ትብፃሕ ናብ ህዝቢ ትግራይ - ጌታቸው ኣረጋዊ ካብ ግንባር ጋሸና

Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ትብፃሕ ናብ ህዝቢ ትግራይ - ጌታቸው ኣረጋዊ ካብ ግንባር ጋሸና

Post by africangear »

ቆረፃ ኣብ ብዓል ዋንኣ ጥራይ እያ ትሰርሕ!

ብሓደ ገፅ፡ ወፅዓን በደልን ህዝቡ መሪርዎ ሕነ ክፈዲ ብልዑል ወነን ሕራነን ዝተልዓለ፡ ብኻልእ ገፅ ድማ ካብ ባህጊ ህዝቡ ተበጊሱ ዘላቒ ውሕስነትን ራህዋን ህዝቢ ትግራይ ውሑስ ንምግባር ዓሊሙ ዝተነነ ሓየት ተጋዳላይ ትግራይ ሐዚ እውን ከም ወትሩ ዓወት ኣብ ልዕሊ ዓወት እናተወንዘፈ ንቕድሚት ይግስግስ ኣሎ።

ፀላእቲ ብዘይምቁራፅን ብተኸታታልን ኣብ ኩሎም ዓውደ ግንባራትን ንዝበፅሖም ዘሎ ክፉእ ስዕረትን ውድቀት ስነ ልቦናን ክፅግኑ ብዙሕ ፅዒሮምን ኣሎን የለን ዓቕሞም ኣዋዲዶም ዘውፅእዎ ትልሚ ቅድሚ ምዃኑ ከምዝተዓወቱ ገይሮም ከዘንትው ፈኽፈቕ ዝበሉሉ ኣብኡ እንተለው ከይበሰሉ ብግርሮም ክመኩን ክቑንጥውን ገይርዎም ኣሎ።

ስዑር ስነ ልቦና ዓምቧኽ ሰራዊት ፋሽሺት ኣብዪን ተስፋሕፋሒ ሓይሊ ኣምሓራን ንምፅጋን ተባሂሉ ብሽም ሓደሽቲ ክፍለ ጦራትን ፈሪሰን ዝነበራ ብወፍሪ ኽተት ዝተመላልኣ ክልተ ሰለስተ ግዜ ዝተደምሰሳ ጥራይ ቆፎአን ሒዘን ዝቐረያ ነባራት ክ/ጦራትን ኣኻኺቡን ኣዋዲዱን 'ሂወት ዘሪአ ኣለኹ'፡ 'ቆረፅክዎም ከበብክዎም' ኢሉ ኩሎም መሳርዕ ሕሶቱ ፀሚዱ ንዓ ሆወኒ ክብል ቀንዩ።

ንዙይ ክኾን ብግፋን ብግድን ካብ ኩለን ክልላት ብፍላይ ድማ ካብ ኦሮምያን ኣምሓራን ዓሰርተታት ኣሽሓት ምልሻን ዕሸል መንኣሰይን ኣኪቡ ልዕሊ 7 ክፍላተ ሰራዊት ኣዋዲዱ ፥ ብዙሕ ሓይሊ ኣብ ሚድያን ፕሮፖጋንዳን ፀሚዱ ፥ ኣፍ ዘለዎን ኣለኹ እየ ዝብልየ ዝብል ኩሉን ክዛረብን ክጅሃርን ገይሩ፡ያ ክቑረፀለይ ያስ ቆሪፀዮም ኣለኹ ከቢበዮም ኣለኹ ክብሉ ተኣኪቦም ጎረረኦም ቀርዒኖም ቀንዮም።

መጀመርታ ኣውራ ፊተውራሪ ሕሶት ፍሺሽት ኣብዪ "ጠላት ወደ ወጥመዳችን ገብተዋል" በለ። ኣለኹየ ብሃልን ፈካሪን ጀነራል ተፈራ ማሞ(ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ) ድማ "ጠላት (ኣሸባሪው ብዱን) ለኣንዴና ለመጨረሻ ግዜ ለመደምሰስ ደምበኛ እቅድ ኣውጥተን ከበባ ውስጥ ኣስገብተናል ጠብቁን" በለ። ንሕሶትን ጃህራን ኣይህከዮምን ቀፀሉ ፡ መራሒ ኣብን ክርስትያን ታደለ ብርግፀኝነት ስምዒት "ኣሸባሪዎች መጨረሻቸው እንዲህ ነው፡ መደምሰሳቸው ኣይቀርየ ነው፡ ልክ እንደ ህወሓት ሌሎችም ካሉ ዕድላቸው ይህ ነው" በለ። እዙይ ክኣ ግድድ ዝበሎ ጃህራ፣ ብድዐን ሕሶትን ዝተወንዘፈ ብኹን እዩ።

