ዓውደ ስርዓት ሕርሻ ትግራይ ብከመይ ክዓኑ ተገይሩ?

Tigray related news and publications
Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ዓውደ ስርዓት ሕርሻ ትግራይ ብከመይ ክዓኑ ተገይሩ?

Post by africangear »

how-farmers-in-tigray made-to-go-hungry-by-eritrean-invaiders.png

ዓውደ ስርዓት ሕርሻ ትግራይ ብከመይ ክዓኑ ተገይሩ?
-------
ሓረስታይ ገ/ስላሰ ኪዳነ ነባሪ ወረዳ ወረዒ ለኸ ሽዱሽተ ርእሶም እዮም፡፡ ምስ ሰብኣይ ጓሎም /ሾሞንተ ርእሶም/ ብሓባር ዓመት ምሉእ ተሓጋጊዞም ይሓረሱ ፣ ይዓፅዱ፣ መኸዳ ብሓባር የእትዉ፡፡ ዓሚ ዘበናዊ ድኽዒ ተጢቒሞም፣ ብመስመር ዝዝርእወን ዘርኢ ፃዕዳ ጣፍ ዓፂዶም ብኹልሳስ ኣዳሊዮም ምስኣቐመጡ ብዙሕ ግዘ ኣይወሰዱን፡፡ ዓመት ዝደኸሙላ ፍረ ረሃፆም ልዕሊ ሽዱሽተ ኩንታል ገሚቶምውን ኣለዉ፡፡ እነሆ ናብታ ፍርያት ክሓፍሱስ እቲ ሓንቲ ኩልሳስኳ መኴዳ ጀሚሮሙላ፡፡
ግን እቲ ኢዶም ዝኣተወ ምህርቲ ከም ግመ ዝብተን ዘራጊ መሬቶም ረገፀ፡፡ ወረርቲ ሓይልታት ፋሽሽት ኣብዪን ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ነቲ ከባቢ ሓዊሱ ካልእ ከባቢ ትግራይ ብቅሉዕ ወረርምዎ፡፡ ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ካብ መቐተልቲ ሰብ ጀሚሩ ክሳብ ኣብ ልዕሊ ንብረቶምን ጥሪቶም ዕንወት ፈፀመ፡፡ ሓረስታይ ገ/ስላሰ ዓመት ዝደኸሙላ ፍረ ፃዕሮም፤ ነተን ኩምራ ኩልሳስ እንተቃፀልወን ናብ ሓሞኽሽቲ እንትቕየራን ንሓረስታይ ገብረ ስላሰ ጠጠው ኢሎም ክሪእየወን ኣገድድዎም፡፡ በዚ ጭካነ ዝመልኦ ተግባር ስነ ልቦና እቲ ሓረስታይ ንምጉዳእ እውን ተወሳኺ ግፍዒ ፈፂሞም፡፡

እዚ ተግባር ገበን ፋሽሽታውያን ኣቐዲሙ ተሓሲብሉ ከምዝተፈፀመ ዘርኢ እዩ፡፡ ዓውደ ስርዓት ሕርሻን መግብን ትግራይ ብውጥን ክፍረስን ክዓኑን ምግባሩ ዘመላኽት እዩ፡፡ ኣብ ግሎብ ኒውስ ኔት ዝወፀ ፅሑፍ ነዚ እዩ ዘረጋግፅ፡፡ መን የዕንዎ? ብከመይ ኣገባብ? አየናይ ዕሱብ ሰራዊት ከመይ ዝበለ ግፍዒ ይፈፅም ተባሂሉ መቐሎ ዕዮ ዝተውሃበሉ ፕሮጀክት እዩ፡፡ ዝርዝር ፕሮጀክት ተሓንፂፁ ተግባርቱ ድማ ተነፂሮም፡፡ ካብ ሞንጎ እዚ ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ፎቖዶ ገፀራት ሃሰው እናበለ ንሓረስቶት እናጋፈዐ፣ ሓረስታይ እናበሳበሰ ፣ ሃፍትን ጥሪትን ሓረስታይ ምጥፋእ ዕለታዊ ስርሑ ገይሮም ብዙሕ ግፍዒ ፈፃሚ ኮይኑ ተመዲቡ፡፡ ግሎብ ኒውስ ኔት ከምዘረጋገፆ፤ ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ዝተረኸበ ምህርቲ ሓረስታይ በቶም ወረርቲ ተጓሒሉ፣ በሪሱን ኣልቦ ረብሓ ኮይኑ፡፡ ልዕሊ 80 ሚኢታዊ ጥሪት ገዛ ድማ ተቐቲለን፣ ተሓሪደንን ተሰሪቐንን፡፡ ቀረብ ሕርሻ፣ ትካላት ግልጋሎት ኤክስቴንሽን፣ ትካላት ጥዕና እንስሳ፣ ማሕበራት ሕብረት ሓረስቶትን ዓንየን፣ ተጉሒለን፣ ግልጋሎት ናብ ዘይህባሉ ብርኪ በፂሐን፡፡

ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ዝተሳለጠሎም ልምዓታት ኮነ ኢሎም ፈሪሶም፡፡ ስራሕቲ መስኖ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ኮይኖም፡፡ ዓበይቲ ቀምወቲ ተኽልታት ተቖሪፆም፣ አቶም ካልኣይ ከይጥጥዑ ድማ ብዝገብር መንገዲ ተጨፍጪፎም፡፡ ሃብትን ናውትታትን ሓረስቶት ተመንጢሎም፣ ተሰይሮም፣ ዓንዮም፣ ተቓፂሎም፣ ኣእኻሎም ምስ ሓመድ ተሓዊሱ ኣይብላዕ ኣይሰተ ኮይኑ፡፡ ዕለታዊ ናብረኦም ዘሳልጥሎም ከም መቖሎ ሓፂን፣ ሞጎጎ፣ እቶን፣ ተሰይሩ፡፡ ኣጣል፣ ኣባጊዕ፣ ከፍቲ፣ ተሓሪደን፣ ተቐቲለን፣ ተሰሪቐን፡፡መሳርዕ ሕርሻ ሓረስቶት ተሰይሩ፣ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ክኸውን ተገይሩ፡፡

ብቀንዱ ድማ ኣብ ትግራይ ዝሓለፈ ዓመት ዘበን ምህርቲ ሓረስታይና ግራቱ እናረኣየ ግን ከይሓረሰ ተጌሩ፣ በዚ ድማ መገዛ ግራቱ ከየላሰላሰ፣ ከየዘርአ፣ ሓሊፍዋ ፣ ኣብ ገለ ከባቢታት ድማ ካብቲ መረበቱ እውን ተመዛቢሉ፡፡ ኣካል እቲ ምጥማይ ዝብል ስትራተጂ ብምፅዓን ስራሕቲ ሕርሻ ክዳኸም ተገይሩ፡፡

ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ገዛ ኣይተ ሰይፈ ኣብርሃ ብተደጋጋሚ ብምድፋር ዘትረፍዎ ናውቲ የለን ፡፡ ፋስ፣ ጎዞሞ፣ ምሳር፣ ባዴላ፣ መጋፍያ ፣ማርቴሎ ፣ መጋዝ፣ ኣንሶላ፣ ጥልፊ፣ ኮበርታ፣ማንካ፣ በራድ፣ ዋላ ሓንቲ ናውቲ ገዛ ኣይገድፉን ይብሉ ኣይተ ሰይፈ፡፡ ካልእስ ይትረፍ ዝባፅሓ ደራሁ ሓሪዶም በሊዖም፤ ናይ ክልተ ሰለስተ መዓልቲ ዕድመ ዘለወን ጨቓውቲ ደርሆ ከይተረፈ ብኢዶም ኣንጠልጢሎም ወሲዶም ኣብ መንገዲ ደብርዮም ዝኸዱ እዮም፡፡ ፡ እዚ እቲ ሓረስታይ ተመሊሱ ከይጥቀመሉ ንምጉዳእ እዩ ካብ ዘተወጠነ ሽርሒ እዩ፡፡ ንኣእኻል ማይን ሓመድን ገይሮም ዝሓውስዎ እውን መቐፀልታ እቲ ከይባልክዋስ በንጨርክዋ ዝብል ተግባር ክፍኣት እዩ፣ ንብረት ትግራይ ሓንቲ ከየትረፉ ክወስዱ ዝተውሃቦም ትእዛዝ ንምትግብር እውን ሳንጣ መትሓዚት እንጀራ እውን ኣይገደፉን ክብሉ ሓረስቶት ትግራይ የውግዑ፡፡

