ባይቶ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሑቡራት ሃገራት፡ ወታደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብህፁፅ ንኽወፁ ዉሳነ ኣማሓላሊፉ
-
- Posts: 396
- Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm
ባይቶ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሑቡራት ሃገራት፡ ወታደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብህፁፅ ንኽወፁ ዉሳነ ኣማሓላሊፉ
በቲ ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝጀመረ ኲናት ምኽንያት ልዕሊ 2 ሚሊዮን ተጋሩ ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተመዛበሉን ልዕሊ400 ሽሕ ድማ ንሑሱም ጥሜት ከምዝተሳጠሑን ፀብፃብ ሮይተርስ የረድእ።
ብምዃኑ እዉን ነዚ ዉሳነ ሓሳብ መበገሲ ዘቕረበት ኣብ ውድብ ሑቡራት ሃገራት ልእኽቲ ሕብረት ኣዉሮፓ ሎተ ክወንድሰን ኣብ ትግራይ ዘሎ ኹነታት ኣዝዩ መደንገፂ እዩ ክትብል ገሊፃቶ እያ። ይኹን እምበር ኣባልን ተወካሊት ኤርትራን እቲ ሕብረትን ካዉንስልን ነቲ ዉሳነ ከምዝተቓወመቶን ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ 47 ኣባላት እቲ ባይቶ ኣካል ዘይኮነት ኢትዮጲያ ብወገና ነቲ ዉሳነ ሓሳብ ሙሉእ ብሙሉእ ዉድቂ ገይራቶ እያ።
ብዕድመ መንግስቲ ኢትዮጲያ ናብ መሬት ትግራይ ዝኣተዉ ወታደራት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ መንግስትን ህዝቢን ትግራይ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ገበናት ኲናት ብምፍፃም ካብ ማንካ ክሳብ መኪና ንብረት ከምዘዕነውን ከምዝሰረቑን ዝዝከር እዮም።
ራድዮ ወጋሕታ ትግራይ
ሓምለ 6/2013 ዓ/ም