ጀነራል ወዲ ወረደ እንታይ በለ?

Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ጀነራል ወዲ ወረደ እንታይ በለ?

Post by africangear »



* ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት እናተቐየረ ምስ መፀን እቲ ዘጋጠመ ፀገም ካብ ሓይሊ ወፃኢ ክፍታሕ ስለ ዘይክኣለን እዩ ናብ ኩናት ኣቲና።

* ኣብዛ ዓዲ ዘሎ ኩሉ ሓይሊ ናብ ትግራይ ከቕንዕ ምስ ጀመረ ፣ ብኩሎም ኣንፈታት ሰራዊት ምምፃእ ምስ ጀመረ ንሕና እውን ናብ ምድላው ኣቲና።

* ትግራይ ኣብቲ እዋን ውሑድ ሓይሊ ሰራዊት ነይሩዋ፣ መዓልታዊ ሰርሑ ማእቶት ዝገበረ ሚሊሻን ትሕቲ 9 ሽሕ ፍሉይ ሓይሊን እዩ ነይሩዋ።

* ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ወይ ክትከላኸል ወይ ኢድካ ክትህብ ኣለካ። ኢድካ ምሃብ ንዓና ኣይክኣልን፣ ኣይሕሰብን።

* ናይ ሻዕቢያ ሓይሊ ምሳና ኩናት ክገጥም እዩ ዝብል ግምት ኣይነበረናን። ግን ተሳቲፉ። እቲ ቐንዲ ኣብዚ ኹናት ሚዛን ለውጢ ዝፈጠረ ናይ ኢማራት ዓረብ ምእታው እዩ።

* ኣነ ኣብ ሰሜን ዕዝ እየ ነይረ፣ ንፈልጦም ኢና ይፈልጡና እዮም። በቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት ኣመልኪትና ንዘራረብ ኢና ኔርና። ናብ ስግኣት ዘእቱ ምቅርራብ እውን ኣይነበረናን።

* ሰሜን ዕዝ ዓብይ ሓይሊ እዩ፣ ዘፍርሕ ሓይሊ ምንባሩ ይፍለጥ እዩ። ገለ ባህ ዘይብሉ ተርእዮታት ነይሮም። እዞም ተርእዮታት ናብ ሽግር ከይቕየሩ ንሰግእ ኔርና።

* እዚ ሓይሊ ናይዛ ዓዲ እቲ ዝዓበየ ሰራዊት ዝሓዘ፣ ኣርባዕተ ክፍለ ሰራዊት ዘለዎን መዳፍዕ ዝተዓጠቐን እዩ፣ ምስ እዚ ሓይሊ ጎንፂ ከይንፈጥር ብጣዕሚ ኢና ንፅዕር ኔርና።

* ኣብ ምዕራብ ዝነበረ ሰራዊት ተኣኪቡ እዩ ናብ ሰሜን ዕዝ ተፀፍፂፉ፣ ኣብ ኣምሓራ ክልል፣ኣብ ሃረር፣ ኣብ ደቡብ ዝነበረ ሰራዊት እውን ከምኡ። ታይ ክገብር እዩ ናብ ትግራይ መፂኡ ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ እዩ። እዚ ናባኻ ክመፅእ ከሎ ታይ ክትገብር ኣለካ? ትከላኸል።

* ኣብ ወለጋን ጋምቤላን ዝነበረ ሰራዊት ከ ታይ ክገብር እዩ መፂኡ? ወለጋ ኣብ ሓደጋ ኮ እዩ ነይሩ? ኣብኡ ዝነበረ ወፍሪ ከይወድአ እቲ ሰራዊት ታይ ክገብር ንትግራይ መፂኡ? እዚ እዩ ክርአ ዘለዎ?

* ህዝቢ ትግራይ ድማ እዚ እናርኣየ ሱቕ ኣይብልን፣እናርኣየ ኣይሕረድን። ካብ መን ድዩ ተፈጢሩ?

