መንግስቲ ትግራይ ን4208 ምሩኻት ሰራዊት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ምሕረት ገይሩ

Tigray related news and publications
Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

መንግስቲ ትግራይ ን4208 ምሩኻት ሰራዊት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ምሕረት ገይሩ

Post by africangear »

መቐለ: 11 ግንቦት 2014 ዓ/ም (ድወት)

መንግስቲ ትግራይ ን4208 ምሩኻት ሰራዊት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ብምሕረት ገይሩ። ካብኣቶም እተን 401 ደቂ ኣንስትዮ እየን።

ከም ሓበሬታ መተሓባበሪ ማእኸል ምሩዃት ትግራይ ኣይተ ብርሃነ ከበደ እቶም ብምሕረት ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዝፍትሑን ናብ ስድረኦምን ዓዶምን ዝልኣኹን ምሩኻት ሰራዊት ፋሽስት አብይ አሕመድ ብዋናነት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀምዎ ገበን ብዝግባእ ተራእዩን መብዛሕትኦም ኣብ ቐረባ እዋን ካብ ትግራይ ወፃኢ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ዝተማረኹን ብሓይሊን ብአስገዳድን እቲ ጉጅለ ኣብ 2013ን 2014 ዓ/ም ናብ ወትድርና ዝኣተውን እዮም።

ብዘይካ እዚ ኣብ ትግራይ ካብ ዝኣተው እውን ብመሰረት ዝነበሮም ተሳትፉ ገበን ጄኖሳይድ ተራእዮን ተፀኒዑን ዝተመልመሉ ኾይኖም ብቐንዱ ግና ታሪኽ፣ ስነ ልቦና፣ ስብእናን ኣተሓሳስባን ህዝቢ ትግራይ ዝልዓለ ምኻኑ ንምርኣይ እዩ ኢሎም።

ነቲ ዕድል ዝተውሃቦም ኣብቲ ኩናት ኣካላዊ ጉዳኣት ዝበፅሖም፣ ብሕማም ፣ ብወሊድን ካልኦት ፀገማትን እውን ኣብ ግምት ዘእተው ምኻኖም ዝገለፁ ኣይተ ብርሃነ ህዝቢ ትግራይ ይቕረ ብሃሊ፣ ብሰብኣውእነት ዝኣምን፣ ብኣተሓሳስባ እውን ሒዚዎ ዝመፀ ሰናይ ተግባር ምኻኑ ምርዳእ የድሊ ኢሎም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ህዝብና ኣብ ከቢድ ዓፀባ ዝርከብ እንተኾን ነዚ ፀገም ተፃዊሩ ህዝቢ ትግራይ ንባዕሉ እናጠመየ ካብታ ዘላቶ ይቅልቦም፣ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረኽቡን ይገብር ከምዘሎን ከምዝቕፅለሉን እዚ ድማ በመሰረት ዓለም ለኻዊ ሕጊ ኣታሓሕዛ ምሩኻት ምኻኑ ኣይተ ብርሃነ እዚ ዘመን ተሻጋሪ ታሪኽ ዝምስክሮ ልዕልና ኣተሓሳስባን ሰብኣውነትን ህዝቢ ትግራይ ምኻኑ ሓቢሮም።

ወልዳይ ግርማይ (DW)
Attachments
Ethiopian POW
Ethiopian POW
Ethiopian POW
Ethiopian POW
Ethiopian POW
Ethiopian POW
Ethiopian POW
Ethiopian POW
Ethiopian POW
Ethiopian POW
Ethiopian POW
Ethiopian POW
Ethiopian POW
Ethiopian POW


Post Reply