ተፈራ ማሞ ብሚድያ ወፂኡ ዝዘርዘሮ ትልሚ ፡ ብደሴ ቆሪፁ ዝመፅእ ሓይሊ ዋድላን ጋሸናን ማእኸል ገይሩ ንወገን ደብረታወር ሓሊፉ ዘሎ ሓይልና ቖሪፁ፣ ንላሊበላን ሙጃን ተቖፃጺሩ ንወልድያን ቆቦን ዝግስግስ እዩ።

እዛ ትልሚ እዚኣ እንተውፅኡ ሒዘምዎ ንዝነበሩ ዕስለ ሰራዊትን ጋዕ ገልጠምን ተኣማሚኖም ቅድሚ ናብ ተግባር ምእታዎም ልክዕ ተግቢሮም ዓወት ከምዝሓፈሱ ገይሮም ታህዲዶም እንትቐዱ፡ ካብቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሕሱም ፅልኣት ዘለዎምን ህዝብና ኣብ ምፅናትን ብሕሶት ስሙን ዘይስሙን ብሃብ ክድይኖ ዝሓገየ ዕሉል ፀረሰብ መሓመድ ተሰማ 'እዛ ተልእኾ ከዕውታ እየ ኢሉ ተኣኒኑ' እተን ሰፈር ሕሶትን መመሓላፊ ትቡ ሕሶትን ዝኾና ሚድያታቱ ሒዙ ኣብ ጋሻና ብልዑል ጀብዲ ተኸሰተ።

ብርኪ ሓፂን ሓየት ሰራዊት ትግራይ ድማ ንዙይ ኣምኪንዎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣይሓንኩን እምበር ዝሓንኩ እንተዝኾኑስ ካልኣይ መዓልቲ እውን ከምዘይዛረቡ ሕፍረት ጎልቢብዎም ኣሎ።

ዝኸበርካ ኣብ መላእ ዓለም ኮይንካ ትቃለስ ዝለኻ ኹልኻ ተቓላሳይ ትግራዋይ ስማዕ፣

ወረጃን ዘይሕለልን ሕቡን ህዝቢ ትግራይ እቲ ኹሉ ታህዲድን ወደኽደኽን ፀላእትኻ እንተትሰምዕ፡ ዋላ እኳ ሓሳዊ መንነት ፀላእትኻ ብደንቢ ትርዳእን፥ ነቕ ዘይብል ቅዋምን ልዑል ብቕዓትን ደቅኻ ኣፀቢቕካ ትፈልጥ እንተኾነ ዋላ ንእሽተይ ደንገርገርን ስግኣትን ክፍጠር ከምዝኽእል ግን ንግንዘቦን ኣብ ግምት ነእትዎን ኢና።

ብርግፅ ከምቲ ፈረንጂ ዝብልዎ "action speaks louder than words" ካብ ብዙሕ ዘረባ ቁሩብ ተግባር ቁምነገር ኣለዋ ከምዝብልዎ፡ ዋላ ንዘረባ ንደንጒ እቲ እንፍፅሞ ተግባር ሓቀኛን ውፅኢታዉን ስለ ዝኾነ ንቲ ኩምራ ሕሶቶምን ሃተፍተፎምን ብቐሊሉ ዘብንኖ እዩ። ዋዕዋዕን ታህዲድን ፀላእቲ ሱቕ ኢሉ ክምራ ሓሰር እዩ፡ ከምዛ ንገዚፍ ኩምራ ሓሰር እታ ንእሸተይን ደቃቕን ክርቢት ክትንክፍ እንተላ ብሓንሳብ ሓሙኽሽቲ ትገብራ ከምኣ እዩ ዝገብሮ ሓየት ሰራዊትና ንቲ ዓምቧኽ ዕስለ ሰርዊት ፀላኢ።

ዝኸበርካ ተቓላሳይ ህዝብና

ደቅኻ ብልዑል ብልሕን ጥበብን መርሕነት ሰራዊትናን ብልዑል ወነ፣ ብቕዓትን ሕራነን ትኩስ ሓይሊ ተጋዳላይና ተሳንዪ ዝሰርሕዎ ዘለዉ ቅያን መስተንክርን ኣነ ሐዚ ብቓላት ክገልፀልካ ተኽእሎ የብለይን። ብመንነትካ ዝንተኣለምን ክትሕበነሉን ክተዘንትዎን እትኽእል መስተንክራዊ ስርሒታት ይምዝገብ ኣሎ።

ህዝብና! እቲ ውዕሎ ደቅኻ ብኣካል ትሪኦ ምኾንካስ ክንደይ ምትሓበንካ!

