ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን መን እዩ?

Eritrea related news and publications
Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን መን እዩ?

Post by africangear »

Ras-Weldemichael-Solomon
Ras-Weldemichael-Solomon
By Tsegay Hagos

ጭካነን ኣረመኔነትን ሓማሴን ካብ ኣቦታቶም ዝወረሱዎ እዩ (ብፅሞና ይነበብ)

ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን መን እዩ? እንታይ ዓይነት ውርሲ (Legacy) ኣለዎ? (ኩሉ ኣቆፃፅራ ዘበን ብፈረንጂ እዩ) ምንጪ ፅሑፈይ Ras Alula and the Scramble for Africa: A Political Biography By Hagai Erlich

ሃፀይ ዮሃንስ ዳርጋ መዋእሎም ምስ ፀላእቲ ብምውጋእ እዮም ሓሊፎምዎ፤ እናተኳሽሑ ከዓ ሓሊፎም፡፡ ብፍላይ እዛ ሎሚ ኤርትራ ትብሃል ዘላ ሃገር ምስቲ ዘለዋ ጂኦፖለተካዊ ኣገዳስነት ብዙሓት ባዕዳውያን ፀላእቲ ትስሕብ ነይራ፡፡ ግብጻውያን፣ ቱርካውያንን ኢጣልያውያንን ከዓ እቶም ብኣዋራነት ዝጥቀሱ ነይሮም፡፡ ሃፀይ ዮውሃንስ ብ21 ጥሪ 1872 ኣብ ኣኽሱም ጽዮን ከይዶም ብኣቡነ ተቐቢኦም ቅድሚ ምንጋሶም ባዕዳውያን ወረርቲ ኣብ ምምካት ይፅመዱ ነይሮም፡፡ እንተኾነ ተወላዲ ሓማሴን ዝነበረ ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን ኣብ መገዛ ሃገሩን ህዝቡን ውዲት ይፍሕስ ነይሩ፡፡ ነዚ ተግባሩ ዝነቕሑሉ ሃፀይ ዮሃንስ ካብ ሓላፍነቱ ኣባረሩዎ፡፡ ካብ ሓላፍነቱ ምስተባረረ ከዓ ቂም ሒዙ ብዝያዳ ኣብ መዕነዊ ጥልመት ተዋፈረ፡፡ ሽዑ ተግባሩ ዝሓረቑ ሃፀይ ዮሃንስ ንሓደ ዓመት ክእሰር ምስፈረዱሉ ብ1871 ብምሕረት ተፈቲሑ፡፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ብይቕሬታ ምስተፈትሐ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ትግራይ-ትግርኚ ተሰሊፉ ንምውጋእ ቃል ኣተወ፡፡ በዚ ከዓ ሃፀይ ዮሃንስ ናይ ደጃዝማችነት ማዓርግ ሃብዎ፡፡ እንተኾነ ድሕሪ እቲ ምስ ባዕዳውያን ዝፈፀሞ ተግባር እምነት ስለዘየሕደሩሉ ናይ ሎሚ ሓማሴን ብተወላዲ ሓማሴን ዝኾነ ደጃዝማች ገብሩ ክመሓደር ኣዘዙ፡፡ ወልደሚካኤል ብሹመት ደጃዝማች ገብሩ ሕጉስኳ እንተዘይነበረ ምስ ሰራዊት ትግራይ-ትግርኚ ተሰሊፉ ካብ ምቅላስ ግን ኣይዓገቶን፡፡

ሃፀይ ዮሃንስ ምስነገሱ ድሕሪ 3 ዓመት ሰራዊት ግብፂ ብኣመሓዳሪ ሓማሴን ደጃዝማች ገብሩ ንዝምራሕ ውሱን ሓይሊ ስዒሩ ንከባብታት ዓዲ ኳላን ጎንደትን ተቖፃፀረ፡፡ ሰራዊት ግብፂ ክሳብ ዓዲኳላ ተቖፃፂሩ ዝሰምዑ ሃፀይ ዮሃንስ ብሓለቓ ሽሕ (ናይቲ እዋን መዓርጉ) ኣሉላ ዝምራሕ ሰራዊት ትግራይ ትግርኚ ካብ መአዘዚ ናቑጣኡ ዝነበረ ዓድዋ ተበጊሱ ንወራሪ ሰራዊት ግብፂ ወቒዑ ከውፅእ መረብ ክሰግር ኣዘዙ፡፡ ብ16 ሕዳር 1875 ኣብ ዝተኻየደ ደማዊ ኩይናት ከዓ ሰራዊት ግብፂ ሙሉእ ብሙሉእ ተደሲሱ ኣብዝሓ ሙውትን ቁሱልን እንትኾን ልዕሊ 3 ሽሕ ዝኸውን ድማ እግረይ ኣውፅእኒ ኢሉ ሃዲሙ፡፡ ልዕሊ 2 ሽሕ ብረትን 16 መዳፍዕን ድማ ካብ ሰራዊት ግብፂ ተማረኸ፡፡ ብወገን ሰራዊት ትግራይ 550 እንትስውኡ 400 ድማ ቆሲሎም፡፡ ካብቶም ብፅኑዕ ዝቖሰሉ ዓብይ ሓው ንሻለቃ ኣሉላ ዝኾነ ባሻይ ተሰማ ነይሩ፡፡ ኣብዚ ኩይናት እጃም ደጃዝማች ወልደሚካኤል ሰሎሞን ዕዙዝ ነይሩ፤ ምስ ኣሉላ ኮይኑ ግቡኡ ተዋፂኡ፡፡

