መርኣያ ግፍዕታት ሸዋውያንን ባንዳታትን ኣብ ልዕሊ መራሒ ቀዳማይ ወያነ - Part 7

Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

መርኣያ ግፍዕታት ሸዋውያንን ባንዳታትን ኣብ ልዕሊ መራሒ ቀዳማይ ወያነ - Part 7

Post by africangear »

ሻውዓይ ክፋል፤ - ግፍዓዊ ማእሰርቲ 27 ዓመታት፤ ብኣንደበት ኣባ መብረቕ

… 20 ነሓሰ 1940 ናብ 21 ነሓሰ ዘውግሕ ፍርቂ ለይቲ ይኸውን፤ ሸሞንተ ኮይኖም ሪአዮም ዘይፈልጥ ፖላዊስ ንቱ ዝነበርኩሉ ክፍሊ ወረሩዎ፡፡… ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ መንገዲ ክንጅምር ኢና፤ መሬት እንተይወግሐ ካብ’ዙ ከባቢ ክንርሕቕ ስለዘለና፤ ካብ ከተማ ዘፏንየና መኪና እውን ተቐሪቡ ስለዘሎ፤ ዘለካ ንብረት ኣክብ በሉኒ፡፡ እንታይ’ኳ ነይሩኒ፤ እተን ባይሳ ዘምፅአለይ ዳዊትን መፅሓፍ ቅዱስን ክሕዙለይ ኣመላኸትኩዎም፡፡ እቱ ንዓመት መመላእታ ዘይተፈትሐለይ ሸንሸል ኣዐሪዩ ረጕዲን ረዚንን ስለዝነበረ ብሙሉኡ ፈትሑለይ፡፡

ካብ ደገ ሒዞምዎ ዝመፁ ቅጥን ቅልል ብዝበለ ሸንሸል ገይሮም የማናይ ኢደይ ኣሰሩዎ፡፡ ምእሳር ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ንቱ ሸንሸል ኣብ ብርኪ ኢደይ ክልተ ግዘ ኣኹሊሎም፤ ብመፍትሕ ገይሮም ቆለፉዎ፡፡ ከም ከፍቲ እውን ሸንሸል ሒዞም እናመርሑኒ ብፀልማት መንገዲ ጀመርና፡፡

ሽዑ እቱ ኣብ እግረይን ኢደይን ንክልተ ዓመታት ዝፆርኩዎ ረጕዲን ረዚንን ሸንሸል ስለዘቃለሉለይ፤ እቱ ኣብ ኢደይ ብመፍትሒ ዝቖለፉዎ ምንም ኣይመሰለኒን ነይሩ፡፡ መንገዲ ምስጀመርና ግና የመና ኣስጢሞምዎ ስለዝነበሩ፤ የማናይ ኢደይ ጦውጦው ኢሉ ቃንዛ ክሞት በልኩ፡፡ ካብኡ ናይ ሰይጣን ስራሕ ግዲ ኰይኑ፤ ክፈትሑለይ ከላሕልሑዎ ደልዮም እቱ መኽፈቲ ኣበይ ኣሎ እንተተብሃለ ኩሎም ሰኣኑዎ፡፡

“እስኻ ኢኻ ዝሓዝካዮ እስኻባ” እናተብሃሃሉ ክናቖሩ በሉ፡፡ እሳቶም ነንሕድሕዶም እንትካሰሱ ኢደይ ክሓብጥ ጀመረ፡፡ ክሻብ ማእገረይ ብቃንዛ ሸው ክብል በልኩ፡፡ ኣብ መወዳእታ ድሕሪ ክንደይ ኣለሻ ዳርጋ ኩሎም ክዳውንቶም ኩሉ ነጊፎም፤ እቱ ሓደ ፖሊስ ኣብ ውሽጢ ዕጣቑ ሸጕጡዋ ተረኸበት፡፡ ካብኡ ብጣዕሚ ሓዚኖምለይ እቱ ሸንሸል ፈቲሖም ብዝሑል ማይ ኢደይ ሓስዮም ኣላሕሊሖም ኣሰሩዎ፡፡

