መስዋእቲ ሃፀይ ዮሃንስ - ዝኽሪ ኲናት መተማ (1881-2015 ዓ .ም)

Tigray related news and publications
Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

መስዋእቲ ሃፀይ ዮሃንስ - ዝኽሪ ኲናት መተማ (1881-2015 ዓ .ም)

Post by africangear »

emperor_yohannes_of_Ethiopia.jpg

ሎሚ ዕለት 30 የካቲት ድሮ 134 ዓመት ዝኽሪ ኲናት መተማ፥ መስዋእቲ ሃፀይ ዮሃንስን ኣብ ብዙሓት ፀረ ባዕዳዊ ወራርን መግዛእትን ተሰሊፎም ዝተዋደቑ ጀጋኑን ሃርበኛታትን ወለድናን እዩ፡፡

ኣብ ካልኣይ ፍርቂ 20 ክፍለዘበን ትግራይ ብሃፀይ ዮሃንስ ዝተሰረተ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዛ ሃገር ብምልእታ ሕዚኣዊ ቅርፃን ምድሪ ባሕሪን ኣጠቓሊላ ክትሕዝን ክተኽብርን ዓቕሚ ዘጥረየትሉ መዋእል እዩ ነይሩ። እዚ ክስተት'ዚ እንተዘይነብር ነይሩ ፍልፍል ኣባይ ጎዚኻ ኣብ ትሕቲ ግብጺ ንምእታው ዝተገበረ ተደጋጋሚ ፈተነ ዘምክን ሓይሊ ክነብር ምኸኣለ ኢልካ ንምግማት ኣፀጋሚ ምኾነ፡፡

ሕዚ ሳሕቲ ስሞም ኮነ ታሪኾም ብቀረባ ስድራ ቤቶም ከይተረፈ ዘይውስኡን ዘይለዓሉን ሃርበኛታት እቲ መዋእል'ቲ ዝፈጠሮምን ሕዳሰ ታሪክ ኣክሱም ዳግማይ ንክውሳእ ዝተጋደሉን እዮም። እቶም ዝፍለጡ ሰብ ታሪክ ክጽሕፍ ኢልካ ክትሕልን እንተለኻ ንመን ኣልዒለ ንመን ክገድፍ ብዝብል ትፈርሕ። ክንደይ ኢለ ኸ እየ ክጽሕፍ ትብል፥ ዓቕሚ ትስእን ወይ ትህከይ።(ካብ ሸውዓተ ኣሕዋት ኣቦሓጎኡ ሓደ'ኳ ካብ ውግእ መተማ ከምዘይተመለስዎም ዝነገረኒ ሓደ ዓርከይ ኣሎ።)

እዚኦም ኩሎም ከ ክንደይ ኢልካ ትዝክሮም? መን ምስጸሓፎም ከ ክዝከሩ? ንኣብነት ነጋድራስ ገብረህይወት ባይከዳኝ ዓብይ ምሁር ከምዝነበሩ ዳርጋ ኩሉ ዝተምሃረ ይፈልጥ። ኣቦኦም ሸቃ ባይከዳኝ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ደጃች ፋንታ (ሓሙሽተ ዙፋን) ተሰሊፎም ኣብ ዓውዲ ውግእ ከምዝተረፉ ግን ዝዛረብ ወይ ዝጽሕፍ ሰብ ሳሕቲ'ኳ ኣይርከብን። ናይ ነጋድራስ ናይቁልዕነት ስደት ምስ ስእነት ወላዲኦም ከምዝተሓሓዝ ዝፈልጥ ሰብ ውሱን እዩ፡፡ ብዙሕ ናብዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ዝጋዓዘን ኣብቲ ምትሕንፋጽ ህዝቢ ኣበርክቶ ዝገበረን ትግራዋይ ዝለዓለ ምንቅስቓስ ስደት ዘርኣየ ኣብቲ ዘበን'ቲ እዩ ነይሩ፡፡ እቲ ዋሕዚ ሰብ ግን ካብን ናብን ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዘይተቋረፀ ነይሩ።

