ትግራዋይ ኣትሌት ተሾመ መኮነን ጉጅለ ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ምፅናት ህዝቢ ዘለዎ ተቋውሞ ኣስሚዑ
Posted: Mon Mar 21, 2022 12:23 pm
ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ኒውዮርክ ሲቲ ዝተሳተፈ ትግራዋይ ኣትሌት ተሾመ መኮነን ጉጅለ ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ምፅናት ህዝቢ ዘለዎ ተቋውሞ ኣብቲ ውድድር ኣስሚዑ።
መቐለ12 መጋቢት 2014 ዓ/ም(ድወት) ዓበይቲ ኣትሌታትን ሚድያታትን ኣብ ዝተረኸብሉ ዝተኻየደ እቲ ውድድር ኣብ መዛዘሚኡ ትኹረት ዝስሕብ ኣጋጣሚ ኣተኣናጊዱ ኣሎ።
ንኬንያውያን ኣትሌታት ስዒቡ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ዝዛዘመ ትግራዋይ ኣትሌት ተሾመ መኮነን ልክዕ ውድድሩ ምስዛዘመ ኽልቲኡ ኢዱ ንላዕሊ ገይሩ ብምጥማር ኣብይ ኣሕመድ ውልቀ መላኺ እዩ፣ ጀኖሳይድ ትግራይ ደው ይበል ክብል ዘለዎ ተቋውሞ ኣስሚዑ ኣሎ።
በዚ መሰረት ድማ ኣብቲ ውድድር ዝተረኸባ ዓለምለኻውያን ሚድያት ብትኹረት ክከታተለኦ ተራእየን እየን።