እቲ ኩይናት ብዓወት ሰራዊት ትግራይ ምስተዛዘመ ወልደሚካኤል ብውልቁ ካብ ግብፂ ዝማረኾ ኣጽዋር ናብ ዓድዋ መፅዩ ከረክብ ካብ ንጉስ ትእዛዝ መፆ፡፡ ንሱ ድማ ዝተኣዘዞ ፈፀመ፡፡ እዚ ከምዚ እንከሎ ሃፀይ ዮሃንስ ኣብ ደጃዝማች ወልደሚካኤል ዝነበሮም እምነት ሓንሳእ ብምሽርሻሩ ኣመሓዳሪ ሓማሴን ክገብሩዎ ኣይደፈሩን፡፡ የግዳስ ኣብ ክንድኡ ሓለቓ ሽሕ ኣሉላ ኣባነጋ ክኸውን ብሃፀይ ዮሃንስ ተሸይሙ፡፡ እዚ ተግባር ንደጃዝማች ወልደሚካኤል ዘቆጠዐ ውሳነ ነይሩ፡፡ "ኣነ ተወላዲ ሓማሴን እናሃለኹ ንምንታይ ካብ ካልእ ከባቢ ዝመፀ ብዕድመ ካባይ ዝንእስ ሰብ ይመርሕ" ብዝብል ድማ ቂምታ ኣሕደረ፡፡ ብፍላይ ምስ ኣሉላ ናብ ህልኽን ቅርሕንትን ኣተወ፡፡

እዚ ከምዚ እንከሎ ብሕዳር 1875 ልዕሊ 15 ሽሕ ኣዝዩ ጠንካራ ሰራዊት ግብፂ ንምፅዋዕ ተቖፃፀረ፡፡ እቲ ወራሪ ሓይሊ ወረራኡ ኣብ ምፅዋዕ ከይተሓፀረ ናብ ከበሳታት መረብ ምላሽ ቀፀለ፡፡ ሽዑ ሰራዊት ግብፂ ይመፅእ ኣሎ ዝሰምዐ ወልደሚካኤል ሰሎሞን ንሰራዊት ትግራይ-ትግርኚ ራሕሪሑ ምስ ወራሪ ሰራዊት ግብፂ ተሰለፈ፡፡ ኣብ ካምፕ ሰራዊት ግብፂ ከዓ ናይ ግብፃውያን እስላም ኣከዳድና ተኸዲኑ ኣብ ጎኒ ግብፂ ተሰሊፉ ንሰራዊት ትግራይ ከምዝወቅዕ ብዕሊ ኣፍለጠ፡፡ ምስኡ ከዓ መስፍንን ዝብሃል ወዱን ስብኣይ ጓሉ ባላምባራስ ክፍለየሱስን ሓቢሮሙዎ ነይሮም፡፡ በዚ ተግባሩ ዝተሓጎሱ ግብፃውያን ከዓ ፋሪቕ (Fariq) ዝተብሃለ ወታደራዊ መዓርግ ሸለምዎ፡፡ ድሓር ባዕሉ ንባዕሉ ራእሲ እየ በለ፡፡ ድሕሪ እዚ ሃፀይ ዮሃንስ ምስ ንጉስ ጎጃም ተክለሃይማኖት ግጥም ስለዝነበሮም ሰራዊቶም (ሰራዊት ሃፀይ ዮሃንስ ብኣብዝሓ ካብ ትግራይን ካብ ናይ ሎሚ ኣከለጉዛይን ሰራየን እዩ ነይሩ) ኣኽቲቶም ወፈሩ፡፡ ነዚ ዝሰምዐ ሰራዊት ግብፂ ብወልደሚካኤል ሰሎሞን መንገዲ እናተሓበሮ ንከበሳታት ትግራይ ወሪረ፡፡ ኣብቲ እዋን ኣመሓዳሪ ሓማሴን ንዝነበረ ተወላዲ ፀዓዘጋ ራእሲ ሃይሉ ቀቲሉ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝፈፀሞ ግፍዒ እቲ ሕዚ ደቁ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅምዎ ዘለዉ እዩ፡፡ ወልደሚካኤል ብቂምን ቅርሕንትን ክሒኑ ኣብ ጸዓዘጋ ዘየባርዖ ኣባይቲ ዳርጋ ኣይነበረን። ብህይወቱ ዝተረፈ ሰብ ኣይነበረን፤ ኩሉ ከም በጊዕ ተሓሪዱ፡፡ ጥኑሳት ኣዴታት ከይተረፈ ጥንሰን ብሳንጃ ተዘልዚሉ ህይወተን ክሓልፍ ተገይሩ፡፡ ብሓፈሻ ብወልደሚካኤል ሰሎሞንን ደገፍቱ ደቂ ሓማሴንን ዝተፈፀመ ግፍዒ ቃላት ክገልፅዎ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ነይሩ፡፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ኣረመኔ ሰብ ብኣሉላ ተማሪኹ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ፡፡ ብሃፀይ ዮሃንስ ሕድገት ተገይሩሉ ከዓ ኣብ ክሳብ ዕለተ ሕልፈቱ ኣብ ትግራይ ይነብር ነይሩ፡፡ ተፈጥሮኣዊ ሞት ሞይቱ ድማ ኣብታ ቅድስቲ ከተማ ኣኽሱም ተቐቢሩ፡፡ እምበኣርከስ ጭካነ፣ ዕሱብነት፣ ዕስክርናን ጥልመትን ሓማሴን ካብ ኣቦታቶም ዝወረሱዎ እዩ፡፡

By Tsegay Hagos https://www.facebook.com/Tigray.First.1 ... 8058061317


Post Reply