ወያነ ትግራይ ንሙሉእ ሓርነት!
Posted: Wed Jan 06, 2021 11:45 pm
ንትግራይን ህዝቢ ትግራይን እንተየብረስካ፣ እንተየድከኻ፣ እንተደንቆርካ፣ መሊእኻ እውን እንተየጥፋእኻ ንኻልእ ኢትዮጵያ ከምድላይካ ምግዛእ ኣይክኣልን ኢሉ ዝተልዓለ ፀላኢ ስለዝኾነ፤ ኣዐርዩ መስካሕክሒ ጨፍጫፍ ይፍፅም ኣሎ፡፡
ስለዝኾነ ድማ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ካሊእ መማረፂ የብሉን፡፡ ከም ህዝቢ ዝተቐረበልና ሓደን እንኮን መማረፂ፤ ኣንፃር ፋሽስታውያን ወረርቲ ብኹለመዳይ ከቲትካ፤ ብፅንዓትን ብትረትን ምቅላስ ጥራሕ እዩ፡፡ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ንበይንና ኢና፤ ዘራዪ የብልናን! ነይሩና እውን ኣይፈልጥን!
ዙሪያ ምላሽ ከቢቦም ዝጭፍጭፉና ዘለዉ ባዕዳውያን ፀላእቲ፤ ደጊም ምስኦም ብሓባር እንነብረሉ ኩሉ ዕድል ተዓፅዩ ኣሎ፡፡ ምስ ኣሃዳውያን ኣብ ሓደ ሃገራዊ ፅላል እንነብረሉ ኩሉ ዕድል ንሓንሳብን ንሓዋሩን ተፀንቂቑ እዩ፡፡ እዚ ክውን ዝኸውን ድማ፤ ኩሉ ዓቕምና ኣዋዲድና ከም ህዝቢ ክንቃለስን ክንስዕርን እንተለና ጥራሕ እዩ፡፡
ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዘጥረናዮ ኩሉ ሃፍትን ልምዓትን ምስራቖምን ምዕናዎምን ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ከም ህዝቢ እውን ከፀንትውና እገለ ካብ እገለ እንተይፈለዩ ብትግራዋይ መንነትና ብኣልማሚት ጨፍጪፎምና እዮም፡፡ ይጭፍጭፉና እውን ኣለዉ!
ባዕዳውያን ወረርቲ ተሓባቢሮም ከም ህዝቢ ንህዝቢ ትግራይ እናፀንተውና፤ ንመሬት ትግራይ ግና "ኢትዮጵያ" ክብሉ ሞራል የብሎምን፡፡ ሃገር ማለት ህዝቢ ዘለዎ መሬት እዩ፡፡ ህዝቢ እናፀንተካ ንቱ መሬት "ብሓባር ሃገር ኢና" ክትብሎ ኣበደን!
ወያነ ትግራይ በዝሒ ተዓለምቲ የተኣናግድ ስለዘሎ፤ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ኮነ ኣብ ሱዳንን ከባቢኡን ዘሎ መንእሰይና፤ በብኸባቢኡ ናብ ሜዳ ትግራይ ዝወርደሉ እዋን እዩ፡፡ ስለዙይ ኩሉ ትግራዋይ ንማንም ከይተፀበየ ባዕሉ መራሒ ባዕሉ ተዋጋኣይ ባዕሉ መካትን ሓላውን እዩ፡፡ ኣብዙ ከምዙይ ዓይነት ሽሾ ፀላእቲ እሞ ድማ ብኹሉ ኩርናዕ ዝተኸበበ ህዝቢ፤ ኩሉ ሃርበኛ፣ ኩሉ ንመስዋእቲ ድልዉ፣ ኩሉ ድማ ወሳኒ ሓይሊ ምዃኑ ፈሊጡ፤ ኣብ ዘለዎ ኮይኑ በብዓቕሙ ክነጥፍ ግድን ይኸውን!
ንሕና ትግራይ ኢና! ታሪኽ ትግራይ ኣረጊፁ ዝገልፆ፤ ኣብ መሬት ትግራይ ፋሽስት ወራሪ እንትስዓርን እንትቕበርን እምበር፤ እንትስዕር ኣይንፈልጥን! ትግራይ ትስዕር!
#ካሳ_ሃይለማርያም