ቅያ ወፍሪ ስዩም መስፍን

Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ቅያ ወፍሪ ስዩም መስፍን

Post by africangear »

seb-dishqa.jpeg

አብ ዋዕላ ብረታዊ ቓልሲታትና ኾነ ኩሎም ዓይነት ወድዓዊ ቓልሲ ንዝገጥሙና ብድሆታትን እዞም ብድሆታት ተሓሊፎም ዝስርሑ ቅያታት ተጋሩ ከም ህዝቢ ታሪኻትና እንተዝስነድ ቓላያት ውቅያኖሳት ቐለም ኾይኖም ሽንጥሮታት አኽራናት ዓለም ወረቐት እንተዝኾኑ ጅግንነት ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ አብ አፅናፋት ዓለም ተፃሒፎም እንተዝዝርግሑ ታሪኽ ፣ ጅግንነትን ወያኒት አዶ ትግራይ ታሪኽ፣ ጅግንነትን ወያናይ ህዝቢ ትግራይ ግን ክገልፅዎ አይኽእሉን ኾታስ ቅያ ተጋሩ ልዕሊ እዙይ እዩ።
✍✍✍
ካብቲ ብዙሕ ቅያታትና አብዚ ናትና ወለዶ ዝተሰርሐ ጅግንነት ንታሪኽ ክኾኖ ብውሑዱ እንትስነድ ብዝሓለፈ ጥሪ 24/2013 ኣ/ግ አብ ከባቢ ፃኢ ዝተሰርሐ ጅግንነት አካፊለኩም ኔረ;

ብድሕሪ ህዝባዊ ሰራዊትና ነቲ ናይ ፃኢ ዕፅዋን ኽባን ፈናፂሕና ድሕሪ ምውፃእ አብ ማእከል ሰግሊ ሓዱሽ ምምዕርራይ ፈጢርና አብ'ታ ብርሃን ውፁዕ ህዝቢና ዝኾነ ወርሒ ለካቲት ፈላማይ ወፍሪ "ብጅግና ስዉእ አያና ወፍሪ ስዩም መስፍን " ተሰሚና ናብ ዕዳጋ ሓሙስ ክንሓልፍ ክንብል አብ ጎቦታት ጅዋማረ ዓሪዱ ዝነበረ ሓይሊ ፀላኢ ንምድርዓም ሓዱሽ ወፍሪ አብ ከባቢ ዕዳጋ-ሓሙስ ፍሉይ ቦታ ከባቢታት ጅዋማረ ምስ ናይ ፀላኢ ሓንቲ ሻለቃ ሓይሊ ግጥም ኾነ ብድሕሪ እዙይ አብ ውሽጢ ዝሓፀረ ግዜ ፀላኢ እታ ዝሓዛ ሓይሊ ፈራዕራዕ ኢላ ብዘይ ወረ ነጋሪ ተደምሰሰ እዙይ ዝፈለጠ ፀላኢ ካልኣት ሓይሊታት ከግዕዝን ናብዚ እንካይዶ ዘለና ናይ ደባይ ኵናት ከክትት ጀመረ አብ መጀመርያ ሓደ መኻነይዝድ ልአከ ሙሉእ ብሙሉእ ተደምሰሰ ድሕሪ እዙይ ፀላኢ ሓይሊና ሪኡ አለዉኒ ዝብሎም "ቀይ ለባሽ" ዝብሃሉ ልዕሊ 2,000 ኾማንዶ አክተተ እቲ ኵናት እንዳፃዕፀዐ ከደ አብዚ ዓውዲ ኵናት እታ ዓበይ እትብሃል ዘለትና ከባድ መሳርሒ ኩናት ሓንቲ ድሽቃ ጥራሕ እያ።
በዛ ሓንቲ ድሽቃን አብ ናይ ሕሉፍ ጥሪ 24/2013 ኣ/ግ አብ ዝነበረና ደባይ ውግእ ዝማረኽናዮም ክላሻት ተሓግዝና እቲ ፅዕፁዕ ኵናት ቀፀለ ቀይሕ ኮኾብ ናይ ፀላኢ ልዕልና ብምዝባዕ ናብ ደምሳሳይ ውግእ ንምስጋር ካብ ኮር 103 [ዓድዋ] ዝተሰምየት ረጅመንት ተወሰከትና መሓውርና 'ውን አትርኒዕና ነቶም ፀላኢ ነቲ አብ ክልተ ቅነ (ሰሙን) ደምሲሰዮ ኢሉ ዝሃተፈሉ ሰራዊትን መራሕቲን ትግራይ ደምሲሶም ሙሉእ እፎይታይ ከውሑሱለይ እዮም ኢሉ ዝልአኮም "ቀይ ለባሽ" [ በዓል ቀይሕ መለዮ ኾማንዶ ] ደምሳሳይ ኵናት ቀፀልና።