* ኣጥፊእናዮም ክብሉ ሓቆም እዮም። መሲልዎም ይኸውን። ክመስሎም እውን ይኽእል። ብመሰረቱ ግን ክፅናዕ ዘለዎ ነዚ ከጥፍእዎ ዝደልዩ ሓይሊ ዘይኮነስ ህዝቢ ትግራይ እዩ ክፅናዕ ዘለዎ።

* ንሕና እንተንጠፍእ ኔርና እውን እቲ ቃልሲ ቀፃሊ እዩ። እዚ እዩ ናይ ህዝቢ ትግራይ ታሪኽ።

* ኣብ ዝኾነ እዋን ክትግምቶ ዘይትኽእል ዋሕዚ ቃልሲ እዩ ኣጋጢሙ፣ ኣቦ ምስ ወዱ ክላሽን ሒዙ እዩ ተፀምቢሩ፣ ይቃለስ እውን ኣሎ።

* ሰራዊት ሻዕቢያ ክኣቱ እዩ ዝብል ግምት ዘይነበረና ምክንያት፣ ምስቶም መራሕቲ ምክልኻል ሰራዊት እውን ንዘራረብ ስለ ዝነበርና እዩ፣ ንሶም እውን ከምዘይገብርዎ እዮም ዝዛረቡ ነይሮም። መወዳእትኡ ግን ካብ ዝነበሩ 44 ክፍለሰራዊት እቶም 40 ኣእትዮምዎም።

* ናብ ከምዚ ዓይነት ኩናት ክንኣቱ ኢና ኢልና ብመዳይ ኦፕሬሽን፣ ስትራተጂ፣ስልቲን ሎጂስቲክስን ዝገበርናዮ ምድላው ኣይነበረን።

* ኣብ ኩሎም ግንባራት ምክልኻል ትግራይ ዝነበረ ትግራዋይ ቀዲሙ ክእለ እዩ ተገይሩ፣ እዚ እንታይ እዩ ዘመላኽት? እቲ ሰራዊት ትግራይ ከጥቅዕ ዝመፀ ከምዝኾነ እዩ ዘርኢ።
* እቲ ናይ ደገ ሓይሊ እንተዘይሳተፍ ነይሩ፣ ውፅኢት እቲ ኹናት ምተቐየረ ኢለ ይኣምን። እቲ ኩናት ዝቐየሮ ቴክኖሎጂ ኢማራት እዩ።

* ብድሕሪኡ ዶባትና እውን ኢና ክንከላኸል ጀሚርና። ሰራዊትና ከፋፊልና ክነውፍሮ ጀሚርና።ከተማታት ክድሕናሉ ዝክእል ስትራተጂ እውን ሓንፂፅና ኢና።

* ኣብ ፈለማ ዝነበረ ኩናት መደበኛ ዝበሃል ዓይነት እዩ ነይሩ። ድሓር ድሮናት ምስተሓወሳ ናብ ሙሉእ ናይ 24 ሰዓት ኩናት እዩ ተኣትዩ።

* ብድሕሪ እዚ ህልውና ንምርግጋፅ ኣብ ዝገበርናዮ ቃልሲ ብዙሓት መጥቃዕታት ምፍፃም ጀሚርና፣ እዚ ተመሊሱ ሰራዊት ሻዕቢያ ሓይሉ ኣጠናኺሩ ንክምፅእ ገይርዎ።

* ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት ክባታት ገጢሞም ነይሮም እዮም። ግን ኩሎም ፈሺሎም እዮም። እናሰበርና ወፂእና ኢና።

* ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ውግኣት እውን ሓይሊ ፀላኢ ብዙሕ ኪሳራታት ይገጥሞ ነይሩ። ከምዘየዋፅኦ እውን ተረዲኡ። እቶም ዝተረኸቡ ውፅኢታት እውን ከምቲ ትሰምዖ ዝነበርኩም እዩ።
* እቲ ግፍዕን ወራርን ዝመርሕ ዘሎ ኣካል ግን ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ቀሲኑ ዝሓድረሉ ዕድል ኣሎ እዩ ኢለ ኣይኣምንን።

