ቤተ ክርስትያን ኦሮቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ዋና ቤት ፅሕፈት ጠቕላይ ቤተ ክህነት መንበረ ሰላማ ካሳቴ ብርሃን ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ክኸውን ወሲኑ

Tigray related news and publications
Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ቤተ ክርስትያን ኦሮቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ዋና ቤት ፅሕፈት ጠቕላይ ቤተ ክህነት መንበረ ሰላማ ካሳቴ ብርሃን ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ክኸውን ወሲኑ

Post by africangear »

መቐለ: 28 ሚያዝያ 2014 ዓ/ም (ድወት) ንዝሓለፉ ኽልተ መዓልትታት ክካየድ ዝቐነየ ጉባኤ መራሕቲ ሃይማኖት ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ትግራይ ዋና ቤት ፅሕፈት ጠቕላይ ቤተ ክህነት መንበረ ሰላማ ካሳቴ ብርሃን ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ክኸውን ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ኣብቲ ዋዕላ ብፅእ ኣቡነ ኢሳያስ፣ ብፅእ ኣቡነ መርህ ክርስቶስን ብፁእ ኣቡነ ጴጥሮስን ሓዊሱ በርክት ዝበሉ መራሕቲ ሃይማኖት ዝተረኸቡ እንትኾኑ ፣ ትግራይ ናይ ባዕላ ዋና ቤት ፅሕፈት ኦሮቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ክህልዋን ነዚ ዘፈፅም መምርሒን ደንብታትን ክህልዋ ብምግባር ንክልተ መዓልታት ዋዕላ ድሕሪ ምክያድ መንበረ ሰላማ ካሳቴ ብርሃን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዝብሃል ዋና ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ትግራይ ክጣየሽ ተገይሩ ኣሎ።

ዋና ቤት ፅሕፈቱ ኣብ ከተማ መቐለ እንትኸውን ጉባኤ ጳጳሳት ትግራይ እውን ክጣየሽ ክኢሉ እዩ። ህዝቢ ትግራይ እንኳዕ ደስ በለካ ክብሉ ድማ እቶም ሊቃነ ጳጳሳት ትግራይ መልእኽቶም አሕሊፎም።

እታ ቤተ ክርስትያን ምስ ጠቕላይ ቤተ ክህነት ኢትዮጵያ ዝነበራ ርክብ ብዕሊ ከምዘቋረፀት ይዝከር።
Attachments
Abune-Merha-Krstos.jpg
Hagere-Sbket-Zoba-North-west-Shire.jpg
Tigray-hagere-sbket.jpg


Post Reply