ጻድቕ ተክለ ሃይማኖት ዘተምቤን ዶ ወይስ ዕጨጌ ተክለ ሃይማኖት ዘሽዋ

Tigray related news and publications
Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ጻድቕ ተክለ ሃይማኖት ዘተምቤን ዶ ወይስ ዕጨጌ ተክለ ሃይማኖት ዘሽዋ

Post by africangear »

ዝጎበጠ ታሪኽ ይቕናዕ
```````````````````````
Abune-Tekel-Haymanot.png
•ጻድቕ ተክለ ሃይማኖት ዘተምቤን ዶ ወይስ ዕጨጌ ተክለ ሃይማኖት ዘሽዋ ?
•መን እዩ እቲ ትክክለኛ ጻድቕን ሃዋርያን ተክለ ሃይማኖት!??
አታ ወዲ ሰብ ታሪክኻ ፍለጥ !!
ሸር ብምባል ንዘይፈልጡ ምፍላጥ ክርስቲያናዊ ግዴታኹም ተዋጸኡ።
እዚ ተኸታታሊ ጽሑፍ ነቲ ሎሚ ጻድቕ ኢልና ንጽውዖ ተክለ ሃይማኖት መን ምኳኑ ንምፍላጥ ዝድህስስ ሓቀይና ታሪክ ቅዱሳን እዩ።
ድሕሪ ውድቀት መንግሥት አክሱም ስልጣን ሒዙ ዝጸንሐ ንግስነት ዛጔ እንትኾን፣ ድሕሪ 300 ዓመታት ድማ ብአባ(ዕጨጌ) ተክለ ሃይማኖት ምኽንያት ስልጣን ዛጔ ናብ ሽዋ ዝተሰጋገረትሉ ዓብይ ዕድል እዩ።
አባ (ዕጨጌ) ተክለ ሃይማኖት መን እዮም ?
ቍጽሮም ቀሊል ዘይበሃል መነኮሳት ካብ ስርዓት ምንኲስና ርሒቖም መገልገልቲ ነገስታት ኮይኖም ስጋዊ ፍርዲ ፈሪዶም፣ንሽመትን ሽልማትን ተቐዳዲሞም፣ ርስትን ጉልትን ንምርካብ ምስ መሣፍንቲ ዝሻጠሩ ዝነበሩን ዘለዉን፣ ሓደ እግሮም አብ ቤተ መንግሥቲ ሓደ እግሮም አብ ደገሰላም ዝረገጹ ከም ማሕበረ ቅዱሳን ዝኣመሰሉ፣ መሰረቶም አባ (ዕጨጌ) ተክለ ሃይማኖት እዮም።
እዚ ድማ ክብሪ ቤተክርስቲያንን ክርስትናን ገዲፍካ ንቤተ መንግሥቲ ካብ ምውጋን ሓሊፉ፣ንግስነቲ ዛጔ መንጢሉ ይኩኖ አምላክ ክነግስ ዝገበረ ድማ አባ (ዕጨጌ) ተክለ ሃይማኖት እዮም።
"አፍሊሶ መንግሥተ ዛጔ ወወኃባ ለዘመዱ"
#ትርጉም> ንግስነት ካብ ዛጔ ኣሕዲጉ ናብ ኣዝማዱ ሃቦም፣ ማለት እዩ።
ስለዙይ ዕጨጌ ተክለ ሃይማኖት ከምዙይ እንተደኣ ኾይኖም፣ መን እዩ ደኣ "ጻድቕ ወሃዋርያ ተክለ ሃይማኖት" ?? እንተ ኢልና፣
መልሱ፣ ተክለ ሃይማኖት ዘሽዋ ዘይኮነስ፣ አብ መበል 7ይ ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ቅዱስን ጻድቕን ሃዋርያ ተክለ ሃይማኖት ዘተምቤን ዘብሔረ አግአዚ እዮም።
አብ መንጎ ሃዋርያ ተክለ ሃይማኖት ዘተምቤንን
