Getachew Reda interview with DW
Posted: Tue Jul 06, 2021 11:39 am
Getachew Reda interview with DW
መንግስቲ ትግራይ፡ ዘቕረቦ በዓል ሸውዓተ መርገፂ ቅድመ ኩነት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ግብረ መልሲ እንተዘይተዋሂብዎ ኲናት ከምዝቕፅል ወሃቢ ቃል መንግስቲ ትግራይ ተጋዳላይ ጌታቸው ረዳ ምስ ጀርመን ሬድዮ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ሓቢሩ።
መንግስቲ ትግራይ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ በዓል ሸውዓተ ነጥቢ ቅድመ ኹነት ተቐባልነት ረኺቡ ዶ? ንዝብል ዝቐረበሉ ሕቶ እንትምልስ፡ "ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ሓድሽ ነገር የለን፤ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘራረብ ዘለና ብክላሽን ጥራሕ እዩ" ኢሉ።
ብምዃኑ እውን እቲ ዝቐረበ ቅድመ ኩነት ግብረ መልሲ ክሳብ ዝረክብ ኲናት ከምዝቕፅል ተጋዳላይ ጌታቸው ረዳ ኣጠንቂቁ።
"እቲ ኣብ ትግራይ ዝተቛረፀ ሓይሊ መብራህትን ስልክን ከምቲ ብወረርቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ዓመፅ ንግዚኡ ደው ዘበልናዮ ቀፃሊ እውን ብጉልበትና ክነጀምሮ ኢና" ክብል ኣረዲኡ።
ብምዃኑ እውን "ነዚ ኣገልግሎት ንምጅማር ድማ ክሳብ ኬንያ ክንከይድ ዘለና ኣይመስለንን። እዚ ንምግባር ንደሴ ምሓዝ ዘይከድሊ ይኽእል እዩ። ምሓዝ ኣድላዪ እንተኾይኑ ግን ክንቆፃፀሮ ንኽእል ኢና" ክብል ሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ካብ ትግራይ ብሓይሊ ተፀፊዑ ምስ ወጽአ መብዛሕቲኦም ኣገልግሎት ዝህቡ ከም መብራህቲ፣ ማይ፣ ስልክን ባንክን ኣዕኒዩዎ ከምዝሃደመ ዝፍለጥ እዩ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ብፃዕሪ መንግስቲ ትግራይ፡ ንከተማ መቐለ ሓዊሱ ገለ ከተማታት ትግራይ ግልጋሎት መብራህቲ ከምዝረኸባን ኣገልግሎት መጎዓዝያ ካብን ናብን ከምዝጀመረን ይግለፅ።