መስተንክራዊ ስርሒት ወፍሪ ኣሉላ ብኣንደበት ተጋዳላይ ሃይለስላሰ ግርማይ (ወዲ እምበይተይ)

Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

መስተንክራዊ ስርሒት ወፍሪ ኣሉላ ብኣንደበት ተጋዳላይ ሃይለስላሰ ግርማይ (ወዲ እምበይተይ)

Post by africangear »

Wedi-Embeytey
Wedi-Embeytey

ብኣካል ተራኺብና ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ወፍርታት ፕላን ዝገበርናሉ ኣጋጣሚ ብዙሕ ኣይነበረን፡፡ በብከባቢኻ ምስራሕ እዩ ነይሩ፡፡ ግንቦት 2013 ዓ.ም ኣብ ተምቤን ተራኺብና፡፡ ሽዕኡ ወተሃደራዊ ሳይንስን ጥበብን ሓፂር ስልጠና ተዋሂቡ፡፡ እዚ ድማ ኣብ ኩነታት ኾይንካ እትወስዶ ስልጠና ማለት እውን ናይ ሰሙን ስልጠና እዩ፡፡ ሽዕኡ ናይ ሸውዓተ መዓልቲ ስልጠና ዳርጋ ናይ ሸውዓተ ወርሒ ስልጠና እዩ፡፡ ኣብቲ እዋን ባዕሉ እቲ ኩነታት ብዙሕ ክትሕዝ እዩ ዝደፍአካ፡፡ ኣመራርሓ ውድብ፣ መንግስትን ሰራዊትን፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሓዊሱ ስልጠና ተዋሂቡ፡፡ እዚ እናገበርና እናሃለና ፀላኢ ናይ ወራር መደብ ሒዙ ክንቀሳቐስ ይሓስብ ከምዘሎ መረዳእታ ነይሩና፡፡ እዚ ሓበሬታ ምስመፀ ቀትርን ለይትን ተጓይና እቲ ብላዕሊ ዝተጀመረ ስልጠና ክሳብ ነብሲ ወከፍ ተጋዳላይ በፂሑ፡፡ ዋላ እቲ መዓልቲ ይሕፀር እቲ ስልጠና ግን ተኻይዱ፡፡ ፀላኢ እዞም ዝስዕቡ መደባት ሒዙ እዩ ወፊሩ፡፡ እዚ ፕላን ካብ ኣዛዚ መበል 31 ክፍለ ሰራዊት ብልፅግና ዝተረኸበ እዩ፡፡ ኣብቲ ወፍሪ ንሱ ዝተገበረ ፕላን “ሁለቱም እዞች በአንድ ኮማንድ ስር በመሆንና በመቀናጀት ከጅዋ፣ ከዳሞ ገሊላ እስከ ጉያና ጎሮሮ፣ ወርዒ ወንዝ ፀላዕ አካባቢ የተዘረጋው የጠላት ሀይል መደምሰስ” እዩ ዝብል፡፡ “የክፍለ ጦሮች ግዳጅ” ኢሎም ዘቐመጡዎም ድማ “31ኛው ክፍለ ጦር ጉያ አከባቢ ያለው የጠላት ሃይል አዛብቶ መደምሰስ” ይብል፡፡ “24ኛ ክፍለ ጦር በጎሮሮና አከባቢው ያለውን የጠላት ሃይል መደምሰስ፡፡ 23ኛ ክፍለ ጦር ደግሞ በ31ኛ እና በ24ኛ ክፍለ ጦሮች ሲመታ ወደ ወርዒ ወንዝ ሸሽቶ የሚገባውን ሃይል ተከታትሎ መደምሰስ” ይብል፡፡

