መርኣያ ግፍዕታት ሸዋውያንን ባንዳታትን ኣብ ልዕሊ መራሒ ቀዳማይ ወያነ - Part 8 (last part)

Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

መርኣያ ግፍዕታት ሸዋውያንን ባንዳታትን ኣብ ልዕሊ መራሒ ቀዳማይ ወያነ - Part 8 (last part)

Post by africangear »

Blata Hailemariam Reda, Commander of the 1943 Woyane rebellion in Tigray
Blata Hailemariam Reda, Commander of the 1943 Woyane rebellion in Tigray

ሻምናይን ናይ መወዳእታን ክፋል፤ ግፍዓዊ ማእሰርቲ 27 ዓመታት፤ ብኣንደበት ኣባ መብረቕ

ኣብ መወዳእታ 14 ጥቅምቲ 1942 ዓ.ም ባኮ ኣተኹ፡፡ ኣሻዒቱ ባኮ ብተፈጥሮ ልምዕትን ብዙሕ ሰብ ዘይብላን፣ ኣብ ውሽጢ ዱር ዝተሰረተት፣ ካብ ዓሰርተ ዘይበዝሕ ጎጃጁ ዝነበራ ንእሽተይ ቁሸት እያ ነይራ፡፡ ካብ’ቱ ኣብ ባኮ ዝነብር ሰብ ዓሰርተ ዕፅፊ በዚሑ ዝርአ ዝነበረ በዝሒ ከፍትን ኣጣልን እዩ፡፡

ኣብ’ቱ ከባቢ ዙርያምላሽ ዝነብሩ ህዝብታት ዘርኦም ብዙሓት ዓይነት ኮይኖም፤ ዝበዝሑ እውን ካብ ቦታ ቦታ ምስ ከፍቶም እናተዛወሩ ዝነብሩ ዘላናት እዮም፡፡ ኣንሽቲ ጥራሕ ብቆርበት ወይ ብቆፅላመፅሊ ሓፍረተ ነፍሰን ይሽፍና ነይረን እምበር መብዛሕትኦም እቶም ህዝቢ ጥራሕ ዝባኖም እዮም ዝነብሩ፡፡ በዝሒ ቀለቦም ፀባ፣ ደም ከፍቲ፣ ፍረምረ፣ ሱራሱርን እናሃደኑ እውን ስጋን እዩ ነይሩ፡፡ እተን ከፍቶም ክሳደን እናጠብሑ ደመን ካብ ምስታይ ሓሊፎም እንተዘይሞይተን ኣይሓርዱወንን ነይሮም፡፡

እምበኣር ኣብ ከም’ዙይ ዝበለ ከባቢ ኣብ ዝተጣየሸ ክልተ ፖላዊስ፣ ሓደ ክፍሊ ንቶም ፖላዊስ፣ ሓደ ክፍሊ ድማ ንኣይ መእሰሪ ኣብ ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ እዬ ተጋዒዘ፡፡ ካብ’ቱ ኣነ ዝተኣሰርኩሉ ልዕል ኢሉ ብሱም ምምሕድዳር ወረዳ ባኮ ሰለስተ ሰራሕተኛታት ነይሮም፡፡ ኣብ’ዙ ቤትማእሰርቲ ንሸሞንተ ዓመታት ካብ ምርኻብ ሓሊፉ ምስ ሰብ መሊአ እንተይተሓወስኩ እንትእሰር ከም’ቱ ናይ ጎሬ ዝተኣሰርኩሉ ክፍሊ ፀልማት ዘይምዃኑ እምበር ኢደይ ብሸንሸል ምስተኣሰረ ምሸት ምሸት ጥራሕ እዬ ንደገ ዝወፅእ ዝነበርኩ፡፡ ካብ ጎሬ ብዝኸፍአ ቁሪ ባኮ ኣይኮነንዶ እትበልዖን እትሰትዮን ዘይብልካ ፅቡቕ ንዝበልዕ እውን የመና መሪር እዩ ነይሩ፡፡ ኣብ ልዕሊኡ ጥቁብ ክዳውንቲ’ኳ ዘይብለይ ብሕማም ቁሪ ብዙሕ እዬ ተሳቕዬ፡፡

