ኤርትራውነት ንኽፍጠር ዝተጓሕፈ ናይ ሓበን ታሪኽ

Eritrea related news and publications
Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ኤርትራውነት ንኽፍጠር ዝተጓሕፈ ናይ ሓበን ታሪኽ

Post by africangear »

alual-aba-nega_Rasi-weldemichael.jpg
《ኤርትራውነት ንኽፍጠር ዝተጓሕፈ ናይ ሓበን ታሪኽ》

ብራእሲ ኣሉላ ዶ ብራእሲ ወልደሚካኤል ንተሓበን :?:

ኣብ ኤርትራ መባእታዊ ናይ ታሪኽ ትምህርቲ ዝቐመሰ ሰብ ዝፈልጦ ታሪኽ እንተሎ ኮይኑ፣ ቱርኪ ሰለስተ ሚኢቲ ዓመት ገዚኣትና፡ ድሕሪ ቱርኪ ግብጺ ዓሰርተታት ዓመታት ገዚኣትና፡ ድሕሪ ግብጺ ድማ ጥልያን ረማሲሳትና፡ ዝብል እዩ።

እዚ "ተገዚእና" ዝብል ቃል እቶም ጅግንነት ዝፈጸሙ ኣቦታትና ኣይፈልጥዎን እዮም። ናይ ብሓቂ ዲና ብግብጻውያን ተገዚእና ንጥልያን ካኣ ኢድና ሂብና፧ እዚ ናይ ሓሶት ታሪኽ ተበርቊቑ ኣሰሩ ክሳብ ዝጠፍእ እቲ ሓቀኛ ታሪኽና ክንብርብር ከም ዘለና እና'ዘኻኸርኩ፡ ብግብጺ ከም ዘይተገዛእና ንጥልያን ድማ ኢድና ከም ዘይሃብና ዘረድእ ጭብጣዊ ጽሑፍ እነሆ፣ ሰናይ ንባብ።
~~~~~~~~~
ኣብ መጀመርታ ዓሰርተታት ዓመታት ናይ 19 ክፍለ ዘመን፡ ህዝብና ብወራር ኣምሓራይ ውበ ሰኪሑ ምንባሩ ይፍለጥ። እንተኾነ ድሕሪ ሞት ውበ፣ ሃጸይ ዮውሃንስ ኣብ ዝነገሰሉ ዘመን ህዝብና ብሕጊ እንዳ'ባ ይመሓደር፡ ሓሪሱ ምሒሱ ይኣቱ ግብሪ ንጉስ ድማ ከም ሕጊ እንዳባ መሰረት ይኸፍል ኔሩ። ታሪኽ ከም ዝምስክሮ ኣብቲ ግዜ'ቲ ግብጻውያን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ይንቀሳቐሱ ነበሩ፡ ካብኡ ሓሊፎም ውን ናብ ከበሳ ገጾም ደይቦም ህዝቢ ከሸግሩ ይፍትኑ ኔሮም እዮም፡ እንተኾነ ናይቲ ግዜ እቲ ንጉስ ሃጸይ ዮውሃንስ ኣንጻር ግብጻውያን ማእለያ ዘይብሉ ወፍሪ ብምግባር ካብ መሬትና የርሕቖም ከም ዝነበረ መጻሕፍቲ ታሪኽ ወሲኾም የረድኡ።