ምዝጋ ኢደይ ሓቢጡ ብየመና ቃንዛ ፈዚዙ ስለዝነበረ ኣብ ፀጋማይ ኢደይ እሰሩዎ ኢለዮም ነይረ፡፡ “ኣብ ምዝጋ ኢዱ እሰሩዎ ዝብል ስጡም ትእዛዝ እዩ ተዋሂቡና” በሉኒ፡፡ ንቱ ጉዕዞ እቱይ እንትዝክሮ ንምንታይ ከምዝኾነ ውሽጠይ ሓጎስ ይመልእ፡፡ ወዲ ሰብ ከጋጥሞ ክትምነዮ ኣይኮነን ክትሓስቦ ዝኸበደ ስቅያትን ክፋእን እዩ ኣጋጢሙኒ፡፡

ብጠቕላላ ካብ ጎሬ ተላዒለ ኣብ ጋሙጎፋ ጨንቻ ዝተብሃለ ዓዲ ክሻብ ዝበፅሕ ሰማንያን ሽዱሽተን (86) ማዕልታት እዩ ወዲኡልና፡፡ ብፀልማት ክረምቲ፣ ብጥምዬት፣ እሞ እንሰሳ’ኳ ከምኡ ዘይእሰር ብሸንሸል ተኣሲርካ እናተገናሕኻ፣ ብዘየቋርፅ ኣቦይዝጊን ውሕጅን፣ ኣብ ገሊኡ እቱ ጭቃ ክሻብ መዓንጣኻ እናወሓጠካ፣ ካብ ተበን፣ ገበልን ሓርገፅን ኣትሒዙ ክንደይ ኣራዊት ዘለዎ ፀልማት በረኻ ኣቋሪፅካ ምስዘይትፈልጦም ሰባት ናብ ዘይትፈልጦ ምድሪ ምጉዓዝ፤ ክንደየናይ ከምዘሳቒ ምሕሳቡ ዝኸብድ ኣይመስለንን፡፡ እሞ ድማ ንቀለብና ተባሂሉ ኣቕራሽ ጥራሕ ሒዞም ስለዝነበሩ ዝግዛእ እናተስኣነ ክንደይ መንገዲ ፍረምረ በረኻ እናበላዕና ዝተጉዓዝናሉ ግዘ ነይሩ፡፡ ዝሽየጥ መግቢ ምስተገነየ ድማ ኣብዚሖም ከይገዝኡ መን ክፆሮ፡፡

ካብ ጎሬ እንትወፅእ ሸሞንተ ፖላዊስ ነይሮም፣ ኣብ ጅማ ምስበፃሕና እሳቶም ተመሊሶም ካልኦት ኣርባዕተ ፖላዊስ እዮም ሒዞምኒ ክሻብ ዓዲ ጋሙጎፋ ዝተጉዓዝና፡፡ እሞ ኣብ መንገድና ኣብ ክንደይ ዓበይቲ ሩባታት እንትንበፅሕ ውሕጅ ምሕላፍ እናኸልአና ክልተ ሰለስተ ማዕልቲ ኣብ በረኻ ወሰን ሩባታት እናቐነና ኢና ተጓዒዝና፡፡ እቶም ፖላዊስ ሕማቕ ዘይወፆም፣ ካብ ባዕልቶም ንላዕሊ ንኣይ ክሓልዩን ኣነ ገለ ከይኾንን እዮም ዝጭነቑ ዝነበሩ፡፡ ንኣይ ክከናኸኑ ካባይ ንላዕሊ እውን እዮም ተሳቕዮም፡፡

ይዝከረኒ ኣብ መንገድና ኣብ መበል ሓምሳን ኣርባዕተን ማዕልትና ኣብ ሓደ ቆራር ጥሻ ዝበዝሖ ዓዲ ምስበፃሕና ካብ’ቶም ኣርባዕተ ፖላዊስ እቱ ሓደ የመና መሪሩዎ ናብ እዝነይ ፅግዕ ኢሉ፤ “የሚያምኑት ፈጣሪ ከዚህ መከራ ያውጣዎት፡፡ ከእርሶም ኣልፎ እኛም በጣም ተጎዳን፡፡ እኔ ከዚህ በኋላ በቃኝ፡፡ ደህና ይሁኑ” ኢሉ ካብ መሓዙቱ ዝጠፍአ መንእሰይ ፖሊስ ኩል ግዘ ይዝከረኒ፡፡

