ሓፂር ሂወት ታሪክ ተጋዳላይ ጀነራል ኣብርሃ ወ/ማርያም (ኳርተር)

Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ሓፂር ሂወት ታሪክ ተጋዳላይ ጀነራል ኣብርሃ ወ/ማርያም (ኳርተር)

Post by africangear »

Lt General Abraha Woldemariam( Quarter)
Lt General Abraha Woldemariam( Quarter)
በይዛ ህዝቢ: ማእገር ሃገር!

ሓፂር ሂወት ታሪክ ተጋዳላይ ጀነራል ኣብርሃ ወ/ማርያም (ኳርተር)

ተጋዳላይ ጀነራል ኣብርሃ ወ/ማርያም ካብ ኣብኡ ሃለቃ ወ/ማርያም ገንዘቡን ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ታደለች በርሀን ኣብ ማእከላይ ዞባ ወረዳ ወርዒ ለኸ ጣብያ እንዳ ጭዋ ብነሓሰ 21/1953ዓ/ም ተወሊዱ፡፡

ዕድመ ቁልዕነቱ ምስ ወለዱ ኮይኑ ከምቲ ኩሉ ወዲ ሓረስታይ ትግራዋይ ዝዓበየ ኮይኑ ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ኣብ ማይ ምሻም ዝርከብ ቀዳማይን ማእኸላይን ትምህርቱ ተማሂሩ፡፡

ድሕሪ 8ይ ክፍሊ ምውድኡ ናይ 2ይ ደረጃ ትምህርቱ ምቅፃል ዘኽእሎ ፅቡቅ ውፅኢት እኳ እንተነበሮ ቀልቡን ውኒኡን ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተፀንቢርካ ብዝለዓለ ጅግንነት ምውጋእን ምቅላስን ስለዝነበረ እቲ ብ1970 ዓ/ም ዝጀመሮ ስርዒታዊ ስራሕትን ውድባዊ ልኡኩን ብምፍፃም ኣብ ዓዲ እንተሎ እውን ናይ ማሕበር መናእሰይ ጠርናፊ ኮይኑ ምስ ኣገልገለ ነዊሕ ከይፀንሐ ኣብ ሚያዝያ 21/1971 ዓ/ም ናብቲ ዝናፍቆን ዝሃርፎን ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብምፅምባር ጅዋማረ ኣብ ዝባሃል ኣብ ቆላ ተንቤን ዝርከብ ቦታ ፖለቲካውን ወታሃደራውን ታዕሊም ምስ ወድአ ኣብ ክራማት ብ1971 ዓ/ም ናብቲ ብጅግና ስዉእ ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ እትምራሕ ዝነበረት በጦሎኒ 50 ቀዳመይቲ ሓይሊ ከም ዝተመደበን ናብቲ ጋንታ እንትሕወስ ቀዳመይቲ መራሒት ጋንትኡ ጅግና ስውእቲ ኣልማዝ ጓል ሻለቃ ኔራ፡፡

ድሕሪ እዚ ብሓየሎም እትምራሕ ዝነበረት በጠሎኒ 50 ከባቢ ራያን ሓውዜንን ከባቢ ሕንጣሎን ኣብ ዝገበረቶም ኩሎም ውግኣት ብተራ ተጋዳላይነት ብጅግንነት ዝተዋገአ እንትኾን ብዝነበሮ ትኩረትን ጅግንነትን ዝሐሸ ናይ ምትሕብባር ዓቕምን ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ኣብ ቀውዒ 1972ዓ/ም መራሒ መስርዕ ብምኻን ናይ ኣመራርሓ ደረጃ ሀ ኢሉ ጀሚርዎ። ሽዑ ዝመርሕዎ ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይ ተጋዳላይ ጀነራል ኣብርሃ (ኳርተር) ዓቕምን ናይ ምትሕብባር ክእለትን ብምግንዛብ ንተኸታታሊ ሓላፍነት ዝምጥን ዕቁር ዓቕሚ ከም ዘለዎ ብገንኡ ተረዲኦም ዓቅሙ ከውፅእን ክጥቀመሉን መንገዲ ፀሪጎምሉ እዮም፡፡

