ትግራዋይነት ዕዳ - ክሳብ ሐዚ ለይተንፈስኽዎ በደል

Post Reply
africangear
Posts: 404
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ትግራዋይነት ዕዳ - ክሳብ ሐዚ ለይተንፈስኽዎ በደል

Post by africangear »

ኣብ ኣምበጣ ምስነበርኹ ናብ ስርሐይ ከይተመለስኹ እዩ እዚ ጦርነት ተጀሚሩ። ኣብ ዓዲ ወርሕን ሰለስተ ሰሙንን እንትፀንሕ ብዙሓት ችግራት ተፈጢሮምን ሓሊፎምን እዮም።

ብናይ ኣደይ ካብዚ ዘወር በሊ ልብል ናዕለት ህውታተን ጭንቀትት ንምግልጋል ንኣደይ እውን ካብ ጭንቀት ንምድሓን፣ ተወሰኺ ድማ internet ኣብ ለለዎ ቦታ ኸይደ ንእሽተይ ናቶም ጠምዮም ለለው ሓገዝ ዶ መሰባሰብኹ ብልብል ሓሳብ ናብ ሓፍተይ ናብ ኣዲስኣበባ ክኸድ ተገዲደ። ኣብ ማይጨው ስለልነበርኹ ብመኪና ክመፅእ ግዴታ ኾይኑኒ ልነገሩ እዩ እምበይ ብ ፕሌን ክመፅእ ምደለኹለ ቅርሺ ካበይ ከምፅእ ደሞዝኳ ካብ ልሓርመኒ ሳልሳይ ወርሐይ ኾይኑ እዩ። ኣደይ ክሳብ ኣላማጣ ክስንየኪ ኢላትኒ ብሓደ መፂኢና።

ብድሕሪኡ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ በይነይ እየ መፂአ። ካብ ኣላማጣ ወልዲያ መኪና ሒዘ ጉዕዞ ጀሚረ። ኣብ መኪና ለሎ ወረ እቲ ሰብ ብዛዕባ ህዝብና ለውግዖ ወረ ምንም ቃሕ ለይብል እዩ ነይሩ።ኣብ ቆቦ ሓደ ግዜ ተፈትሽና ምንም ተይበሉንይ ሓሊፈ ኻልኣይ ፍተሻ ናብ ወልድያን ዓፋርን መገንፀሊ ልኾነ ቦታ ካብ መኪና ውረዱ ተባሂልና ወሪድና። መኪና ተፈትሻ መታወቅያ ናርአና ኢና ንኣቲ፣ መታወቂያ ኣርእዪ ምስተብሃልኹ ናይ ስራሕ (ናይ ኣክሱም ዩንቨርስቲ) ኣርእየዮም። እቶም ኣብቲ ኬላ ልነበሩ ናይ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይሊ ሰለስተ እዮም ነይሮም። ካብ ኣክሱም ድኣ ታይ ትገብሪ መፂኺ ?ኢሎም ይሓቱኒ ብኣምሓርኛ። ኣይ ስራሕ እኒሄኒ ይብሎ። ናይ ቀበሌ መታወቂያ የብልኽይ ድዩ ድኣ ? ይብለኒ እኒሀኒ ኢለ የርእዮ። እታ መታወቂያ ሒዝዋ ናብ ዓርኩ ይኸድ ። እሺ ንዒ ተፈተሺ ኢሉ ፈልይኒ ንምንታይ ይፍተሽ ንበይነይ ተለይኾይኑ ለለ ብ ጓል እየ ልፍተሽ ይብሎሞ ንእሽተይ ንነጋገር። ድሕሪኡ ንዒ እተዪ ኢሎም ናብታ ብቆርቆሮ ልተሰርሐት ገዛ የእትውኒ። ኣብ ኢደይ ሒዘዮ ልነበርኹ ቦርሳ ዝርግፍ ኣቢሎም ፈትሾሞ ምንም ኣይበልኹይ። ኽልተ ስለልነበሩ እቲ ሓደ ፈትሻ እስኪ ቦምብ ኣይሰኣናይ ይብሎ ናስሓቐ። ትቕብል ኣቢሉ እቲ ሓደ ኣገዲዱ ፈትሽኒ። ክነኽአኒ ለይብሉ ቦታታት ነኺእኒ ንኣየ ስምዒቱ ዳርጋ ልተደፈርኹ እዩ። ብግምት ድሕሪ ዓሰርተ ደቂቃ ልኾን ናስሓቁ ሰዲዶምኒ።

እታ መኪና ይፅበዩኒ ስለልነበረ ብኽያተይ ሓሲሰ መንገደይ ቐፂለ። በኽየለ ክወፀለይ ኣይኸኣለይ 😥😥። እዙ ኹሉ ልበፅሐኒ ጓል ኣንእስተይቲ ስለልኾንኹ ኣይኾነይ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብታ መኪና ምሳይ ነይረን እየን፣ትግራወይቲ ስለልኾንኹ ጥራሕ እናሓደረ ለሕምም እዚ ኹሉ በፂሕኒ ምንም ክገብር ስለለይኸኣልኹ ሒዘያ ሱቅ ኢለ። ናተይስ ዳሕና ኽንደይ ኣሕዋትና ይኾና/ኑ ትግራዎት ብምዃኖም ጥራሕ ሃምዙይን ካብዙን ንላዕሊ በደል ልበፅሖም ኢለ ክሓስብ ተለኹ ለለ የሰቅቐኒ።"

(ሄቨን ብርሃኑ ማንጁስ)


Post Reply