ሓለውቲ ወሰናትን ኬላታት ሃገር ዝነበሩ ከም እኒ ሹም ደሓና ፋንታ ዝበሃሉ ኣብ ገሊኡ ክተንብብ እትረኽቦም ጀጋኑ ክንደይ ሰራዊት ትግራይ ሒዞም፥ ንክንደይ ዓመታት እንታይ ይገብሩ ከምዝነበሩ ምሕሳብ ቀሊል ኣይኮነን፡፡

"ከመይ ኣለኹም እምባየ ተሰማ
ነጋሪትኩም ዝብል ስማ ስማ
ግዝኣትኩም ለ ወልቃይት መተማ"

ተባሂሉ ዝተገጠመሎም ጀጋኑ ኣሕዋት ደቂ ክልተ ኣውላዕሎ ኣብ ሓንቲ ዘይትነፍዕን ዘይቅድስትን ግጭት ከምዝሞቱ'ምበር ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘሕለፍዎ ቅያን ተጋድሎን ኣይዝከርን።

እተን ኣብ ዘበን ሃፀይ ዮሃንስ ዝተኻየዳ ኲናታትን ውግኣትን ኣብ ምቕራጽ እዛ መሊኣ ደው ክትብል ትጽገም ዘላ ሃገር ወሳኒ ብጽሒት ከምዝነበረን ከይገለጽካ ንኣሉታዊ ሃልኪ ተባሂሉ ብምግናን ዝውጋዕ ብዛዕባ ውሱናት ግርጭዋት ጥራሕ እየን፡፡ ጎሊሀን ዝንገረለንን ዝውጋዓለንንድማ እየን።

ታሪኽ ትግራይ ከምዝነበረን ከምዝሓለፈን ዘይኮነስ ምእንተ ፖለቲካዊ ሃልኪ ተባሂሉ ከም ፕላስቲክ ክቅደድን ክስፈይን ብምጽንሑ ሎሚ ክንደይ ካብኡ ንምእማን ከምዝከኣል ንምሕሳብ የጸግም። ናይቲ ሓደ ምስቲ ካሊእ ይሕወስ። ናይቲ ሓደ ታሪኽ ንምምቃር ተባሂሉ ካብቲ ካሊእ ይስረቕ፡፡ ስእሊ ጉዕዞ ሰራዊት ሃፀይ ዮሃንስ ካብ ትግራዋይ ሰኣሊኡ ከምዘሎ ተገምጢሉ ምስተጉሓለ ሎሚ ዝበዝሕ ሰብ ናይ ምኒሊክ ስእሊ ከምዝኾነ እዩ ዝፈልጥ። እምበር ኣብ እንዳስላሴ ዓድዋ ጀርመናውያን ምስ ዘልዓልዎ ናይ 1898 ዓ.ም ፎቶግራፍ ክተመሳኽሮ እንተለኻስ ናይ ባዕልና ከምዝኾነ ግሁድ እዩ።

ክንደይ ገዳማትን ኣብያተ ክርስትያናትን ኣብ ጎንደር፥ ጎጃምን ወሎን ኮነ ኣብ ትግራይ ብሃፀይ ዮሃንስ ከምዝተሰርሑ ኣይንገርን፡፡ እቶም ወረርቲ ዝባረኹ 'መራሕቲ ሃይማኖት ኢና በሃልቲ መብዛሕትኦም ኣብአን ተማሂሮም ብዝረኸብዎ ማዓርግ እዩ ኣብ ልዕሌና ኢዶም ዘወጣወጡን ኣብ ዘይርሳዕ ርኽሰት ዝተኣዘኹን።

ሃፀይ ቴድሮስ ፈረንጂ ዓጊቶም ኣብ ጋፋት መዳፍዕ ከስርሑ ፈቲኖም ነይሮም ኢሉ ምጽሓፍ ዘይደኽሞ ዘቃሪ ሃፀይ ዮሃንስ ኣብ ዓድዋ ንፈረንሳውያን ዓሲቦም ብዛዕባ ዘስርሑዎ ክትኮስ ዝተፈንጀረ መዳፍዕ ዘውሰአ ፀሓፊ ክሳብ ሎሚ ኣይሰማዕናን፡፡ ዘይሰርሕዋ ብስክሌት ኣብ ዘበኖም ኣትያ ተባሂሉ ወግሐ ፀብሐ ዝንገረሎም ንጉሳት'ምበር ክትባት ኣብ ዘበኖም ኣእትዮም ብዛዕባ ዝበሃሉ ወይከ ኣይንገርን፡፡ ውዕል ምኽልካል ንግዲ ባርነት ምስ እንግሊዝ ፊርማን ማሕተምን ዘካየዱ ሃፀይ ዮሃንስ ኮይኖም እንዳሃለው ናይቶም ዳሕረዋይ ኣምሲልካ ምዝጋብ'ውን ከምኡ ምዝባዕ ታሪኽ እዩ።

