ጅግና ሰራዊት ትግራይ ብ3 ኣንፈታት ዝመፀ ሓይሊ ፀላኢ ደምሲሱ

Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ጅግና ሰራዊት ትግራይ ብ3 ኣንፈታት ዝመፀ ሓይሊ ፀላኢ ደምሲሱ

Post by africangear »

Tegadalay Gebre Gebretsadkan (Tigray Defence Forces)
Tegadalay Gebre Gebretsadkan (Tigray Defence Forces)
26 መጋቢት 2013 - ሓውዜን

ጅግና ሰራዊት ትግራይ ብ3 ኣንፈታት ዝመፀ ሓይሊ ፀላኢ ብምምካት ከቢድ ኪሳራ ከምዘውረደ ወተሃደራዊ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ገብረ ገ/ፃድቃን ገሊፆም::

ጅግና ሰራዊት ትግራይ ኣብ ሓውዜን ብ26 መጋቢት ብኣንፈት ዕዳጋ ሓሙስ : ተንቤንን ነበለትን ተሃንዲዱ ንዝመፀ ፀላኢ ብምምካት : ብዝፈነዎ ብርቱዕ መጥቃዕቲ 547 ወታደራት ፀላእቲ እንትሞቱ 62 ድማ ቆሲሎም ኣለው::

ብተወሳኺ ድማ ጅግና ሰራዊት ትግራይ 1 ታንኪ : 3 ዲሽቃ ምስ መካይነን : 2 ፓትሮል : 2 ኦራል : 1 ወታደራት ዝፅዓነት ISUZU መኪናን ብምብራዕ ናብ ሓሞኽሽቲ ቀይርዎም ኣሎ:: ሰራዊትና ብርክት ዝበለ ክላሻትን : ስናይፐራትን : ወታደራዊ ዕጥቅታትን እውን ማሪኹ ኣሎ::

እዚ ኣብ ሓውዜን ዝተፈፀመ ዕውት ስርሒት ሓዊሱ ኣብ ወጀራትን ተካ ተስፋይን ጅግና ሰራዊትና ብዘካየዶም ወፍርታት ሓደ ሓለቃ ሽሕን ሻምበልን ዝርከብዎም 1,597 ወታደራት እንትሞቱ 2,298 ድማ ቆሲሎም እዮም::

ከምኡ እውን ልዕሊ 50,000 ጠያይቲ ብሬን ዝርከቦ ብርክት ዝበለ ወታደራዊ ዕጥቅታት ከምዝተማረኹ ወትሃደራዊ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ገብረ ገ/ፃድቃን ሓቢሮም ኣለው:: ፀላኢ ኣብተን 3 ከባቢታት ጥራሕ ብዝወረዶ ከቢድ ኪሳራ 3,898 ወትሃደራቱ ምውትን ቁስልን እንትኾኑ : በዚ ድማ ዝሕዝኡን ዝጭብጦን ስኢኑ ዓቕሉ ፀቢብዎ ኣሎ::

ጅግና ሰራዊትና ድማ ሙሉእ ሓርነት ትግራይ ኣብ ቀረባ ምኻኑ ጋህዲ እዩ እናበለ ብዝልዓለ ሕራነ እናመረሸ እንትኾን : ደጀን ህዝብና እውን ንሰራዊትና ኩሉ ዓይነት ድጋፍ እናገበረ ይርከብ::

መንእሰይ ትግራይ እውን እንተኾነ ብኣሽሓት እናወሓዘ ከምዝርከብ እቶም ወታደራዊ ወሃቢ ቃል ገሊፆም እዮም:: እዚ ከምዚ ኢሉ እንሃለወ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ እውን ኩናት ቀፂሉ ከምዘሎን ጅግና ሰራዊትና እውን ዓወታት እናሓፈሰ ከምዝርከብን ወትሃደራዊ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ገብረ ወሲኾም ሓቢሮም እዮም::

ዓወት ንህዝቢ ትግራይ!
ትግራይ ትስዕር!


Post Reply