትን ን30 ዓመታት ተቓሊሱ ብመስዋእትን ቓልስን ህዝቢ ኤርትራ መሓዛ ቓልሱ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይን ቕድሚ 31ዓመታት ናፅነቱ ዝኣወጀ ህዝቢ ኤርትራ ንነፃነቱ ሓርነቱን ዘካይዶ ቓልሲ ብዉልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ተጨዉዩ ኤርትራ ተምሳሌት ባርነት ፣ጭቆናን ዓፈናን ኮይኑ ወሎዶታት ኤርትራ ካብ ዂናት ክሳብ ስደት ይጠፍእ ከምዘለዉ ኣብ ቅሉዕ ወራር ትግራይ ዝተሳተፉን ብሓየት ሰራዊት ትግራይ ዝተማረኹን ኣባላት ወራሪ ሰራዊት ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ይገልፁ።

መርኣያ ቓልስን ነፃነትን ሓርነትን ኮይኑ ን30 ዓመታት ህዝባዊ ቓልሲ ብምክያድ ብኣሸሓት መስዋእቲ ኤርትራዉያን ዝተረኸበ ነፃነት ኤርትራ ግና ሐዚ ስርዓት ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ካብ ዘለዎ ኹቱር ባህጊ ምስ ፀረ-ነፃነት ሉኣላዉነትን ኤርትራ ዝኾኑ ሓይልታት ትምክሕቲ ተሻሪኹ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ገበን ጆኖሳይድ ፈፂሙ።

ኤርትራዉያን እቲ ንልዕሊ 31 ዓመታት ተምሳሌት ባርነትን ጭቆናን ኾይኖም ዓዶም ስድረኦም ገዲፎም ንስደትን ዂናትን ዘቓልዖም ዘሎ ዉልቀ መላኺ ስርዓት ከቢድ ገበን ምፅናት ህዝቢ ዘተኣናገደ ህዝቢ ትግራይ ዝገብረሎም ዘሎ ክንክንን ሰብኣዊ ኣተሓሕዛን መርኣያ ዝፀነሐ ታሪኽዊ ርክብ ኩሉ መዳያዊ ምትእስሳር ክልቲኡ ህዝብታት ምዃኑ ይገልፁ።

እቲ ዉልቀ መላኺ ስርዓት ሐዚ ብዝፈፀሞ ገበን ጆኖሳይድ ከይተጠዓሰ ዳግም ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ዓሊሙ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ ነዚ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ነቂሑ ጠበቃ ሉኣላዉነቱን ነፃነቱን ንዝኾነ ንህዝቢ ትግራይ ዳግም ንምጥፋእ ደቁ ከይሳተፉ ብዓዉታ ክቃወምን ክኹንን ይግባእ ክብሉ ዝተፈላለዩ ኤርትራዉያን ኣገንዚቦም።

ወልዳይ ግርማይ (DW)


Post Reply