ግብጻውያንን ሱዳናዉያንን (ማህዳውያን) ብተደጋጋሚ ናብ መሬትና ወራር ይገብሩ ስለ ዝነበሩ፣ ሃጸይ የውሃንስ ንራእሲ ኣሉላ ኣብ ኣስመራ ኮይኑ ነቲ ወራር ክከላኸል ከም ወኪል ናብ ኣስመራ ለኣኾ። ራእሲ ኣሉላ ድማ ምስ ሰራዊቱ ኣብ ኣስመራ ዓሪዱ ነቶም ብተደጋጋሚ ክወሩ ዝመጹ ዝነበሩ ግብጻውያንን ማህዳውያንን ክሰጎም ጀመረ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝበሃላ ሃገራት ጌና ኣይተፈጥራን ዝነበራ፣ ስለ ዝኾነ ሰራዊት ራእሲ ኣሉላን ሃጸይ የውሃንስን ተዛረብቲ ትግርኛ እዮም ዝነበሩ። ናይ ራእሲ ኣሉላ ሰራዊት እቶም ዝበዝሑ ካብዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ዝመጹ እዮም ኔሮም። እቶም እስልምና ከስፋሕፍሑ ብተደጋጋሚ ንኸበሳ ኤርትራን ትግራይን ዝብገሱ ዝነበሩ ግብጻውያንን ማህዳውያንን ብወገን ሰሜናዊ ባሕሪ፡ ብሸነኽ ከሰላ ከምኡ ውን ብመተማ እልቢ ዘይብሉ ወራራት የካይዱ ነበሩ። ብናይ ሓባር ቅልጽም ደቂ ትግርኛ ድማ ስዕረቶም ተጎልቢቦም ይኸዱ ኔሮም ።

ገለ ካብተን ራእሲ ኣሉላ ጸረ እስላማዊ ምስፍሕፋሕን ባዕዳዊ መግዛእትን ዘካየደን ውሩያት ውግኣት እዘን ዝስዕባ እየን፥
  • ቀዳማይ ኣብነት፥ ብ16 ሕዳር 1875 ራእሲ ኣሉላን ሃጸይ የውሃንስን ብሓባር ኮይኖም ኣብ ጉንደት ኣንጻር ግብጻውያን ኣብ ዘካየድዎ ውግእ ግብጻውያን ምሉእ ብምሉእ ተሓምሺሾም። እቲ ውግእ ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ፣ ኣንጻር እስላማዊ ወራር ግብጻውያን በቶም ትግራዎት መራሕቲ እዩ ተኻይዱ፣ ሰራዊቶም ድማ ብትግርኛ ዝጭፍሩ፡ ብትግርኛ ዘጎይልዉ፡ ደቂ ትግርኛ እዮም ዝነበሩ።
  • ካልኣይ ኣብነት፣ እቶም ኣብ ጉንደት ተደማሲሶም ዝጠፍኡ ግብጻውያን ዳግማይ ድሕሪ ሓደ ዓመት ብ1876 ክሳብ ዓንቀሮም ዓጢቆም ኣብ ጉራዕ ዝበሃል መሬት ኤርትራ ኲናት ከፈቱ እሞ፡ ዕጫ ዝቐደመ በጺሕዎም ራእሲ ኣሉላን ሃጸይ የውሃንስን ጸራሪጎም ካብ መሬት ኤርትራ ኣውጽእዎም።
  • ሳልሳይ ኣብነት፣ ራእሲ ኣሉላ 1880 ኣብ ሰንሒት ንማህዲ ዝበሃሉ ናይ ሱዳን እስላማውያን ጥርኑፋት ኣሸበርቲ ጸራሪጉ ኣርሒቕዎም።
  • ራብዓይ ኣብነት፣ ብ1885 ራእሲ ኣሉላ ምስ ዑስማን ድግና ዝበሃል ማህዳዊ ኣብ ኩፊት ኲናት ገጠሙ እሞ፡ እቲ ስልታውን መንነታውን ናይ ደቂ ትግርኛ መጥቃዕቲ ዘይተጻወረ ዑስማን ድግና ቀምሹ ሰብሲቡ ንዓዱ ሃዲሙ፣ ራእሲ ኣሉላ ድማ ክሳብ ከሰላ ደድሕሪኡ ብምኻድ ሰጉጒዎ ተመልሰ።
