መርኣያ ግፍዕታት ሸዋውያንን ባንዳታትን ኣብ ልዕሊ መራሒ ቀዳማይ ወያነ - Part 6

Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

መርኣያ ግፍዕታት ሸዋውያንን ባንዳታትን ኣብ ልዕሊ መራሒ ቀዳማይ ወያነ - Part 6

Post by africangear »

ሻድሻይ ክፋል፤ ግፍዓዊ ማእሰርቲ 27 ዓመታት፤ ብኣንደበት ኣባ መብረቕ

…21 ሓምለ ዝተወለድኩሉ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዕድመይ ዘኪረ ምስዋዓልኩ ኣብ ካልኣይ ማዕልቱ 23 ሓምለ 1940 ብጓሓቱ እቱ ልሙድ ቁርሰይ ፀሊም ጎጎ ዝመስል ቁራስ ምስ ታኒካ ማይ ክሻብ ዝመፀኒ ውዳሰኣ ንማርያም እናብፃሕኹ እዬ ፀኒሐ፡፡ ብድሕሪኡ እውን ከምወትሮይ ውነይ ናብ ዓደይ ከይዱ፣ ሓደ ዘኪረ ኣልዒለ ንቱ ካልእ እናበልኩ እዬ ኣርፊደ፡፡ እቱ ዝነብረሉ ክፍሊ ውፁእ ፀልማት ስለዝነበረ ዓይነይ የመና ለሚዱዎ ይመስለኒ፤ ምስመሸየ ደገ ወፂአ ክንዲ’ቱ ዝርኣየኒ ኩላ ክፍለይ እሪኣ ነይረ፡፡ ብርሃን እንተሪአ ዓይነይ እናደርጉሐ ይቕንዝወንን ርእሰይ ይሕመንን ነይሩ፡፡

እሞ ኣብ’ዛ ማዕልቲ 23 ሓምለ 1940 ቀትሪ ኣጋ ፍርቂ ማዕልቲ ይኾን፤ ማዕፆ እቱ ዝተኣሰርኩሉ ክፍሊ ተኸፈተ፡፡ ከምልሙድ ሰብ ሸዋ እንትመፁ እዩ ነይሩ ብቐትሩ ከም’ዙይ ማዕፆ ዝኽፈት፡፡ እቱ ብርሃን የመና ዓይነይ ደጕሑኒ ብመስመስታ ኣርባዕተ ሰባት ርአኹ፡፡ መጀመርታ ሰባት ምዃኖም እምበር ገፆም ከለልዮም ስለዘይከኣልኩ፤ ዓይነይ እናዓመትኩን እናሐንጨልኩን ታዎት ምዃኖም ከለልይ ፈተንኩ፡፡ ንክልቲኦም ኣይፈልጦምን፤ እቶም ክልተ ግና ካብ’ቶም ሓለውቲ እዮም ነይሮም፡፡

