Page 1 of 1

ተጋዳላይ ኮሎኔል ሃይለየሱስ ( ኮማንዶ)

Posted: Wed Jul 14, 2021 2:35 pm
by africangear
ቀደም መራሒ ቦጦሎኒ ናይ ተጋዳላይ ጋዜጠኛ ይድነቀው ኣብርሃ ኮይኑ ኣብ ኤርትራ ግርማይካ ኣብ ዝበሃል መዋፈሪ ምብራቕ ከሰላ ምዕራብ ሳዋ ​ ናይቲ መዋፈሪ ጸረ ዓማ ዝወጠረ ቦጦሎኒ ዝመርሐ፣ ደሓር ድማ ኣብ ወራር ሻዕብያ ሓላፊ ማእኸል ታዕሊም ቆቦ ዝነበረ እዩ። ድሕሪ ነዊሕ እዋን ኣብ ቃልሲ ምስ ይድነቀው ኣብ ተምቤን ጉያ አብ ዝበሃል ቦታ ተራኺቦም እንትሰዓዓሙ ዝወሰድኩዎ ምስሊ እዩ።

ኣብ ሳልሳይ ወለዶ ቃልሲ ተራኺቦም ናፍቆቶም ብፍሽኽታን ወነ ቃልስን እንትገልጽዎ። ቃልሲ የራኽብ እምበር ኣየሟንን ሓቀይ? ኣብ ዓወት ክራኸቡ ተቋጺሮም ናብ ካሊእ ምዕራፍ ቃልሲ በቢ መድረኸቦም ክዋፈሩ ኣብ ወያናይ መትከሎም ዝጸንዑ ጀጋኑ ኣያታተይ እዮም።

ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ተሰኒዱ ዘይሃልቕ ቅያ ጅግንነት ኣሎ። ክንምለሶ ኢና​፡፡
colonel-haileyesus-1.jpg
colonel-haileyesus-2.jpg
colonel-haileyesus-3.jpg
colonel-haileyesus-4.jpg
colonel-haileyesus-5.jpg

https://www.facebook.com/yirga.abraha