ስለዝኮነ ድማ ፡-
  • ካብ 1972 – 1974 ዓ/ም ኣመራርሓ ጋንታ
  • ካብ 1974 – 1975 ዓ/ም ኣመራርሓ ሓይሊ
  • ካብ 1976 – 1979 ኣመራርሓ በጦሎኒ
  • ካብ 1979 – 1980 ዓ/ም ምክትል መራሒ ብርጌድን መራሒ ብርጌድን
  • 1981 – 1983 መራሒ ክ/ ሰራዊት
ብምኻን ካብ ዝጋደል ጀሚሩ ኣብ ዝነበረ ብዙሕ ጥንኩር ፈተናታት መሪር ዕጥቃዊ ቃልሲ በቢደረጅኡ ዝተውሃቦ ሓላፍነት ብቁዕን ብሱልን ኣመራርሓ እናሃበ ዝመፀ ትስፍው ተጋዳላይ ኔሩ። ተጋዳላይ ጀነራል ኣብርሃ ኳርተር ካብ ውግእ ዝጀመረሉ ዕለት ጀሚሩ ዝነበሩ ወራራትን ፈታኒ ግጥማትን ኣብ ኩሎም ዝተሳተፈ እንትኾን፣ ኣብቲ ዝወዓለሉ ዓውደ ውግእ ዝገጠሞ ፈተነታት ከመይ ይሓልፎም ኔሩ፣ ዝመርሖ ኣሃዱ ከመይ የዳሉ ኔሩ፣ ከመይ የዋግእን ከመይ ብተኸታታሊ ዝመርሖ ሰራዊት ይሃነፅ ኔሩ፣ እቲ ናይ ኣመራርሓ ክእለቱን ጥበቡን ብሙሉኡ ገሊፅካ ምውዳእ እኳ እንተዘይተኻኣለ ወለዶ ምእንታን ክመሃረሉ ካብ ውዕሎ ጅግንነቱ ምሩፃት ኣብነታት ንምግላፅ፡-

ኣብ ደረጃ መ/ሓይሊ

ወፍሪ ቀይሕ ኮኸብ ተቃለስቲ ኤርትራ ንምድምሳስን ብኡ ኣቢሉ እውን ሓይሉ ኣኪቡ ንሕወሓት ምጥፋእን ምካኑ ዝተገንዘበ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሕወሓት ሰለስተ ብርጌዳት ንኤርትራ ዘዋፈረ ምካኑ ዝፍለጥ እዩ። ተጋዳላይ ጀነራል ኣብርሃ ኳርተር ኣብ ብርጌድ 60 በጦሎኒ 3 መራሒ ሓይሊ ኮይኑ ኣብ ጎቦታት ምስራቃዊ ሳሕል ዓመት ሙሉእ ዝተዋግአ እንትኾን ኣብዚ ዝሰርሖ ቅያ ሓይሉ ሒዙ ኣብ ታባ ወዲ ፈንቅል ክሳብ ዒላ ፃዕዳ ኣብ ዝተገበረ ፈታኒ ውግእ ንሓይሉ ዝተውሃባ ልኡኽ ኣብ ውሽጢ ሓፀር ግዜ ፀላኢ ሙሉእ ብሙሉእ ብምድምሳስ ልኡኹ ብጅግንነት ፈፂሙ ጥራሕ ዘይኮነስ ጅግንነትን ጥበብን ወይን ብተግባር ዘመስከረ ነዚ ናይ ጅግንነት ስርሑ ድማ ብተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ዓብይ ኣኽብሮትን ፍቅርን ዘሕደረ ጅግና ኔሩ፡፡
ኣብ ሳሕል ዓመት ሙሉእ ብርጌዳትና እንዳተዋጋኣ ድሕሪ ምፅናሕ ወራር ቀይሕ ኮኸብ ምስ ፈሸለ ብርጌድ 60 ንትግራይ ምስ ተመልሰትን ብዙሕ ከይፀንሐ ኣብ ምፍሻል 7ይ ወራር ኣብ ዓዲ ገዞሞ፣ እምባ ፅዋ፣ ደብያታት ውቅሮ ማራይ ዝተውሃቦ ልኡኽ ብዝለዓለ ጅግንነት ዝመርሐን ዝፈፀመን ኔሩ፡፡

ድሕሪ 7ይ ወራር ሓደሽቲ ብርጌዳት ምፍጣርን ምትሕንፋፅን ምስ ተገበረ ኣብቲ ውዑይ ምንቅስቃስ ዝነበሮ ሪጅን 3 ኣብ ብርጌድ 25 መ/ሓይሊ ኮይኑ ኣብ መስመር ዓሰብ ሚለ ከባቢ ዝተውሃቦ ፀላኢ ናይ ምድምሳስን ምፅራግን ልኡኽ ከምቲ ልሙድ ሓንቲ ጋንታ ሒዙ ባዕሉ ብምእታው ንቀፃሊ ስራሕ መንጠሪ ዝኾነ ቁልፊ ቦታ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ክፍፅም ምኽኣሉ ተጋዳላይ ጀነራል ኣብርሃ ዝተውሃቦ መደብ ውግእ የዐውት ነይሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ውሕሉል ምድላውን ፅንዓትን ብምግባር ብውሕድ ኪሳራን ሓፂር ግዜን ዓወት ምምዝጋብ ዝለመደ ኪኢላ ውግእ እዩ፡፡

ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናይ ኣመራርሓ ክእለትን ዓቅምን ብምዕባይ ኣብ መጀመርታ 1976 ዓ/ም ኣብ ብርጌድ 17 ኣመራርሓ ካልአይቲ ቦጠለኒ ኮይኑ ኣብ ተከታተልቲ ናይ ሪጅን 3 ውግኣት ዕውት ስርሒት እንድፈፀመ ድሕሪ ምፅናሕ ካብ 1978ዓ/ም መራሒ ተነፃሊት በጦሎኒ 50 ኮይኑ ተመዲቡ፡፡

ኣብ እዋን መራሒ በጦሎኒ 50 ዝፈፀሞ ቅያ

ንቦጦሎኒ 50 ዝተውሃበ ልኡኽ ፀላኢ ኣብ ደጀኑ ብምእታው ቀፃሊ ምድካም ናይ ፀላኢ መጋቢ መስመራት ምዕንቃፍን ከምኡ ድማ ኣብ ውሽጢ ፀላኢ ዝስርሑ ስራሕቲ ብቐረባ ፅንዓታት ምክያድን ምምችቻውን ነይሩ። ስለዝኮነ እውን ቦጠለኒ 50 ብተጋዳላይ ጀነራል ኣብርሃ እትምራሕ በጦሎኒ ኣብ ከባቢ ዓፋር ፍሉይ ቦታ ጋሊኮማ መበገሲ ብምግባር ኣብቲ ኣፀጋሚ ተፈጥሮ ፀሓይ ንዳድን ዘጥቀዐካ ከባቢ ተንዳሆ ሚለ ጭፍራ መስመር ዓሰብን ራያን ብምንቅስቃስ ፀላኢ ከም ድላዩ ሰጢጡ ከይኣቱን ናይ ፀላኢ ደጀን ክርበሽን ዕረፍቲ ዘይብሉ ተኸታታሊ ውግኣት ብምክያድ ዘኹርዕ ስራሕ ዝሰርሐ ጅግና ኔሩ፡፡

ኣብዚ ከባቢ ካብ ዝነበረ ፍሉይ ስርሒት እውን ፀላኢ ብዙሕ ታንክታት ሒዙ ኣብ ከም ጉጉዶ፣ጭፍራን ኣላሌ ስሉላን ዓሪዱ ንወራር ይዳሎ ዝነበረ ሓይሊ ዝተወሰዱ ተከታተልቲ ውግኣት ኣሃድኡ መሪሑ ብምእታው ፀላኢ ሙሉእ ብሙሉእ ክድምሰስን ታንክታቱ ራሕሪሑ ከሃድምን ካብ ዝገበሩ ጀጋኑ መራሕቲ ሓደ ኔሩ፡፡

ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ካብ ስራሕቱን ልምድታቱን እንዳተምሃረ ዝኸድ ብምንባሩ ካብ ዝነበሮ ሓላፍነት ቅልጡፍ ምዕባለ ዘርኢ ነይሩ በዚ መሰረት ብ1979 ዓ/ም ንድሓር ናብ ብርጌድ 45 ምክትል መራሒ ብርጌድ ዳሓር እውን ናይ ብርጌድ 25 ኣዛዚ ብርጌድ ብምኻን ኣብቲ ርሱን ናይ 1980 ዓ/ም ውግኣት ዝተውሃቦ ልኡኽ ብዝለዓለ ጅግንነትን ፅንዓትን ግቡኡ ዝፈፀመ እንትኾን ኣብዚ እውን ከይገለፅናዮ ዘይንሓልፍ ኣክሱም ሓራ ንምውፃእ ዝተገበረ ግጥም ክልተ ኮማንዶ ቦጦሎኒን ካሊእ ተደራቢ እግረኛ ሓይልን ስሕበት ማእኸል እንተጥቅዑ ነቲ ንኡስ ግንባር መተሓባበሪ ኮይኑ ድሙቅ ዓወት ዘመዝገበን ነቲ ኩነታት ዝለወጠን ጅግና ነይሩ፡፡

ሕወሓት ሓይሉ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳዕበየ ምስ ከደ ብ1981 ዓ/ም ሓደሽቲ ክ/ሰራዊታት ተፈጢረን ካብ ዞባዊ ሰራዊትን ሓደሽቲ ተዓለምትን ብምትሕንፋፅ ማዕበል ክ/ሰራዊት ተፈጢራ እዛ ሓዳሽ ክ/ሰራዊት ብተጋዳላይ ጀነራል ኣብርሃ ኳርተር ኣዛዝነት ኣብ ሓፂር ግዜ ንውግእ ክትዳሎ ብዝወረደ ናይ ውድብ መደብ መሰረት ሓፂር ናይ ስልጠና ትልሚ ብምውፃእ ምስ ብፆቱ ኮይኑ ከምተን ነባራት ክ/ሰራዊታት ክትኮን ዓቅማ ብምስጥጣም ለይትን ቀትርን ብምስልጣን ንወፍሪ ሰላም ብቃልሲ ድልውቲ ክትኾን ጌሩ፡፡