  • ሓሙሻይ ኣብነት፣ እቲ ዝዓበየ ዓወት ናይ ራእሲ ኣሉላ ኣብ ልዕሊ ጥልያን ዝፈጸሞ እዩ ኔሩ። ሃጸይ የውሃንስን ራእሲ ኣሉላን መሬቶም ክከላኸሉ ምስ ማህዳውያንን ድርቡሽን ክጓየዩ ከለዉ ጥልያን ድሮ ምጽዋዕ ተቖጻጺሮም ነበሩ፣ ካብዚ ብምብጋስ ድማ ንከበሳ ክድይቡ ምቅርራብ ጀመሩ።
ካድረ ህግደፍ ዘምህረት የውሃንስ ኣብ መጽሓፉ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፣

"ብ23 ጥቅምቲ 1886 ኢጣልያውያን ነታ ካብ ምጽዋዕ፡ 25 ኪ,ሜ ርሒቓ ትርከብ ዊዓ ሓዝዋ። እዚ ወጥሪ እዚ ነቲ ኲነታት መሊሱ ኣኽረሮ፡ ጀነራል ጀነ ነቲ ድሕሪ'ቲ ፍጻመ ዝሰዓበ ናይ ራእሲ ኣሉላ ምቅርራብ መዚኑ፡ ናብ ዊዓ ገዚፍ ተደራቢ ሓይሊ ለኣኸ፡ ነቲ ናይ ሰሓጢት ዕርዱ ካኣ ብምዱባት ወተሃደራትን ከቢድ ብረትን ኣደልደሎ። ከም መልሰ-ግብሪ ራእሲ ኣሉላ ሒደት ኢጣልያውያን ጅሆ ሓዘ፣ „„„„„ እቲ ዘይተርፍ ኮይኑ ዝነበረ ብረታዊ ግጥም እምበኣር ኣብ 25/26 ጥሪ 1887 መጸ። ኣብታ ናይ መጀመርታ መዓልቲ እቲ ዓሰርተ ሽሕ ዝግመት ሰራዊት ዝነበሮ ራእሲ ኣሉላ፡ ነቲ ካብ ምጽዋዕ 20 ኪ,ሜ ንምዕራብ ኣብ ሰሓጢት ዝነበረ ዕርዲ ኢጣልያ እኳ እንተጥቀዐ፡ ከይተዓወተ ተረፈ። ንጽባሒቱ ኣብታ ጽሕፍቶኣዊት ናይ 26 ጥሪ መዓልቲ ግን ነቲ ናብ ሰሓጢት ንረዳት ዝኸይድ ዝነበረ ብ500 ዝቖመ ኢጣልያዊ ቦጦሎኒ ኣብ ዶጎሊ ኣብ ከሚን ኣእትዩ ጨፍጨፎ። ኣብዚ ውሩይ ናይ ዶጎሊ ውግእ እቲ ኢጣልያዊ ኣሃዱ ከም ዘለዎ ተዳቐቐ። እቶም 500 ኢጣልያውያን ወተሃደራት ድማ ብዘይካ ገለ ብራርያ ብኹሎም ሞቱ።"

እዚ ዝተጠቕሰ ኣብነታት እቲ ውሩይን ዝኾነ ሰብ ክፈልጦ ዝኽእልን እምበር፡ ራእሲ ኣሉላ ኣብ ናይ ስልጣን ግዚኡ ንመሬት ክከላኸል ካብ ሰንሒት ንመተማ፡ ካብ መተማ ንከሰላ ክናጠር እዩ ኣሕሊፉዎ። ራእሲ ኣሉላ ነዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ እንተዘይቃለሰላ ኔሩ እዚ ሎሚ ብዂርዓት ማዕተብ ኣሲሩ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ህዝቢ ኣይምሃለወን። ህዝብና ገማግም ባሕሪ ጠንጢኑ ክዕቆብ ናብ ከበሳ ዝደየበ ብሰንኪ ወራራት ግብጻውያንን ሱዳናውያንን እዩ፡ ስለ ዝኾነ ድማ እዩ እቶም ግብጻውያንን ሱዳናውያንን ክጻብእዎም ዘይክእሉ ኣስላም ህዝቢ ጥራይ ኣብ ባርካ፡ ሰንሒትን ሰሜናዊ ባሕርን ተሪፎም።