እቱ ዝኸፍአ ባኮ ምስኣተኹ እውን ንልዕሊ ዓመት መመላእታ ካብ መንግስቲ ክውሃበካ እዩ ዝተብሃለ ሓምሳ ቅርሺ ቀለብ ኣይተውሃበንን፡፡ ጥምየትን ሕማምን ምስበርትዐኒ ከም’ቶም ዓዲ ሱራሱር ፍረምረን ቆፅላመፅሊን እበልዕ ነይረ፡፡ እቶም ዓዲ ዝበዝሑ ዘላናት እንተኾኑ እውን ካብ ኩነታተይ ሓዚኖም ይመስለኒ ብፅቡቕ እዮም ተቐቢሎምኒ፡፡ ኣብ መጀመርታ ምስ’ቱ ብሸንሸል ተኣሲረ፣ ጨጉረይን ጭሕመይን ቅጥዒ ዘይነበሮ ነዊሑን ሕምዝግዝግ ኢሉ ምስረኣዩኒ እንታይ መሲለዮም ከምዝነበርኩ ኣይፈልጥን ግና ኩሎም ይድንግፁን ይሃድሙኒን ነይሮም፡፡

ብድሕሪኡ ኣብ ከባቢኦም ነባራይ ኮይነ ብፖሊስ እናተሓለኹ እናረኣዩኒ እናተላመዱ ምስከዱ፤ ዝናገሩዎ እንተዘይሰማእኹዎ እውን ኣፍልቦም እናወቕዑ ሓዘኖም ይገልፁለይ ነይሮም፡፡ እቱ ዝበልዑዎ ሱራሱር ብፍላይ ጎደሬ ዝብሃል፣ ፍረምረ እውን ከም ዒጋምን ካልኦትን ብበዝሒ እሳቶም እዮም ዘምፅኡለይ ነይሮም፡፡ ኣቤት ዝብለሉ ኣይነበረን፡፡

እቶም ኣብ ወረዳ ባኮ ዝነበሩ ብኣፃዕብቲ ዝቑፀሩ ሰራሕተኛታትን ፖላዊስን እውን ዓቕሚ ውሒዱዎም እምበር እንትበዝሕ ጥዑያት ሰባት ነይሮም፡፡ ከመልክት ወረቐትን ቢሮን እንተበልኩዎም እኳ በጀትን ኣበልን ኣይመፀልናን ይብሉኒ ነይሮም፡፡

መንግስቲ ሃፀይ ሃይለስላሰ’ማ ብቱ ዝነበርኩዎ ኩነታት ብጥምየትን ሕማምን ንኽሞት እዮም በይኖምለይ ነይሮም፡፡ ኣብ ልዕሊ ምጥማየይ ብሰንኪ እቱ ዓመት ሙሉእ ዘይመውቕ መሪር ቁሪ ሓያል ሰዓል ሒዙኒ ብዙሕ ሓሚመ ማሲነ ነይረ፡፡ ብሻላ እቶም ደቂዓዲ ብባህላዊ ሕክምና ቆፅላ መፅሊ ሱራሱር እናቐጥቀጡ እናስተዩ፣ እናላኸዩን እናሓሰዩን ብተኣምር እዬ ተሪፈ፡፡

ባኮ ሓያል ቁሪ ዘለዎ ዱር ምስምዃኑ፤ እኹል ክዳውንቲ እኳ ኣይነበረንን፡፡ እታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ወህኒ ኣውፂኦም ንጎሬ እንትወስዱኒ ዝሃቡኒ ሓንቲ ሞዳ እንግሊዝ፣ ኣረጊት ኩታን ብላይ ናይ ወተሃደራት እንግሊዝ ጫማን ጥራሕ እዩ ነይሩ ኣብ ጎሬ ዘፃንሐኒ፡፡ ካብ ጎሬ ንጋሙጎፋ እንተምፅኡኒ እንተለው ድማ ሓደ እጀጠባብን ኩታን ምስ ጫምኡ ሂቦምኒ ነይሮም፡፡ እምበኣር ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት እዚኣተን ነይረን ክዳውንተይን ጫማይን፡፡ ብቑሪ ባኮ ብጣዕሚ ምስሓመምኩ ካበይ ከምዘምፅኡዎ እቶም ፖላዊስ ሓደ ኮቦርታ ዝመስል ጨርቂ ሃቡኒ፡፡