ብዘይካ እዚ፣ “25ኛ ክፍለ ጦር ከዳዕሮ ሓፋሽ እስከ ዳሞ ገሊላ የተዘረጋውን የጠላት ሃይል መደምሰስ፤ ኣከባቢውን እያጣራ ወደ ጎሮሮ ከ24ኛ ክፍለ ጦር መቀናጀት፣ ሁሉም ክፍለ ጦሮች አንዱ ከአንዱ ጋር እየተቀናጁና እየተደጋገፉ ይህንን የጠላት ሃይል ለማጥፋት መረባረብ መቻል” ይብል፡፡ “ውጊያው ስንፈፅም ሌሊትና ከመኪና መንገድ በመውጣት የግንኙነት ስርአታችንን በመቀነስ በተቻለ መጠን ምስጢር በመጠበቅ ጠላት ላይ መድረስ መደምሰስ” ይብል፡፡ “የምንከተለው የውጊያ ኣካሄድ፣ ለውጊያው የሚዘጋጀው ሃይል ቀላል ማድረግ፣ ብርጌድና ሻለቃ ማእከል አድርጎ መዋጋት፣ ስምሪቱ ቀንና ሌሊት ማድረግ፣ በምንዋጋው ውጊያ ጊዜ ቢያንስ አንድ ሻለቃ ተጠባባቂ በየክፍለ ጦሩ መያዝ እንዳለበት፤ ታርጌት በመምረጥ መድፎችን፣ አውሮፕላኖችን ማረባረብ፣ እንደየአስፈላጊነቱ ሲዋጋ ያደረ ክፍለ ጦር በሌላው እንዲደገፍና እንዲተካ እያደረጉ እያቀያየሩ መዋጋት፤ ግዳጅ ስንፈፅም መደረግ የሚገባቸው ጥንቃቄዎች፣ በትግራይ ደረጃ የስልክ አገልግሎት መዝጋት፣ እርዳታ የጫኑ ይሁን መንግስታዊ ያልሆኑ ድርጅቶች ወይም NGO መኪናዎቻቸውን ሳይፈተሹ እንዳያልፉ ማድረግ፣ ሃይላችን አፍጥኖ ወደ ውጊያ ማስገባት” ኢሉ ነናይ ክፍለ ሰራዊቱ ተወሳኺ ናይ ትኹረት ልኡኻት ሂቡ፡፡

እዚኦም ኣርባዕቲኦም ክፍለ ሰራዊት ብዘይካ እቲ ብዳዕሮ ሓፋሽ ዝወርድ ሓደ ክፍለ ሰራዊት ብከባቢ ተምቤን ዝወርዱ እዮም፡፡ ናይ ሻዕብያ ድማ ካልኦት ክፍለ ሰራዊታት ኣለዉ፡፡ ብዓዴት ገይሮም ንታሕቲ ንወርዒ ወሪዶም፤ ደሓር ንሕና ካብ ጉያን ጎሮሮን ናብ ወርዒ ምስኣተና ደድሕረና እናሰዓቡ፣ እቶም ብንየ ዝመፁ ድማ ኣድብዮም ፀኒሖም ኣብ ወርዒ ክንጭፍለቕ፣ ክንውዳእ እዩ እዚ ፕላን እዚ ተሰሪሑ ነይሩ፡፡ እዚ ምዃኑ ምስተፈለጠ “እንታይ ንግበር?” ተባሂሉ መራሕቲ ውድብን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ምኽክር ተገይሩ፡፡ “ምስቲ ዝመፅእ ዘሎ ሓይሊ ፀላኢ ንዋጋእ ዶ ኣይንዋጋእ?” ዝብል ምኽክር ማለት እዩ፡፡ “ምስኡ ኣይንዋጋእ፤ ኣብ ካልእ ንዋጋእ፤ ደሓር ናብቲ ንዋግኦ ዘለና ባዕሉ ክመፅእ እዩ፤ ኣብኡ እናሰሓብና ንውድኦ” ዝብል ስትራቴጂ ተነዲፉ፡፡ እዚ ምስተበሃለ ኩልና እኣንፈትና ተዋሂቡና፡፡ እቲ ውግእ ካብ ሞንጎ ኣጉላዕን ውቕሮን ጀሚሩ ኣልዓሳ ቐፂሉ እንዳማርያም ቆራሮ ጀሚሩ ክሳብ ኣግበ፣ ካብ ኣግበ ጀሚሩ ክሳብ ሸውዓተ ሕጉም ብኡ ክኸውን፣ ናብቲ ናብቲ ዝመፁ ሓይልታት በብዝመፁዎ ክውቅዑ፣ ገሊኦም ድማ ንከይሓልፉ ብድብያ ብምውቃዕ ደው ክብሉ፤ ነቲ ኣብ ሸውዓተ ሕጉም ክግበር ዝተሓሰበ ውግእ ሓገዝቲ ማለት እዩ፡፡