እቶም ክልተ ናብ’ቱ ክፍሊ ኣትዮም ዘለዉ ሪአዮም ኣይፈልጥን፤ ኣከዳድንኦም እውን ከም’ቶም ሓለውተይ ኣይነበረን፤ ፅብቕ ዝበለ ክዳውንትን ጫማን ነይሩዎም፡፡ እቶም ክልተ ዝፈልጦም ሓለውቲ እቱ ቤት ማእሰርቲ ድማ ኣብ’ቱ ድርኩኺት ደው በሉ፡፡ ካብ’ቶም ቅድም ኢሎም ናብ ክፍለይ ዝኣተዉ እቱ ሓደ ናባይ ቀሪቡ ዓው ኢሉ፤
“ብላታ ሃይለማርያም ማለት ኣንተ ነህ?” ኢሉ ብምሕታት ጀመረ’ሞ፤ ኣብ ኢዱ ሒዙዋ ዝነበረ ወረቐት እናመልከተኒ፤ “ንዙይ ካብ ሚኒስትር ምምሕድዳር ሃገር ዝመፀ ትእዛዝ ክነፈፅም ካብ ኣዲስ ኣበባ ኢና መፂእና” በለኒ፡፡ ንቱ ዝሓዞ ወረቐት ኣንበበለይ፡፡ ብሓፂሩ ከም’ዙይ ዝብል ነይሩ፡፡ “መንግስቲ ንፀጥታን ንሓላዋን የተኣማምን እዩ ኢሉ ብዝኣመነሉ መሰረት፣ ካብ ጎሬ ናብ ጠቅላይ ግዝኣት ጋሙጎፋ፣ ኣውራጃ ገለብን ሃመር ባኮን፣ ወረዳ ባኮ ጋዘር፣ ፍሉይ ስሙ ባኮ ናብ ዝተብሃለ ዓዲ ተዛዊርካ ኣብ ፅኑዕ ማእሰርቲ ክትፀንሕ ተወሲኑ” ዝብል ነይሩ፡፡ ካብኡ ኣንቢቡ ምስወድአ፣ ንዙ ትእዛዝን ውሳነን ኣብ ቅድሚ መሰኻኽር ከምዝተነበበለይን ቅዳሕ ከምዝተውሃበንን መረጋገፂ የማነይቲ ዓባይ ኣፃዕብተይ ብቀለም ለኽዮም ኣፈረሙኒ፡፡
ብተወሳኺ እውን “እቱ ንቀለብካ ኣብ ጎሬ ተመዲቡልካ ዝነበረ በብወርሑ ሓምሳ ቅርሺ ኣብ ጋሙጎፋ እውን ክቕፅል እዩ” በለ፡፡ ሓምሳ ቅርሺ ንቐለበይ ይወሃበኒ ከምዝነበረ ክሰምዕ ናይ መጀመርታ እዝነይ ነይሩ፡፡ እዙ ኩሉ ግዘ ክእሰር እውን እንትርፊ ጓሓትን ምሸትን ዝቐርበለይ ዝነበረ ጎጎ ዝመስል ቁራስን ታኒካ ማይን ካሊእ ኣይረአኹን፡፡

ንምሸቱ መሬት ምስፀልመተ እቶም ፈተውተይ ሓለውቲ እኒ ባይሳ ደገ ከውፅኡኒ መፂኦም ስለዝነበሩ እቱ ዝመፀኒ ትእዛዝ ዝሓዘ ወረቐት ንባይሳ ኣዋጋዕኹዎ፡፡ ብጣዕሚ ደንገፀ ሓዘነ እውን፡፡ ኣነ’ኳ ዝነገርኩዎ እቱ ባኮ ጋሙጎፋ ዝተብሃለ ዓዲ በበይ ምዃኑ፣ ርሑቕ ይኹን ቀረባ ዝፈልጦ እንተኾይኑ ኢለ እዬ ነይረ፡፡

እቱ ኣዐሪዩ ዘደንገፆን ዘሕዘኖን እውን ናተይ ካብኣቶም ምፍላይ እንተይኮነስ፤ እቱ ዝተብሃለ ዓዲ ናይ ሃገር መጨረሽታ መዋስንቲ ኬንያ ልዕሊ ምዃኑ፣ መኪና ዘይኣትዎ ፅርጊያ’ኳ ዘይብሉ፣ ጥራሕ ዝባኖም ዝኾኑ ዘላናትን ኣራዊትን ዝነብሩሉ በረኻ ምዃኑ ወረ ስለዝነበሮ እዩ፡፡