ዕጨጌ ተክለ ሃይማኖት ዘደብረ ሊባኖስን ዘሎ አፈላላይ
ሃዋርያ ተክለ ሃይማኖት ዘተምቤን አብ 7ይ ክፍለ ዘመን እዮም ነይሮም።
ዕጨጌ ተክለ ሃይማኖት ግና አብ 13 ክፍለ ዘመን እዮም ዝነበሩ፣ እዚ ማለት አብ መንጎ ክልቲኦም ልዕሊ 550 ዓመታት ከምዘሎ ግልጽ እዩ።
ስለዚ ተክለ ሃይማኖት ዘተምቤን ገዲፍካ ተክለ ንሃይማኖት ዘሽዋ ቅዱስን ሃዋርያን ዝተብሃለሉ ምክንያት ታሪክ ተጋሩ ብሐጸያት ሽዋ ስለዝተጨውየ እዩ።
ኣመጻጽአ ሓረግ ምንኲስና
ኣብ ሓዲስ ኪዳን እቶም ናይ ምንኲስና ህይወት ጀማሪ፣
አባ እንጦንስ ከምዝኾኑ ንክርስቲያን ግልጺ እዩ፣ ስለዝ ድማ ሃዋርያ ተክለ ሃይማኖት ዘተምቤን መበል 9ይ ናይ ሓዲስ ኪዳን መነኮስ እዩም።
እዚ ማለት>
1ይ አባ እንጦን፣
2ይ አባ መቃሪስ፣
3ይአባ ጳኲሚስ፣
4ይ አባ ቴዎድሮስ፣
5ይአባ አረጋዊ፣
6ይአባ ክርስቶስ ቤዛነ፣
7ይአባ መስቀል ሞዐ፣
8ይአባ ዮሃኒ፣
9ይአባ ተክለ ሃይማኖት ዘተምቤን እዮም።
ነገር ግን ዕድመ ንሽዋውያን ታሪኽና ሰሪቆም፣ ተመሊሶም ይፅዕኑና አለዉ፣ ንሕና ድማ አብ ክንዲ ምሕታትን ምምርማርን ፣ ዝበሉና አሜን ኢልና ንቕበሎም አለና።
አብዚ ኸዚ ዘመን ቤተክርስቲያንና ትጥቀመሉ ደላ ገድለ አቡነ ተክለ ሃይማኖት መበገሲ ገይረ፣ ካልኦት መጻሕፍት እውን እናመሳኸርኩ ብመርትዖ ከቕርበልኩም እየ።
እቶም ካልኦት መጻሕፍትን፣ብዝበለጸ ድማ " ገድለ አቡነ ተክለ ሃይማኖት" ዝዛረቦ ዘሎ ብዛዕባ ኣየናይ ተክለ ሃይማኖት ምኳኑ ተገንዝብኩም፣ ብዘይ አድልዎ ብቕንዕና መርምሩ።
#መተሓሰስብ
``````````````
" ንዂሉ ተዐዘብዎ ነቲ ዝጠቕመኲም ሰናይ ድማ ሐዝዎ " ይብል፣ ሃዋርያ ቅዱስን ጳውሎስ 2ይ ተሰ 5:21።
አሕዋተየ፣ ነቲ ሓደ ኣኽቢርካ ነቲ ካልእ ምንቃፍ ወይ ምንእኣስ ዘይኮነስ፣ ነቲ ሓቀኛ ታሪኽ ፈሊጥና ምጒዓዝ ምእንታን ክጠቕመና እዩ እዚ ዘዳልወልኩም ዘለኩ እምበር፣ ብዓሌትን ብብሄርን ተመርኲሰ ብስምዒት ተንቀሳቕሰ፣ አይኮንኩን ዝጽሕፍልኩም ዘለኲ።
እንታይ ደኣ፣ጭብጥን መርትዖ ዘለዎ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያንና ትጥቀመሎም መጻሕፍት ብምግልባጥን፣ታሪክ ቀዳሞት ብምምርማርን እምበር።
አብ 7ይ ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ሃዋርያ ተክለ ሃይማኖት ዘተምቤን፣ ካብ አባ ዮሃኒ ምንኲስና ከም እተቐበሉን ካብ አባ እንጦንስ መበል 9ይ መናኒ ከምዝነበሩ ይፍለጥ እዩ።
