10 መጋቢት 2013 ዓ.ም ሰራዊት ትግራይ ኣብ ወርቀ ዲኖ ብኣሽሓት ዝቁፀሩ አባላት ሰራዊት ኤርትራ ብምሕምሻሽ ልዑል ዓወት ዘመዝገበሉ ታሪኻዊ ዕለት ነይሩ

Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

10 መጋቢት 2013 ዓ.ም ሰራዊት ትግራይ ኣብ ወርቀ ዲኖ ብኣሽሓት ዝቁፀሩ አባላት ሰራዊት ኤርትራ ብምሕምሻሽ ልዑል ዓወት ዘመዝገበሉ ታሪኻዊ ዕለት ነይሩ

Post by africangear »

tdf-leaders.jpg
"10 መጋቢት 2013 ዓ.ም ፅንኩር ክባ ወርቀ ዲኖ ፀላእቲ ዝፈንፀሐሉ ታሪኻዊ ዕለት እያ" - ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ

10 መጋቢት 2013 ዓ/ም ነቲ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ህልውና ሰራዊት ትግራይ ንምቅባፅ "72 ሰዓታት ሃቡኒ" ዝብል ዘረባ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ክባ ወርቀ ዲኖ ዕሱብ ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ብምድምሳስ ህልውና ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተረጋገፀሉን ናብዚ መድረኻዊ ቅያ ንክንሰጋገር ዓብይ መስተንክራዊ ተጋድሎ ዝተሰርሐሉ ዕለት ነይሩ ይብሉ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ።

ካብ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ሓደ ዝኾነ ተጋዳላይ ተኽላይ ኣሸብር (ወዲ ኣሸብር) ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ፅዑቕ ክባ እንትገልፅ፣ቦራ ነይርና ገዲፍናሉ፣ነቕሰገ ኔርና ገዲፍናሉ ፣ኣብ ማይማዕዶ ብጣዕሚ ኣብ ዘይጥዕም ፀቢብ ቦታ ኢና ኔርና ብምባል እቲ ከበባ ኣዝዩ ጥንኩር ከምዝነበረ እዩ ገሊፁ።

"ወርቂ ኣብ ከውሊ ወርቀ ዲኖ "ብዝብል ቴማ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ውግእ ወርቀ ዲኖ ምኽንያት ብምግባር ኣብቲ ቅያ ኣሰሮም ዘንበሩ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ፣ ኣብታ ወርቃዊት ቅያ ሰራዊት ትግራይ ዘተኣናገደት ወርቀ ዲኖ እንትህዉፁ ከምዝበልዎ፣ሽዑ ሰራዊት ትግራይ ነቶም ፅዑቓት ክባታት ንምፍንፃሕ ዕረፍቲ ዘይነበሮም ናይ ምክልኻል ውግኣት ኣካይዱ እዩ።

ኣብ ፃታ ክልተ ፅቡቓት ኣጋጣምታት ነይረን ይብል ተጋዳላይ ተኽላይ ኣሸብር (ወዲ ኣሸብር) ናይቲ ከባቢ ዕጡቓት ዝነበሮም ምትሕብባርን እቲ ስርሒት ኣብ ሓፂር እዋን ምዝዛሙን ከምዝኾነ ብምግላፅ፣ሓንቲ ኦራል ጥይት ከምዝተረኸበት ብምሕባር፣ ድሕሪ እዚ ብዝተኸፈተ ውግእ፣ ፈታኒ ውግእ ተኻይዱ ዓወት ድማ ተረኺቡ። ክባ ፀላኢ ተፈንፂሑ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰራዊት ትግራይ ካብ ምክልኻል ናብ ምጥቃዕ ክሰግር ዘኽእሎ መቐይሮ ነጥቢ ኾይኑ ከምዝሓለፈ ተጋዳላይ ተኽላይ ኣሸብር ንድወት ገሊፁ።
getachew-redda-werkedino.jpg
ወርቀ ዲኖ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ምንዋሕን ዘይምንዋሕን ዝውስን መድረኽ እዩ ነይሩ።

ካቴና ተዳልዮ ነይሩ ሰባት ክኣስሩ ፣ ሰባት ክቐትሉ ፣ ኹሉ ነገር ምድላው ተገይሩ ነይሩ።

ኣብቲ ኹነታት ክባ ምኻኑ እናፈለጥካ ፣ ይሰበር ዶ አይስበርን እርግፀኛ ዘይትኾነሉ ሽዑ ግን ናይ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ሕድ ሕድ ኣብኡ ዝነበረ ህልውና ኣብ ሓደጋ ዝወደቐሉ ኩነታት እዩ ነይሩ። ግን ልዕሊ ኹሉ እዚ ቃልሲ ክስዓር የቡሉን ፣ገሊኦም ጀጋኑ ስለስተ ምዕራፍ ፣ገለኦም ህፃውንቲ፣ ኣናእሸተይ ቆልዑ ተጋዲሎም ብዙሕ ነገር ስለዝሰርሑ ናይ ፀላኢ ክባ ክፍንፅሑ ፣ ካብ ምፍንፃሕ ንላዕሊ ግን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ክሳዓር ከምዘይኸእል ዝተረጋገፀሉ ዕድል እዩ ነይሩ ወርቀ ዲኖ።

ልዕሊ ጥምየት ፣ ድኻም ፣ ፈኻራ ፀላእቲ እቲ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅርና እዩ ዝብል መልእኽእቲ ምስ ሰማዕኹ ጥምየት፣ ስግኣት ዝብሃል ብሓደ ጊዜ እዩ ተቐንጢጡ።
ውዕሎ ወርቀ ዲኖ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝሓሸ ምዕራፍ ዝተሰጋገረሉ ዕለት እዩ ነይሩ ይብል ኣይተ ጌታቸው ረዳ ።

ኣብ ወርቀ ዲኖ ዝተርኣየ ጀግንነት ናይ ህዝቢ ትግራይ መለለይ ዝኾኑ ክብርታት ኩሎም ተራእዮም እዮም ።

ወርቀ ዲኖ ናይ ሻዕብያ ዓቕሚ ዝተርኣሉ ፣ሻዕብያ እውን ዓቕሙ ዝፈለጠሉ እዩ ነይሩ።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ውግእ ወርቀ ዲኖ ተረኺቦም ካብ ዝተዛረብዎ ዝተወሰደ

መቐለ: 12 መጋቢት 2014 ዓ/ም (ድ.ወ.ት)
ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ


Post Reply