ፀላኢ ናይ አፅዋራት ኾነ ናይ ሓይሊ ሰብ ልዕልና ስለዝነበሮ እቲ ፅዕፁዕ ዓውዲ ኵናት ጥሪ 30/2013 አ/ግ ናይ ቀትሪ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ዝጀመረ ን ልዕሊ 14 ሰዓታት ቀፀለ ፀላኢ አብ ጎቦታት ጅዋማረ ብልዕሌና ዓሪዱ ስለዝነበረ አብቲ ዝዓረደሉ ጎቦታት ንኽንሕምሽሾ ንሕና ብታሕቲ ኾይን ደምሳሳይ መጥቃዕትና ቀፀለ አብዚ ዓውዲ 'ውን ውሑዳት ዘይብሃሉ ብፆትና ፀላኢ ብላዕሊ ኾይኑ ካብ ዝድርብዮም ቦንቢታት ወርቃዊ መስዋእቲ ተኸፊሉ እዩ።

ይኵን 'ምበር አክራናት ሽንጥሮታት ጎቦታት ትግራይ ጅዋማረ ናይ ትማሊ ሕድሮም ከየዕበሩ አብ ጎንና ኾይኖም ንፀላኢ ወሓጡዎ ንሰራዊትን መራሕትን ትግራይ ደምሲሶም ሙሉእ እፎይታይ ከውሕሱለይ 'ዮም ተባሂሎም ዝተላእኩ ሃላያት ልዕሊ 2000 ሰብ ቀይሕ መለዮ ኾማንዶ ንዓርሳቶም እኳ ምድሓን ተሳኢንዎም አብ አጋ ወጋሕታ ናብ'ታ ወርቃዊት ወርሒ ባሕቲ ለካቲት እተውግሕ ለይቲ ከባቢ 11፡30 ማለይ እውን ድሕሪ ናይ ልዕሊ 14 ሰዓታት ፅዕፁዕ ኵናት ሓንቲ ዲሽቃ ሒዝና ዝተኳሻሕናዮ ቃልሲ አብቲ ዝደምሰስናዮ ሓይሊ 6 ዲሽቃ ረኽብና [ማረኽና] እዚ ኩሉ እንቱር ሓይሊ ጎልጎል ሽንጥሮታትን አክራናትን ጅዋማረ ተረፍረፉ ሙሉእ ብሙሉእ ተደምሰሱ።

ባሕቲ እታ ወርቃዊት ወርሒ ለካቲት ፈለማይ ጉዕዞና ብዓወት ተፀንቢልና ንቅድሚት ቀፀልና ብድሕሪ እዙይ ካብ ደባይ ውግእ ናብ ደምሳሳይ ክብሃል ዝክእል ውግእን ተሰጋገርና!!

አብ ወፍሪ ስዩም መስፍን ዝነበረናን ዝተሰርሐን ታሪኽ ፤ ቅያ ጎብለል ህዝባዊ ሰራዊትና ንክንስንዶ ብዙሕ ዋላ እንተኾነ ይኩን 'ምበር ካብ [ ባሕሪ ብማንኻ ] ከም ዝብሃል ከብቲ ብዙሕ ብውሑዱ ነዙይ ይመስል
ቀፃሊ ቅያታትናን ምውሓስ ናፃነትናን እውን እንዳተሰነዱ ቀፀልቲ እዮም።
ብርሃን ሞሳ ወርሒ ለካቲት ሎሚ እውን ከም ትማሊን ቅድሚ ትማሊን ይቅፅል
አብ ወርሒ ለካቲት 01/2014 ኣ/ግ ዝተፃሕፈ!!
#ናትኩም_ሓድነት_ተጋሩ ካብ'ቶም ፀዋርነትን ጅግንነትን ዝምሃሩኒ አክራናት ሽንጥሮታት ሃገረይ ትግራይ!!

ሓፈሻዊ ናፃነትና ብቅልፅምና ፤ ትግራይ ትስዕር✊💪✊


Post Reply