እጨጌ ተክለ ሃይማኖት ድማ አብ 13 ክፍለ ዘመን ከምዝነበሩ እውን ተዓዝብና ኢና።
አብቲ ኸዚ እንጥቀመሉ ዘለና ገድለ አቡነ ተክለ ሃይማኖት እንታይ ከምዝብል ንትዓዘብ።
"ሑር ምድረ ትግራይ ወእርግ ውስተ ደብር ዘይሰመይ ዳሞ፣ ወትረክብ በህየ ብእሴ ቅዱስ ዘስሙ ዮሐኒ፣ ወንሣእ እምእደዊሁ ቆብዓ ወአስኬማ"
#ትርጉም > ናብ ምድሪ ትግራይ ኪድ፣ ዳሞ ናብ ዝስሙ ከረን እውን ደይብ፣ ኣብአ ድማ ዮሃኒ ዝስሙ ሓደ ሰብአይ ኽትረክብ ኢኻ፣ ካብ ኢዱ እውን ቆብዕን አስኬማን ተቐበል።" ይብል። ገድለ ተክለ ሃይማኖት ገፅ 162።
````````
አባ ዮሃኒ ቅድም 7ይ ክፍለ ዘመን ዝነበሩ መናኒ እንተደኣ ኮይኖም፣ እዚ መጽሓፍ እዚ ብዛዕባ አየናይ ተክለ ሃይማኖት እዩ ድነግረና ደሎ ? ምኽንታቱ እጨጌ ተክለ ሃይማኖት ድማ ድሕሪ ዘመነ ዘጔ አብ 13 ክፍለ ዘመን ከምድነበሩ ግልጽ እዩ።
~~
ንምኳኑ ናይ ታሪክ ገድላትን መጻሕፍትን ኸ ብዛዕባ ቀዳማይ ተክለ ሃይማኖት ዘተምቤን እንታይ ይብሉ ?
" አብ ተክለ ሃይማኖት ርግብ ዘሀሎ እም ቅድም በሳብዓይ ምእት ወእምቅድመ ዛጔ ወጉዲት፣ ቀዳማይ ተክል ለባሴ መስቀል ወሰባኬ ወንጌል ዘቦቱ ንትሜካሕ ከመ ንሰብሖ"።
#ትርጉም> ለዋህ አቦ ተክለ ሃይማኖት ብ7ተ ሚእት ዓመት ቅድም ዮዲት ጉዲትን፣ ዛውጌን ዝነበረ፣ በቲ ለባሴ መስቀልን ወንጌል ዝሰብክ ናይ መጀመርያ ተኽሊ ዝኾነ ብእኡ ንምካሕን ነመስግኖን " ይብሉ።
#ገድለ አቡነ ሊባኖስ ብራና
#ሃይማኖተ አበው ቀደምት ወፍልጠት ውሉድ፣ዝአመስሉ መጻሕፍት።
~~~
ስለዝ እጨጌ ተክለ ሃይማኖት ብአባ ዮሃኒ ምንኲስና ተቐብሎም እንተ ኢልና፣ ቅድሚ 7ይ ክፍለ ዘመን ክውለዱ ነይርዎም ማለት እዩ።
ኾይኑ ግና አብ መበል 13 ክፍለ ዘመን ድሕሪ ውድቀት ስልጣነ አኩስም ዝነበሩ፣ ንግስነት ዛውጌ ካብ ነአኩቶ ለአብ መንጢሎም ንይኩኖ አምላክ ዘንገሱ አቦ እዮም። ይብል
"የኢትዮጵያ ታሪክ" ዝብል ብአንደርዜይ ባርትኒስኪ ዝተጽሓፈ ገፅ 34።
ብደብተራ ፍስሐ ጊዮርጊስ ዓቢየዝጊ ዝተጽሐፈ " ታሪኽ ኢትዮጵያ " ዝብል መጽሐፍ አብ ገፅ 39 ከምዝ ይብል>>>
