Page 1 of 1

ንተጋሩን ንኤርትራውያንን፤ ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኽ ወለድናን ኣምሓሩን ዶ ክነዘንትው!

Posted: Fri Dec 11, 2020 5:11 pm
by africangear
blata-haylemaiam.jpg
blata-haylemaiam.jpg (31.26 KiB) Viewed 3913 times
ንተጋሩን ንኤርትራውያንን፤ ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኽ ወለድናን ኣምሓሩን ዶ ክነዘንትው!
መተሓሳሰቢ፤
እዙ ካብ ቅድሚ 130 ዓመታት ኣትሒዙ፤ ገዛእቲ ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክልቲኡ መረብ ዝፈፀሙዎ ተኸታታሊ መግዛእትን ግፍዕን፤ ብኣንደበት ነፍስሄር ወላድየይ ከዘንትወልኩም እንተለኹ፤ ባዕልኩም ድማ፤ ሎሚኸ እንታይ እዩ ዝተፍሓሰን ዝትግበርን ዘሎ ኢልኩም ክተስተንትኑዎ እላበው፡፡
(እንተነውሐኩም እኳ፤ ወለድና ዘሕለፉዎ ግፍዕን መከራን እዩ እሞ፤ ተፀሚምኩም ኣንብቡዎ፤ ንኻልኦት እውን ኣባፅሑዎ)
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
ብኣንደበት ብላታ ሃይለማርያም ረዳ (ኣባ መብረቕ)
መራሒ ቀዳማይ ወያነ ሓምለ 1985 ዓ.ም
…. ቀንዲ መልዐሊ ወያነ ትግራይ እቱ ገዛእቲ ሸዋን ትግራይን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ንነዊሕ ዓመታት ዘውረዱዎ ግፍዕን በደልን እዩ፡፡ ባዕልቶም ሰላም ከሊኦምና፤ ብጠቕላልኡ ኣብ’ዛ መሬት እዳኣቦና ከይንነብር ከይንቐስን ገይሮምና፡፡ ኣሽንኳይዶ ፍትሒ ብዘለዎ መንገዲ ከማሓድሩናስ ከምሰብ ክርእዩና እውን ኣይደልዩን ነይሮም፡፡ ንመከራና ኣብዚሖም ሕሉፍ በደላትና ቆስቊሶም እምብለና ክንብሎም ዝገበሩና ባዕልቶም እዮም፡፡ የመና መከራን ስቓይን፣ ጠቐነን ኣድልዎን፣ ከምኡ እውን ማእሰርትን ሞትን ምስበዝሐና ክንፃወሮ ኣብ ዘይንኽእሎ ብርኪ በፃሕና፡፡
“እንታይ ግበሩ እዮም ዝብሉና ዘለዉ?” እንትንብል፣ ናይ ጭንቂ እንታይ ኢና ክንገብር ኢልና ናብ ምኽሪ ኣተና፡፡ እዙይ እውን ንቱ ኣብ ውሽጥና ዝተደጎለ ካብ ወለድናን ቅድመ ወለድናን ኣትሒዙ ዝፀንሐና፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ትግርኚ ዝወረደ ግፍዒን መከራን ዝበዝሖ ዛንታና ክንጥምት ክነዋግዕ ተገደድና፡፡
