ሕራነን ፅንዓትን ቃልሲ ካብ ተጋዳላይ ኣማረ ታረቀ (ጃዕፈር)

Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ሕራነን ፅንዓትን ቃልሲ ካብ ተጋዳላይ ኣማረ ታረቀ (ጃዕፈር)

Post by africangear »

Amare-Tareqe_Jaifer.jpg
ኣብ ሸራሮ እናተዋገአ ብከቢድ ብረት እግሩ ምስተቆረፀ ፤ ነታ ዝተቆርፀት እግሩ ኣልዒሉ ""ብፆት ኣይዞኩም ክንዕወት ኢና ፤ ንህዝብካ ምስዋእ ክብሪ እዩ"" ኢሉ እናጨረሐ ዝተሰወአ ጅግና ወዲ ህዝቢ ነይሩ። ጅግንነት ቡዝሕ ዓይነት እዩ። እናሞተ ፀላኢ ደስ ከይብሎ እናሰሓቀ ተሰዊኡ ፣ እናሞተ ስንቂ ዘስንቅ ጭርሖ ብዝተቆረፀ እግሩ ጨሪሑ ፤ ንሱ እናሞተ ዕላምኡ ግን ክዕወት ምዃኑ ተዛሪቡ ተዓዊቱ ድማ።

ስውእ ተጋዳላይ #ኣማረ_ታረቀ ኣቦ ፅንዓትን ጅግንነትን ታሪኹ በቀይሕ ቀለም ኣብ ልቢ ህዝቢ ትግራይ ፅሒፉ ሓሊፉ ታሪኹ ድማ ይነብር ኣሎ ንቀፃሊ ውን ክነብር እዩ።

ናይ ጀጋኑ ኣያታትና አብቲ ኣፍላ ዕድሚኦም ኣብ እቲ ደሞም ፉሕፉሕ ዝብለሉ ዝነበረ ዕድሚኦም ጨቋኒ ንዝነበረ ስርዓት ተቃሊሶም ብምፍራስ ናይ ባዕልቶም ዝኣመንሉ ስርዓት ተኺሎምን ሃኒፆምን። እስካብ መወዳእታ ድማ ኣብ ዕላመኦም ብምፅናዕ ክቡር መስዋቲ ከፊሎም። በዚ ድማ ንሕበነሎምን ንኾርዓሎምን። ብዝተፈጠረ ክሳራ ፣ መቁሰልቲ ፣ መስዋእትን ዝያዳ ንሕርንን ንውይንን። ዓወትና ኣብ ቅልፅምናን ኣብ ሓድነትናን! ሃገራውነት ትግራይ ከይተረጋገፀ ደው ዝብል ቃልሲ የሎን።

ዓወት ንትግራይ ዕንወት ንደምና እናመጠጠት ትነብር ኢ/ያ!


Post Reply