ካብ ኩሉ ንላዕሊ ባይሳ ዝገረሞ፤ ኣይኮነንዶ ብኽረምቲ ብሓጋይ እውን ናብኡ ምኻድ ዘይሕሰብ ምዃኑ፤ እዙይ እውን ኣብ ሞንጎ ጎሬን ባኮ ጋሙጎፋን ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ሩባታት ስለዘለዉ ንምሽጋሮም ኣዐሪዩ ኣፀጋሚ ምዃኑ እውን ኣፃወተኒ፡፡ ኣብ’ቱ ዘፈረሙኒ ወረቐት ሰፊሩ ዘሎን፤ እቱ ናብ ዝኸፍአ ማእሰርቲ ክኸድ ዝተወሰኑሉን ምኽንያት፤ “ንፀጥታን ንሓላዋን ዘተኣማምን” ዝብል ኣበሃህላ እንታይ ማለት ምዃኑ ንባይሳ ሓቲተዮ ነይረ፡፡

ክንዲ’ዙይ ኣርሒቖም ንጋሞጎፋ ከምዘግዕዙኒ እዩ ወረ ዘይበፅሖ እምበር፤ ባይሳ ካብ’ቶም ኣመሓደርቲ እቱ ቤት ማእሰርቲ ሰሚዐዮ ከምዝበሎ፤ ከም’ዙይ ክብል ንቱ ምኽንያት ምግዓዘይ ኣዋግዐኒ፡፡

“ቀዳማይ ጎሬ ከተማ ስለዝኾነ ሃይለማርያም ኣብ’ዙይ ኣብ ውሽጢ ከተማ ኮይኑ ክቕፃዕን ፅጋቡ ክዝሕለሉን ኣይኽእልን፡፡ ስለዝኾነ እውን እዩ፤ መንግስቲ ካብ ሞት ምሕረት ዋላ እንተገበረሉ እውን ንሱ ንዝቐርቡሉ ሕቶታት መንግስቲ ዘይተሓባበር ዘሎ፡፡

“ካልኣይ ጎሬ ካብ ብዙሓት ከባብታት ኢትዮጵያ ዝተግዓዙ ናይ’ቶም ንጉስ እሱራት ዝብሃሉ ዝተኣሰሩሉ ቦታ ስለዝኾነ፤ ሃይለማርያም ምስ ሓለውቱ ይኹን ብካልእ ስውር መንገዲ ምስ ካልኦት እሱራት ተመሳጢሩ ከምልጥ ይኽእል እዩ፡፡

“ሳልሳይ ጎሬ መራኸቢ ፅርጊያ ስለዘለዋ፤ ብዙሓት ነጋዶ ቡን ካብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ዝመፁላ ከተማ ስለዝኾነትን፤ ብፍላይ ካብ ቀረባ ግዘ ናብ’ዙይ ብዙሓት ተጋሩ ነጋዶ ቡን ይመፁዋ ስለዘለዉን፤ ንሃይለማርያም ኣሙሊቖም ክወስዱዎ ይኽእሉ እዮም፡፡” ዝብሉ ምጥርጣራት በብግዚኡ እናተልዓሉ ይዘራረቡሎም ከምዝነበሩ እዩ ዘፃወተኒ፡፡

ከምኣብሃህላ ባይሳ፤ እዙ ኩሉ ኣብ ልዕለይ ብእኒ ደገዝማት ጣሰውን ብቶም በብግዚኡ እናተመላለሱ ብሕቶታት ዘጨንቑለይ ዝነበሩ ደቂ ሸዋን ተፀኒዑ እዩ እምበኣር፤ ካብ ሰብን ካብ ዓድን ክርሕቕ ዝወሰኑታ፡፡ ባይሳ እቱ ዝብሃል ዝሰምዖ ዝቐነየ ምኽንያት ምስኣፃወተኒ፤ ኩሉ ነገር በርሀለይ፡፡ እዙይ እውን ቅድሚ እዙ ትእዛዝ ምምፅኡ ንቅንያቱ፤ ብዙሓት ሰብ መንግስቲ ካብ ሸዋ ብፅዑቕ ይማላለሱን ብሕቶ የጨንቑለይን ይምርምሩኒን ነይሮም፡፡

