ወያነ! ከም ወለድና፤ ንሕና ተጋሩ ኢና!

Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ወያነ! ከም ወለድና፤ ንሕና ተጋሩ ኢና!

Post by africangear »

tegadelti-Tigray.jpg
ኣብ ሓደ ገፅ እትንበብ፤ ብዓል ሓደ ልቢ ህዝቢትግራይ፤ እንኳዕ ንመበል 46 ዓመት ፅምብል ዳግማይ ልደት ወያነ ትግራይ 11 ለካቲት ኣብፅሐና! ዓወት ናይ ግድን እዩ!

ትግራዋይ ብዓፀወቐለለ ብረቱ ኣየልዕልን! ትግራዋይ ብመንነቱን ብመሰሉን እንተመፂኦምዎ ጥራሕ እዩ ብረቱ ዝውልውል! እምበር ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ፤ ትግራዋይ ዕቡይ ኮይኑ ንኻሊእ ህዝቢ ብጋዶ ወሪሩ ዘጋፍዐሉ ታሪኽ የለን፡፡ ተጋሩስ ዓዲእማቶም ወሪሮም ኣጋፊዖም ዝብል ነበረያ ነበረ’ኳ የለን፡፡ ታሪኽ ትግራዋይ ከም’ቱ ንመንነቱ ዘኽብራ ንመንነት ካልኦት ህዝብታት እውን ማዕረ ዘኽብር ምዃኑ እዩ፡፡ ዝበዝሕ ግፍዒ ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ዓዱ ኣብ መረበቱ እዩ በፂሑዎ፡፡ ብዙይ እውን ብረቱ ኣልዒሉ ክልተ ወያነታት ኣካዪዱ! ሎሚ ድማ ሳልሳይ ወያነ ተወሊዑ ተቐፃፂሉ ይጉሃሃር ኣሎ!

መንቀሊ ቀዳማይ ወያነ፤ ኣብ ፅባሕ ምብራር ጥልያን፤ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተፅዓነ መግዛእቲ ማእከላይ መንግስትን መሳፍንቲ ትግራይን እዩ ነይሩ! ገዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህይወት፣ ንብረት፣ ስድራ፣ መሬት ኮታስ ዝኾነ ይኹን ጉዳይ ትግራዋይ ወነንቲ ኮይኖም ነይሮም፡፡

ካብ ምሕራድ እንስሳቱ ኣትሒዙ እዳ’ቱ ሓረስታይ ንዝተጠረየ እኽለማይ ኩሉ ኣጠፋፊኦም ኣፋሲሶም ገዝኡ ዖና ይገብርዎ ነይሮም፡፡ ካሊእስ ይትረፍ ንዘርኢ ዝኸውን እኽሊ እንተይሓደጉ ጥራሕ ኢዱ የትርፉዎ ነይሮም፡፡ ናውቱ እውን የንድዱዎ ነይሮም፡፡ ገዛ ገዛ ዘይሮም መቐነት እናፈትሑ፣ ሃዳሙ እናጎርጎሩ ትግራዋይ ዘለዎ ኩሉ ወረሩዎ፡፡ ኩሉ ገይሮም እቱ ዝውሰድ ኩሉ ወሲዶም ክንዲ እቱ ዝደለዩዎ እንተዘይረኺቦም፤ ሰብኡት ንዘበሉ ኩሎም ብምእካብ፤ ማይ ብዝተኣለኸ ሽመል ጨው ኣእዳዎም እናኣሰሩ ይቕጥቕጡዎም ነይሮም፡፡

ንሰዓብቶም ሒዞም ናብ ዝኣተዉዎ ዓዲ ኩሉ ቀለብ ህዝብና ቀለቦም፤ ናውቲ ህዝብና ናውቶም፤ ግራውቲ ህዝብና ግራውቶም፤ ጥሪት ህዝብና ጥሪቶም ገበሩዎ፡፡ ሃዳሙ ህዝብና ፈሓሩዎ፤ ሓዊ እውን መለሱሉ፡፡ ትግራዋይ ምኩቱ፣ ፃዕዳ እኽሉ፣ መዓር ፀብኡ፣ ሰጋራት ኣብቕልቱ ኩሉ ሙሉ፤ ብቐትሩ ከተሩዎ፡፡