ኩሉ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ትግርኚ ዝወረደ ግፍዕን በደልን ገዛእቲ ማእኸል ሃገር፤ ብፍላይ ካብ ሕልፈት ንጉሰ ነገስት ዮሃንስ ኣትሒዙ ሃፀይ ምኒልክን ሰዓብቶምን ዝመሃዙዎን ዝፈፀሙዎን ሰሪ ኩሉ ሓደ ብሓደ ክንዝትየሉ ተገደድና፡፡ ኣብ’ቱ ግዜ ዝነበርና ኩላትና በብገዛና ወለድና እናዘንተዉልና ዝባፃሕና፤ እቱ ታሪኽ ግፍዕን መከራን እውን ናይ ትማሊ ስለዝነበረ ንኹሉ ኢና እንፈልጦ ነይርና፡፡ ድሕሪ ንጉሰ ነገስት ዮሃንስ ሃፀይ ምኒልክ፣ ራእሲ መኮነንን ወዶም ሃፀይ ሃይለስላሰን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ትግርኚ ዝፈፀሙዎ፣ ንኸጥፍኡና ዝኣመተ ከምዝነበረ እውን ንኹልና ናብ ምርድዳእ ኣብፅሐና፡፡
ካብ መተማ፤ ካብ ግዘ ምኒልክ ኣትሒዙ ማለት እዩ ዘይተገበረ ነገር የለን፡፡ ብዙሕ ገይራቶም፣ ብዙሕ ዝሓለፈ ዘኪርና ዘተና፡፡ እዙይ እውን ንጉሰ ነገስት ዮሃንስ ምእንተ ሃገሮም፣ ህዝቦምን ሃይማኖቶምን ኣብ መተማ ብደርቡሽ ክሳዶም ተቖሪፁ ንሱዳን እንትኸድ፤ ምኒልክ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ኢዱን እግሩን ኣሪሙ ንጥፍኣት ትግራይ እናተቛመተ እንተይሓገዘ፤ እንኳድኣስ ንትግራይ ትግርኚ ክመቓቕልን ዓዲ ክሸጥን ውሽጣ ውሽጡ ምስ ጥልያን ይማኸር ነይሩ፡፡
ብመሰረት እዙ ትግራይ ንምጥፋእ ዝዓለመ ሰሪ ዝመልኦ ተንኮል፤ ጥልያን ብዙይ ብርእስና ብባሕሪ እንትመፅእ እንተሎ፤ ምንሊክ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ሕጋዊ ወራሲ ሃፀይ ዮሃንስ ዝኾኑ ራእሲ መንገሻ ተናሓናሒ ስዩም ኣባ ጎበዜ ዝብሃል ወዲ ሓፍቶም ንሃፀይ ዮሃንስ ንትግራይ ብምሿም ክልቲኦም ክዋግኡን ትግራዋይ ነንሕድሕዱ ክዋዳእን ገበረ፡፡ ብዙሕ ሰብ ተዋድአ፣ ኣብ ሞንጎ ኣሕዋት ደምነት ተተኸለ፡፡
ድሕሪ ሞት ንጉሰ ነገስት ዮሃንስ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ትግርኚ ኩሉ መዓት እዩ ወሪዱና፡፡ ብሰሜን ጥልያን ምስ ምኒልክ ሓቢሩ ንመረብ ምላሽ ትግራይ ወሪሩ ኣብ ትሕቲ መግዛእቱ ብምግባር ሓይሊ ትግራይ ትግርኚ ኣብ ክልተ ምስ መቐሎ፤ ንወራር ጥልያን ስዒቡ ተርእዩ ዘይፍለጥ ሕማም ከፍቲ ሙሉእ ትግራይ ትግርኚ ወረሮ፡፡ ብዙይ እውን ካብ እንሰሳት ዘቤት ሓሊፉ መብዛሕትአን እንሰሳት ዘገዳም እውን ተወድኣ፡፡ ካብ ኣበርገለ ኣትሒዙ ሜይዳ ኣድያቦ ክሻብ ተሰነይ ዝነበራ ዕስለ ሓርማዛትን ዝተፋላለያ እንሰሳት ዘገዳምን እንተይተረፋ መብዛሕቲአን ተወድኣ፡፡