እምበኣር'ከስ ነዚ ታሪኽ እዚ ብምድምሳስ እዩ ኤርትራውነት ክመሃዝ ተፈቲኑ። ህዝቢ ትግርኛ ኣብ ዘመኑ ርእዩዎ ዘይፈልጥ ምቾት ብዘመነ ራእሲ ኣሉላን ሃጸይ የውሃንስን እዩ ርእዩዎ፣ ፍትሓዊ ፍርዲ ዝፈርዱ ዘይዕምጹን ስለ መሬት ዝብጀዉን መራሕቲ ምንባሮም ጭሩ ከይተረፈት ትፈልጥ።

ምኒሊክ፡ ሃይለስላሰ፡ ደርግ፡ ኢሰያስ … ኣድራጋ ከመሓድሩና እንከለዉ ማእለያ ዘይብሉ ንጥፍኣትና ዝተኣወጀ ስዉርን ግሁድን ወራራት ኢና ርኢናሎም። ራእሲ ኣሉላን ሃጸይ የውሃንስን ናይ ፍትሕን ናጽነትን መራሕቲ ምንባሮም ግን ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ፡ ድሕሪኦም ስለ መሬትን ህዝብን ዝተወፈየ መራሒ ኣይተረኽበን። እንተኾነ እቲ መግዛእቲ እሺ ኢሉ ዝቕበል ኤርትራውነት "መሳፍንቲ" እናበለ ወረርቲ ከም ዝነበሩ ኣምሲሉ ክገልጾም ይረአ። ኣቃውማ ፖለቲካ ናይ ቅድሚ 20 ክፍለ ዘመን ኣብ ዓለም ምሉእ መስፍንነት ከም ዝነበረ መስክሩለይ ዘየድልዮ ሓቂ እዩ፣ እንተኾነ ራእሲ ኣሉላን ሃጸይ የውሃንስን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግርኛ ዝፈጸምዎ ግፍዒ እንተሎ ብጭብጢ ክቐርብ ኣለዎ። ክልቲኦም መራሕቲ ነቶም እስልምና ከስፋሕፍሑ ዝህንፈፉ ድርቡሽን ማህዳውያንን ኣካላቶም ቆራሪጾም ንኣሞራ ስለ ዝሃብዎም ዘይሕጎሱ ኣስላም ኣብ ኤርትራን ትግራይን ኣለዉ፣ ኤርትራውነት ድማ ንኣስላም ክጥዕም ተባሂሉ ዝተሰርሐ ስለ ዝኾነ፥ "ኣንጻር ገዛእቲ ተቓሊስና፡ ኣቦታትና ንማህዲ፡ ድርቡሽን፡ ጥልያንን እሺ ኢሎም ኣይተቐበልዎምን ተቓሊሶም መሬት ኣጽኒሖምልና እዮም" ካብ ምባል ተቖጢብና እዚ ኩሉ ታሪኽ ተደምሲሱ ንኣስላም ትጥዕም ኤርትራ ተሰሪታ።

ህግደፍ ኤርትራውነት ንኽሃንጽ ዘንበሮ መሰረት ጽልኢ ትግራይን ታሪኽ ትግራይን ትግርኛውነትን ከም ምዃኑ መጠን፣ ኣብተን ካድራቱ ዝጸሓፍወን ውሑዳት ብጽንጽዋይ ዝመልኣ መጻሕፍቱ ጽልኢ ትግራይ እዩ ከንጸባርቕ ዝፍትን፣ እታ ሓንቲ ዘይፍትሓዊት ስነ-መጎት ህግደፍ ድማ "ራእሲ ኣሉላ ንራእሲ ወልደሚካኤል ምሒሉ ናብ ትግራይ ሒዝዎ ከይዱ ጠሊምዎ" ትብል እያ።

