ቅያ ተጋሩ ኣብ ኣኽራናት ናቕፋ

Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ቅያ ተጋሩ ኣብ ኣኽራናት ናቕፋ

Post by africangear »

ኣኽራናት ናቕፋ ይመስክራ!
ጅግና መዓሾ ማንጁስ (ኣታላይ)
ጅግና መዓሾ ማንጁስ (ኣታላይ)

እዚ ብፎቶ እትርእዩዎ ዘሎኹም ጅግና መዓሾ ማንጁስ (ኣታላይ) ይበሃል። ኣብ 17 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ካብቶም እኒ በዓል ሓሎም ቀፂሉ መሃንዲስ ኲናት ዝበሃሉ ሓደ ጅግና ትግራዋይ እዩ።

ውዕሎታት ውግእ መዓሾ ንምፅሓፍ ዓመታት 'ውን ኣይኣኽሎን። ናይ ሐደ ሰሙን ስራሕቱ ጥራሕ እንተዝስነድ ሓደ ዓብዩ ብሓይሊ ሰብ ዘይንቀሳቀስ ገዚፍ ቀዋሚ ስንክሳር ምተፀሓፈሉ።

ሎማዓንቲ ብዛዕባ ሓንቲ ታሪኻዊት ውዕሎ ኲናቱ ከካፍለኩም። እዋኑ 1974 ዓ/ም መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ወይ ሚያዝያ ነይሩ። ከም ዝፍለጥ ዘመቻ ቀይሕ ኮኾብ ደርጊ ንሻዕብያ ካብ መላእ ሳሕል ፀራሪጉ ናብ ሱዳን ከእትዎም ዘሎን ዘየሎን ሓይሉን ኣፅዋሩን ኣዋፊሩ ዋና ደጀን ሻዕብያ ዝኾነት ናቅፋ ንምሓዝ ዝረባረበሉ እዋን እዩ ነይሩ።

ንሓገዝ ዝኸደ ኣሃዱ ወያነ ድማ ተጋሩ ጀጋኑ ወዲ ወረደን ጆቤን ዝምራሕ ብርጌድ 43 (ተባዕታይ) ዝበሃል ኣብቲ ሓደን ቁልፍን ውግእ ዝካየደሉ ግንባር ናቅፋ ተመዲቡ ይዋጋእ ነይሩ።

ውግእ ተጠናኺሩ ቀፂሉ ደርጊ ብመውጋእትን ሞትን ዝጎደሎ ሓይሊ ብነፈርትን መካይንን እናጎሓፈ ሓይሉ እናመልአ ይቅፅል።

ብወገን ተጋዳላይ ግን ብመስዋእትን መቁሰልትን ዝጎድል እምበር ዝትካእ ሓይሊ የለን።

ብምዃኑ እውን ደርጊ ሓይሉ ኣጠናኺሩ ብኢድ ፀጋም ደንደን ማይ ማኦ ዝበሃል ከባቢ ዝርከቡ ኣኽራናት ዓሪዳ ዝነበረት ሓንቲ ቦጦሎኒ ሻዕብያ ደፊኡ ሓንቲ ወሳኒት ቦታ ተቆፃፀረ። ንከተማ ናቅፋ ድማ ብቀረባ ርሕቀት ረኣያ። ኣብዛ ጎቦ ባንዴራ ኢትዮጵያ ሰቂሉ ናቅፋ ክኣቱ ቐሪበ ወሳኒ ቦታ ተቋፃፂረ ኣሎኹ ኢሉ ክሳብ መንጌ ሪፖርት ይገብር።

ብወገን መራሕቲ ሻዕብያ እውን እቲ ኩነታት ዝኸበደ ምኻኑ ተገንዚቦም ተስፋ ቆሪፆም ኣዝልቕ ዝብል ትእዛዝ ሂቦም ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ንብረት ፀላኢ ከይጥቀመሉ ይቃፀል ኢሎም ምቅፃል ጀመሩ። እታ ቦጦሎኒ እውን ውግኣታ ሒዛ ኣንሰሓበት።

ሽዑ እዋን ኣብቲ ከባቢ መዓሾ ዝነበራ ኣሃዱ ወይን ቦጦሎኒ 44 እትበሃል ነይራ ካብ ዝሓዘተን 3ተ ሓይልታት ሓንቲ መዓሾ ዝመርሓ ሓይሊ 61 ነዛ ብፀላኢ ዝተተሓዘት ወሳኒት ቦታ መንጢላ ከተምልሳ ተሓረየት።