እዚ ኩሉ ኮይኑ ንሃፀይ ዮሃንስ ዘድንቑን ታሪኮም ክወጽእ ዝጸዓሩን ድማ ኣለው። ደጃች/ዶክተር ዘውደ ገብረስላሴ ናይ ዶክትሬት መጽናዕታዊ ስራሖም ኣብ ዙርያ ታሪክ ሃፀይ ዮሃንስ እዩ። ነዚ ከሊሶምን ኣስፊሖምን'ውን ቅድሚ ሞቶም ኣብ ቀረባ ክንዲ ሓወልቲ ዝቁፀር መጽሓፍ ገዲፎም እዮም።

ካሊእ ኣብ ምርምርን መጽናዕትን ኣብ ትግራይ ተዛዊሮም ብዙሕ ዝፀዓሩ ፕሮፌሰር ባይሩ ታፍላ እዮም። ኣብ ስላሴ ዓድዋ ዝተረኸበ ታሪከ ነገስት ሃፀይ ዮሃንስ ምስ ናይ ግእዝ ቅዳሕ ናብ እንግሊዝኛ ተርጒሞሞ ኣለው። ኣብቲ መእተዊ ናይ ዘሎ ትርጉም ከምዚ ዝስዕብ ይብል።

'ኣባ በዝብዝ ካሳ ወይ ድማ ሃፀይ ዮሃንስ ፬ይ ብትውልዲ ወዲ ዓበይቲ (a nobleman by birth)፥ልዑል ትምህርቲ ሃይማኖት ዘጥረዩ፥ ብእምነት ቀናኢ፥ ስነምግባረኛ ጠባይ ዝወነኑ፥ ብግብሪ ከም መነኰስ ኮይኖም ዝነበሩ፥ ብሜላ ኣመሓድራ ሃገረኛ (ፈታዊ ሃገር)፥ ብመዳይ ስራሕ ወታደርን ንጉስን እዮም ነይሮም። እዞም ባህርያቶም'ዚኦም ኣብ ኩሎም ዜና መዋእላቶም ዝንፀባረቑ ኮይኖም ብፍላይ'ኳ ኣብዚ ናይ ሕዚ መጽሓፍ ጎሊሆም ቀሪቦም ኣለው።(ኣብቲ ትርጉም መጽሓፎም ማለት እዩ።) ብዛዕባ'ዞም ንጉስ ብግእዝን ብኣምሓርኛን ዝተጽሓፉ ዜና መዋእላት ብውሑድ ሸውዓተ ዝበጽሑ እንተኾኑ'ውን ሓዲኦም'ኳ ብወግዒ ዝተመደበ ፀሓፊ ታሪከ ነገስት ወይ ዓቃቢ ማህደር ዝተሰነዱ እዮም ኢልካ ንምርግጋጽ ኣይከኣልን። ኮይኑ ግን ኩሎም ጽሑፋት ኣብ ዘበነ ንግስነኦምን ብድሕሪኡን ዝተጽሓፉ እዮም፡፡"

(ፕሮፌሰር ባይሩ ታፍላ)

ኣብ ዓድና ንሃፀይ ዮሃንስ ብዙሕ ኣይተጽሓፈሎምን ጥራይ ዘይኮነስ እተን ዝርካበን'ውን ብዛዕባ ሓደ ፈላሲ ዝተጽሓፋ መጻሕፍቲ ታሪክ እየን ዝመስላ፡፡ ማሞ ውድነህ ዝሓሸ ክበሃል ዝኽእል ብኣምሓርኛ ጽሒፉ እዩ።

