ህዝቢ ዓዴት ፀኒዑ ተቓሊሱን ዘቃለሰን በዓል ውህሉል ተሞክሮ እዩ - ምክትል ፕረዚደንት ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/እግዚኣብሔር

Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ህዝቢ ዓዴት ፀኒዑ ተቓሊሱን ዘቃለሰን በዓል ውህሉል ተሞክሮ እዩ - ምክትል ፕረዚደንት ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/እግዚኣብሔር

Post by africangear »

ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ በፂሕዎ ዘሎ ብርኪ ንኽበፅሕ ህዝቢ ዓዴት ፀኒዑ ተቓሊሱን ዘቃለሰን በዓል ውህሉል ተሞክሮ እዩ - ምክትል ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/እግዚኣብሔር

መቐለ፡6ሰነ2014ዓ/ም(ድወት) ምክትል ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/ሄር ፣ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ በፂሕዎ ዘሎ ብርኪ ንኽበፅሕ ህዝቢ ዓዴት ፀኒዑ ተቓሊሱ ዘቃለሰ በዓል ውህሉል ተሞክሮ ምዃኑ ኣፍሊጠን፡፡

ወረዳ ዓዴት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ካብ ስሩዕ ውግእ ናብ ደባይ ንኽሰጋገር መንግስቲ ትግራይ ወሲኑ ቃልሲ ዝተጀመረሉ ታሪኻዊ ቦታ እዩ ዝበላ ምክትል ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/ሄር ፣ህዝቢ እታ ወረዳ ድማ ካብ ዘለዎ ዉህሉል ተሞክሮ ተበጊሱ ፀላእቲ ተሰዓርቲ መዃኖም ብምቕማጥ ፍልፍል ሓቦን ፅንዓትን ተቓለስቲ ኮይኑ ምህላዉ ኣገንዚበን፡፡

ደባይ ውግእ ካብ ዝተጀመረሉ ወርሒ ሕዳር 2013 ዓመተ ምህረት ውጉኣት ተጋደልቲ ኮነ ንቓልሲ ዘድልዩ ንብረታት ሒዝካ ምጉዓዝ ኣብ ዘይከኣለሉ እዋን ህዝቢ ወረዳ ዓዴት ብሉዑል ሓላፍነት ኣብነታዊ ስራሕቲ ምዉጋኑን ወረርቲ ሓይልታት መስካሕክሒ ግፍዒ እናፈፀምሉ ኣብዝነበረ እዋን ህዝባዊ ቃልሲ ሓይሉ ኣብዚ ሕዚ በፂሕዎ ዘሎ ብርኪ ንኽበፅሕ ልዑል እጃም ምፍፃሙን ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/ሄር ገሊፀን፡፡

ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝለዓለ ብርኪ መኸተ ተሰጋጊሩ ፀላእቲ መመሊሶም ዘየድምዩዋን ዘየዕንዉዋን ትግራይ ንኽትህሉ ታሪኽ ተጋድሎ ህዝቢ ጎናጎኒ መኸተ ፀላእቲ ምስናድ ታሪኽ ኣገዳሲ መዃኑ ምክትል ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/ሄር ኣረዲአን፡፡

ፋሽሽታውያን ወረርቲ ግዝያዊ ልዕልና ረኺቦም ንትግራይ ካብ ዝወረርሉ እዋን ጀሚሩ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅሞም ዘሎ ተጋድሎታትን ፀላእቲ ህዝቢ ንምፅናት ዘብፅሕዎም በደላትን ጎናጎኒ መኸተ ብምስናድ ዘላቒ መፍትሒ ንምንዳይ ንኸገልግል ግቡእ ትኹረት ተዋሂብዎ መረዳእታታት ይእከብ ምህላዉ ይፍለጥ፡፡

Adet-Tigray-TPLF-1.jpg
Adet-Tigray-TPLF-2.jpg
Adet-Tigray-TPLF-3.jpg
Adet-Tigray-TPLF-4.jpg
Adet-Tigray-TPLF-5.jpg
Adet-Tigray-TPLF-6.jpg


Post Reply