ወፅዓን በደልን ህዝቡ መሪርዎ ሕነ ክፈዲ ዝተነነ ጅግና ተጋዳላይ ንፀላኢ ኣብ ዝኣተዋ ኣትዩ ሕነ ከምዝፈዲ ንፃት እውን ኣይጠራጠርን። ሕነ ምፍዳይ ጥራይ እውን ዘይኮነ ዘላቒ ረብሓን ባህግን ህዝቢ ትግራይ ከምዘረጋግፅ እውን ይተኣማመን የተግብሮ ይገልፆ እውን ብምዕሩግ ኣገባብ።

ብኸምዚ ስርሒት ፡ ንፈኸራን ጃህራን ፀላኢ ዘብነነ ውግእ ጋሸናን ዋድላን ብልዑል ጥበብን ብቕዓትን መርሒነት ሰራዊትናን ጅግንነት ተጋዳላይና ንፀላኢ ዕጥቁ ዘፍትሐ ንዓና ሓደሽቲ ዕጥቒ ዘዕጠቐ እዩ፡ ያው ዕጥቅና ካብ ፀላእትና እንድዩ ከምትፈልጥዎ።

ኣብዚ ውግእ እዙይ ፀላኢ ሒዝዎን ዝመፀ 4 ሓደሽቲ t-72 ዝዓይነተን ታንኪ ተማሪኸን እየን። ኩለን ሒዘዎን ዝመፀ ዝጥቀመለን ዝነበረ መኻይንን ማሸነርታትን ተማሪኸን እየን። 3 ዙ-23፣ 3 መድፍዕ 122፣ ብርክት ዝበለ ብመኻይን ዝተፅዓነ ብፅዕኑ ሞርታርን ዲሽቃን ምስ ጥይቱ፣ ብኣሽሓት ደቀቕቲ ብረት ተማሪኹ እዩ።

ፀላኢ ኩሉ ሓይሊ ሰቡ ካብ ጥቕሚ ወፃእ ኮይኑ እዩ። ዝቕተል ተቐቲሉ፡ ዝማረኽ ተማሪኹ፣ ዝሃድም ሃዲሙ ተበቲኑ እዩ። ተኣኪቡ ቅሩብ ህይወት ከይሰርዕ እውን ሓየት ሰራዊትና ደድሕሪኡ እናስዓበ የሰራጥዮን ይኣርዮን ኣሎ።

ውቕዓቱ እኳ ክሕዝ ዘይክኣለ፡ ኣብ ኮን ጥዕና ጣብያ ኣቐሚጥዎም ዝነበረ ቁስላቱ ሓዲግዎም ብርከይ ኣውፅእኒ ኢሉ ዝሃደመ ፈሽኳልን ስሉብን ፀላኢ እዩ። ታይ ከ ይግበር ትንፋሱ እኮ ኣውፂኢዎ ሓየት ሰራዊትና።

ፍሺሺት ኣብዪን መሻርኽቱን ናይ ዕሰለ ኣካይዳ ኣዋጅ ክተት ኮነ ግፋ፡ዋላ ዘድሊ ዘበናዊ ዕጥቂ ምሓዝ ከምዘየድሕኖም ርኤሙዎ ኣለው። ስዑር ስነ ልቦንኦም ሒዞም ንድሕሪ ሐዚ እውን ገፈጥ መፈጥ ኣኻኺቦም እንተፈተኑ ካብ ከምዚ ዝበለ ስዕረት ትርፊ ፡ ካሊእ ሕሱም ስዕረትን ዉርደትን ክረኽቡ እምበር ካሉእ ዋላ ሓንቲ ዕድል የብሎምን።

ትግራይ ትስዕር ኣላ!
ጌታቸው ኣረጋዊ እየ ካብ ግንባር ጋሸና ዋድላ-ደላንታ-ደሴ











ቅንያትና ጀጋኑና ብፎቶ
Attachments
TDF in Gashena
TDF in Gashena
TDF in Gashena
TDF in Gashena
TDF in Gashena
TDF in Gashena
TDF in Gashena
TDF in Gashena
TDF in Gashena
TDF in Gashena
ተጋዳሊት ማህሌት፡ ዲሽካ ተኳሲት እያ። ፀላኢ ደምሲሶም እንዳተኸታተሉ እንትለቕምዎ ኣብ መዓልቲ ኣሸንዳ እየ ረኺበያ።
ተጋዳሊት ማህሌት፡ ዲሽካ ተኳሲት እያ። ፀላኢ ደምሲሶም እንዳተኸታተሉ እንትለቕምዎ ኣብ መዓልቲ ኣሸንዳ እየ ረኺበያ።
TDF in Gashena
TDF in Gashena
TDF in Gashena
TDF in Gashena
TDF in Gashena
TDF in Gashena
TDF in Gashena
TDF in Gashena
TDF in Gashena
TDF in Gashena
TDF in Gashena
TDF in Gashena


Post Reply