ንኹሉ ዓድታት ኣንደዱዎ፣ ኣሰሩዎ፣ ቀተሉዎ ኣሰደዱዎ! ትግራዋይ ብስረኡ ካብ ጥልያን መንዚዑ ንዝተዓጠቖ ንኣታቶም ኣረኪቡ፤ ፈፂሙ ክንምብርከኽን መሊኦም ከጥፍኡዎን ኩሉ ሓይሎም ኣዋዲዶም ደድሕሪ መሪር ተጋድሎ ዘበን ወራር ጥልያን ተተኪኦም ኣብ ልዕሊኡ ወፈሩ፡፡ ቆልዓ ሰበይቲ፣ ኣረጋውያን ሕሙማት እንተይፈለዩ ዝደለዩዎ ኩሉ ገበሩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ግፍዕን መከራን ምስበዝሖ፤ ዋይ ኣነ... እምብለይ ጠንጠነለይ ኢሉ ብዝወልዖ ቀዳማይ ወያነ ንፀላእቱ ደዃዕዃዕ ኣቢሉ፤ ንከተማ መቐለ ሓዊሱ መብዛሕትኡ ትግራይ ሓራ ብምውፃእ ኣብ ብራኸ ሙሉእ ዓወት በፂሑ ነይሩ! ንሰራዊት ክልተ መንግስትታት ኢትዮጵያን እንግሊዝን ረብረብ ኣቢሉዎም! ከምዞም ናይ ሎሚ ባንዳታት ብልግና፤መሳፍንቲ ትግራይ እውን ምስ መሳፍንቲ ሃፀይ ሃይለስላሰ ሓቢሮም ንሓድነት ህዝብና ክሽርሽሩ ኩሉ ሸርሒ ፈፀሙ! ምስ ፀላእቲ ወጊኖም እውን ነፈርቲ ዓዲሞም ንህዝብና ብኣልማሚት ኣጨፍጨፉዎ! ብዙይ እውን ወያነ ተደጎለ!

ብድሕሪ ቀዳማይ ወያነ መከራን ግፍዕን ብዝኸፍአ ገደደ! መቕፃዕቲ ወያነ ኢሎም፤ ትግራዋይ ካልኣይ ቅንዕ ኢሉ ከምዘይሪአና ንግበሮ ኢሎም፤ ደኒኑ ተንበርኪኹ ክግዛእ ኢሎም፤ ኩሉ ስቅያተ ኣወረዱሉ! ኣብ ቅድሚ ወላዲ ንኣዋልድ ደቁ፣ ኣብ ቅድሚ ሰብኡተንን ውሉደንን ንኣዴታት፣ ኣብ ቅድሚ ካህናት ንቖረብቲ ኣንሽቲ ካህናት እንተይገደፉ ደፈሩወን! ብዙሓት ኣቦታቶም ዘይፍለጡ ቆልዑት እውን ተወሊዶም! ንፍረነፍሲ ሰብኡት ብገመድ ጨው ብምእሳር ብዙሓተ መኺኖም ብዙሓት እውን ሞይቶም! ንእነታትና ሰብኡትክን ሓቢእኽን እናበሉ ምስህይወተን ብገመድ ኣሲሮም ናብ ገደል ኣፅደፉወን!

ኣብ ጎዶታትን ዓውድን ዝነበረ ኣእኻል ሓዊ መለሱሉ! ኣብዑር፣ ኣላሕም ኣብ ዝወዓሉዎ ተሓረዱ! “ታላቅ፣ ታናሽ፣ ሽንጥ” እናበሉ ፈልዮም ብምውሳድ እቱ ዝተረፈ ስጋ’ኳ ትግራዋይ ከይበልዖ ኣብ ሓመድ ይፈፉዎ ነይሮም! ኣግማል፣ ኣፍራስ፣ ኣዕዱግ፣ ኣብቕልቲ ተጋሩ እናጓየዩ ዒላማ ቶኽሲ ገበሩወን! ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ትግራዋይ እዘን ጥሪት ከይውንን ከይዕድግ ኣወጁሉ፡፡ ማንም ነጋዳይ እውን ንዘን እንሰሳ ናብ ትግራይ ከየእቱ ኣወጁ! ገዛ ገዛ ትግራዋይ እናኣተዉ ዕጥቁ ኣፍትሑዎ፡፡