እንዳተመዓራረና ንዋጋእ እንዳተዋጋእና ንመዓራረ ዝብል ጭርሖ መሰረት ጌሩ። ኣብ ሓፂር ግዜ ኣብ ቆቦ ወልድያ 605 ኮር ንምድምሳስ ኣብ ዝተገበረ የመና ፈታኒ ውግእ ሰብን ሓፂንን ኢድ ብኢድ ዝገጥምሉ ብዙሓት ታንክታትን ብፈንጂ ኣዙሪት ዝተኸበበ ድፋዕ ቆቦ ማእኸል ብምእታው ንምእማኑ ብዘፀግም ጅግንነት ኣሃድኡ መሪሑ ብጣዕሚ ድሙቅ ዓወት ኣመዝጊቡ እዩ ኣብዚ ተጋዳላይ ጀነራል ኣብርሃ ኳርተር ዘርአዮ ነይ ኣመራርሓ ብሉፅነት ዘደንቕ ኔሩ፡፡

ድሕሪ ውግእ ቆቦ ክሳብ ወልድያ ዝነበሩ ኩሎም ውግኣት ክ/ሰራዊት ብምምራሕ ብተመሳሳሊ ስራሕ ንደ/ታቦር ብምምራሕ ኣብ 1ይን 2ይን መጥቃዕቲ ደ/ታቦር ከምኡ እውን ኣብቲ ሓያል ናይ ጉና ምክልኻልን ፀረ መጥቃዕትን ማዕበል ክ/ሰራዊት ርኡይ ተሳትፎ ክትገብርን ኣብ ሓፂር ግዜ ጠንካራ ኣሃዱን ክትከውን ብምግባሩ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ናይ ጉና ምክልኻል ናብ ፀረ መጥቃዕቲ ምስ ተኣተወ ኣብ ኩሎም መጥቃዕትታት ብምስታፍ ድሙቅ ዓወት ክምዝገብ እጃሙ ብብቅዓት ዝፈፀመ እዩ፡፡

ቀፂሉ እውን ድሕሪ ኣዲስ ዘመን ወሮታ ምቁፅፃር ክ/ሰራዊት ማዕበል ደቡብ ወሎን ሰሜን ሸዋ፣ ወረ ኢሉ፣ ማህል ሜዳ፣ መራኛ ለሚ ኣብ ዝተኻየዱ ተኸታተልቲ ውግኣት ብዘይ ዕረፍቲ ኣዋጊኡን መሪሑን ድሙቅ ዓወታት ዝሓፈሰ ጅግና መራሒ ኔሩ፡፡

ማዕበል ክ/ሰራዊት ሓዳሽ ክ/ሰራዊት ኮይና ኣብ ሓፂር ግዜ ዘስደምም ጅግንነትን ታሪክን ብምስራሕ ነቲ ኣብ ጉና ዝተሰርሐ ቅያ ጅግንነት ናብ ወለዶ ክመሓላለፍ ድሕሪ መራኛ ውግእ ጉና ክ/ሰራዊት ተባሂላ ብሽልማት መልክዕ ክትፅዋዕ ዘክእላ ጀግናን መትከላውን መራሒ ኔሩ፡፡

ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝወሃብ ልኡኽ እንዳወሰኸ ቀልጢፍካ ዳግም ውደባ ጌርካ ናብ ቀፃሊ ውግእ ምስጋር ኣብ ዝነበረ ውዑይ ወቅቲ ድሕሪ ዝተወሰነ ምትዕርራይን ስልጠናን ኣብ ወፍሪ ቴድሮስ ጎጃምን ጎንደርን ሓራ ንምውፃእ ኣብ ዝተገበረ ውዑይ ግጥማት ን4ኛ መካናይዝድ ክ/ጦር ስሕበት ማእከል ናይቲ ግንባር ዝነበረ ንምድምሳስ ዝተውሃቦ ተለእኾ ኣብ ሓፂር ግዜ በውሑድ ኪሳራን በዘይተገመተ ኣንፈት ኣትዩ ዝደምሰሰ ኪኢላ መራሒ ውግእ ኔሩ፡፡

ኣብቶም ዕረፍቲ ዘይህቡ ተከታታሊ ውግኣት ዘለካ ሓይሊ ብቁጠባን ብጥንቃቀን ኣብ ምምራሕ በቲ ሓዱሽ ወታደአራዊ ሳይንስን ጥበብን ኣብ ምውጋእ ፅቡቅ ልምዲ ዘጥረየን ብቁዕ መራሒ ክከውን ክኢሉ እዩ። ቀፂሉ ዝተካየደ ወፍሪ ቢልሱማ ወልቂጡማ ናብ ወለጋ ብምምራሕ ጊዳ ክራሙ ነቀምት፣ነጀ፣ ጊንቢ ኣብ ዝተገበሩ ተከታታሊ ውግኣት ብፍላይ ካብ ኣሶሳ ዝመፀ 29ኛ ናይ ፀላኢ ክ/ጦር ብዘይ ሰዳዲ ወረ እንትድምሰስ ናይ ጉና ክ/ሰራዊት ብፍላይ ድማ ናይ ኳርተር ተራ ዓብይ ኔሩ።