ካብ ሸውዓተ ሕጉም ክሳብ ግጀት፣ ካብ ሸውዓተ ሕጉም ክሳብ ኣግበ ቦታ ሒዙ ክዓፅው ዝተዘርገሐ መበል 11 ክፍለ ሰራዊት ብልፅግና ነይሩ፡፡ እምብኣር ነዚ ሓይሊ እዚ ንደምስስ ተባሂሉ፡፡ ደሓር ነዚ ምስደምሰስናዮ ባዕሎም እናሰዓቡ ክመፁ እዮም ኢልና፡፡ 11 ሰነ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ መበል 11 ክፍለ ሰራዊት ብልፅግና መጥቃዕቲ ተኻይዱ፡፡ እቲ ሓይሊ ከምዘሎ ተደምሲሱ፤ ዝወፀ የለን፡፡ መበል 31 ክፍለ ሰራዊት ንዕኡ ከድሕን ብጉያ፣ ዓብይ ዓዲ ገይሩ መፂኡ፡፡ ንሱ እውን ምስኣተወ ብዘይካ ዘይተሳተፈ ሓደ ሻለቃ ምሉእ ብምሉእ ተደምሲሱ፡፡ ኣርባዕቲኦም መራሕቲ ናይቲ ክፍለ ሰራዊት ካብ ሃገረ ሰላም ናብ ኣግበ ኣብ ዘውርድ ከባቢ ምስመኻይኖም ተደምሲሶም፡፡ እቲ ክሕግዝ ዝመፀ ሓይሊ እውን ክሳብ ሸውዓተ ሕጉም ኣብ ዘሎ መስመር ተደምሲሱ፡፡ ከምኡ እናበሉ ክፍላተ ሰራዊት መበል 23፣ 24፣ 25 ክሕግዙ መፂኦም፡፡ ካብ 16 ሰነ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 19 ሰነ 2013 ዓ.ም ኣብ ዝተገበረ ውግእ ብዙሕ ሓይሊ እዩ መፂኡ፤ ውሑጅ እዩ፡፡ እቲ ውግእ ዝሸፈኖ ቀጠና እውን ቀሊል ኣይነበረን፡፡ ካብ ዓብይ ዓዲ ንደቡብ ገፅ ውፅእ ኢልካ ዘላ ሓዳሽ መዐደሊት ነዳዲ ዳውስራ ጫፍ ጀሚርካ ክሳብ የጭላ ዝተዘርገሐ ነይሩ፡፡ ካብቲ ሓደ ጥሒሶም እንትወፁ እቲ ሓደ ይቕበሎም፡፡ ካብቲ ሓደ ጥሒሶም እንትወፁ መሊሱ እቲ ካልእ ተቐቢሉ ይድዕኾም፡፡ ከምኡ እናበለ ክሳብ የጭላ ተዘርጊሑ ዝነበረ ሓይሊ ፀላኢ ተደምሲሱ፡፡ እቶም ኣብ ወርዒ ኣእትዮም ክድምስሱ ዝመፁ ንባዕሎም ተደምሲሶም፡፡ በዚ ድማ እቲ ኩነታት ተቐይሩ፡፡ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ኣብፂሑና፡፡ ኣብ ትግራይ ተሪፎም ዘለዉ ሓይልታት ዝተወሰኑ ኾይኖም፡፡ ኣብ መቐለን ከባቢ ውቕሮን (ዓራቶ) ተሪፎም፡፡ ነዚ ምስደምሰስና 16 ሰነ 2013 ዓ.ም ኣብ ግጀት ተራኺብና “ኣብ መቐለ ዘሎ ሓይሊ ፀላኢ ከመይ ንደምስሶ?” ዝብል ምኽክር ተገይሩ፡፡ ከመይ ክንድምስሶ ከምዘለና ናይ ድምሰሳ ፕላን ወፂኡ፡፡ ናይ ድምሰሳ ፕላን ኣውፂእና ናይ ሓይልታት ምውፋር ክንገብር እንተለና ነናይ ባዕልና ኣርሚታት፣ እነጥቅዖ ሓይልን መጥቅዒ ኣንፈታትን ተነፂሩ ምንቅስቓስ ጀሚርና፡፡

