ካብ ኤስደለ ዝተወሃበ ናይ ሓጎስ መግለጺ ንህዝቢ ትግራይ

Eritrea related news and publications
Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ካብ ኤስደለ ዝተወሃበ ናይ ሓጎስ መግለጺ ንህዝቢ ትግራይ

Post by africangear »

eritrean-unity-for-democratic-change.png
ኣገናዕ እንቋዕ ኣሓጎሰካ ህዝቢ ትግራይ - 28 ሰነ 2021

ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ረመጽ ንወረርቲ፡ ሰቲ ንፈተውቲ ኢኻ እሞ ህዝቢ ትግራይ እንቛዕ ደስ በለካ!!

ብጽልኢ ህወሓት ዓይኖም ዝዓወረ ጸላእቲ ኣብ መንጎ ህዝብን ውድብን፡ ኣብ መንጎ ፖለቲካን ሰብኣውነትን ምፍላይ ሓርቢትዎም ብስም ‘ምኽባር ሕጊ’ ኣብ ልዕሊ ውጹዕ ህዝቢ ትግራይ ኣራዊታዊ ወራር ክፍጽሙ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ መጀመርታ ናይቲ መወዳእታ ዓወት ህዝቢ ትግራይ ተበሲርና ኣለና።

ተኣምራት ብዝበሃል መልክዑ ኣመና ደኣ ቀልጢፉ እምበር፡ ህዝቢ ሒዝካ ዘይውጻእ ዓቐብ ዘይስገር ሩባ ከምዘየሎ ሕሉፍ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ምስክር እዩ። ከምዚ ሎሚ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብኣራዊታዊ ስርዓት ህግደፍ ከይተጨማለቐ፡ ምስክር ጽንዓትን ህዝባዊ ወገንነትን ምዃኑ እውን ዘመስከረ እዩ ኔሩ። ሎሚ ጸረ እቲ ዓለም ዘመስከረ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብስኽራን መራሕቲ ህግደፍ ተደዊኑ ኣንጻር ብዙሕ ናይ ሓባር ታሪኽ ዘለዎ ህዝቢ ትግራይ ደም ክተክል ምብጋሱ ንረብሓ ክልቲኡ ኣህዛብ ከምዘይኮነ ብኣግኡ ደው ክብል ከምዘለዎን ኣምሪርና ተላቢና ኔርና ኢና። ዓሳ ከተጥፍእ ባሕሪ ኣንጽፍ ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ካብቶም ፋሺሽታውያን ጥራሕ ዘይኮነስ ካብቶም ጸረ ፋሺሽቲ ንቃለስ ኣለና ዝብሉ ክንሰምዕ ምጽናሕና’ውን ካልእ ዝገረመና ነገር’ዩ።

ኣቦታት ትግራይ ተሓሪድኩም ተረሺንኩም፡ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ተዓሚጽክን ተዋሪድክን ኢኽን እሞ ንዝሓለፍኩም መንግስተ ሰማያት፡ ንዘለኹም ከኣ ዘላቒ ደበስ ይፍጠረልኩም።

መንእሰያት ትግራይ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘርኣኹሞ ጅግንነት፡ ሓመድ ልሒስካ ከምዝትሳእ ዘምሃርኩምን ዘመስከርኩምን ኢኹም እሞ ተሓቢንናልኩም - እንቋዕ ደስ በለኩም። እቶም ወገን ውጹዕ ህዝቢ ትግራይ ብምኳንና ጥራሕ ኣብ ልዕሌና ክወርድ ዝጸንሐ ዘለፋታት ተጻዊርና ስንና ነኺስና ኣብ መትከልና ጸኒዕና ዝጸናሕና እዚ ዓወት ንዓና እውን ይብጻሓን’ዩ። ዓወትና’ዩ።

ይርሓቕ ይቕረብ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ህዝቢ ዝወርድ ኢሰብኣዊ ተግባራት ዓገብ ምባል ደጋጊምና ከምዝበልናዮ ሰብ ምዃን ጥራሕ እዩ ዘድሊ። ‘እወ --- ግን ከኣ …..’ ወዘተ እናበልካ ንኢሰብኣውነት ምኽንያታዊ ምግባር ምፍታን ጸረ ህዝባዊ ባህርያትካ ዘመስክር ጥራሕ እዩ ዝኸውን። ወገን ውጹዕ ህዝቢ እንተኮንካ ግን ይመርርን ይነውሕን እምበር ውዒሉ ሓዲሩ መዛዘሚኡ ዓወት እዩ። ህዝቢ ትግራይ እንቋዕ ደስ በለካ።

ሕጂ ስርዓት ኣቢይ ኣሕመድ በይናዊ ናይ ተኹሲ ኣቑም ኣዋጅ ኣዊጁ ኣሎ። ካብ ፋሺሽታዊ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ግን ዛጊት ዝሰማዕናዮ ነገር የለን። ከም ኤርትራውያን መጠን እቲ ገና ህይወቱ ንተልእኾ ፋሺሽታዊ ስርዓት ዘወፊ ዘሎ ኤርትራዊ የሕዝነና። ደጊም ካብ ሕጂ ንኔው እትሓልፍ ህይወት እንተልያ ንስርዓት ህግደፍ ንምእላይ እትሓልፍ ህይወት እምበር ንህዝቢ ትግራይ ንምስኳን ዝግበር ፈተነ ከምዘይሰልጥ ተፈቲኑ ዝፈሸለ እዩ። ህይወትኩም ኣድሕኑ። የግዳስ ጻዕርታትና ኩሉ ዝርካቡ ህይወት ኤርትራዊ ኣድሒንና ንስርዓት ህግደፍ ንምእላይ ኣብ ዝግበር ወፍሪ ብውሽጥን ብደገን ኣጠናኺርና ምቕጻል ንተዓጠቕ።

ዮሃና ንህዝቢ ትግራይ ዮሃና ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤስደለ
28 ሰነ 2021


Post Reply