ጅግና ወያናይ በርሀ ጉማ መን እዩ?

Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ጅግና ወያናይ በርሀ ጉማ መን እዩ?

Post by africangear »

“ልዕሊ 400 ወታደራት ካብ ጥቅሚ ወፃኢ ገርና ኢና” ዝብል ወነ ቃልሱን ፃምዕ ዓወቱን ሰማይ ዝበፅሐ ጅግና ወያናይ በርሀ ጉማ መን እዩ? አብ ምንታይ ኩነታት ኸ ይርከብ?

Tigray War Video: Tegadalay Berhe Guma at the battlefield flyting the invading forces

ጅግና ወያናይ በርሀ ጉማ መን እዩ?

“ትግራይ ሰላም ክሰፍን ወትሩ ተጋዳላይ ወትሩ ተዓዋታይ እምቢ ክዕወት ባንዴራ ትግራይ ከንበልብል” እናበለ አብ ልዕሊ መጉዳእቱ እናሓረነ ዝተቀረፆ ምስሊ ብዙሓት ርእዮምዎ ብዙሓት መናእሰይ ትግራይ አላዒሉ ናብ ቃልሲ ክውሕዙ ዝገበረ እዩ - ጅግና ወያናይ በርሀ ጉማ።

ሙሉእ ሽሙ በርሀ ተስፋይ እዩ:: 1975 ዓ.ም አትሒዙ ዝወየነ ድሕሪኡ እውን ናብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተፀምበረ፤ ሕዚ ድማ ጉጅለ ፋሽሽታዊ አብዩ አሕመድ ምስ መላፍንቱ ዝኾኑ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ አፈወርቂን ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ መሪሑን ተዓዊቱን እዩ።

ጅግና ወያናይ በርሀ ተስፋይ 184 ምልሻ ዝመርሕ ኮማንደር ሓይሊ እዩ። “400 ወታደራት ፀላኢ ካብ ጥቅሚ ወፃኢ ገይርና ኢና" ይብል መሳርሕትና ጋዜጠኛ ዮውሃንስ አሸብር እቲ ተወግኡ ዝሓረነሉ ኩነታት ሓቲትዎ እንትምልስ። አብ ወረዳ ዒስራ ዓዲ ወጀራት ጣብያ ቦንካ ኸባቢ ስርነባ ተራኺቦም አለው። ጅግና ወያናይ በርሀ ተስፋይን ጋዜጠኛና ዮውሃንስ አሸብርን።

ላዕለዎት አመራርሓ ህ.ወ.ሓ.ት ናብ በረኻ ምስ ወፅኡ ኣብ በረኻ ዓወት ከም ዝመፅእ ሙሉእ እምነት ከም ዝነበሮ ይገልፅ ጅግና ተጋዳላይ በርሀ ተስፋይ። ፀላኢ ጣብያና ጣብያ ቦንካ ብሓይሊ እንተዘይ ኾይኑ ኣይአትዋን ኢሎም ምልሻ እታ ዓዲ አብ መደምደምታ ከም ዝበፅሑ ይዛረብ። ወያናይ በርሀ ተስፋይ 184 ምልሻ ዝመርሕ ኮማንደር ሓይሊ እዩ እሞ ምስ ፀላኢ ፊትንፊት ክገጥም ከም ኹሉ እዋን ቖሪፁ ተበገሰ::መዓዝ ክገጥም ጥራይ ክመርሕን ከዋግእን እውን እምበር።

5 ጥሪ 2013 ዓ.ም ፀላኢ መፂኡ ተባሂሉ:: ምልሻ ጣብያ ቦንካ እውን ድፋዕ ሒዞም። “ድሌት ዘለካ ምልሻ ተበገስ ድሌት ዘይብልካ ድማ ንብረት መንግስቲ ዝኾነ ዕጥቅኻ ከይትህብ ንበረኻ ውፃእ” ዝብል መፀወዓታ ቐሪቡ። ጀጋኑ ወየንቲ ጣብያ ቦንካ ፀላኢ ብጣብያ ሰንዓለ አቢሉ ክከቦም ተልዓለ። ነቶም ጀጋኑ ወየንቲ ክቆፃፀሮም ዝተረፎ የለን። ብርጌድ 21 ዝተሰየመ ሓይሊ ፀላኢ ክውሕጦም ይህንድድ እዩ ዘሎ። ወየንቲ እታ ጣብያ ድማ ብሕራነን ኣይግዛእን በሃላይ መንፈስን ምስ ፀላኢ ክሳድ ንክሳድ ተሓናኒቆም መስተንክራዊ ዓወት ኣመዝጊቦም። “ክልተ ጀጋኑ ወየንቲ ጥራይ ተሰዊኦምና” ይብል ጅግና ወያናይ በርሀ ተስፋይ፤ 400 ወታደራት ፀላኢ ከም ዝደምሰሱ ብምግላፅ።

ጅግና ወያናይ በርሀ ተስፋይ ወትሩ ዝዝክረን ዓውደ ኲናት ኣብ ሽረ 604 ኮር ክድምሰስ ከሎ አብ ዝተኻየደ ዓውደ ኹናት ተሳቲፉን ተወግኡን እዩ። 5 ጥሪ 2013 ዓ.ም ብፅንዓት ምስ ፀላእቲ ዝተዃሽሐ ወያናይ በርሀ ተስፋይ መሪሑ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን ዓወት ሓፊሱ እዩ። አብዚ ዓውደ ኩናት እዩ እምበአር ወያናይ በርሀ ተስፋይ ምስ ተወግአ ኣብ ልቢ ብዙሓት ተጋሩ ዝሓደረ ሕራነ ዝፈጠረ።

ሕዚ ኣብ ኸመይ ኩነታት ይርከብ?

ጅግና ወያናይ በርሀ ተስፋይ መቑሰልቱ እናፀገነ እዩ። ወነ ቃልሱን ፃምእ ዓወቱን ሐዚ እውን ሰማይ ዓሪጉ ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ። “እቲ ቃለሲ ብዓወት ህዝቢ ትግራይ ከም ዝዛዘም ተጠራጢረ ኣይፈልጥን” ብምባል ዓወት ህዝቢ ትገራይ ሕዚ እውን ዘይተርፍ ምዃኑ ኣብ ገፁ ብሩህ ተስፋን ሕራነን እናተነበበ ብወነን ሕራነን ይገልፅ።

berhe-guma-1.jpg
tegadalay-berhe-guma.jpg


Post Reply