እቶም ወረዳን ፖላዊስን ደቂ ወላይታ ሶዶን ሸዋን እንትኾኑ ካብ ላዕሊ ሕቶ ከይመፆም ሓያል ፍርሒ ነይሩዎም እምበር እንተይተጓድኡ ብርህራሄ እዮም ሒዞምኒ ነይሮም፡፡ ንባዕልቶም እውን ዝጠቅም ቀለብ እንተዘይነበሮም እኳ ካብ’ቱ እናተደናጎየ ዝመፅእ ዝነበረ ቀለቦም እናመቐሉ ዝኸኣሉዎ ኩሉ ገይሮምለይ እዮም፡፡ ብኸም’ዙይ ምስናይ’ቱ ከባቢ ሰብ ምስተላመድኩ መነባብሮይ ባዕለይ ከዕሪ ክፅዕር ጀመርኩ፡፡

ካብ ስእነት ቀለብን ጥዕናን ብተወሳኺ እቱ ዝኸፍአ ግና ባዕለይ ፍታሕ ዝደለኹሉን ኣዐሪዩ ኣፀጊሙኒ ዝነበረን ሽግር፤ ዝተፋላለዩ ሓሳኹ ዘብፅሑለይ ዝነበረ ጉድኣትን ስእነት ድቃስን እዩ ነይሩ፡፡ ብዘይ እኹል ክዳውንቲ ኣብ መሬት ኣብ ሓመድ እህርስ ስለዝነበርኩ ሓሳኹ ናብ ሰብነተይ እናኣተዉ የመና ተሳቕዬ ነይረ፡፡

ኣብ ልዕሊ እቱ ኣብ እግርኻን ኢድካን ፊሒሩ ዝኣቱን እናቐንዘወ መንቀሳቐሲ ዝኸልአካን ሙጀሌ ዝተብሃለ ሓሰኻ፤ ካልኦት ዝተፋላለዩ ዓይነት ሓሳኹ ንዝኾነ ክፍሊ ሰብነት ፊሒሮም ዝኣትዉን ዝናኸሱን ነይሮም፡፡ ብዘይካ ጣንጡ ኩሎም ሓሳኹ ካብ ውሽጢ መሬት ዝወፁ ምዃኖም ምስፈለጥኩ ፍታሕ ደለኹ፡፡ እቱ ዓዲ የመና ልሙዕን ብዱር ዝተሸፈነን ስለዝነበረ፤ ፖላዊስን እቶም ዓዲን ተሓባቢሮምኒ ዕንጨይቲ እናቖረፁ ከምፅኡለይ ገበርኩ፡፡

እቶም ፖላዊስ ተሓባቢሮምኒ ፀጋመይቲ ኢደይ እናፈትሑለይ፤ እታ ምዝጋ ኢደይ ምስ ሸንሸላ እናሃለወት እንተንቀሳቕሳ ዋላ እናጎድአኒ፤ ካብ’ቱ ዝተኣከበ ዕንጨይቲ ብበዝሒ ልሕፅታት ብምድላው፤ ኣብ’ታ ፀባብ ክፍሊ ማእሰርተይ ካብ መሬት ልዕል ዝበለ ኣርባዕተ እግሪ ዘለዎ ዓራት ሰራሕኹ፡፡ ብኸም’ዙይ ካብ ምድሪ ሓሳኹ ተገላገልኩ፡፡

ብድሕሪኡ እቶም ፖላዊስን ሰብ ወረዳን እውን ስርሐልና ኢሎምኒ፡፡ ዝብላዕ እናሃቡኒ፣ ሓደ ኢደይ እናፈትሑለይ፣ ዘድሊ ዕንጨይትን ልሕፅን ባዕሎም እናዳለዉ ፅቡቓት ዓራዉቲ ሰራሕኹሎም፡፡ ከመይ ከምዝሰርሑ እውን ኣመሀርኩዎም፡፡ ካብ ጭንቅን ፀገምን ዝተልዓለ እምበር ቅድሚኡ ኣራት ምስራሕ ኣይኮነን ከመይ ከምዝስራሕ እውን ሪአ ኣይፈልጥን ነይረ፤ ኣብ ዓድና እውን መደብ እምበር ዓራትስ ኣይነበረን፡፡

