ንሕና ጥውይውይ ልውስውስ እናበልና ኣቢናዮም እምበር፤ ንሳቶምስ ቅድሚ 130 ዓመታት ጀሚሮም እዮም ወሲኖም!
Posted: Wed Dec 16, 2020 8:34 am
ንሕና ጥውይውይ ልውስውስ እናበልና ኣቢናዮም እምበር፤ ንሳቶምስ ቅድሚ 130 ዓመታት ጀሚሮም እዮም ወሲኖም!
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
1. ቅድሚ 130 ዓመታት ምንሊክ ምስ ጥልያን ሓቢሩን፤ ክልተ ዙር ንሸዋ ናብ ትግራይ ኣክቲቱን፤ ኣብ ልዕሊ ቀዳሞት ወለድና ዘይፈፀሙዎ ዓይነት ግፍዒ ኣይነበረን፡፡ ዝቕተል ሰብኣይ ዘበለ ኩሉ ከም እንሰሳ እናሃደኑ ቀቲሎም፤ ንኣደታትና ደፊሮም፤ ፍፁም ከም ህዝቢ ከብርሱና መሬትና መቓቒሎም ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ኩሉ ዝረኸቡዎ ቅርስታትና መስቀል፣ መፃሕፍትን ፅላትን ሰሪቖም ወሲዶም እዮም፡፡ ደቂ ሓደ ስድራ ትግራይ ትግርኚ ኣብ ክልተ ኣብ መረብ መቒሎም፤ ምስ ጥልያን ሸሪኾም ክንዳመን መሊእና ክንፋላለን ክንቋራረፅን ገይሮምና እዮም፡፡ ናይዙ በሰላ እዩ ድማ ክሳብ ሎሚ ዝርአ ዘሎን፤ ኣሕዋትና ደቂ መረብ ምላሽ ሎሚ ብኣልማሚት ዝቐትሉና፣ ዝዘርፉናን ዘብርሱናን፤ ንኣደታትናን ኣሓትናን ዝጋሰሱወንን ዘለዉ፡፡ ብፍላይ ኣብ ውቕሮ ኣብ ዓዲግራትን ዓብዪዓድን ዝፍፅሙዎ ዘለዉ ግፍዒ ንውልድ ወለዶ ዘይርሳእ በሰላ እዩ:: ካብ ሓደ ገዛ ክሳብ ሸውዓተ ሰብ ቀቲሎምልና እዮም::
2. ቅድማ 80 ዓመታት ምስ ወራር ኣምበጣን ተላባዲ ሕማምን ወጊኖም፤ ደድሕሪ ወራር ሓሙሽተ ዓመት ጥልያን ከምህዝቢ ከብርሱና ኩሉ ዝኸኣሉዎ ክፋእ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣውሪዶም እዮም፡፡ “የወያኔ መቀጣጫ” ኢሎም ዕድመ፣ ፆታ፣ ሃይማኖት እንተይበሉ፤ ብኣልማሚት ብኣማኢት ኣሽሓት ንወለድና ቀቲሎምዎም! ኣሰዲዶምዎም! ኣድኽዮምዎም! እንሰሳት ዘቤት ወዲኦምስ እንሰሳት ዘገዳም እውን ኣብሪሶም እዮም፡፡ ምስ እንግሊዝ ሓቢሮም እውን ብሰማይ ንካልኣይ ውግእ ዓለም ብዝተዋፈራ ነፈርትን ብምድሪ ምስ ሰራዊትን እንግሊዝ ኮይኖም ንወለድና ብኣልማሚት ጨፍጪፎምዎም፡፡ ኣደታትናን ኣዋልድን ተጋሲሶምወን! ኣደታትና ጥኑሳት እንተይተረፋ ብህይወተን እንተለዋ ኩርንኩሪት ብሽመል ኣሲሮም ኣፅዲፎምወን፡፡ ብዙይ እውን ክሳብ ሎሚ ኣብ ትግራይ ምፅዳፍ ወይዘራዝር ዝብሃል ፀድፍታት ኣሎ፡፡
3. ብ1965/66 ገዛእቲ ሸዋ ልደት እቶም ንጉስ እናኽበሩ፤ ምስድርቅን ጥምየትን ወጊኖም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ሞትን ብርሰትን ፈሪዶም፤ ዓለም እውን ከይሰምዕን ከይረድእን ዓቢጦም፤ ብኣማኢት ኣሽሓት ህዝቢ ትግራይ ከምቆፅሊ ረጊፉ፣ ተሰዲዱ፣ ደኽዩ እዩ፡፡
4. ብ1977/78 ብተመሳሳሊ ደርጊ ምስ ድርቅን ጥምየትን ሻዕቢያን ወጊኑ፤ ንህዝብና ከም ህዝቢ ከብርስ ኩሉ ዝኸኣሎ ገይሩ፡፡ "ዓሳውን ለማጥመድ ባህሩን ማንጠፍ" ብዝብል ብሂል፤ ንወያነ ትግራይ ንምድምሳስ ንህዝቢ ትግራይ ከብርስ ወሲኑ፤ ሻዕብያ እውን ዝጠመየ ዝስደድ ህዝብና ናብ ሓገዝ ዝረኽበሉ ናብ ሱዳን እኳ ከይሰግር መንገዲ ዓፅዩ ብቀትሩ ብናይ ደርጊ ኣንቴኖቭን ሚግን ክድብደብ ተሓባቢሩዎ፤ ኣማኢት ኣሽሓት ህዝብና ድማ ሞይቱ፡፡ ዝተረፈ እውን ናብ ፍፁም ድኽነት ጥሒሉ፡፡ ዝኸኣለ እውን ተሰዲዱ፡፡ ከምቱ ትምኒቶምን ተበግሶኦምን ግና ንኣና ንትግራይ መሊኦም ከብርሱና ኣይከኣሉን!
5. ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፤ "ናይ ኣቦ ንመን ንሃቦ" ኮይኑዎ፤ ውላድ ደርጊ ምስ ኣምበጣ ወጊኑ፤ ንህዝቢ ትግራይ ከብርስ ኩሉ ዝኸኣሎ ይገብር ኣሎ፡፡ ምስ ኤርትራ፣ ሶማሊያ፣ ኢምሬትን ካልኦት ተፃባእቲ ሓይልታትን ሓቢሮም፤ ኩሉ ወለዶም ይገብሩዎ ዝነበረ ፀያፍ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ህዝብና የውርዱዎ ኣለዉ፡፡ ከም ወለዶም ብጥይትን ብምሕራድን ቀቲሎምና፡፡ ኣደታትናን ኣዋልድናን ተደፊረን፡፡ ኩሉ መሰረተ ልምዓት ትግራይ ኣዕንዮም፤ ዝዝረፍ ኩሉ ናብ ኣምሓራን ኤርትራን ይፅዕኑዎ ኣለዉ፡፡ እንሰሳት ዘቤት ኩሉ ተሓሪደን ወይ ተወሲደን፡፡ ንህዝብና ብጥምየት ከብርሱ ኣብ ግራት ኮነ ኣብ ገዛ ዝነበረ እኽሊ ኩሉ ተወሲዱ፡፡ ህዝብና ክጠምይ ኣብ ገዛ ዝነበረ ቡሒቕ እንተይተረፈ የፍስሱዎ ኣለዉ፡፡ ታሪኽና መንነትና ንምብራስ ዓሊሞም ኩሉ ቅርስታትና መስቀላትን ታቦታትን እንተይተረፈ ይወስዱዎ ኣለዉ፡፡
እሞሲ፤ ንሕና ኢና ሕስይስይ ጥውይውይ እናበልና ኣቢናዮም እምበር፤ ንሳቶምስ ካብ ውልድ ወለዶኦም ጠባናት ኩልሻብ ምስቀተሉና፣ ምስኣድኸዩና፣ ምስኣሰደዱና፣ ምስኣብረሱና እዮም፡፡
ድሕሪ ደጊም ግና፤ እቶም ናትና ወለዶ ሕስይስይ ጥውይውይ እንተበሉ እኳ፤ ሕድሪ፤ ደቅና ግና ገፅኩም ንድሕሪት ከይትመልሱ! ምእንተ ሓርነትኩም፣ ምእንተ ሰላም ደሕንነትኩም፣ ምእንተ ልምዓት ዕብየትኩም፤ ንቕድሚት ጥራሕ!! እሞ ሓድነትና ሕድሪ! ትግራዋይነት ብሓድነትና እዩ ዝግለፅን ዝረጋገፅን፤ ዝኽበርን ዝምዕብልን!
ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኮነ ኣብ ወፃኢ ንባንዳታት ተጋሩ ነፅርዮም ነርሕቆም! ንኣና ተመሳሲሎም ዝተሓዋወሱና ብዙሓት እዮም! ቀንዲ ፀላእትና ባንዳታት እዮም! ንሕና ትግራይ ኢና ክንዕወት ኢና! ኣይኮነንዶ ሎሚ ደቅና ብቴክኖሎጂ ተዓጢቖምን ተማሂሮምን፤ ፊደል ዘይቆፀሩ ወለድና እውን በሪሶም ኣይበረሱን! ኣበደን ትግራይ ትስዕር እምበር፤ ኣይትስዓርን! ንኩሉ ብድሆ ሰይርና ብዓወት መሰስ ኢልና ክንወፅዕ ኢና!!
#ካሳ_ሃይለማርያም
Source: https://www.facebook.com/kassa.hailemar ... 8890382726