ድሕሪ ቀዳማይ ወያነ ኣብ መቐለ ኣብ ዝኸፈቱዎ ቤት ማእሰርቲ (ቤት ወህኒ) ብዙሓተ ኣሽሓት ወየንቲ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ተዳጉኖም ብዝተልዓለ ለበዳ ሕማም ከም ቆፅሊ ረጊፎም፡፡ መቐለ ምስክር እያ! ብዳብዳብ ነፈርቲ እንግሊዝ ኣብ ዕዳጋ ሰኑይ መቐለ ካብ ዝረገፈ ኣማኢት ህዝቢ፤ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዕፅፊ ዝበዝሐ ወያናይ ትግራዋይ ኣብ ቤት ወህኒ መቐለ ብጨለውታ ተወዲኡ! ብበዝሒ ድማ ኣብ ሓደ ጉድጓድ ይቕበር ነይሩ፡፡

እንታይ እሞ ዘይገበሩናን ዘይበሉናን! ብመንንትና ንምእማኑ ዘፀግም ዘስካሕክሕ ግፍዒ ኣውሪዶምልና! ኣብ ልዕሊ ድኽነት፣ ከርፋሕ ናብራን ግፍዓዊ መግዛእትን፤ ኣብ ዝተፋላለየ ግዘ ተፈጥሮ እውን ዘርያ ብሓሪ፣ ብጥምየት፣ ብኣምበጣ፣ ብዘበን ቦጦቖ ህይወት ትግራዋይ ኣብ መንቀራቕዖ ምንባርን ዘይምንባርን ወደቐ፡፡

ህዝብና እናበረሰ ትግራይ ዓድና እናባደመት ከደት፡፡ በዝሒ ህዝብና ተስፋ ስኢኑ ሸቂሉን ለሚኑን ክነብር ኢሉ መረበቱ እናገደፈ ፎቖዶ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተሰደደ፡፡ ጥሪቱ በረሰ! ኣብ እንግድዓ ህዝብና ዝሰፈሩ መሳፍንቲ ኣረብሪቡዎ፤ ክሳብ ዝወድቕ ክንብርከኽ ገበሩዎ፡፡ ፀውርኦም ከበዶ! ከልቢ ሃፀይ ሃይለስላሰ ንልደታ ኬኽ ኣብ ዝቑረሰላ ሃገር፤ ትግራዋይ ስዱድ ግና ኣብ ፅርጊያታት ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን እናለመነ ክተኽቡሉ እኳ ይፅየፉዎ ነይሮም! ካብ ለመና ሕይሽ ዝበለ እውን ካብ ናይ ገዛ ሰራሕተኛ ኣትሒዙ ኩሉ ትሑት ዝብሃል ስራሕቲ ክሰርሕ ተገደደ፡፡

ሃገርና እናበልናያ ሰብኣዊ መንነትና ቀንጢጣ ትሕቲ ሰብ ተደብረና! ደርጊ እውን መፂኡ ውላድ መን እሞ ኮይኑ፤ ከም ኣያታቱ ብመንነትና ከጥፍአና ተሃንደደ! ሕሉፍ ሓሊፉ “እዞም ድኻታት፤ መዐደጊ ቾክ’ኳ ዘየፍርዩ ዓዲ” በለና! መራሔ ሃገር ኢትዮጵያ ኣፉ መሊኡ፤ “ዓዲ ድሑራት፣ ጥሙያት ፅጉማት እንብሃል ካብዙ ክልል ብዝመፅእ ፀገም እምበር ኣብ ካሊእ ኢትዮጵያ ምንም ፀገም የብልናን” ኢሉና እውን ነይሩ መንግስቱ! ብፅዑቕ ወተሃደራዊ ወፍሪ እውን ከብርሰና ከንበርክኸና ኩሉ ዝኸኣሎ ገበረ፡፡

እዙ ኩሉ ገይሮም ግና ወያነ ትግራይ ተደጎለ እምበር ኣይጠፍአን! ምስዙ ኩሉ መከራን ግፍዕን፣ ሞት፣ ስደትን ከርተተትን ትግራዋይ ኣብ ልቡ ዋይ ኣነነት ይጉህር ነይሩ! እወ፤ ዋይ ኣነ ኢሉ ስኑ ነኺሱ መሬት ኣውጊሑዋ! ትግራዋይ ድሕሪ እዙ ኹሉ መከራን ግፍዕን እዩ ነይሩ ዳግማይ ወያነ ትግራይ ዘቀፃፀለ! ንሽግ ወያነ ትግራይ ዳግማይ ወሊዑ ዋይ ኣነ ዝበለ፤ ከም ወለዱ ሃይማኖት፣ ፆታ እንተይፈለየ ኣንፃር እቶም ዘጋፍዑዎ ዝተልዓለ!