" ንግስነት አገው ( ዛጔ) ካብ ኢድ ነአኲቶ ለአብ፣ ናብ ይኩኖ አምላክ ዝተመሓላለፈ፣ ብሓይሊ ውግእን ብጦርነትን ዘይኮነስ፣ አቡነ ተክለ ሃይማኖት ብብልሓቶም ነታ መንግሥቲ ናብ ሰብ ደቂ ምኒልክ መለስዋ" ብምባል፣ ምንኲስናን ፖለቲካን አጣሚሮም ዝሓዙ፣ ሓደ እግሮም አብ ቤተመቅደስ ሓደ እግሮም ድማ አብ ቤተ መንግሥት ዝቆመ፣ ብዕላማን ብስራሕን አቦ ሓጎ ዳንኤል ክብረት ከምዝነበሩ፣ ብግልጺ ቋንቋ አብ ገፅ 39 አቐምጡልና አሎ።
እንደገና አስዕብ አብሉ ድማ
ኸምዝይ ይብል>>>
"አቡነ ተክለ ሃይማኖት ከም ግዛዕ ገይሮም ናብ ሽዋ ዝመለስዋ ንግስነት፣ ብሐዲሽ ስርዓት ብቋንቋ አምሐርኛ ተገብረ። ካብኡ አትሕዙ ቋንቋ አምሐርኛ እናገነነ፣ ቋንቋ ግእዝ እናደኸመ ከደ፣ እስካብ አናባብኡ ከይተረፈ ድማ ተለወጠ" ይብል ገፅ 40።
~~~
ብአቡነ ጎርጎርዮስ ዘሽዋ ሊቀ ጳጳስ ከምዝተፅሓፈ ዝንገረሉ " የኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ታሪክ " ዝብል መፅሐፍ አብ ገፅ 35 ድማ እንተኾነ እውን
ከምዝ ይብል>> " በይኩኖ አምላክ ዘመነ መንግሥት ጳጳስ አልነበረም፣ እንዲያውም ለአቡነ (እጨጌ) ተክለ ሃይማኖት ዲቁና የሰጣቸው አቡነ ቄርሎስ፣ በ1250 ስለ ሞቱ"። ብምባል እጨጌ ተክለ ሃይማኖት አበየናይ ክፍለ ዘመን ከምድነበሩ ታሪክ ቤተክርስቲያን ብትክክል ንዝፈልጥ ሰብ ግልጽ እዩ።
ብተወሳኽ ድማ ንአቡነ ተክለ ሃይማኖት ዝቐብኤ፣ አባ ዮሃኒ ዘደብረ ዳሞ ዘይኮነስ እግዚአብሔር ባዕሉ ቐቢኡ ከምዝሸሞም፣ እዩ ዝንገረሎም።
ከምዝ ይብል " ሌሎች በሊቃነ ጳጳስት እንደሚሾሙ ሳይሆን፣ አንተ ግን እኔው ሾምሁህ" አላቸው እግዚአብሔር ። በዚሁም መሰረት ከመ ቅጽበት ሥልጣናቸው በተአምራት ከእግዚአብሔር ነው " ይብል።
#አብ ገድለ አቡነ ተክለ ሃይማኖትን
#አብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪክ አባ ጎርጎርዮስ ገፅ 35።
እጨጌ ተክለ ሃይማኖት ብ7ይ ክፍለ ዘመን ዘይኮነስ፣ ብ13 ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ካብኾኑ፣
እግዚአብሔር ባዕሉ ዝቐብኦም እምበር ብኢድ ሰብ ካብዝይ ኾነ፣
እቲ ብአቡነ ዮሃኒ አብ ደብረ ዳሞ ዝመንኰሰ ደኣ መን እዩ ?
.
.
ኣብ ቐረባ ዝተበረዙን ሓቀኛ መጻሕፍትን ብመጠኑ ብምንፅፃር መደብ ንምስራሕ ክንፍትን ኢና።የማነ ፀጋም ርኢና ታሪኽ ንመርምር ፤ ነቲ ሓቃዊ ታሪኽን ትውፊትን ሓቚፍና ንገስግስ። ......ይቕፅል
ምንተ ረባኁ ለሰብእ
Attachments
Abune-Tekel-Haymanot.png


Post Reply