ሕሰቡ እቲ ምትሕንናቅ ብቁፅሩ ብዙሕን ዘመናዊ ዕጥቂ ዝሓዘን ሰራዊትን ምስ ውሕድ ቁፅርን ትሑት ዕጥቂ ዝሓዘ ሰራዊት ምኻኑ ጥራሕ ኣይኮነን ምስ ናብ ናቕፋ ኣትየ ኢሉ ተኣማሚኑ ሪፖርት ዝገበረ ፍናን ዝተሰመዖ ምንባሩ እውን እዩ ነቲ ውግእ ዘካበዶ።

ሽዑ ኣብቲ ግምባር ዝነበሩ ጀጋኑ መራሕቲ ወያነ ንብረት ከይተቃፅሉ ፀላኢ ክንመልሶ ኢና ኢሎም ብምርግጋእ መዓሾ ሓይሉ ሒዙ ክኣቱ ኣዘዝዎ። መዓሾ ማንጁስ ሓይሉ ሒዙ ናብዚ ዕስለ ሰራዊት ደርጊ ብምእታው ኢድ ብኢድ ተሓናኒቁ ነዚ ሙኩሕ ሓይሊ ደርጊ በቲ ተፏሒኹ ዝደየቦ ጎቦ እናንከራረወ ክፀድፍ ገበሮ። መዓሾ እታ ቦታ ተቋፃፂረያ ኣለኹ ተወሳኺ ሓይሊ ለኣኹለይ ኢሉ ብረድዮ መልእኽቲ እንተሕልፍ ዝሰምዑ መራሕቲ ሻዕብያ ምእማኑ ከበዶም። ከመይገይሩ ኢሎም ተገረሙ።

እዛ ዕለት በቃ ዓወትን ሃለዋትን ሻዕብያ ዘበሰረት ብምንባራ ብወገን ሰራዊት ሻዕብያ ዕልልታን ታሕጓስን እንተበስር ብወገን ደርጊ ተስፋ ዘፀልመተት ነይራ። ኣብዚ ውግእ መዓሾ ብቀሊል ቆሲሉ እታ ሓይሊ ካብ ዝነበራ ቁፅሪ 120 ዳርጋ ናብ 10ታት ወሪዱ ከም ዝነበረት እቶም ሽዑ ኣብታ ኣሃዱ ዝነበሩ የዘንትዉ።

ድሕሪ እዚ ኩነታት መራሕቲ ሻዕብያን ኣብቲ ግንባር ዝነበሩ ተጋደልትን መዓሾ ከመይ ዝበለ እዩ እናበሉ ልክዕ ከም ኣስማተኛ ክርእዩዎ ይመፀኡዎ ነይሮም።

"ወይን ሎሚ ዘመን ኣብ ሰውራ ኤርትራ ንዘለኣለም ዘይሃስስ ብቀይሕ ቀለም ዝተፀሓፈ ታሪኽ ሰሪሕኹም ኣሎኹም። ኣብ ምድሓን ውድብ ሻዕብያ ዝተፃወትኩም ተራ ወሳኒ እዩ!" ኢሎም የመጉሱና ነይሮም።

መዓሾ ኣብ ትግራይ ጀሚሩ ክሳብ ኤርትራ ኢሉ እውን ንመላእ ህዝቢ ኢ/ጵያ ሓራ ኣውፂኡ ዝተዓወተ ጅግና እንትኾን ድሕሪ ዓወት ኣብ ምብራቅ እዚ ሰላምን ምረግጋእን ስራሕቲ እንትሰርሕ ፀረ ህዝቢ ሓይልታት ብዝቀበርዎ ፀረ ተሸከርከርቲ ፈንጂ እዩ ተሰዊኡ።

ሎሚ ዘመነ ኽሓደት ኾይኑ እኒ ኣቢይ ኣሕመድ ዓሊ ደርጊ ባዕሉ እዩ ወዲቁ እንትብሉና መራሕቲ ሸዓብያ እውን እዚ ብደም ዝተሰርሐ ታሪኽ ክሒዶም ወያነ ኣይሓገዙናን ይብሉ ኣለው።

ነዚ ክሕደት እየ ኣኽራናት ናቅፋ ሓቂ እንትከሓድስ ክደይ ኮን ትሰከፋ ዘበለኒ።

ተፀሕፈ ብተጋዳላይ Teklemicheal Hailu (ቅድሚ ቅሉዕ ወራር ትግራይ ብ ሓይልታት ኣምሓራ, ኤርትራን ኢትዮጵያን)


Post Reply