እዘን በዝሒ ዝነበረን እንሰሳት ዘገዳም ክረምቲ እንትተኣታተው ገፀን ንሰሜን ገይረን ናብ ባርካ ክሻብ ተሰነይ ይኸርማ’ሞ ቀውዒ ቅድሚ ምትእትታዉ ውሕጅ ሩባታት መረብን ወርዒን ውርድ ምስበለ ንትግራይ ተመሊሰን ክሻብ ኣበርገለ ይመፃ ነይረን፡፡ ወለድና ሃደንቲ ሓርማዝን ኣምበሳን ንቱ እዋን እናሰዓቡ እዮም ዝሃድኑ ነይሮም፡፡ ካብ ወለድና ከምዝሰማዕናዮ ሕማምን ህልቂትን እንሰሳት ኣብ ትግራይ ትግርኚ ዝመፀ ንእግሪ ጥልያን ኣብ መረብ ምላሽ ስዒቡ እዩ፡፡
እዙ ኩሉ ህልቂት እንሰሳት ኣብ ትግራይ ትግሪኚ እንትበፅሕ ምኒልክ ኮነ ሰዓብቱ ንገፅ ትግራይ ቅልቅል ዘይምባሎምን እቱ ሕማም እንሰሳት እውን ኣብ ትግራይ ትግሪኚ ጥራሕ ምውራዱን ወለድና ጥልያንን ምኒልክን ክልቲኦም ሓቢሮም ንኣና ንኸጥፍኡ ዘምፅኡዎ ሕማም እዩ ይብሉ ነይሮም፡፡ ብሰንኪ እዙ ህልቂት እንሰሳት ኣብ መብዛሕትኡ ትግራይ ትግርኚ ብበዝሒ ብህይወት ዝተረፋ እንሰሳት ኣድገ በቕሊን ኣፍራስን ስለዝነበራ፤ ብድሕሪኡ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢ ብኣድገ በቕሊ ማሕረስ ክገብር ዝተገደደ ህዝቢ ነይሩ፡፡
ትእዛዝ ፈጣሪ እውን ኮይኑ ግዲ ንህልቀት እንሰሳት ስዒቡ ዝወረደ ጨለውታ ዝመስል ተርእዩ ዘይፈልጥ ተላጋቢ ሕማም፣ ወራር ኣምበጣ፣ ሓሪን ጥምዬትን ተወሳሲኹ ቁፅሩ ዘይፍለጥ ብዙሕ ህዝቢ ትግራይ ትግርኚ በብዓዱ ተወድአ፡፡ እቱ ዘበን ኣብ ታሪኽ ትግራይ ትግርኚ ካብ’ተን ዝኸፍኣ ሕሱማት ዘበናት እቱ ሓደ እዩ ነይሩ፡፡ እወ ንጉሰ ነገስታ ዝሰኣነት ዓዲ ኣደዳ ፀገም ምውዳቓ ከይኣክል መኳንንቲ ትግራይ ትግርኚ እውን ብሰሪ ምኒልክን ጥልያንን ተፃሚዶም ዓዲ ኣደዳ ሕድሕድ ደም ምፍሳስ ገበሩዋ፡፡
ሽዑ እውን ነይሩ መኳንንቲ ሸዋ፤ “ንኺድ ትግራይ ተዳኺሙ እዩ’ሞ ኣቲና ነገብር” እንተበሉ፤ “ንፅናሕ ድኣ” ኢሉ ምንሊክ ኣብ ልዕሊ ጥፍኣት ትግራይ ምስላ ዝመሰለ፡፡ “ትግሬና እሳት ኣንድ ነው፤ እሳትም ነዶ ካላለቀ፣ ትግሬም እርስ በርሱ ተዋግቶ ካልተላለቀ ኣይገባም” እንትብል ንህልቀት ትግራይ ዝነበሮ ድሌት ብዕሊ ዘፍለጠ፡፡ እዙይን ክንድ’ዙይን ካብ ወለድና ዝፀንሐና፣ ኣበየ ገዛውትና እንትፅወ ዝነበረ ኣልዒልና ኣዋጊዕና ኢና፡፡ ንዙ ኩሉ በደሎም ክንዝክር እንተለና ብቂም ተላዒልና ሕነ ንምፍዳይ እንተይኮነስ፤ ካልኣይ ከይድገም ክንብል እዩ ነይሩ፡፡