ብተደጋጋሚ ሰብ እንተጋፍዑን ንብረት እንትዕንዉን እቶም ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝዛረብዋ ነገር ነዚኣ ኣዝያ ተጉልህ፡ “ ንድሕሪት ክንምልሰኩም ኢና፣ ዒስራ ዓመት ሙቕ ኣስቲኩምና 40 ዓመት ሙቕ ነስተየኩም ኢና ! ” ዝብል ዘረባ ምእንተ ዘረብኡ ዝተዘረበ ከምዘይኮነ የመላኽት፡፡ ሕዚ ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ህዝቢ ትግራይ ተፀባዪ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ኮይኑ ኣሎ፡፡ እዚ ክኸውን ዝተገበረ ኮነ ኢልካ እዩ፤ ካብ መጀመርያ ዘለዎ ሃብቲ ክጠፍእ ፣ ምስጠፍአ ድማ ካብ ደገ እውን እትጠዓም ሓገዝ ከይረክብ ዓፂኻ ክጠሚ እዩ ዝገበር ዘሎ፡፡

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀመ ወራር ግዚኡ ባዕሉ እንተራእናዮ ኮነ ኢልካ እዩ ተመሪፁ ሓረስታይ ትግራይ ምህርቱ ዓውዲ ኣብ ዘኺደሉ ወቕቲ ፤ ዓመታዊ ፃዕሩ ኣብ ዝርእየሉ እዋን ፡፡ እዚ ተፈጥራዊ ከይዱ ኮነ ኢልካ ንምዕንቃፍ ስለዝኮነ እቲ እዋን ፍርያት እውን ክሓልፎ ተገይሩ፣ ዓፂዱ ከብቅዕ ፍርያቱ ናብ ዓውዲ ኣእትዩ፤ ዓመታዊ ምውቓዕ ፈጢሮምሉ፤ እዚ ድማ ተገይሩ፣ ናይ ሽዕኡ ፍርያት እንተዘይሓፊሱ ድማ ኣብ ማዕኸኑ ዘለዋ ኣእኻል ክጥቀም ከምዝገድድ ይፍለጥ፤ እዚአን ድማ ዘዝካኣክወ እውን ኣጉዒዞመን፣ ዘትረፋ ኣይብልዓ ኣይስተያ ገይሮም ሓዋዊሶም ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ገይሮምወን፣ ሓረስታይ ትግራይ እታ ዘላቶ ሃብቲ ተጠቒሙ እታ ዘርከበቶ ክረማት ከይጥቀም ምእንታን ድማ ጥሪቱ፣ ከፍቱ ጠለ በጊዑ ኩለን ዘዝቐደመ ሓሮዶመን፣ ገለኢን ወሶዶምወን፣ ገሊአን ድማ ቀቲሎምወን፤ በዚ መንገዲ ሓረስታይ ትግራይ ንቐፃሊ ክራማት ከምዘይዳሎ ብዝገበር ኣገባብ እውን ዘላቶን ንገና ዝሓሰባን እውን ኮሊፎምዎ፡፡

ነኒርእሱ ተለቃቒሑ እዛ ፀባብ ዘበን ከይሓልፋ ድማ ሃፍቱ ጥሩቱን በሊዖምን ሰትዮምን ጥራሕ ኣይተመለሱን፤ ነቲ ሓረስታይ ንባዕሉ ብምቕታል ፣ ብምምዝባል ዓዱን ዓውዱን ከይሓስብ ክፀነት ገይሮሞ፡ ነዚ እዩ ድማ እቲ ዝፈፀምዎ ገበን ጀኖሳይድ ብትልሚ ተሓሲብሉ ዝተፈፀመ ከምዝኾነ ዘመላኽት፡፡ እቶም ወረርቲ ካብ ገለ መሬት ትግራይ ብሓይሊ ተደሲቖም ምስ ተባረሩ ድማ ብኩለመዳይ ነቲ ህዝቢ ኣብ ዕፅዋ ኣእትዮም፤ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይረክብ ዝገብርሉ ዘለዉ ስጉምቲ ድማ መቐፀልታ ቀቲሎም፣ ኣዕንዮም ዝገድፍዎ ሓረስታይ ኮነ ነባሪ ከተማ ሓገዝ ከየረከብ ዘግብር ገበን ጀኖሳይድ ምኻኑ ግሎብ ኒውስ ኔት ይጠቅስ፡፡

ብመሰረት ታደሰ
www.tigraitv.com


Post Reply