ደርጊ ዘሎን ዘየሎን ሓይሉ ኣተኣኻኺቡ መስመር ኣምቦ ዝኣተወ ሓይልና ንምድምሳስ ከቢድ ርብርብ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን መጀመርታ ብምክልኻል ብምድኻም ንፀላኢ ብምድምሳስ ኣብ ጉደር ፈታኒ ዝኾነ ውግኣት ብምግባር ድሕሪ ነዊሕ ርበርብ ፀላኢ ሙሉእ ብሙሉእ ክድምሰስን ተመሊስካ ኣምቦ ንምጥቃዕ ዝተሓንፀፀ ስትራተጂ ብቆረፃ ግንጪ ብምእታው ናይ ፀላኢ ሓይሊ ሙሉእ ብሙሉእ ብምድምሳስ ንናይ መወዳእታ ደርጊ ምቅባፅ ፅርጊያ ዘመቻቸወ ድሙቕ ዓወት ዘመዝገበን መራሒ ኔሩ፡፡

ኣ/ኣበባ ንምእታው ኣብ ዝተገበረ ወፍሪ ወጋገን ጅግና ተጋዳላይ ኣብርሃ ኳርተር ብመስመር ወሊሶ ሰበታ ብምእታው ኣ/ኣበባ ካብ ዝተቆፃፀሩ ስሙያት መራሕቲ ሓደ ኔሩ።
ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ተጋዳላይ ጀነራል ኣብርሃ ኳርተር ኣብ ደቡብ እዝ ናይቲ እዚ ወፍርን ስርሒትን /ዘመቻ ሓላፊ/ ብምካን ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ዝተበታተኑ ሸፋቱን ተረፍ መረፍ ደርግን ኣብ ምቁፅፃርን ዓብይ ብፅሒት ዝተፃወተ ኔሩ፡፡ ብዙሕ ከይፀንሐ ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈጠረ ዓሌታዊ ጭፍጨፋ ምኽንያት ብምግባር ንሃገርና ብዝተገበረ ዓለም ለኸ ፃውዒት መሰረት ናይ ጉና ረጅመንት ምክትል ኣዛዚ ብምኻን ናይ ሰላም ምኽባር ልእኹትኡ ብግቡእ ዝፈፀመን ኣብ ሩዋንዳ ምኽባር ሰላም እውን ዓዱን ህዝቡን ዘፀወዐ ጅግና ኔሩ፡፡

ድሕሪ ምምላስ ካብ ሰላም ምኽባር ዝነበሮ ፃምእ ትምህርቲ ንምምላእን ዝበለፀ ዓቅሚ ንምዕባይን ኣብ ቆሬ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ኣትዩ ክሳብ 12 ክፍሊ ተማሂሩ እዩ
ብ1990 ዓ/ም ኣብ ውግእ ኢትዮ ኤርትራ ምስ ተጀመረ ካብ ቤት ት/ቲ ብቀጥታ ናብ ግንባር ዛላምበሳ ተመዲቡ ኣብቲ ግንባር ቀዲሙ ዝበፅሐ ናይ ወገን ሓይሊ ብምትሕብባር እቲ ብሃንደበት ዘጥቅዐ ሰራዊት ሻዕብያ ካብ ዛላንበሳ ከይቅፅልን ሓይልና ክሳብ ዝተኣካከብ ግዜ ንክንዕድግን መሪሕ ተርኡ ተፃዊቱ እዩ። ቀፂሉ እውን ኣብ 1991ዓ/ም ዝነበሩ ውግኣት ኣብ ፀሮና ንኡስ ግንባር ተመዲቡ ብቑዕ ኣመራርሓ ብምሃብ ሃገራዊ ግቡኡ ዝፈፀመ ጀግና ኔሩ።

ኣብ 1992ዓ/ም ኣብ ዝተገበረ ናይ መወዳእታ መጥቃዕትታት ሰራዊትና ሓደሽቲ ኣወዳድባን ኮራትን ምስ ተፈጠረ ናይ መበል 109 ኮር ዋና ኣዛዚ ብምኻን ዝተውሃቦ ሓዱሽ ኮር ቀልጢፉ ክሰጣጠም ናይ ስልጠናን ሎጂስትክን ዓቅሚ ንምዕባይ ትልሚ ብምውፃእ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ 109 ኮር ንሉኡኹ ድሉው ክኾን ዝገበረ ኣብ ባረንቱን ተሰነይን ናይ ዕሙቀት ውግእ ብተግባር ዘርአየ ናይ ወገን ሰራዊት ድሙቅ ዓወት ከመዝግብ በሳልን ብቁዕን ኣመራርሓ ዝሃበ ዓወት ዝልማዱ ጀግና መራሒ ኔሩ፡፡