ትግራዋይ ንኽጠፍእ ናይ ዝተገበረ ዉዲት መግለፂ እውን፤ ካብ’ዙ ኩሉ ሕማም፣ ወራር ኣምበጣ፣ ሓሪ ጥምዬትን ቁፅሪ ዘይነበሮ ህልቀት ህዝቢን እንሰሳትን ሓሊፉ፤ ኣዝመራ እውን ሕይሽ ኢሉ ብኣድገ በቕልን ኣፍራስን ተሓሪሱ ቁሩብተይ እኽሊ ክቕውዕ ዓፂድን ዓውድን እንትገብር እንተሎ ተፀብዩ እዩ፣ ምኒልክ ትግራይ ተዳኺሙ እናሃለወ ከግብር ኢሉ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ሙሉእ ወራር ዝፈፀመ፡፡
ካብ ሙሉእ ሃገር ዓቀይቶት ኣኽቲቱ ኣብ መቐለ ብምስፋር ዓዲ ኣጥፍኡዎ፡፡ ቀደሙ እውን ካብ ሸዋ እንትነቕሉ፤ “ስንቅኻ ካብ ትግራይ እዩ” ኢሉ ዘኽተቶም ዓቀይቶት ምኒልክ፤ ኣብ ገዛ ንዝረኸቡዎ እኽለ ማይ ወዲኦም ኣብ ግራትን ኣብ ዓውድን ዝነበረ እኽሊ እንተይሓደጉ፣ ትግራዋይ ካብ መልሲ ሕማቕ ዘበን መዐንገሊየይ ኢሉ ዘጥረዮ ኩሉ ኣጠፋፍኡዎ፡፡ ብእኽለ ማይን ጥሪትን ከይኣኽሎም ሰብኣይ ዘበለ ትግራዋይ ከጥፍኡ ዘመቱዎ፡፡
ምንም ዘይኣበሱ ብዙሓት ተጋሩ ሰብኡት እናተሃደኑ ተቐተሉ፤ ብዙሓት እውን ዘርኢ ከየትርፉ ሓፍረቶም ተቖረፁ፡፡ ዓዲታት ነደዳ፡፡ ብሕልፊ ተወለድቲ ዝብሃሉ ተጋሩ ብዙሓት ተወድኡ፡፡ ኣንስትን ኣጓላትን ተዓመፃ፡፡ ብፍላይ ኣብ ራያ፣ እንደርታ፣ ተምቤንን ዓድዋን ክሻብ ኣኽሱም ሃፀይ ምኒልክ ብኣካል መሪሖም ብምክታት ዘይፈፀሙዎ ግፍዒ ኣይነበረን፡፡
እዙ ኩሉ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ትግራይ እናውረዱ ቐዊዖም፤ ንዓዶም እንትምለሱ ንፍትሃ ነገስት ሓዊሱ ብዙሓት ቀዳሞት ቅዱሳት መፃሕፍቲ፣ መሳቕል፣ ዝተፋላለዩ ንዋዬ ቅዱሳትን ታቦታትን ብፍላይ ካብ ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያናትን ገዳማትን እንደርታ ተምቤንን ዓድዋን ኣኪቦም ንሸዋ ወሲዶም እዮም፡፡ እዞም ከም’ዙይ ዝበሉ ቅርስታት እናመንዛዕኻ ንሸዋ ምኽታት፤ ኣሻዒቱ ኣትሒዞም ኣብ እዋን ኵናት ዓድዋን ብድሕሪኡን እውን ብዝተፋላለዩ ራእስታትን ደገዝማቻትን ሸዋ ንኣስታት ኣርብዓ ዓመታት ስራሕና ኢሎም ቀፂሎምሉ እዮም ነይሮም፡፡
ወለድና ብመረረት የዘንትውዎ ከምዝነበረ፤ “ሸዋ ኣብ ልዕሊ ኣብያተክርስትያናትን ቅርስታትን ትግራይ ዝፈፀሙዎ ስርቅን ጥፍኣትን ብጠቕላልኡ እታ ትግራይ እትብሃል ዓዲ ሰብ ከምዘይተርፋ ካብ ሰረትና ከጥፍኡና ዝዓለሙ እዩ ዝመስል ነይሩ” ይብሉ ነይሮም፡፡ ሕሉፍ ሓሊፎምስ መሊኡ ኣይኮነሎምን ድኣ’ምበይ፣ ኣንደበትና እውን ክኣስሩና ፈቲኖም ትግርኛን ግእዝን ሓዲግና ብኣምሓረኝኦም ሃይማኖትና ክንመርሕን ዳዊት ክንደግምን ኩሉ ኣዚዞም ነይሮም፡፡