ምዕሩይን መሰረታውን ለውጢ ጽሑፍ ታሪኽ ሃፀይ ዮሃንስን ዘበነ መንግስቶምን ዝራኣይና ካብ ስዕረት ደርጊ ስዒቡ ብዝመጸ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ንድሓር እዩ፡፡ ኣብዚ ንምብጻሕ ንባዕሉ ገዚፍን ሕልኽላኽ ኣረኣእያን ክሕለፍ ነይሩዎ። ናይ ሓደ ንጉሳዊ ስርዓት ናእዳ ዝጽወይ ዝመስሎም ሰባት ግንዛበ ታሪኽ ክሳብ ዝሕዙ ጊዜ ወሲዱ።ቃልሲ ኣረኣእያ ቀጺሉ እቲ ጊዜ'ውን ባዕሉ ናይቲ ታሪኽ ኣድላይነት ግድን ኢሉ፡፡ ብዛዕባ'ዚ ብዙሕ ክበሃል ዝኽእል ኣሎ።እቲ ቁምነገር ግን ኩሉሰብ ብዛዕባ ሕሉፍ ዘይምፍላጥ ክጎድኦ ከምዝኽእል ተረዲኡ ናብ ምንባብ ገጹ ምጥዋዩ እዩ። ሰብ እንተኣንቢቡ እንታይ ከምዘሳማምዖን እንታይ ከምዘፈላልዮን ክርዳእ ይኽእል። ብድሕሪኡ ስልጡን ሜላ ኣፈታትሓ ጸገም ናይ ምኽታል ጉዳይ እዩ።

ነብሲሄር መምህር ገብረኪዳን ታሪኽ ሃፀይ ዮሃንስ ኣመልኪቱ ሓደ ኣብ ብዙሓት ዝጸንሑ ሕቶታት ታሪኽ ምላሽ ዝህብ ትርኑዕ መጽሓፍ ገዲፉልና እዩ። ምስቶም ኣበየ መድረኻት ዘሕልፎም ዝነበረ መደረታት ገዚፍ ጽልዋ ኣሕዲሩ ሓሊፉ። ናቱ'ውን እንተኾነ ክንደይ መከራን ጸለመን ተሰኪሙ እዩ ሓሊፍዎ። ፈተውቱን ደገፍቱን ብዙሓት ኮይኖም ከካብ ኩርናዑ ዝላዓሉ ብኣራኧእያኡ ምኽንያት ክሳብ ናብ ቤት ፍርዲ ክንወስደካ ኢሎም ዝሕልኑን ዶብ ጥሕሶም ዝጻረፉን ውሑዳት ሰባት የጋጥምዎ ነይሮም።ብዝኾነ ግን ከምቲ እንፈልጦ ናይ ባዕሉ ታሪኽ ሰሪሑን ታሪኽ ሃፀይ ዮሃንስ ኣድሚቑን ሓሊፉ።

ኣቶ ይትባረክ ግደይ ብኣምሓርኛ ሓደ ጽቡቕ መጽሓፍ ጽሒፎም ኣለው።ብክንደይ ጸገምን ሓቦን እዮም ጽሒፎምዎ፡፡ንጻዕሮምን ተግዳስነቶምን ክብሪን ምስጋናን ይግበኦም፡፡

ኣብ 2012 ዓ.ም መወዳእታ ፀሓፊ ታሪክ ተስፋኪሮስ ርጡብ ትንተና ዘካተተ ታሪክ ሃፀይ ዮሃንስ ብኣምሓርኛ ጽሒፉ ናብ ኣንበብቲ ኣቕሪቡ ኣሎ፡፡ክምስገንን ኣፍልጦ ክረክብን ይግበኦ፡፡

ብከምዚ ታሪኽና ካብ ዝዓለቦ ጠቐር ኣንጺህና ምዕሩይ መንነትና ክንርዳእ ንኽእል፡፡ ብዝኾነ ኣብ ኲናት መተማ ናይ ዝወዓሉ ሰማእታት ወለድና ዝኽሪ ክብል እየ ነዚ ኣቕሪበ፡፡

ታሪኽ ሃፀይ ዮሃንስን ጀጋኑ ወለድናን ታሪኽ መንነትና እዩ!


Post Reply