* ንሕና ብዙሕ ጭንቀታት ኣሕሊፍና ኢና። ሐዚ ንሱ ንሰግሮ ኣለና። ካብ ሐዚ እቲ ጭንቂ እዋን ንፀላእትና እዩ ክኸውን። ኩላትና ገገዛ ዕዮና ክንወስድ ኢና።

* ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝኾነ ግዘ ብላዕሊ ዓለማዊ ደገፍ ገጢምዎ ኣሎ። ግዚ እዚ ነቲ ዝበፅሖ በደል ዘረስዕ ኣይኮነን።

* ፕሮፖጋንዳን እምነትን ፀላኢ ኣጥፋእናዮም፣ ወዳእናዮም፣ የለውን ዝብል እዩ። ብኣንፃሩ ዘሎ ግን ካሊእ እዩ። ተኽእሎታትናን ዓቕምናን ነዕቢ ኣለና።

* ተዓጢቖምዎ ዘለው ዕጥቂ እውን ንሓስቦ ኢና። ናትና እዩ ኢና ንብል። ሐዚ ድኣ ይተዓጠቕዎ እምበር ፅባሕ ናትና ምዃኑ ኢና ንኣምን።

* ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዝገርመኒ፣ እቲ ናይ ሐዚ ወለዶ ቅልጡፍን ንጡፍን እዩ። ትምህርቲ ኣለዎ፣ ከምቲ ንሕና ቀስ እናበልና ንኸዶ ዝነበርና ዝኸይድ ኣይኮነን።

* እቲ ዝበዝሕ መንእሰይና ሲ ኩናት ሪኡ ዘይፈልጥ እዩ። ግን ኣብቲ ውግእ ዘርእዮ ጀግንነት ተኣምር እዩ። እዚ ድማ ድማ ኣብ ውሱናት ዘይኮነስ ኣብ ኩሎም መናእሰይና ዝርአ እዩ።

* ብወተሃደራዊ ዓቅሚ እውን እንተኾነ እቲ ዘሎ ኹነታት ኣብ ሓፂር እዋን ክንዛዝሞ ኢና።

* ቁስልና ኣይንርስዕን።

* ኣብ እዋን ሰላም ብዙሓት ሰልፍታት ነይሮም እዮም። ኾይኑ ግን ዝገጠመና ፀገም ናብ ሓደ ሰልፊ ንክንመፅእ እዩ ገይሩ። እዚ እቲ ዝገርም ፍፃመ እዩ።

* ንህዝቢ ትግራይ እታ ኸባድ ነገር ክትገብረሉ ትኽእል፣ ምስዋእ እያ። ኾይኑ ግን ልዕሊኡ እውን እንተዝህሉ ሲ ክትገብረሉ እትሓስበሉ ህዝቢ እዩ።

* በዚ ኩናት ካብ ህይወት ጀሚሩ ክሳብ ንብረት ብዙሕ ነገር ከሲርና እንዲና ፣ ሐዚ እዚ ንምትካእ ጎኒ ጎኒ ምሕሳብ ክንጅምር ኣለና።

* ኣብ ደገ ዘሎ ትግራዋይ ድማ ርክብን ዓቕሚን ዘለዎ ካብ ብሐዚኡ ጀሚሩ ነዚታት ክሓስብ ክኽእል ኣለዎ ኢለ እየ ዝኣምን።

* እቲ ሐዚ ዘሎ ኩነታት ኣብ ሓፂር እዋን ክልወጥ እዮም። ፀላእትና እውን ታሪክ ክኾኑ እዮም።

* እቶም ሐዚ ዘለው መናእሰይ እውን ከዕርፉና፣ክሕግዙና፣ከድሕኑና ሓላፍነት ተቐቢሎም ባዕሎም ክሽከምዎ እዮም ኢለ እየ ዝኣምን።

Kibrom Mulugeta: https://www.facebook.com/kebkeven
wediwerede.jpg


Post Reply