ብድሕሪኡማ ሃዲኖም ካብ ዘምፅኡዎ ዝነበረ ቆርበት እንሰሳ ዘገዳም ምራን እናዳለኹ ክንዲ ልሕፂ ብምራን ዝበለፀ ምችው ዓራውቲ ምስራሕ ከኣልኩ፡፡ ኣብ’ቱ ዓዲ ቆርበት ከፍትን ኣጎዛን ኣዐሪዩ ክቡር ንብረት እዩ ነይሩ፡፡ ምኽንያቱ እውን እቶም ሰብኡት ዝበዝሑ ዋላ ጥራሕ ዝባኖም ዝኸዱ እንተኾኑ ኣንሽቶምን ኣዋልድ ደቆምን ቆርበት ከፍትን ኣጎዛን ገይረን ሓፍረተ ስግአን ይሽፍናሉ ስለዝነበራ እዩ፡፡

ከምኡ እናበልኩ ናብራ ባዕሉ ብዝመርሐኒ ፍታሕ እናደለኹ ንባዕለይ ኣተዓሻሽው ነይረ፡፡ ኣብ ቅድሚ እታ ከም ከፍቲ ተኣሲረ ዝነበርኩላ ንእሽተይ ገዛ ኣብ ዝነበረ ክፉት ቦታ እውን ሕፍኒ ምሸላ ባሕሪ ዘሪአ ሸዊት በላዕና፡፡ ኣብ’ቱ ዓዲ ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ ንውሕ ዝበለ ማይ ይወቅዕ ስለዝነበረ ንቶም ፖላዊስ ለሚነ ቡልቂ ካብ ዝተብሃለ ዓዲ ዘርኢ ምሸላ ባሕሪ፣ ስርናይን ስገምን ከምፅኡለይ ገይረ እቱ መረባ ቁሩብተይ ኣግፍሕ ኣቢልና ኣፅሪና ብእንጨይቲ ፍሕርፍሕር ኣቢለ ዘራእኹዎ፡፡ ዋላ ውሕድ እንተኾነ እውን ከመይ ዝበለ ፍርያት ሃበ፡፡

ንልዕሊ ዓመት ኣብ ባኮ እንትእሰር ካብ መንግስቲ ክውሃበካ እዩ ዝተብሃለ ቀለብ ስለዘይሃቡኒ፤ ካብ ዝነበርኩሉ ፀገም ተላዒለ እዬ ፍታሕ ከናዲ ዝተገደድኩ፡፡ ንክልተ ግዘ ዝኾን እቶም ወረዳን ፖሊስን ወረቐትን ቢሮን ተሓባቢሮምኒ ጥርዓን ፅሒፈ ኣብ’ቱ እዋን ገዛኢ ጠቕላሊ ግዝኣት ጋሙጎፋ ናብ ዝነበሩ ወሲዶምለይ ነይሮም፡፡ እቶም ወረዳን ፖላዊስን እውን ከምኡ ብናይ ባዕሎም መንገዲ ይጠርዑ ከምዝነበሩ ገሊፆምለይ ነይሮም፡፡

ድሕሪ ክልተ ዓመት ድሕሪ ክንደይ ጥርዓንን እግዚኦታን ኣብ ወርሒ ኣርበዓን ትሽዓተን ቅርሺን ሓምሳ ሰንቲምን ቀለብ ክውሃበኒ ጀመረ፡፡ ምስኡ እውን ሓደ ሙሉእ ስረ ምስ መኻድንቱ፣ ካቦርት፣ ምስ ኩቱኡን ጫማን ካብ እቶም ገዛኢ ጠቕላሊ ግዝኣት ጋሙጎፋ ተላኢኹ ተባሂሉ ተወሃበኒ፡፡

ብድሕሪኡ ናብራይ ኢለ ምስ’ቱ ኩነታት ተመሳሲለ ኣእዳወይ ብሸንሸል ምስተኣሰርኩ ንርእሰይ እንተየጨነቕኩ ክነብር ወሰንኩ፡፡ ንቶም ፖላዊስ እትምግቦም ዝነበረት ጓል ወላይታ ንኣይ እውን ክትምግበኒ እቶም ፖላዊስ ስለዝተሓባበሩኒ እቱ ንቀለብ ዝውሃበኒ ዝነበረ ገንዘብ ንኣኣ እህባ ነይረ፡፡ ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ጎሬን ባኮን ዝማሰነ ነፍሰይ ብድሕሪኡ ምልስ በለ፡፡ … ድሕሪ ናይ 27 ዓመታት ማእሰርቲ ብ1967 ዓ.ም መጀመርታ እቶም ንጉስ ብደርጊ ምስተወገዱ እውን ምሕረት ተባሂሉ ንዓደይ በቒዐ፡፡

#ካሳ_ሃይለማርያም


Post Reply