መርኣያ ግፍዕታት ሸዋውያንን ባንዳታትን ምስ ባዕዳዊ እንግሊዝ፤ ኣብ እዋን ቀዳማይ ወያነ - Part 2

Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

መርኣያ ግፍዕታት ሸዋውያንን ባንዳታትን ምስ ባዕዳዊ እንግሊዝ፤ ኣብ እዋን ቀዳማይ ወያነ - Part 2

Post by africangear »

Tigray-Defense-Forces.jpg
ካልኣይ ክፋል

ከምዙ ሎሚ ፋሽስታውያን ወረርቲ ኤርትራ፣ ኢምሬትስ፣ ሶማሊያን ካልኦትን ምስ ኣምሓሩ ተሰሊፎም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውርዱዎ ዘለዉ ግፍዒ መቕተልትን ብርሰትን፤ ብ1936ን እውን እንግሊዝ ንካልኣይ ውግእ ዓለም ብዘዳለወቶ ነፈርቲ፣ ከበድቲ ኣፅዋርን ሰራዊትን ምስ ገዛእቲ ሸዋን ባንዳታት ተጋሩን ኣሰሊፋ፤ ብእግርን ብሰማይን ዘስካክሕ ግፍዒ፣ ጃምላዊ መቕተልትን ብርሰትን ኣብ ልዕሊ ወየንትን ሰላማውያን ህዝብናን ኣውሪዳ እያ፡፡

ድሕሪ ምስ እንግሊዝ ብሓባር ዝፈፀሙዎ መሪር ኵናትን ጨፍጫፍን ፤ ኣብ እዳየሱስ መቐለ ሰራዊት እንግሊዝ ካምቦ ሰሪቱ ተስፋፊሑ ሰራዊቱ እናዋፈረ፣ ሸዋውያን ገዛእቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዓሪዶም ተወለድቲ ባንዳታት ትግራይ እውን ምስኦም ሓቢሮም፤ ብኣሽሓት ህዝብና ኣበየ ከባቢኡ ኣብ ልዕሊ ምጭፍጫፎም፤ ኣሽሓት ኣብ ወህኒ ኣሲሮም ብለበዳ ሕማም ወዱኡዎም፤ ብጥይትን ብግፍዕን ቀተሉዎም፡፡ ምሕረት ተቐቢሎም ንዝኣተዉ በዝሒ ወየንቲ ጠባናጁኦም መንጢሎም ናብ ማእሰርቲ የእትዉዎም ነይሮም፡፡ ብዙሓት ተጋሩ ከምሎሚ ተኣሲሮም ብሳልስቱ ሞይቶም ዝብሃለሉ ተርእዮ ነይሩ፡፡

በዝሒ ሓካይም እንግሊዝ ኣብ’ቱ ከባቢ እንተነበሩ እውን፤ ትግራዋይ ሕክምና ኣይተፈቐደሉን ነይሩ፡፡ ምሕረት ኢሎም ናይ ንጉስ ናይ ጳጳስ እናተብሃለ ክንደይ ኣዋጃት ብነፈርቲ ወረቓቕቲ እናነዝሑ ምስቀነዩ እዮም፤ ንቱ ኩሉ ምሕረት ኢሉ ዝኣተወ ህዝቢ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጕኖም ዝወድኡዎ፡፡

እዙ ኩሉ ግፍዒ ሞትን ብርሰትን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ እንትበፅሕ፤ እንግሊዝ ኣብ እንዳየሱስ ካምቦ ገይሮም ኣይኮነን ሕደጉ ግቡእ ኣይኮነን ክብሉስ፤ ናይ’ዙ ኩሉ ጥፍኣት ቀንዲ ተሓባበርትን ሓንፀፅትን እዮም ነይሮም፡፡ እቱ ኩሉ ዓዲ ዓዱ ኣበየ ሃገረሰቡ ዝፍፀም ዝነበረ ግፍዒ ይትረፍ፤ ኣብ ከተማ መቐለ እዙ ኩሉ ትግራዋይ ተኣሲሩ ብለበዳ ሕማም ሰኣን ሕክምና እንትውዳእ እንተሎ፤ እንግሊዝ ንሰራዊት ሃፀይ ሃይለስላሰ ጥራሕ እምበር ንተጋሩ ሕክምና ከሊኦም ነይሮም፡፡

ሰኣን ሕክምናን መድሓኒትን ኣብ ወህኒ መቐለ ዝመዉት እሱር በዚሑ ስለዝነበረ፤ በብማዕልቱ እክብ ኣቢሎም እዮም ብሓባር ዝቐብሩዎም ነይሮም፡፡ እንግሊዝ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፈፀሞ ኣረመነነት ብጠቕላልኡ ጥልያን ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ዘበን ወራር ካብ ዝገበረና ዘይንእስ እዩ፡፡

ራያ፣ እንደርታ፣ ክልተኣውላዕሎ፣ ተምቤንን ቆላ ዓፋርን ሓዊሱ ካብ ኣላውሃ ክሻብ ዓጋመ፤ እንግሊዝ ንካልኣይ ውግእ ዓለም ብዝተዳለዋ ነፈርቲ ንሙሉእ ዓዲ ብደዉና ኣንዲዱና፡፡ ዳሓር ድማ ብኸም’ዙይ ኣብ ኣደባባይ መቐለ ምስ ገዛእቲ ሽዋን ባንዳታት ተጋሩን ተሓባቢሮም፤ ንተጋሩ ወየንቲ ምሕረት ኢሎም ምሒሎም ኣእትዮም፤ ከምእንሰሳ ብምእጓድ ብለበዳ ሕማምን ብጥምየትን ወድኡዎም፡፡

ሸዋውያንን ባንዳታት ተጋሩን ንዘበናት ንመዋእሎም ምስ ባዕዳዊ ፀላኢ እናሓበሩ እዮም ዝጨፍጨፉናን ዘብረሱናን፤ ሎሚ እውን ንሱ እዩ እቱ ንልዕሊ ሚኢቲ ዓመታት ዝቐፀለ ግፍዕን ክህደትን ዝግበር ዘሎ! ሃገረ ትግራይ ትስዕር!

#ካሳ_ሃይለማርያም


Post Reply