ንሕና እዚ ምድላው ምስወገንና ፀላኢ ካብ መቐለ ህድማ ጀሚሩ፡፡ ኣብ ኣጉላዕ ከባቢ ዓራቶ ንዝነበሩ ክልተ ሻለቃ እውን ገዲፍዎም ሃዲሙ፡፡ ነዚኦም ዝድምስስ ሓይሊ ተመዲቡ፡፡ ብዘይሰዳዲ ወረ ድማ ተደምሲሶም፡፡ እቲ ኣብ መቐለ ዝነበረ ሓይሊ ግን ኣጋጣሚ ብንእሽተይ ቀዲሙና ሃዲሙ፡፡ ዝተወሰነ ኣብ ከባቢ ኣሸጎዳ ዝተረኸበ ሓይሊ ኣሎ፡፡ እቲ ዝተረፈ ግን ዘይተርፎ ምዃኑ ዝተረድአ ይመስለኒ ወፂኡ ከይዱ፡፡ ካብቲ ዝተወቕዐ ዘምለጠ ኣምሊጡ፡፡ ኣብ ኮረም፣ በሪ ተኽላይ፣ ባላ ዝነበረ እናሰዓብና ምስደምሰስናዮ እቲ ኩነታት ተቐይሩ፡፡ ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ዓንተዎ ዝበልኩዎ ናይ ፀልማት ገንኢ እናሰበረ ባዕሉ ንባዕሉ ነቶም መደበኛ ሰራዊት በቲ መደበኛ ሰራዊት ዘይኮነ መንእሰይ ትግራይን ዝሓረነ ህዝቢ ትግራይን ደምሲስዎም፡፡ ነቲ ደባይ ኲናት ናብ መደበኛ ቅዲ ኲናት ክቕይሮ ክኢሉ፡፡ እዚ ህዝቢ እዚ ዝከኣሎ እምበር ዝሰኣኖ ከምዘየለ ኣረጋጊፁ፡፡ ካብኡ ንላዕሊ ንምኻድ ናብ ዘኽእሎ ቁመና ተሰጋጊሩ፡፡ ሻዕብያ ኣብ ከባቢ ወርቃምባ ስለዝነበሩ ሓገዝ ንምግባር መፂኦም ነይሮም፡፡ ኣብ ዳውስራ ምስበፅሑ፣ ዳውስራ ብሬሳ ተረስሪሱ ምስረኣይዎ ሃዲሞም፡፡ ሻዕብያ ጥንክር ዝበለ ሞት እንተርእዮም ብጣዕሚ እዮም ዝድንግፁ፡፡ ወዮ! ክሕግዙ ዝመፁ፣ “ቧእ! ወዲአንኦም እባ እየን” ኢሎም ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዘሎ ሬሳ ነንባዕሎም እናተዘራረቡ ናብ ድሕሪት ናብ ወርቃምባ ሃዲሞም፡፡ ኣብ ወርቃምባ እውን እንተይደንጎዩ ቀልጢፎም ናብ ዓድዋ፣ ዓዲ ግራትን ዘላምበሳን ገፅ ህድማ ጀሚሮም፡፡

ሰራዊት ብልፅግና ናብ ደቡብ፣ ሰራዊት ኢሳያስ ናብ ሰሜን ህድማ ጀሚሮም፡፡ እዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ እንትሓብር፣ እንትውስን ዝዓግቶ ነገር ከምዘይብሉ፣ ኩሉ ከምዝከኣሎ፣ እቲ ዘይዛሪ ዝመስል ዕስለ ኣምበጣ ብኩሉ ገፅ ዝፈሰሶ ባዕሉ ቐንጢጡ ፀራሪግዎ፡፡ ንምእማኑ ዘፀግም መስተንክራዊ ጅግንነት ሰሪሑ፡፡ “እዚ ህዝቢ እዚ ነዞም ሽሾ ሓይልታት ከመይ ገይሩ ከምኡ ክገብሮም ክኢሉ?” ዝብል እንተሓሰብካ፣ እንተሓሰብካ … እቲ ባዕልኻ ዝሰራሕኻዮ ተመሊስኻ ንባዕልኻ ርኢኻ እውን ክትኣምኖ ዘፀግም ተግባር እዩ ፈፂሙ፤ ህዝቢ ትግራይ፡፡ ዓለም ፀጥ ኢላ እተዳምፀሉ፣ ሕደግ ዝብልን ገልጋልን ዘይብሉ ደሓር ነገር ምስተወደአ ህዝቢ ትግራይ ዝበሃል'ያ ነይሩ እናተበሃለ ናይ ምጥፋእና ዛንታ ዝዝንትዉ፣ ጋዜጠኛታት፣ ህዝብታትን መንግስታትን ዝፅበይሉ እምበር ካብዚ ወፂኦም እዚ ቁመና እዚ ሒዞም ኣብዚ ደረጃ እዚ ክቕመጡ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ክሓስብ ዝኽእል ኣብ ዝጠፍኣሉ ግዘ ሓዱሽ ናይ ብርሃን ኮኸብ ኮይኑ ወፂኡ እዩ፡፡

ወይን


Post Reply