በዓለ ዝኽረ ሰማእታት ትግራይ ኣመልኪቱ ካብ ውድብ ናፅነት ትግራይ (ውናት) ዝተውሃበ መግለፂ

Tigray related news and publications
Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

በዓለ ዝኽረ ሰማእታት ትግራይ ኣመልኪቱ ካብ ውድብ ናፅነት ትግራይ (ውናት) ዝተውሃበ መግለፂ

Post by africangear »

ከም ዝፍለጥ ሰነ 15 በቢ ዓመቱ ዝኽበር በዓለ ዝኽሪ ሰማእታት ትግራይ እዩ፡፡ ፀላእቲ ንቡር ከሊኦሙና፤ ከም ልማድና ሰቲ ነስኒስናን ጥዋፍ ኣብሪህናን ዋላ እንተዘየኽበርናዮ፤ ሰማእታትና ንምዝካር ካልእ ሰማእትነት ክንከፍል ግድን ኮይኑና ኣብ ዘለሉ እዋን ዋላ እንተሃለና፤ ሎሚ እውን ከምቲ ሕሉፍ ኣብ መሪር ናይ ህልውና ቃልሲ፣ ኣብ ከቢድ ዓፀቦ፣ ኣብ ፈታኒ ዝኾነ ክባን ዕፅዋን ኮይንና እነኽብሮ ዝኽረ በዓል ዋላ እኳ እንተኾነ፤ ሰማእታትና ግን ክዝከሩ ግድን እዩ እሞ፤ ንህዝብና “እንቋዕ ነዚ ክቡር በዓለ ዝኽሪ ሰማእታት ትግራይ ኣብቅዓካ”፤ ንሰማእታትና እውን “ቅሰኑ”፤ “ዘልኣለማዊ ክብርን ሞገስን ይኹንኩም” ክንብል ንፎቱ፡፡

እንተኾነ ግን ህዝቢ ትግራይ ወለዶ ሓሊፉ ወለዶ ብዝተተከአ ቁፅሪ ኣብ ናይ ህልውና ሓደጋ ዝወድቀሉን፤ ነዚ ሓደጋ ንምምካት ከቢድ መስዋእቲ ክኸፍል ዝግደደሉን ኣውራ ምኽንያት ክፍለጥ ይግባእ፡፡ ወለዶታት ትግራይ ምእንተ ብሄራዊ መንነቶም፣ ምእንተ ብሄራዊ ክብረቶም፤ ምእንተ ህዝቢ ትግራይ ዘልኣለማዊ ብሄራዊ ዕረፍቲ ክረክብን፤ ኢሎም በቢ ምዕራፉ ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈሉሉ ኣውራ ዕላማ ብምልኣትን ብዓወትን ስለ ዘይተዛዘመ እዩ መመሊስና ከቢድ መስዋእቲ ኣብ ዘኽፍለና ሓደጋ ህልውና ንወድቕ ዘለና፡፡ እዚ ዘይዛሪ መትረብ ጥፍኣትን፤ ንዕኡ ንምምካት ዝኽፈል ከቢድ መስዋእትነትን ድማ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ክዕበስ ይግባእ፡፡

ናይ ሎሚ በዓለ ዝኽሪ ሰማእታት ትግራይ ካብቶም ዝሓለፉ ፍልይ ዘብሎ ድማ ከምቲ ፀላእቲ ዝደገሱልናን ዝተመነዩልናን ዘይምጥፋእና ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ ናይ ሎሚ በዓለ ዝኽሪ ሰማእታት ትግራይ ፍሉይ ዝገብሮ፤ ቃልስና ብሄራዊ ህላዌና ንምጥፋእ ዝመፁ ሓይልታት ምስዓርናን፤ ፀላእቲ ካብ ዝበዝሕ ግዝኣት ትግራይ ምብራርናን ጥራሕ እውን ኣይኮነን፡፡ እኳ ደኣስ እዚ በዓል እዚ ፉሉይ ዝገብሮ ደመኛታት ፀላእትና ብዘተኣማምን ብርኪ ስዒርና፤ ደበስ ኩሎም ናይ ትማልን ሎምን ሰማእታትናን፤ ገዝሚ መፃኢ ወለዶታትናን እትኸውንን፤ ከም ህዝቢ ዘልኣለማዊ ብሄራዊ ዕረፍቲ ክንጎናፀፍ እተኽእለናን “ናፃን ሉእላዊትን ሃገረ ትግራይ” ኣማዕዲና እናረኣና እነኽብሮ ዘለና በዓል ምዃኑ እውን እዩ፡፡

ኣብ ደገን ውሽጥን ዘለኻ ትግራዋይ ኩልኻ፤ ሃገረ ትግራይ ዘይምግሃድ ማለት ሰማእታትና ልዕሊ መቓብር ዝገደፍዎ ቃል ሓደራ ምኽሓድ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ዕድል መፃኢ ወለዶታት ምፅልማትን፤ ባህጊ ብሄረ ትግራይ ምኹላፍን እውን ምዃኑ ተረዲእኻ እተካይዶ ዘለኻ ዘይተሓለለ ቃልሲ እናነኣድና፤ እዚ ቃልሲ ብዓወትን ብሙሉእነትን፤ ማለት እውን ናፃን ሉእላዊትን ሃገረ ትግራይ ብምግሃድ ክሳብ ዝዛዘም ቃልስኻ ኣበርቲዕኻ ክትቅፅለሉ ንፅውዕ፡፡

ዘልኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና!!
ትግራይ ትስዕር!
ውድብ ናፅነት ትግራይ (ውናት)
15 ሰነ 2014 ኣ.ግ
መቐለ ትግራይ

WuNaT.jpg
WuNaT1.jpg


Post Reply