ድሕሪ ውግእ ኢትዮ ኤርትራ ናይ 109 ኮር ዋና ኣዛዚ ኣብ ደቡብ እዝ፣ ዳሓር ድማ ናይ ምዕራብ እዝ ዋና ኣዛዚ ብምኻን ዝለዓለ ሃገራዊ ሓላፍነቱ ዝተዋፅአ ኣብ ሃገርና ዝተመዝገበ ስሉጥ ዕቤትን ልምዓትን ከይኹለፍ ዘተኣማምን ሰላም ምእንታን ክህሉ ብዘይ ዕረፍቲ ዝሰርሐን በዚ ድማ ኣብ ዝተመደበሉ እዝታትን ከባቢ መርኣያ ዝኸውን ስራሕ ዝሰርሐ መራሒ ኔሩ፡፡
ተጋዳላይ ጀነራል ኣብርሃ ወ/ማርያም /ኳርተር/ ከም መራሒ ፖለቲከኛ (ብሉፅ ኮማንደር) ፅቡቅ ስትራተጂስት ዝነበረ እንትኾን ቀፃሊ ወለዶ ምእንታን ክመሃረሉ ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ዝሰርሖ ክልተ ምሩፃት ኣብነታት ክንጠቅስ፡-

ዋና ኣዛዚ ምዕራባዊ ግንባር ኣብ ዝነበረሉ እዋን

እቲ ግንባር ካብ ኤርትራን ሱዳንን ሸሊኾም ዝመፁ ፀረ ሰላም ሓይልታትን ከምኡ እውን ናይ ኣርማጭሆ ሸፋቱ ብበዝሒ ዝርከብሉን ህዝቢ ብሙሉእ ዓቅሙ ናብ ልምዓት ክይኣቱን ድኽነት ከይዋጋእን ዓብይ ናይ ፀጥታ ችግር ዝነበሮ እንትኾን ተጋዳላይ ጀነራል ኣብርሃ ኳርተር እቲ ኩነታት ብዝርዝር ብምፅናዕ ፀገማት ብምፍላይ ከመይ ከም ዝፍታሕን ምስ መን ኮይንካ ከም ዝፍታሕን፣ ዋና መፍትሒ ፀገም እንታይ እዩ ዝብል ዝርዝር ኩለ መዳያዊ ትልሚ ብምውፃእ በቢ ከባቢኡ ዘሎ ምምሕዳርን ናይ ፀጥታ ኣካላትን ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ኩሎም ብፂሒቶም ክወስዱ ብምግባር ብናይ ሓይሊ ምክልኻል ተሳትፎ ጥራሕ ሰላም ከምዘይመፅእን ብምእማን ክሳብ ታሕቲ ባዕሉ ብምውራድን ብምቁፅፃርን ርኡይ ለውጢ ክመፅእ ዝገበረ የመና በሳል መራሒ ኔሩ፡፡ ብኡ መሰረት እውን ሃይማኖት መራሕትን ሽማግለታት ዓድን ምስ ሰራዊትና ብዝገበርዎ ምንቅስቃስ ብዙሓት ሸፋቱን ፀረ ሽብር ሓይልታትን ኣብ ሓፂር ግዜ ኢዶም ክህቡ ኪኢሎም እዮም፡፡ ካብ ኤርትራን ሱዳንን ዝመፁ ዝነበሩ ፀረ ሰላም ሓይልታት እውን ብርክት ዝበላ ጉጅለታት ካብ ህዝቢ፣ ካብ መከላኸሊ፣ ካብ ምልሻ፣ ፀጥታ መሓውር ኣብተን መእተውን መውፅእን ቦታታት ብምምዳብ ፀላኢ ገና ከይተበገሰ መረዳእታ ብምትእኽኻብ ብውሑድ ኪሳራ ኣብ ቁፅፅር ክውዕሉ ዝገበረን ክልል ኣምሓራ ሰላም ኮይኑ ናብ ልምዓቱ ክኣቱ ኣብ ምግባር ግደ ኣመራርሓ ተጋዳላይ ጀነራል ኣብርሃ ዕዙዝ ኔሩ፡፡