... ከዓ ጀመረ ህዝቢ ትግራይ ክልዓል በለ
ክልዓል በለ ህዝቢ ትግራይ ቃልሱ ቀፀለ
ንኡስ ሽማግለ ሰበይቲ ከይበለ
ኣስላማይ ክስታናይ ሃይማኖት ከይፈለ
ንማዕርነት ዓዱ፤ ውፁእ ትግራዋይ ቃልሱ ቀፀለ
ተባሪዑ ቃልሲ ብዘበን ወያነ ...
ተኳሊፉ ነይሩ መሊሱ ተልዓለ
ዝተደጎለ ሓዊ ክባራዕ ጀመረ ...
ንሓርነት ህዝቡ ሓቢሩ ተልዓለ

ኢሉ እናዜመ ቃልሱ ኣጓሃሃረ! ንዳግማይ ወያንኡ 11 ለካቲት 1967 ኣቀፃፂሉ እውን ኣብ ልዕሊ እቶም ግፍዓውያን ሕነ ፈድዩ!

ንልዕሊ ሚኢቲ ዓመታት እናተባረዩ ከም ህዝቢ ከብርሱዎ፤ ፍፁም ባርባራዊ ግፍዓዊ መግዛእቲ ንዘውረዱሉ ሰረት ማእኸላይ መንግስቲ እዛ ሃገር ሃንዲሱ፤ ካብ ሱሩ በርቂቑ ዳዕመኾ!
ትግራዋይ ግን ቂመኛ ኣይኮነን! ኰይኑ እውን ኣይፈልጥን! ንዙይ እውን ነይሩ፤ እዙ ኩሉ ግፍዕን መከራን ንዘውረዱሉ ማሪኹ ይቕረ ኢሉ፤ ንቱ ዝኸፈሎ ከቢድ ዋጋ መስዋእትን ምስንካልን ኣማኢት ኣሽሓት ቀያሕትን ፀለምትን ተጋሩ ከይተፀባፀበ፤ ስርዓት ማዕርነታዊ ሓድነት ዝተኸለ፡፡ እዛ ሃገር እውን ካብ እትፍጠር ተርእዩ ዘይፈልጥ ልምዓትን ምኽባር መሰል ብሄር ብሄረሰባትን ንምርግጋፅ እግሪ ኣትኪሉ! እታ ኣብ ዓለምና ብድኽነትን ድሕረትን ኣብ መወዳእታ ካብ ዝነበራ ሰለስተ ዓድታት ሓንቲ ዝነበረት ሃገረ ኢትዮጵያ፤ ርእሳ ኣቕኒዑ ምስ ሃገራ ማዕረ ብምግባር ኣብ መድረኻት ዓለም ብቕድሚት ክትስራዕ ገይሩዋ ነይሩ!

እወ፤ ትግራዋይ ብዓፀወቀለለ ብረቱ ኣየልዕልን! እንተልዒሉ ግና ኣብ መፈፀምትኡ ኣብፂሑ ታሪኽ ሰራሓይ እዩ! ክልቲኡ ወያነታት ትግራይ ዝምስክሮ እውን ንዙ ወርቃዊ ታሪኽ እዩ! እዙ ተተሓሒዝናዮ ዘለና ሳልሳይ ወያነ እውን፤ ደቂ መን እሞ ኮይንና፤ ከም ኣያታትና ኣብ ሽትዑ ኣብቅዒና፤ ሃገረ ትግራይ እንተዘየጣዪሽና፤ ወይከ ፈተኽ! ከም ወለድና ንሕና ተጋሩ ኢና! ተዓወቲ ኢና!

ዘለኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንሰማእታት ትግራይ!

#ካሳ_ሃይለማርያም


Post Reply