መብዛሕቲኡ ክፋል ዞባ ደቡብ ትግራይ፡ ካብ ወራሪ መንግስቲ ኣምሓራ ሓራ ከምዝወጽአ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ገብረ ገ/ፃድቕ ሓቢሩ
Posted: Tue Jul 13, 2021 1:01 pm
እቲ ብሽም ወፍሪ ኣዴታት ትግራይ ዝተሰነየ ስርሒት ሰራዊት ትግራይ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ብዝጀመሮ ወፍሪ መበል 32ን 33ን ክፍለ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምኡ ገለ ክፋል ሻድሻይ ሜካናይዝድ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ግምባር ተሰሊፎም ነይሮም።
ከምኡ እውን ጣና፣ ቴድሮስን ኣባይን ዝተብሃሉ ብርጌዳት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ኣሽሓት ምልሻን ምስ ጋዕገልጠሞም ተሰሊፎም ዝነበሩ ኮይኖም ሰራዊት ትግራይ ብዘካየዶ ስርሒት ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ኪሳራ ወሪድዎም ከምዝተበታተኑ ተገሊፁ።
ብከቢድ ፅፍዒት ሰራዊት ትግራይ ዝተደናገፀ ሓይሊ ፀላኢ ሙውታቱን ቁሱላቱን ከየልዓለ ከምዝሃደመ ተፈሊጡ ኣሎ።
በዚ ወፍሪ ድማ ትማሊ ከባብታት ባላ፣ ገርጃለ፣ በሪ ተኽላይ፣ ታኦን ከተማ ኮረምን ምሉእ ብምሉእ ሓራ ዝወጽኣ ኮይነን ትማሊ ኣማሲዩ ድማ ከተማ ኣላማጣ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ትግራይ ከምዝኣተወት ተፈሊጡ።
ኣብቲ ብወፍሪ ኣዴታት ትግራይ ተሰነይኑ ሰራዊት ትግራይ ዝገበሮ ስርሒት ብርክት ዝበላ መኻይንን ከበድቲ መሳርሒ ኲናትን ዝተማረኹ ኮይኖም ናይዚ ምሉእ ዝርዝር ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝግለፅ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ትግራይ ሓቢሩ።
ዞባ ደቡብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ከተማታት ኣላማጣን ኮረምን ካብቶም ብፍሉይ ሓይልን ምልሻን ኣምሓራ ከቢድ ግፍዕን ቅትለትን ዝተፈፀመሎም ከባቢታት ከምዝኾኑ ይፍለጥ።
ሓምለ 6/2013 ዓ/ም
ራድዮ ወጋሕታ ትግራይ