ካልኣይ ተጋዳላይ ጀነራል ኣብርሃ ኳርተር ካብ 2000 – 2009 ዓ/ም ካብ ምዕራብ ተቀይሩ ናብ ደቡብ ምብራቅ ዋና ኣዛዚ ኮይኑ ዝተመደበሉ ምሽጥሩ እውን ናይ ምዕራብ እዝ ልምዱን ተሞክሩኡን ተጠቂሙ ኣብ ከባቢ ኦጋዴን ንዝነበረ ናይ ፀጥታ ችግር ክፈትሕን ክልል ሶማሊ ከም ካልኦት ክልላት ሃገርና ናብ ልምዓት ክኣቱ እቲ ብዓብይ ብሉፅ መራሒና ናይ ቀደም ጠቅላይ ሚኒስቴር መለስ ዜናዊ ዝወፀ ናይ ፀረ ደባይ (ሸማቂ) ናይ ውግእ ስልቲ ምስ ከባቢኡ ብምጥዕዓም እቲ ንነዊሕ እዋን ሰላም ሓሪምዎ ዝነበረ ክልል ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ለውጢ ንከምፅእ ምስ ከባቢ ምምሕዳር፣ ሽማግለታት ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ምስ ኩሎም ናይ ፀጥታ መሓውራት ብምልዛብ እቲ ናይ ፀጥታ ፀገም ብወታደራዊ ሓይሊ እንተይኮነስ ብልምዓትን ካብ ክሳብ ታሕቲ ብዝካየድ ፅፉፍ ፖለቲካዊ ስራሕን ተወሃሂዱ ክፍፀም ብምግባር መላእ ኦጋዴን ሰላም ዝገበረን ካልኦት ዓድታት ነዚ ብሉፅ ፀረ ደባይ ተሞክሮ ከም መምሃሪ ክጥቀምሉን ተሞክሮ ክወስዱ ከም ዝሓተቱን ነዚ ብሉፅ ስራሕ ድማ ካብ ትልሙ ጀሚሩ ኣወሃሂድካ ምትላም፣ ምምራሕ፣ ምቁፅፃርን እቲ ዝለዓለ ብፅሒት ዝነበሮ ኣብ ዝኸዶ ዝዕወት ጅግና ተጋዳላይ ጀነራል ኣብርሃ ወ/ማርያም እዩ ኔሩ፡፡

ኣዛዚ ደቡብ ምብራቅ እዝ ኮይኑ ካብ 2000 – 2009 ዓ/ም ኣብ ዘገልገለሉ እዋን

ብህዝቢ እቲ ከባቢ ናይ ሰላም ኣቦን ኦጋዴን ከም ሃገራ ማይ፣ ቤት ትም/ቲ፣ መንገዲ፣ ጥዕና ጣብያታትን ሆስፒታላትን ክህነፅ ብምግባር ሶማሌ ክልል ናይ ልምዓት ኮሪደር ንክትኸውን ብምግባሩ ኣብ ልቢ እቲ ህዝቢ ዓብይ ኣድናቆት ዝረኸበ ጅግና ኔሩ፡፡

እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልፀ ዘሐብን ስራሕ ድሕሪ ምስርሑ ካብ ደቡብ ምብራቅ ኣዛዝነት ናብ ምክልኻል ሃገር ዋና መ/ቤት ተቀይሩ ናይ ሕብረት ዘመቻ ዋና መምርያ (ሓላፊ ስርሒትን ወፍርን ምክልኻል ሃገር ብምኻን ኣብ ዓድና ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርግጋእ ንክፍታሕን ልምዓትና ከይጓተት ክግበር ዝግበኦ ምውፋርን ሓይሊ ብጥንቃቀ ብምምዳብን ዓበይቲ ትካላት ከይዓኑ ግቡእ ሓለዋ ክግበረሎም ብምግባር ፅፉፍ ትልሚ ብምውፃእ ነቲ ዝወረደ መደብ እውን ደኺሙኒ ከይበለ ብምቁፅፃር ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ዝገበረ መራሒ ኔሩ፡፡

ኣብ መፋርቅ 2010 ዓ/ም ናብ ስልጠና ዋና መምርያ ሓላፊ ኮይኑ ኣብ ዝተመደበሉ እዋን እውን ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ናይ ስልጠና ማእኸላት መምርሕታት ብዝግባእ ብምፅናዕ ኣብ ኣወዳድበኦምን ኣሰራርሖኦም እውን ክውሰኽ ዝግበኦ ነገር ብፅንዓት ክምለስ ኣብ ምግባር ከምኡ እውን ዝለዓለ ናይ ዋር ኮሌጅ ንክኽፈት ምስ ብፆቱ ኮይኑ ዝለዓለ ፃዕሪ ዝገበረን ስልጠና ዋና መምርያን ኩሎም መሰልጠኒ ማእኸላትን ዓቅሞም ከዕብዩ ዝገበረ መራሒ ነይሩ፡፡

