ክብሪ ንዋዕሮታት ትግራይ!

Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ክብሪ ንዋዕሮታት ትግራይ!

Post by africangear »

Debretsion_with_TDF.jpg
ክብሪ ንዋዕሮታት ትግራይ!

ምሽጥር ጅግንነት ዋዕሮታትናን ራዕዲ ፀላእትናን ኣመልኪቱ፤ ንቕድሚት ዕሙቕ ዝበለ መፅናዕቲ ተኻይዱ፤ ብግቡእ ክስነድ ኣለዎ! ኣብ ውዕውዕ ውግእ፤ "በሎ" ዝብል ደወል ድምፂ ዋዕሮታት ትግራይ እንትጋዋሕ፤ ካብ ተራ ዕስለ ሰራዊት ፀላኢ ክሳብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ እዮም ዝርዕዱ! እዙ ኣብ ዝሓለፉ ወያነታት ትግራይ ዝነበረ፤ ኣብዙ ናይ ሎሚ ድማ ዝያዳ ዝደመቐ፤ ወርቃዊ ቅያ ዋዕሮታት ትግራይ እዩ!

ካብቶም ምሩኻት ነበር ከም እኒ ብርሃኑ ጁላ፣ መሓመድ ተሰማ፣ ወዘተ ... ኣትሒዙ "ሴቶቻችሁ እኮ! ሓይለኞች ቆራጥ ጨካኞች ናቸው" እናበሉ ይምስክሩ ነይሮም:: ዘይተሰነደ ታሪኽና ከምዝፀውየና ድማ፣ ብዙሓት ደርጋውያን ብዋዕሮታትና እዮም ተማሪኾም! ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ድሙቕ ስርሒት ዋዕሮታትና ካብ ሜዳ ትግራይ ይጋዋሕ ኣሎ::

'ኣብ ሓይሊ ሙሉእ ሓንቲ ዋዕሮ እንተልያ፤ ንታ ሓይሊ ዓንዲሕቐ ኮይና ንፀላኢ ክሳብ ኣዘዝቱ ራዕዲ ተእትወሎም' ይብሉ መራሕቲ ሓይልታት:: እሞ እማ ትግራዋይ ኮይኑ፤ ብዋዕሮታት ትግራይ ዘይሕበን፣ ዘይኾርዕ፣ ዘየኽብረን ይህሉዶ ይኾን! ኣብ ቃልሲ ዲፕሎማሲ ዓለም እውን እንተርኢና፤ ደቂኣንስትዮና ዘይተዋስኣሉ ዘይመርሕኦ መድረኽ የለን፣ ኣይደምቕን እውን! ንነገሩ እማ 'ኣደኻ ዘይብሉ ኣይገዛኻን' እንዶ ተባሂሉ ዝሓደረ!

ዋዕሮታት ትግራይ ጅግንነትን ሓልዮትን ኣማሊዑ ዝሃበን ዓንዲሕቐ ወያነ ትግራይ ክብሪ ንኣኻትክን! ትግራይ ትስዕር!

#ካሳ_ሃይለማርያም


Post Reply