ብርሃን ቀትሪ’ኳ ከይርኢ ኣብ ፀልማት ዕፅው ገዛ ብሸንሸል ኣሲሮምኒ እናሃለዉ፤ “ናብ ጎሬ ካብ እትመፅእ ምስመን ተራኺብካ ነይርኻ? ካብ’ዞም ካብ ትግሬ ናብ ጎሬ ዝመላለሱ ነጋዶ ቡን ረኺብካዶ ትፈልጥ?” እናበሉ ኣዐሪዩ ዘግርም ሕቶታት እናቕረቡለይ ቀንዮም፡፡ ኣሽምባይ ተጋሩ ክረክብስ ደቂ እቱ ዓዲ እውን ብዘይካ ሓለውተይ ንማንም ብማዕዶ’ኳ ሪአ ኣይፈልጥን፡፡ እዙ ኩሉ ግዘ እንትኣስሩኒ ብርሃን ፀሓይ ጎሬ’ኳ ክርኢ ኣይፈቐዱለይን፡፡ ብድሕሪ እዙ ኩሉ ሕቶታትን ምጭንናቕን እዩ ነይሩ፤ “ጎሬ ንሓለዋ ስለዘይሙቹ” ኢሎም ናብ ጋሙጎፋ ክትኸድ ኢኻ ዝበሉኒ፡፡

ንቱ ደብዳበ ትእዛዝ ካብ ዝህቡኒ ንዳሓር፤ ኣብ ጥቓ ናብ ጋሙጎፋ ዝውሰደሉ ሰሙን፤ ባይሳን ዓርኩን ናበይ ከምዘእተውዎም ብካልኦት ተተኪኦም፤ ቅድሚኡ ሪአዮም ዘይፈልጥ ሱሩዕ ክዳውንትን ጫማን ዘለዎም ፖላዊስ ክሕልዉኒ ጀመሩ፡፡ ኣብ ሕማቕ ቦታን ግዘን እዙ ኩሉ ሓልዮትን ሕውነታዊ ክንክንን ዝገበረለይ ባይሳን መሓዙኡን፤ ኣብ’ቱ መወዳእታ ምሸት፤ ካብ ጎሬ እንትወስዱኒ፤ ክረኽቦም ብዘይምኽኣለይ ኣይተሰናበትኩዎምን፡፡ ብዙሕ እውን ሓዚነ፤ ካብ ስድራይ ከምዝተፈለኹ እውን ተሰምዐኒ፡፡

እወ ኣብ ፀልማት ዓፅዮም፣ ብሸንሸል ኣሲሮም፣ ኣብ ማዕልቲ ጓሓትን ምሸትን ቁራስ ጎጎን ታኒካ ማይን እናሃቡ፤ ኩሉ ስቅያት ኣብፂሖምለይ ኣይሞትን ስለዝበልኩዎም፤ ኣብ መወዳእታ ብውሕጅን ኣራዊትን ክቐትሉኒ ከምዝወሰኑ ተረድአኒ፡፡ ካብ ኣሻዒቱ ለይቲ ኣትሒዙ ብድሕሪኡ ኣብ ዝነበራ ማዕልትታት ህራስ ዝብሃል ኣበየኒ፡፡ ቀትርን ለይትን ሓሳበይን ጭንቀተይን እንተነከየለይ ኢለ ኣብ ፀሎት ኣሕልፎ ነበርኩ፡፡

ብድሕሪኡ ሎሚ ምሸት ክትኸይድ ኢኻ ይብሃል እሞ መሊሶም ውሕጅ ኣይነከየን እናበሉ፤ ማዕልቲ ነቐልና ተረፍና እንትብሉ ዳርጋ ወርሒ ፀናሕና፡፡ ኣብ መወዳእታ 20 ነሓሰ 1940 ናብ 21 ነሓሰ ዘውግሕ ፍርቂ ለይቲ ይኸውን ሸሞንተ ኮይኖም ሪአዮም ዘይፈልጥ ፖላዊስ ንቱ ዝነበርኩሉ ክፍሊ ወረሩዎ፡፡

#ካሳ_ሃይለማርያም


Post Reply