ኣነ ግና መላእኽቲ ዓደይ ሓጊዞምኒ ግዲ፤ ኣብ’ዙ ኩሉ መከራ ዝመልኦ ጉዕዞ ፀሎትን ፆምን ስለዘየብደኹ፤ ብውሽጠይ እውን ሞተይ ደልዮም ናብ ሞት ይልእኹኒ ከምዘለዉ ንባዕለይ ስለዘእመንኩ፤ ሙሉእ ሓጎስ ነይሩኒ፡፡ ንመሓዙተይ ብሕልናይ እናዘከርኩ ምስባዕለይ ጉማዬ እብል ነይረ፡፡ ንቱ ዘቋረፅናዮ ኣዐሪዩ ልሙዕ ዝኾነ ሰውሒን ጎቦታትን፣ ገዘፍቲ ወሓዝቲ ሩባታትን ምስዝተፋላለዩ እንሰሳት ዘገዳምን፣ እናነኣድኩ ተሓጕሰ እዬ ዝተጕዓዝኩ፡፡

ኣብ’ዙ ጉዕዞ እዙይ እናሃለኹ እዩ ሓዱሽ ዓመት ኮይኑ መስቀል እውን ዝበረቐ፡፡ ብፍላይ ሓያል ውሕጅ እተን ገዘፍቲ ሩባታት ንምሕላፍ እናተፀገመና ኣብ ወሰን ሩባ ክልተ ሰለስተ ማዕልቲ እንትንቅኒ፣ ክንደይ ኣራዊት እናኸበቡና እናተቓለስና ኮፍ ኢልና ንሓድር ነበርና፡፡ እሞ ኣብ ዝቐነናሉ ከባብታት ንቱ ሸንሸል ምስ ኦም እናኣሰሩ ከም ከፍቲ እዬ ተጓስዬ፡፡ ብኸም’ዙይ ክንደይ ተሳቒና ብተኣምር 11 ሕዳር 1941 ዓ.ም ኣብ መበል 86 (ሰማንያን ሽዱሽተን) ማዕልቲ ጨንቻ ኣብ ዝተብሃለ ዓዲ ጋሙጎፋ፣ ክበዝሕ ቆራር ዝኾነ ቦታ ኣተና፡፡

ጨንቻ ምስኣተና እቶም ካብ ጅማ ኣትሒዙ ዘምፅኡኒ ምሳይ ብሓባር ክንደይ መከራን ስቅያትን ዝበፅሖም ፖላዊስ ተሰናቢቶምኒ እንትኸዱ ንናይ ጨንቻ ፖላዊስ ኣረከቡኒ፡፡ ኣብኡ ድማ ካሊእ መከራን ስቅያትን ክርኢ ጀመርኩ፡፡ ቅድም ቀዳድም እዙ ኩሉ መንገዲ ኣብ ሓደ ኢደይ ጥራሕ ተኣሲረዮ ዝነበረ ሸንሸል ክልቲኡ ኣእዳወይ ክእሰር ተገበረ፡፡ ካብ ዝተረከቡኒ ሰዓት ኣትሒዞም፤ “ቀለቡ እንታይ ኢና ክንገብሮ?” ዝብል ጭንቂ ኣተዎም፡፡

“እንትርፊ ሓደገኛ ዝኾነ ወንጀለኛ እሱር ተቐበሉ ዝብል መልእኽቲ ብዛዕባ ቀለቡ ካብ ምምሕድዳር ግዝኣት ጋሙጎፋ ኮነ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመፀና ምንም ነገር የለን፡፡ እሞ እንታይ ኢና ክንገብሮ?” ይብሉ ነይሮም፡፡ እቶም ዝተሰናበቱኒ ፖላዊስ ምስሐይ ኣምሲሖም ካቲካላ ዝብሃል ከም ኣረቂ ዓይነት ኣስትዮም፤ ብፅቡቕ ካብ ዝሓድጉኒ ንዳሓር እኽሊ እንተይጠዓምኩ ኣምሽየ ሓደርኩ፤ ክሻብ ብፅባሒቱ ፍርቂ ማዕልቲ ሓደ ዝጨነቖ ንነብሱ ዝበለ ፖሊስ ዝዕንግለኒ ደፈኑኒ፡፡