ህግደፍ ንራእሲ ኣሉላ እዛ ጌጋ እዚኣ ጥራይ እዮም ረኺቦምሉ። ጽብቕቲ መሳወሪት ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ብምዃና ድማ እዛ ታሪኽ ውጽኢታዊት ዛንታ ኮይና እያ ተረኺባ፣ እዞም ኩሎም "ራእሲ ኣሉላ ንራእሲ ወልደሚካኤል ጠሊምዎ" ዝብሉ ሰባት፡ ራእሲ ወልደሚካኤል ስለ ዝተጠልመ ዓጂብዎም ዘይኮነ ሴፍ ኣሉላ ክሳድ ድርቡሽ ቀንጢባ ዝወደአት ስለ ዝኾነት እዮም።

መጀመርታ፣ ራእሲ ወልደሚካኤል ሰለሙን እታ 'ራእሲ' ትብል መዓርግ ናብ ትግራይ ብምኻድ ኣብ እግሪ ሃጸይ የውሃንስ ብምውዳቕ ዝረኸባ እያ ኔራ። ራእሲ ወልደሚካኤል ኣብ ጉንደት ኣብ ጎድኒ ራእሲ ኣሉላን ሃጸይ ዮውሃንስን ብምዃን ኣብቲ ኲናት ውዒሉ እዩ። ዝተረፈ ታሪኽ ሂወቱ ግን ምዝርዛሩ ጥዕና ንዘይብሎም ሰባት ኣብ ዕውለት ዘእቱ እዩ። ራእሲ ወልደሚካኤል ኣብ ጸዓዘጋ ሂወት ማእለያ ዘይብሎም ንጹሃት ትግርኛ ከም ዝቐተለ ንመን ክጠፍኦ ይኽእል፧ ኣብ ዓዲ ንፋስ ሂወት ኣስታት 120 ንጹሃት ትግርኛ፡ እሞ ድማ ቆልዓ ሰበይቲ ከም ዘሕለፈ ዝኾነ ወዲ ዓዲ ንፋስ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። እዚ ታሪኽ እዚ ዋላ ኣሽሓት መጻሕፍቲ ኣምጺእካ ክትቀብሮ ፈቲንካ ዝቕበር ኣይኮነን። ስለዚ ራእሲ ኣሉላ ኣብ ቀይዲ እንተእተዎ ኣብ ምንታይ እዩ እቲ ጌጋ፧ ራእሲ ወልደሚካኤል ኣብ ትሕቲ ሃጸይ የውሃንስ ዝነበረ ወተሃደር እምበር ዓቊሚ ዝነበሮ ሰብ ወኡ ንጉስ ኣይነበረን። ኣብ ዘመነ ኤርትራውነት ዘይተለወጠ ነገር ስለ ዘየለ ግን እንሆ ታሪኽ ወልደሚካኤል ሰለሙን "ኣንጻር መሳፍንቲ ትግራይ ተቓሊሱ" ብዝብል ናይ ሸፈጥ ታሪኽ ተለዊጡ።

ስለዚ፡ ንሕና ብመን ኢና ክንኮርዕ ዘለና :?:

በቲ ንጥልያን መሪሑ ሰገነይቲ ዘእተዎም ባህታ ሓጎስ ዲና ክንሕበን ዝግበኣና ዋላስ ብሃጸይ የውሃንስ ስለ መሬትናን ማዕተብናን ክብል ክሳዱ ንጸላኢ ዝሃበ፧

በቲ ሂወት ንጹህ ህዝቢ ትግርኛ ዘሕለፈ ወልደሚካኤል ሰሎሙን ዲና ክንኮርዕ ዝግባእ ዋላስ በቲ ስለ መሬትና ዶባት ናይ ሎሚ ኤርትራ ክሕሉ ዕድሚኡ ዝወደአ፡ ራእሲ ኣሉላ፧
ኤርትራውነት እቲ መግዛእቲ ዝናፍቕን ዝፈቱን መንነት፡ ከም መንነት ክፍጠር እንተኾይኑ ግድን እዩ ነቶም ኣንጻር መግዛእቲ ዝተቓለሱ ካብ ታሪኽ ሓኺኹ ታሪኽ እቶም ንመግዛእቲ እሺ ኢሎም ተደቢሮም ዝተቐበልዎ ክውርቕ።

