ታሪኽ ደርጋዊያን: ግርማ ብሩ መን ኢዩ?

Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ታሪኽ ደርጋዊያን: ግርማ ብሩ መን ኢዩ?

Post by africangear »

Girma Birru Geda
Girma Birru Geda
ኩሉ ንትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዝምልከት ሰነድ ምእካብ፤ ንድሕሪ ደጊም ንኸይንጋገን፤ ብድሕሬና እውን ንደቅና ስለዘድልዮምን እዩ! ኣይንዘንግዕ!

እዚ ሰብኣይ ግርማ ብሩ ይብሃል:: ኣብ እዋን ደርጊ ካብ ካድረነት ኣትሒዙ ንላዕለዋይ መዝነት መንግስቲ ዝበፅሐ ዕሉል ደርጊ ነይሩ:: ወላዲኡ ደርጊ ብ1983 ምስተደሰቐ፤ ኣሕዋት ኣሓትና ምምስሳልን ምምጥጣንን ዝብል ሕማም ሓዲሩዎም ስለዝነበረ፤ ናብ ኦሆዴድ ኣእትዮም፤ ኣብ ዝዓበየ ስልጣን ሚንስትርነት ስግግር መንግስትን መንግስቲ ኢህወደግን ክድይብ ገበሩዎ::

ንልዕሊ 20 ዓመት ድማ ኣብ ዝተፋላለየ ብርኪ ሚንስትርነት ፀኒሑ፤ ኣብ መወዳእታ ኣብ ኣሜሪካ ኣምባሳደር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ ሰሪሑ እዩ::

ኣብ እዋን ኣምባሳደርነት እውን ነይሩ፤ መበል 41ን ዓመት ዳግማይ ልደት ወያነ ትግራይ ኣመልኪቱ፤ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝነበረ ፅምብል 11 ላካቲት 2008 እዙ ኣብ ቪድዮ ዘሎ ዝበለ::

ኣብቱ ሽዑ እዋን ግና ግርማ ብሩ ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ኮይኑ፤ ኣብ ወፃእን ኣብ ውሽጥን ምስ ዝነበሩ ፀላእቲ ሓይልታት ሸሪኹ፤ ከመይ ገይሮም ንህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ከምዘጥፍኡን ውዲት ኦሮማራን፤ ኣብ ትሕቲ ፅላል ኢምባሲ ኢትዮጵያ ኮይኖም ይፍሕሱ ነይሮም::

ኣብቱ እዋን እውን ነይሩ ንኣሜሪካ ሓዊሱ ምስዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ሓይልታት ብገፊሑ ይራኸቡን ይሽርሑን ዝነበሩ::

ንህወሓት ካብ ማእከላይ መንግስቲ ምስኣወገዱ ድማ፤ ግርማ ብሩን ኩሎም መሻርኽቱን ናብ ዓዲ ተመሊሶም፤ ላዕለዎት ኣማኸርቲ ኣብይ ኣሕመድ ብምዃን፤ ኣብ ምፅናት ህዝቢ ትግራይን ብርሰት ትግራይን ርኡይ ተራ ይፃወቱ ኣለዉ::

ብፍላይ ግርማ ብሩ ምስቱ ኣብ እዋን መለስ ተኣማኒ ሚንስትር ኢኮኖሚን ፋይናንስን ኮይኑ ኣብ ዝፀንሐሉ ግዘ፤ ካብ ስዩም መስፍን ቀፂሉ፤ ምስ መለስ ዳርጋ ኣብ ኩሎም ዓለምለኻውን ኣህጉራውን ኣኼባታት መንግስትታትን ትካላትን ክሳተፍ ዕድል ረኺቡ ነይሩ::

ብዙ ሽዑ ዝረኸቦ ዕምቆት ዘለዎ ተሞክሮን ኣፍልጦን ተሓጊዙ ድማ፤ ንኣብይ ኣሕመድ ዓለምለኸ ፋይናንሳዊ እቶት ኣብ ምትእኽኻብን፤ ኣብ ዕደጋ ኣፅዋርን የማናይ ኢዱ ኮይኑ እናገልገለ ይርከብ::

ንዙይ እውን እዩ፤ ናብ ኣውሮፓን ኤሽያን ይገብሮ ካብ ዝቐነየ ተኸታታሊ ጉዕዞ ኣስዒቡ፤ ሎሚ ድማ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣቕኒዑ፤ ናብ ባንኪ ዓለም፣ ናብ ዓለምለኸ ፈንድ ገንዘብ (IMF)፣ ናብ ኣባላት ኮንግረስን ሴነተራትን ኣሜሪካ ይኩሕኩሕ ዘሎ::

እዙ ናይ ለካቲት 2008 ዘረባ ግርማ ብሩ እንታይ የርእየና! እንታይኸ ንምሃረሉ? እወ ሸዋውያን ፀላእትና ንመዋእሎም ሓሪዶም እናቐበሩና እውን፤ ኣፎም ክንደየናይ ለማፅ ምዃኑ እዩ!!

ሎሚ እኒ ታማኝ በየነን ኩሎም ሸዋውያን ኣርቲስትታትን ኤሊትን ዝገብሩዎ ዘለዉ እውን እዙይ እዩ! ቀቲሎምና እንተብቅዑ፤ መግነዝ ንሕና ኢና ክንገዝአልኩም ኢሎም ይገላገሉ ኣለዉ::

ድሕሪ ደጊም ግና ይኣኽለና! ምስ ኣህዛብ ሸዋ ካብ ደጊም ዝህልወና ርክብ ናይ እስራኤልን ዓዕራብን ርክብ እምበር ዘመሳስል ኮነ ዘራኽበና ፈትሊ የለን! ኣበደን ኣይህሉን!

#ካሳ_ሃይለማርያም



Post Reply