እምበኣር ብኸም’ዙይ ኣብ ጨንቻ ዝጀመረ ክንደይ ከርተተት ዝመልኦ ናብራ ናብ ባኮ ክሻብ ዝበፅሕ ብጠቕላላ ንዓሰርተ ሓደ ኣዋርሕ ቀፀለ፡፡ ኣብ ጨንቻ ኣብ ውሽጢ ሓደ ክፍሊ ዓፅዮም ንነብሶም ዝበሉ ኣብ ዝጠዓሞም ማዕልቲ ቁራስ እናደርበዩለይ ዳርጋ ክልተ ኣዋርሕ ምስፀናሕኹ፤ ካምባ ኣብ ዝብሃል ዓዲ ናብ ዝርከብ ፖሊስ ድማ ተሓላለፍኩ፡፡ ንሳቶም እውን ብግዲኦም ብተመሳሳሊ ካብ መንግስቲ ዝተቖረፀ ቀለብ ስለዘይነበረኒ ካብ ናይ ባዕልቶም ተረፍ መረፎም እናሃቡኒ ምስክንደይ ኣንፀርፅሮቱን ምንግልትዑን ልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ፀናሕኩ፡፡

ፖላዊስ ካምባ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ እዩ ምስበሉ ድማ ሳውላ ኣብ ዝብሃል ዓዲ ናብ ዝነበረ ጣብያ ፖሊስ ተወሰድኩ፡፡ ኣብኡ እውን ካብ መንግስቲ ዝወሃበኒ ቀለብ ስለዘይነበረ እቶም ዝፈረደሎም ፖላዊስ ወዲሰብ ከም እንሰሳ ኣሲርና ቀለብ ዘይብሉ ኢሎም ይጭነቑ ነይሮም፡፡ ካብ ዘለዎም እናተኾቡለይ ምስ ሰብ መንግስቲ እውን ብዛዕባ ቀለበይ እናተልኣኣኹ ምስ ሸንሸለይ ኣብ ዕፅው ገዛ ተኾርሚዬ ዳርጋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ሳውላ ፖሊስ ፀናሕኩ፡፡

ብድሕሪ ሳውላ ቡልቂ ናብ ዝተብሃለ ዓዲ እዬ ተወሲደ፡፡ ኣብኡ እውን ዋላ’ኳ ካብ መንግስቲ ዝተፈቐደለይ ቀለብ እንተዘይመፀ ካብ’ቶም ቅድም ኣብ ዝበሉ ጣብያታት ዝነበሩ ፖሊስ ፍልይ ብዝበለ እቶም ደቂዓዲ ፖላዊስን ሰቦምን ኣሕዚነዮም ይመስለኒ ብዘለዎም እናቐለቡኒ ዳርጋ ሰለስተ ኣዋርሕ ፀናሕኩ፡፡ ካሊእ ተሪፉ ክዳውንተይ’ኳ እናሓፀቡ ንነብሰይ መሕፀቢ እውን ማይ የምፅኡለይ ነይሮም፡፡

ድሕሪ እዙ ኩሉ ምኩላልን ገልታዕታዕን ድማ ነይሩ፤ ዳርጋ ኣብ ዓመቱ ወርሒ ጥቅምቲ 1942 ምስተኣታተወ ብጠቕላላ ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ሓደ ኣዋርሕ ገልታዕታዕ ጋሞጎፋ ናብ ባኮ ዝተግዓዝኩ፡፡ እቱ ካብ መንግስቲ ክውሃበካ እዩ ዝተብሃለ ቀለብ እውን እንተይመፀ ክልተ ኣእዳወይ ብሸንሸል ምስተቖረነ ክልተ ፖላዊስ ሒዞምኒ ናብ ባኮ ነቐልና፡፡

… ግፍዒ ሸዋውያንን ባንዳታትን መወዳእታ የብሉን፤ ኣብ ዝቕፅል ናይ መወዳእታ ሻምናይ ክፋል ክቐርብ እዩ፡፡ ነበርቲ ኣሜሪካ ዝኾንኩም ደለይቲ መፅሓፍ “ገረብ ዓረና ወያነ ትግራይ” ብውሽጢ መስመር ንራኸብ፡፡

ሃገረ ትግራይ ትስዕር!

#ካሳ_ሃይለማርያም


Post Reply