እዙ ኩሉ ጥፍኣትን መከራን ሓሊፉ ኣብ ዝነበራ ውሑዳት ዓመታት ዋላ’ኳ እቱ ኣብ ውሽጢ መኳንንቲ ትግራይ ተተኺሉ ዝነበረ ሕምስምስን ምንሕናሕን እንተዘይዘሓለ እውን፤ ኣዝመራ ሕይሽ ኢሉ፣ ሕማምን ጥምዬትን ትግራዋይ ህድእ ኢሉ ነይሩ፡፡ ብዙሕ እንተይፀንሐ ግና ብመመኽነይታ ኵናት ዓድዋ ምኒልክ “ዝኸኣልካ ሰብኣይ ኩሉ ናብ ሰሜን ሰዓበኒ” እናበለ ካብ ሙሉእ ሃገር ንዘኽተቶ ህዝቢ “ስንቅኻ ካብ ትግራይ እዩ” ኢሉ ንካልኣይ ግዘ ንዛ ዓድና መሊሶም ሙሉእ ብሙሉእ ኣጥፍኡዋ፡፡
ካብ እኽለ ማይን እንሰሳትን ሓሊፎም ኣርዑት፣ ነዊትን ዓምድታት ገዛውትን እንተይተረፈ ኣንደዱዎ፡፡ ኣንስትን ኣዋልድን ተዓመፃ፡፡ ብድሕሪኡ ብዙሓት ኣቦኦም ዘይፍለጥ ቆልኡት ተወሊዶም እዮም፡፡ ክንደይ ዝተዓመፃ ቆረብቲ ዓዴታትን ኣንሽቲ ካህናትን እውን ንነብሰን ኣጥፊአን እዬን፡፡ ትግራዋይ ኣብ ኵናት ዓድዋ ሕልፊ መስዋእቲ ኣብ ልዕሊ ምኽፋሉ፤ ምኒልክን ሰዓብቱን ዓዲ ኩሉ ኣጠፋፊኦም ካልኣይ ከምዘይልዓል ኣድክዮምዎ ዝዝረፍ ኩሉ ፅዒኖም እዮም ንሸዋ ዝተመለሱ፡፡
ኣብ ኵናት ዓድዋ እቱ ብራእሲ ኣሉላ፣ ራእሲ መንገሻ ዮሃንስ፣ ኣቦ ጎይታናይ ደገዝማት ወልድዬ ሓድጉን ካልኦት ብዙሓት ተጋሩ መራሕቲ እናተመርሐ ቅቅድሚት ተሰሪዑ ዝነበረ ሰራዊት ትግራይ ትግርኚ፤ መረብ ሰጊሩ ንጥልያን እግር እግሩ እናስዓበ ንደጉዓታት መረብ ምላሽ ነፃ እናውፅአ ንቕድሚት እንትግስግስ እንተሎ እውን ነይሩ፤ እቶም ትግራይ ትግርኚ ካብ ምድሪ ክሻብ ባሕሪ ብሓባር ክኸውን ዘይደልዩ ምኒልክን ሰዓብቱን ጦር ትግራይ ንድሕሪት ክምለስ ዘገደዱዎ፡፡ ብዙይ እውን ተጋሩ መረብ ምላሽ ኣሕዋትና ኣብ ትሕቲ እቱ ተሳዒሩ እናሃደመ ዝነበረ ጥልያን ግዙኣት ኮይኖም ክነብሩ ተገደዱ፡፡
ኵናት ዓድዋ ንወላድዬይ ግራዝማች ረዳ ገብሩ ሓዊሱ ወለድና ዝተኻፈሉሉ ውግእ ስለዝነበረ ምኒልክን ሰዓብቱን ዝገበሩዎ ሰሪ ኩሉ ኣዘንትዮምልና እዮም፡፡ ኣብ’ቱ ኵናት ካብ ኩሉ ትግራይ ትግርኚ ዝተኣኻኸበ ጦር እዩ ነይሩ እቱ ቀንዲ ሓይሊ ጥልያን ስዒሩ ዝበዝሕ ዓዲ ነፃ ኣውፂኡ ኣብ ዝባን ደጉዓ መረብ ምላሽ እናገስገሰ ዝነበረ፡፡ እዞም ብኣሽሓት ኮይኖም ምስካልኦት ተጋሩ ኣሕዋቶም ተሰሊፎም ክንደይ ጅግንነት ዝፈፀሙ ደቂ መረብ ምላሽ ተጋሩ ብውሳነ ምኒልክ ብዙሕ ተደናጊፆም፤ ዝገብሩዎ ጨኒቑዎም፣ የመና ሓዚኖም ከምዝነበሩ ወለድና ኣዘንትዮምልና እዮም፡፡
