ኣሜሪካን ኣውሮፓውያንን ኣብ ልዕሊ ኣብይ ኣሕመድን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዘየማትእ ዓለምለኻዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ዘኽእል ስራሕቲ እናዓመሙ ይርከቡ
Posted: Sun Feb 28, 2021 4:00 pm
ኣሜሪካ ካብ ፅባሕ ኣቦ መንበርነት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ምስተረከበት፤ ጉዳይ ትግራይ ቀዳማይ ኣጀንዳ ብምግባር ኣብቱ መድረኽ ፍሉይ ጠመተ ከምዝግበረሉ ቃል ብዝኣተወቶ መሰረት፤ ቅድመ ምድላዉ ስራሕቲ እናተሳለጠ እዩ::
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንፕረዝደንት ባይደን ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓን ኣባላት ሴነትን ኮንግረስን ኣሜሪካ፤ ናብ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ብምድዋል፤ ጉዳይ ትግራይ ከምዝዘተዩሉ፤ ንዙ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ሰበስልጣናት ሓቢሮም ኣለዉ:: ፕረዝደንት ባይደን ናብ መራሒ ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ዝደወሉሉ ጉዳይ እውን እዙይ እዩ ነይሩ::
ካብ ኣሜሪካ ሓሊፉ እውን ብዙሓት መራሔ መንግስትታት ዓለምና ንጉዳይ ትግራይ ኣመልኪቱ ብርክት ዝበሉ ወሰንቲ ዝርርብ ስልክታት ዝገበሩሉ ሰሙን እዩ ነይሩ:: ብፍላይ ብዙሓት መራሕቲ መንግስትታት ኣውሮፓን ዝተወሰኑ መራሕቲ ኣፍሪካን ኣብዙ ንጥፈት ርኡይ ተራ ተፃዊቶም እዮም:: ንቕድሚት ኣብ ታሪኽ ትግራይ ብኣዎንታ ዝጥቀሱ መራሕቲ እውን ሪኢና ኢና::
ንዙ ከይዲ ቅድመ ምድላዉ መጠቓለሊ ድማ፤ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኮይነን ተሸይመን ዘለዋን፤ ብኣውርኡ ኣደመንበር ቤትምኽሪ ፀጥታ ብምዃንን ንጉዳይ ትግራይ ዝመርሓ ኣምባሳደር ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፤ ትማሊ ምስሸውዓተ ኣባል ሃገራት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት፤ ምስተወከልቲ ኣፍሪካ ኤሽያን ደቡብ ኣሜሪካን ብዛዕባ ጉዳይ ትግራይ መኺረን እየን::
ኣብዙ ዕፅው ዘተ ዝተኻፈሉ፤ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣምባሳደራት ኬንያ፣ ቱኒዝያ፣ ኒጀር፣ ኢስቶኒያ፣ ህንዲ፣ ቬትናምን ሜክሲኮን ከምዝኾኑ ተፈሊጡ ኣሎ::
ጎና ጎኒ እዙ ዓለምለኻዊ ዲፕሎማሲያዊ ኣሳልጦ፤ እቱ ኣውራ ወሳናይ ሰረትን ኣንፈትን ቃልስና፤ ንሕና ብፅንዓትና ኣብ ልዕሊ ፀላእትና እነዕርፎ ወሳናይ ውቅዒት ይኸውን! እዙ ክልቲኡ ተዋዲዱ ይኸይድ ስለዘሎ፤ ብሰሜን ብምዕራብ ይኹን ብደቡብ ዝወረሩና ኩሎም ፀላእትና ዝቕበሩሉ ግዘ ቀሪቡ እዩ!
እወ ካብ መበገሲኡ ከምዝበልናዮ፤ ቃልስና መሪርን ሓፂርን እዩ! ዓወትና ድማ ናይ ግድን እዩ! ሃገረ ትግራይ ትስዕር!
#ካሳ_ሃይለማርያም