ጅግና ተጋዳላይ ኣብርሃ ኳርተር 2011 ዓ/ም ብጡረታ ዝተሰናበተ እንትኾን ግዜ ከየጥፈአ መንበሪኡ ኣብ ትግራይ ብምግባር ንህዝቢ ትግራይን ውድብ ሕወሓትን ይጠቅሙ እዮም ዝበሎም ፅሑፋት ኣብ ምድላውን ኣብ ምምኽኻርን ንሓንቲ መዓልቲ ከየዕረፈ ዘገልግል ዝነበረ ውፉይ፣ መስተውዓልን በሊሕን መራሒ ኔሩ፡፡

ተጋዳላይ ጀነራል ኣብርሃ ኳርተር ንህዝቡን ሃገሩን ንልዕሊ 40 ዓመት ብዝለዓለ ተወፋይነትን ጅግንነትን ኣብ ዘገለግለሉ ግዜ እቶም ብሉፃት ስራሕቱን ዘልኣለም እናተዘከሩ ዝነብሩ ኮይኖም ካብኡ እንመሃሮን ኩሎ ዝፈልጦም መለለይ ባህርያቱ፡-
  • ዝተውሃቦ ልኡኽ ዝግባእ ተረዲኡ ዝወፍር ንግብራውነቱ ድማ ብዘይ ዕረፍቲ ዝመርሕን ዝቆፃፀርን ውፉይ ምንባሩ
  • ንዘይኣመነሉ ነገር ክሳብ መወዳእታ ብምኽንያት ዝከራኸር ምስ ኣመነ ናይ ባዕሉ ዓቅሙ ወሲኹ ብዝለዓለ ጅግንነትን ውፉይነትን ዝሰርሕ
  • ዝለዓለ ስነ ምግባርን ናይ ስራሕ ዲሲፕሊን ዝነበሮ ግዚኡ ካብ ስራሕ ወፃኢ ዘየጥፍእ
  • ካብ ኩሉ ዝመሃር፣ ዘይዕበ ካብ ብፆቱ፣ ካብ ህዝቢ፣ ካብ ምንባብ ኩሉ ንስርሑ ዝጠቅም ብዘይ ምቁራፅ ዝመሃር
  • ዘንበቦን ዝፈልጦን ንረብሓ ህዝቢ ክውዕል ለይትን ቀትርን ዝሸቅል
  • ምስ ዝነፈሰ ዘይነፍስ ንዝአመነሉ ፅኑዕ መትከላዊ ፍቅሪ ህዝቡን ውድቡን ከይጠለመ ቃሉ ከየዕበረን ሙሉእ ጊዚኡ ኣብ ስራሕ ዘውዕል ምሩፅ መራሒ ኔሩ፡፡
ተጋዳላይ ጀነራል ኣብርሃ ወ/ማርያም (ኳርተር) ካብ ተራ ተጋዳላይነት ክሳብ ሙሉእ ጀነራል (በዓል 4 ኮኸብ) እቲ ዝለዓለ ናይ ውትድርና መኣርግ ዝረኸበ፣ ብቃልሲ ተፈቲኑ ዝዓበየ ንልዕሊ 40 ዓመታት ደኺሙኒ ከይበለ ዘገልገለ ካብቶም ሕወሓትን ህዝቢ ትግራይይ ዝፈጠሮም ምሩፃት ደቂ ህዝቢ ጀነራላት ሓደ ኔሩ፡፡

ተጋዳላይ ጀነራል ኣብርሃ ኳርተር ናይ ኣካዳሚ ዓቅሙን ካብ ግዜ ናይ ግዜ ብምዕባይ ብማናጅመንት ቀዳማይ ዲግሪ፣ ብሊደር ሺፕ ካልኣይ ዲግሪ ከምኡ እውን ንስርሑ ዝጠቅሙ
ብዙሓት ሰረቲፊከታት ዝተመረቀ፣ ካብ 5 – 35 ዓመት ናይ ውትድርና ሜዳልያ ተሸላሚ፣ ቀዳማይ ደረጃ ናይ ምግዳል ወርቂ ሜዳልያ ተሸላሚ፣ ናይ ሕቡራት መንግስታት ሰላም ምኽባር ሜዳልያ ተሸላሚ ነይሩ፡፡

ተጋዳላይ ጀነራል ኣብርሃ ወ/ማርያም (ኳርተር) ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ውሽጥን ወፃእን ድሕሪ ክሕከም ምፅንሑ ኣብ ዝተወለደ ኣብ መበል 58 ዓመቱ ኣብ ሕክምና ብዕለት ሰነ 21/2011ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ፡፡

ተጋዳላይ ጀነራል ኣብርሃ ወ/ማርያም (ኳርተር) በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ኣወዳትን ክልተ ኣዋልድን ኔሩ፡፡

ንመላእ ቤተሰብ፣ መቃልስቱ፣ ብፆቱን መሓዙቱን ፅንዓት ይሃብኩም

ዘልኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና
ሰነ 24/2011 ዓ/ም


Post Reply