ምኒልክን ሸዋን እቱ ቀንዲ መግለፂ ፅልኣቶምን ሰሮምን ድማ እዙይ ንትግራይ ትግርኚ ከምዘይነበረ ገይርካ ምብትታንን ምክፍፋልን ዝብል ምህዞኦም ነበረ፡፡ እዙይ እውን ንቱ ትግርኛ ተዛራባይ ህዝቢ ከይሓብር ሓደ ከይኸውንን ሓይሊ ከይህልዎ ንምድኻምን ዓሊሞም፤ በብወገኑ ትግራይ ትግርኚ ገማሚዕኻ ንገሊኡ ብምሻጥ ንገሊኡ እውን ከምውህብቶ ንካልኦት ብምሃብ ንተጋሩ ግዙኣት ምግባር እዩ ነይሩ፡፡
ብዘበነ ንጉሰ ነገስት ዮሃንስ ዝነበረ መሬት ትግራይ ትግርኚ ካብ ታሕቲ ኣለዉሃ ሒዙ ናብ ምብራቕ ክሻብ ባሕሪ፣ ከምኡ እውን ንፀሓይ ምፅዳቕ ንእንዳ ኣቦይ ምድሪ ኣገው ሒዙ ንወልቃይት ፀገዴን ፀለምትን ሓዊሱ ክሻብ ከሰላ ዘይሩ ንሰሜን ክሻብ ባሕሪ ዘጠቓለለ ከምዝነበረ ኩልና በብገዛና ወለድና ዘዘንተውልና እዩ ነይሩ፡፡ ብዘበን ወራር ጥልያን መሊሱ ተኺሉዎ ዝነበረ ምምሕድዳር እውን ሙሉእ እኳ እንተዘይነበረ ንዙ ካብ ጥንቲ ዝነበረ ግዝኣት ትግራይ ትግርኚ መሰረት ዝገበረ እዩ ነይሩ፡፡
ምኒልክ ምስመፀ ግና ገና ደም ንጉሰ ነገስት ዮሃንስ እንተይነቐፀን ኣቐዲሙ ትግራይ እኳ ኣትዩ እንተየገበረን፤ ምስሙሉእ ባሕረ ነጋሽ ንመረብ ምላሽ ገሚዑ ብውዕሊ ኣሲሩ ፍርቂ ትግራይ ትግርኚ ንጥልያን ሸጦ፡፡ ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ ንቱ ካብ ጥንቲ ካብ መበቆሉ ትግራዋይ ዝኾነ ሙሉእ ወልቃይት ፀገዴን ፀለምትን ካብ ትግራይ ገሚዑ ንኣዝማድ ሰበይቱ ብውህብቶ ክውሃቡ ገበረ፡፡ ተጋሩ ተገዛእቲ ዓቀይቶት ኣምሓሩ ቤገምድር ክኾኑ ተገደዱ፤ ከም’ቱ ንደቂ መረብ ምላሽ ተጋሩ ተገዛእቲ ጥልያን ዝገበሩዎም፡፡
ክቕፅል እዩ
ፍልፍል ዛንታ፤ ብላታ ሃይለማርያም ረዳ (ኣባ መብረቕ) መራሒ ቀዳማይ ወያነ፤ መፅሓፍ ገረብ ዓረና ወያነ ትግራይ ሓምለ 1985 ዓ.ም፡፡ መፅሓፈይ ዘለኩም ሰባት ደጋጊምኩም ኣንብቡዎ፡፡ እቱ ወለድና ዘሕለፉዎ ታሪኽ ክሕደት ኣምሓሩን፣ ግፍዕን መከራን እዩ ሎሚ እውን ዝደጋገም ዘሎ፡፡ ንሕና ከም ህዝቢ ምስ’ዛ በስናዕ ሃገር ዘለና ርክብ ምብታኽ ኣብዩና እምበር፤ ንሳቶምስ ከምኣ ኢሎም ካብ ውልድ ወለዶ መጥፋእትና እዮም፡፡ ድሕሪ ደጊም ግና፤ ንሕና እንተዓንቂፅና’ኳ፤ ደቅና ሕድሪ፤ ከም ህዝቢ ተኸቢርኩም ክትነብሩን ክትምዕብሉን፤ ንሃገረ ትግራይ ዝኽፈል ኩሉ ዋጋ ክፈሉ! ሕድሪ!
#ካሳ_ሃይለማርያም
Source: https://www.facebook.com/kassa.hailemariam