ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ዝጀመረቶ ፀቕጢ ብኹሉ ኣንፈት ተሰጣጢሙ ኣሎ

Tigray related news and publications
Post Reply
africangear
Posts: 397
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ዝጀመረቶ ፀቕጢ ብኹሉ ኣንፈት ተሰጣጢሙ ኣሎ

Post by africangear »

anthony-j-blinken.jpg

ብ #ካሳ_ሃይለማርያም

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ዝጀመረቶ ፀቕጢ ብኹሉ ኣንፈት ተሰጣጢሙ ኣሎ!

ሴክሬታሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ማዕልቲ ንካልኣይ ግዘ ገዚፍ ዝብሃል ዲፕሎማቲክ ድምፆም ኣስሚዖም ኣለዉ::

መቐፀልታ እቱ ቅድሚ ሰለስተ ማዕልቲ ዝፈነውዎ መግለፂ ቅዋም መንግስቲ ኣሜሪካ፤ ሎማዕልቲ ቀጥታ ብስልኪ ንቱ ገብነኛ ኩናት ኣብይ ኣሕመድ ዝሃቡዎ ቀጢን ትእዛዝ እዩ!

1. ንወራሪ ሰራዊት ኣምሓራን ኤርትራን ሓዊሱ ኩሎም ባዕዳውያን ሓይልታት ብቕልጡፍ ካብ መሬት ትግራይ ኣውፅእ፤
2. ኣብ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎን ብመረዳእታ ዝተረጋገፀን ምፅናት ዘርእን ብርሰትን ንመንግስቲ ኣሜሪካ ከምዘተሓሳሰቦን፤
3. እዙ ምፅናት ዘርእን ብርሰትን ብቅልጡፍን ብተኣማኒ ኣፈፃፅማ ጠጠዉ ንኸብሎ፤
4. ኩሉ ዓይነት ግርጭታት ብዘይቅድመ ኩነት ብቕልጡፍ ጠጠዉ ንኸብሎ፤
5. ንዙ ተፈፂሙ ዘሎ ምፅናት ዘርእን ብርሰት ዓድን ንዘፃርይ ዘይሻራዊ ዓለምለኻውን ተኣማኒን ኣካል ንክትሓባበር፤
6. ዘይተገደበ ዝተማልአን ነፃን ቀረብ ህፁፅ ሰብኣዊ ረድኤት ንኽፈቅድ ፤ ... እዩ ተኣዚዙ::
እዙ ዕሉል ፋሽስት ገበነኛ ንዙ ትእዛዝ ጎይትኡ፤ "...እሺ ኩለን ብእርይ ቁፅር ክትግብረን እየ.." ከምዝበለ ተስፋ ይግበር!
እንተዘይኮይኑ፤ እምብለይ እንተኢሉ ግና DART ከምዝስዕቦ፤ ኣብቱ ቅድሚ ሰለስተ ማዕልቲ ሴክሬታሪ ብሊንከን ኣብ ዘውፅኡዎ መግለፂ ኣፍሊጦምዎ እዮም!
ኣብቱ መግለፂኦም ቃል ብቃል ከምዚ ኢሎም ነይሮም

"...The United States is committed to working with the international community to achieve these goals. To that end, USAID will deploy a Disaster Assistance Response Team to Ethiopia to continue delivering life-saving assistance..."

Disaster Assistance Response Team (DART) ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ኣብ ዝተፋላለያ ዓድታት ከምዝፍለጥ፤ ኣብ ከም ትግራይ ዝበላ ብህፁፅ ኩነታት ንዝተጠቕዓ ዓድታት፤ ዓቕሚ ማሕበረሰብ ዓለም ብምትሕብባር፤ ብኣውርኡ ብመሪሕነት ኣሜሪካን ምዕራባውያን መሻርኽታን ዝካየድ ወፍሪ ረድኤት ማለት እዩ::

ኣብ ሕሉፍ ተሞክሮ ከምዝተረኣየ፤ ኣብዙ ወፍሪ DART ንሓይሊ ምክልኻል ሓዊሱ፤ ኩለመዳይ ዓቕሚ ኣሜሪካ እንግሊዝ ጀርመን ፈረንሳይ ኣውስትራሊያ ካናዳን ካልኦት ምዕራባውያን ዓድታትን ኣተሓባቢሩን ኣዋዲዱን ዝትግበር እዩ::

ኣውራ ተበግሶ DART ህፁፅ ረድኤት ብነፈርቲ ብመራኽብ ኮነ ብምድሪ ናብቱ ዝተጠቕዐ ህዝቢ ምብፃሕ እንትኸውን፤ ኣብ ኣፈፃፅማ እዙ ወፍሪ ዘዕንቅፍ መንግስቲ ወይ ዕጡቕ ሓይሊ እንተልዩ ድማ፤ DART ንወተሃደራዊ ዓቕሙ ክጥቀምን ንቱ ዕንቅፋት ክጉሕፎን ይግደድ::

ንኣብነት ኣብ ቀረባ ተዘክሮና፤ ብተርኪ ኣቢሉ ኣብ ዝተወሰነ ከባብታት ሶሪያ ብምዕራባውያን ዝተኻየደ ወፍሪ DART፤ መንግስቲ ኣሳድ ስለዘይተቐበሎ፤ ንክልቲኡ ስጉምቲ ዘዋደደ እዩ ነይሩ፤ ብወተሃደራዊ ስጉምቲ ዝተሓገዘ ህፁፅ ረድኤት ምብፃሕ!

እሞ መግለፅን ስልክን ሴክረታሪ ብሊንከንን፤ ናይ ትማሊ መኽፈቲ ዘረባ ኣምባሳደር ግሪንፊልድ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን ዘስመሩሉ፤ ጉዳይ ትግራይ ቀዳማይ ኣጀንዳ ምዃኑ ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ኩሎም ባዕዳውያን ወረርቲ ሓይልታት ብቕልጡፍ ብሰላም ካብ ትግራይ እንተዘይወፂኦምን ንቱ ህፁፅ ረድኤትን ከይዲ ሰላምን ዘዕንቅፉ እንተኾይኖምን፤ DART ኩሉ ዓቕሙ ክጥቀም ከምዝኽእል ዘጠንቀቐ እዩ!

#ካሳ_ሃይለማርያም
readout-antony-Blink-on-Tigray.jpg


Post Reply