ቤተ ክርስትያን እየሱስ ህንፃ ኣብ ከባቢ ከተማ ግጀት

Treasures of TIGRAY
Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ቤተ ክርስትያን እየሱስ ህንፃ ኣብ ከባቢ ከተማ ግጀት

Post by africangear »

ከተማ ግጀት ካብ መቀለ ንኣንፈት ደቡብ 61 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ናይ ጀጋኑ መናሃርያ ተባሂላ እትፅዋዕ ሓምለወይቲ ከተማ እያ ። ካብታ ከተማ ናብ ኣበርገለ የብፅሕ ብጥልያን ዝተሰረሐ መንገዲ ሒዝካ ከባቢ 4 ኪ.ሜ ምስተጓዓዝካ እዩ እየሱስ ህንፃ ዝርከብ ። ገፁ ንደቡብ ምብራቅ ገይሩ ዝተሰረሐ እየሱስ ህንፃ ብኣንፈት ምብራቕ ዘይርካ ክሳብ ትረኽቦ ኣብቱ ዋና መንገዲ ዄንካ ንሃለዋቱ ዝገልፅ ምንም ነገር ኣይትዕዘብን ።

ሽሙ ከምዝገልፆ እንዳ እየሱስ ካብ ከውሒ ዝተሃነፀ ቤተ ክርስቲያን እዩ ። ዛጊድ ብዝተገበረ መፅናዕቲ ብትሕዝቶ ስነ ህንፃ ምዕሩጋት ካብ ዝበሃሉ ህንፃ ኣብያተ ክርስትያን ትግራይ ሓደ እየሱስ ህንፃ እዩ ።

እየሱስ ህንፃ ብኣንፈት ደቡብ ኮይንካ እዩ ንደጋዊ ክፋሉ ምርኣይ ዝከኣል። ናብቱ ከውሒ መእተዊ ክልተ ቁመተን ሕፅር ሕፅር ዝበላ ብኣክሱማዊ ጥበብ ኣሰራርሓ ስነ ህንፃ ዝተሰረሐ በርታት ኣለዎ ። ካብዙይ ብተወሳኺ ብደገ ዄንካ እንትረአያ ፅብብ ዝበላ ኣብ ውሽጢ እንትረአያ ድማ ግፍሕ ዝበላ ሑሙሽተ መሻኩቲ ኣለዎ ። ካብ በርን መሽኮትን ወፃኢ ደጋዊ ክፋሉ ንምምልካዕ ዝተገበረ ፃዕሪ ኣይስተውዓሎን ።

ፅባቐ እየሱስ ህንፃ ኣብ ውሽጡ ምስ ኣተካ እዩ ዝፍለጥ ። እየሱስ ህንፃ ብኣንፈት ምዕራብን ስሜንን ዙርያ ኣለዎ ።እዙይ ውን ከም ክፋል ቅኔ ማህሌት ኮይኑ የገልግል ። ኣብ ቅድስት ብዓል ኣርባዕተ ማእዝን ኣዕምዲ ብዘደንቕ ጥበብ ተፀሪቦም ነቱ ቃስታ ተሸኪሞም ይራኣዩ ።እቱ ቃስታ ባዕሉ ብቅርፂ ጉልላት (dome) ቅርፀ መስቀልን ዝማዕረገን ዝተሸለመን እዩ ። ካልኦት ኣኩስማዊ ትሕዝቶ ዘለዎም መጋየፂታት እውን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ይረኣዩ ።ካብ ቅድስት ናብ መቅደስ ዝወስድ ኣካል እውን ውፅኢት ፅባቀ ክእለት ስነ ህንፃ ከምዝኮነ ይምስከር ኮይኑ ግን ኣብቱ ህንፃ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘበን ብወራሪ ሰራዊት ኣሕመድ ግራኝ በፂሕዎ ነይሩ ብዝብሃል ጉድኣትን ብተፈጥርኡ እቱ ከውሒ ስጡም ስለዘይኮነ ይበፅሖ ብዘሎ ሓደጋ ምንፃልን ካልኦት ኣብ ትሕዝትኡ ጉድኣት እናበፅሖ ይርከብ ።

እየሱስ ህንፃ ኣቡነ ኣብርሃም ብዝተባሃሉ ፃዲቅ ዝተሃነፁ ከምዝኾነ ዓበይቲ እቱ ከባቢ ይገልፁ ።ኣቡነ ኣብርሃም ኣብ እንደርታ ኮከሎ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ቦታ ኣብ ገረዓልታ ደብረፅዮን ኣብ ኣፅቢ ሚካኤል በርካ ንዝተባሃሉ ኣብያተ ክርስትያን ዝሃነፁ እዮም ። ምስቶም ካልኦት ኣዛሚድካ እንትረአ እቱ ህንፃ ኣብ መበል 14 ወይ ድማ 15 ክፍለ ዘበን ዝተሃነፀ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት ።

eyesyus-church-gjet-tigray-1.jpg
eyesyus-church-gjet-tigray-2.jpg
eyesyus-church-gjet-tigray-3.jpg
eyesyus-church-gjet-tigray-4.jpg


Post Reply