ኤርትራውነት ንኣስላም ከሐጉስ ዝተፈጥረ መንነት እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ እዩ ኣብ 1875 ብረት ኣልዒሎም ኣንጻር ወረርቲ ኣስላም ግብጻውያንን ሱዳናውያንን ተቓሊሶም ዝሰዓሩ ኣቦታት ትግርኛ እናሃለዉ፡ ድሕሪ 86 ዓመት ብ1961 ብረታዊ ቃልሲ ተጀሚሩ፡ "ኣስላማይ እዩ ጀሚርዎ ግን ከይሰዓረ ሞይቱ" ብምባል ነቲ ናይ ትግርኛ ታሪኽ ሓኺኾም ብናይ ኣስላማይ ተኪኦሞ ዘለዉ። እቲ ግርምቢጣዊ ነገር ድማ ዋላ እቲ ናይ ኣስላማይ ታሪኽ ነቲ ናይ ትግርኛ ታሪኽ ተኪኡ ክምዝገብ ከሎ ዘሐብን ዘይብሉ ምዃኑ እዩ።

እስከ ሕሰብዎ፡ "ኣብ 1875 ብረት ኣልዒሎም ስዒሮም" ዝብል ታሪኽ ደፊንካ ከመይ ኣቢሉ እዩ፡ "1961 ብረት ኣልዒሉ ግን ኣይሰዓረን ቀልጢፉ ሞይቱ (ዋላ ውን ኣብ ኣየናይ ኲናት እዩ ተሳቲፉ ንጹር ሓበሬታ የለን) " ዝብል ታሪኽ ዘሐብን ኮይኑ ዓመታዊ በዓል ዝግበረሉ ዘሎ፧

ኤርትራውነት እቲ ኣብ ሂወተይ ጉህየ ዘይጸገብኩሉ ናይ ሕፍረት መንነት እዩ። ስለ መሬት፡ ስለ ታቦት፡ ስለ ሂወትን ማዕተብን ከም ዘይተቓለስና፣ ኤርትራውነት ንኽፍጠር ተባሂሉ ጥራይ ታሪኽና ሓኺኽና "ተገዚእና ኢና" ንብል ኣለና።

"እወ ንጥልያን፡ ንማህዲ፡ ንድርቡሽ ተቓሊስናዮም ኢና" ክንብል እንተኮይንና ግን ታሪኽ ኣሉላን የውሃንስን እዩ ክለዓል፣ ካብ ኣሉላን የውሃንስን ንመሬትና ተቓሊሶም ምባል ድማ "ተገዚእና ኢና" ምባል ይሓይሽ ወይ ድማ በቶም እልፊ ሕልኩሳት ንጥልያን መሪሖም ሰገነይቲ ዝኣተዉን ምንጻፍ ዘንጸፉን ኢና ክንኮርዕ። እዚ እዩ ኤርትራውነት ዝበሃል ካብዚ ዝሓልፍ ዕምቆት የብሉን።

በዚ ኢልካ በቲ፡ ፍልስፍናን ጽንጽዋይን ኤርትራውነት ብጽልኢ ትግራዋይነት እዩ መጋረጃኡ ቀንጢጡ። ስለዚ ብምንታይን ብመንን ንተሓበን እዩ ዘሎ እቲ ዘረባ!

በቲ ዋላ ቁሩብ ሓበን ከመንጩ ዘይክእል ጽንጽዋያት ዓዋተ፡ ከቢረ፡ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ራእሲ ወልደሚካኤል፡ ባህታ ሓጎስ…… ዶስ በቶም ታቦት ክሕልዉ ዶባት ሱዳን ዝውዕሉ ዝነበሩ ኣሉላን ዮውሃንስን፧

በቲ ተጎናባሒ ኤርትራዊ መንነት ዶ በቲ ኩለንትናዊ ብቕዓት ዘለዎ ናይ ትግርኛ መንነት፧ ብመን ንዂራዕ፧

መቸስ ፈቲና ጸሊእና ኤርትራውነት መግዛእቲ ዘዂርዖ መንነት እዩ።

Source: https://www.facebook.com/photo/?fbid=19 ... 6648972150


Post Reply