ሓፂር ሂወት ታሪኽ ተጋዳላይ ሜ/ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ (ወዲ ነጮ)

Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ሓፂር ሂወት ታሪኽ ተጋዳላይ ሜ/ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ (ወዲ ነጮ)

Post by africangear »

Major General Gebremedhin Fkadu - (Wedi Necho)
Major General Gebremedhin Fkadu - (Wedi Necho)

ሓፂር ሂወት ታሪኽ ተጋዳላይ ሜ/ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ (ወዲ ነጮ) ካብ ባሕሪ ብጭልፋ
- ወዲ ነጮ ወዲ 54 ዓመትን ኣቦ ሰለስተ (2 ኣዋልደን ሓደ ወድን) እዩ።
-ዝተወለደሉ ቦታ አብ ማእኸላዊ ትግራይ ጣብያ ፈረስማይ እንትኾን ብ 1975 ዓ/ም ድማ ዕድመ ምግዳል ኣኺለ ኢሉ ናብ ገድሊ ተፀንቢሩ።
-1981ዓ/ም ሓደሽቲ ክፍለጦራት እንትምስረታ ካብ መሪሕነት ሓይሊ ናብ መሪሕነት ቦጦሎኒ ዓብዩ።
-አብ ለካቲት ክ/ጦር መራሒ ቦጠለኒ ነይሩ።
-1983 ዓ/ም ወርሒ ሓምለ ሓዱሽ አደረጃጀት ምክትል መራሒ ብርጌድ ኰይኑ።
-1985 የካቲት ክፍለጦር ናብ ሜይደይ ምስትሓወሰት እውን መራሒ ብርጌድ ኰይኑ ተሓዊሱ።
-1987 ዓ/ም መወዳእታ ከም ምክትል በርጌድ ኰይኑ(ናይ ብሄርብሄርሰብ ተዋፅኦ ብምባል)
-ዳሓር ናብ ቻይና ኮማንዶ ስልጠና ከይዱ ካብኡ ምስተመለሰ ናብ ት/ቲ ህፃናት አምባ አቲዩ።
-ብ1990 ዓ/ም ሻዕብያ ምስወረረ አብ መበል 21 ጉና ክ/ጦር አዛዚ ብርጌድ ኮይኑ ብጀግንነት ተዋጊኡ አዋጊኡ ።ካብኡ ኮ/ል ነጋሲ ወላይ ምስተሰውአ 1991 ዓ/ም መወዳእታ መበል 205 ኮማንዶ ብርጌድ ም/አዛዚ ኮይኑ አብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ተዋጊኡ አዋጊኡ።
-ሚያዝያ 15/1992 ዓ/ም ብ2 ብርጌድ አግአዚ ክ/ጦር ኮማንዶ ተደራጅዩ ም/አዛዚ ኮይኑ ከም ዋና አዛዚ ብምዃን ብዓይጋ ግንባር ብእታው ክሳብ ሰንዓንፈ ክሳብ ዓዲ ቀይሕ ግንባር ብጀግንነት ተዋጊኡ አዋጊኡ እዩ። ዳሓር ሰነ 1992 ዓ/ም ናብ ግንባር ቡሬ ብምኻድ ብጀግንነት አዋጊኡ ታሪኽ ሰሪሑ እዩ።
-1993 ዓ/ም አግአዚ ክ/ጦር ከም ሓዱሽ ክደራጆ ከሎ ብም/ክ/ጦር አዛዚ ኮይኑ።
-1996 ዓ/ም ላይበርያ ሬ/ት አዛዚ ብምዃን ናይ መጀመርታ ተልእኾ ተዋሂቡ ውፅኢታዊ ስራሕ ሰሪሑ...አፍልጦ በታ ፕ/ት ኤለን ጆንሰን ሰርሊፍ ተዋሂቡዎ።
-1999 ዓ/ም ሱማሊያ መቃድሾ ውግእ ም/ አዛዚ ክ/ጦር አግአዚ ኮማንዶ ኮይኑ አዋጊኡ... ክሳዕ ክስማዮ ዘሎ ግንባር ።
-2006 ዓ/ም አሚሶም(AMISOM) ----ባይዳዋ ጀማሪ ሴክተር አዛዚ ኮይኑ አገልጊሉ እዩ።
-ዳሓር ናይ መበል 6ይ ሜ/ድ ክ/ጦር አዛዚ ኮይኑ ተመዲቡ።
-ናብ ስታፍ ኮሌጅ ብምእታው ት/ቱ ተኸታቲሉ ።
-መበል 8ይ ሜ/ድ ክ/ጦር አዛዚ ኮይኑ ነይሩ።
-ናይ ግብረ ሃይል ም/አዛዚ ኮይኑ እውን አገልጊሉ።
-አብ ሕብረት ስታፍ ኮሌጅ ሓላፊ ኮይኑ አገልጊሉ።
-አብ 2012 ዓ/ም ናብ መገናኛ ዋና መምርያ ሓላፊ ኮይኑ ተመዲቡ እንዳሰርሐ ከሎ አብ ትግራይ ኩናት ምስተወለዐ ጥቅምቲ 25/2013 ዓ/ም ሰሜን እዚ ካብ ርክብ ወፃኢ ንኽኾን መገናኛ ሬድዮታት ፍሪኮንሲ ቀይርኩም ኮነይ ኢልኩም ብዝብል ሰንካላ ምኽንያት ንኽእሰር ተጌሩ።
ሎሚ ዕለት ድማ ኣብ እሱር ቤት ንግዚኡ ብዘይተፈልጠ ሜላ ንስለ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን መስዋእቲ ከፊሉ ኣሎ።

ዘልኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና!!

ትግራይ ትስዕር ✊

Source: Yirga Gebremedhin Tsegay


Post Reply