Page 1 of 1

ጅግና ሰራዊት ትግራይ ኣብ ከባቢታት ራህያን ወርቅኣምባን ብዝወሰዶም በርቃዊ መጥቃዕትታት ልዕሊ 2,500 ፋሽሽት ሰራዊት ኣብይ ኣሕመድን ባዕዳዊ ወራሪ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ምውትን ቁስልን ኮይኖ

Posted: Sun May 02, 2021 8:40 am
by africangear


ሚያዝያ 20/21 2013 |ራህያ : ወርቃኣምባ - ጅግና ሰራዊት ትግራይ ኣብ ከባቢታት ራህያን ወርቅኣምባን ብዝወሰዶም በርቃዊ መጥቃዕትታት ልዕሊ 2,500 ፋሽሽት ሰራዊት ኣብይ ኣሕመድን ባዕዳዊ ወራሪ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ምውትን ቁስልን ኮይኖም:: ሰራዊት ትግራይ ኣብ ኩሉ ቁመንኡ ብዝፈጠሮ ወታደራዊ ዓቕሚ ፈታዊ ጠስሙ ልቡ ሰትዩ : ኣብ ፀላእቲ ድማ ራዕድን ሽበራን ነጊሱ ምህላው ብኣንደበቶም ይገልፅዎ ኣለው:: ጅግና ሰራዊት ትግራይ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ወረርቲ ዘዕርፎ ዘሎ ደምሳሳይ መጥቃዕቲ ኣብዚ ሰሙን እዚ እውን ኣሓይሉ ቀፂሉ ኣሎ::

ብመሰረት እዚ 20 ሚያዝያ 2013 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ዓድዋ ራህያ ኣብ ዝብሃል ከባቢ ብፍሉይ ኣብ ልዕሊ ወረርቲ ወታደራት ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ብዝወሰዶ ሃንደበታዊ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ:-

- ልዕሊ 313 ወታደራት ወረርቲ ሰራዊት ኢሳያስ እንትሞቱ
- ልዕሊ 488 ወታደራት ድማ ቆሲሎም ኣለው::

ኣብዚ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ ባዕዳዊ ወራሪ ሰራዊት ኢሳያስ ሙሉእ መዓልቲ እናተመላለሰ ነገራት ክቕይር እንተፈተነ እውን ኣብ ልዕሊ ሬሳ : ሬሳ ምድርዳሩ ወፃእ ዝፈየዶ ነገር የለን::


21 ሚያዝያ 2013 ዓ/ም ኣብ ከባቢ ወረዳ ወርቃእምባ ኣብ ዝነበረ ሓያል ውግእ ድማ ካብ ክፍለ ሰራዊት 31 ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ 1ይ : 2ይን 4ይን ብርጌዳት ብሙሉእ ዓቕመን ዝተሳተፋ እንትኾን ልዕሊ 420 ዕሱባት ሞይቶም : ልዕሊ 621 ድማ ቆሲሎም እዮም:: ኣብዚ ውግእ 1 ZU-23 : 107 ሮኬት ተቃፂሎም እዮም::


ኣብ ክልቲኦም ውግኣት ብኣማኢት ዝቑፀሩ ቀለልትን ማእኸለዎትን ብረታት እውን ኣብ ኢድ ጅግና ሰራዊት ትግራይ ኣትዮም ኣለው::


ሚያዝያ 21-22|ስሉሕ


ካብ ሚያዝያ 21-22/2013 ዓ/ም ካብ ኣጉላዕን ውቕሮን ተኣኻኺቡ ንኣንፈት ስሉሕ ዝተንቀሳቀሰ ሓይሊ ፀላኢ ጥሒሱ ንክሓልፍ ተደጋጋሚ ፈተነታት እኳ እንተገበረ : ዝሓሰቦ ከይገበረ ብጅግና ሰራዊት ትግራይና ተዘቢጡ ምውቱ : ቁሱሉ ራሕሪሑ ውኒኡ ኣጥፊኡ ንድሕሪት ክሃድም ተገዲዱ እዩ::


- ኣብዚ ምክትል ብርጌድ መራሒ ዝነበረ ሻለቃ እንግዳ ሓዊሱ ልዕሊ 290 ኣባላት ሰራዊት ኣብይ ኣሕመድ እንትቕተሉ

- ልዕሊ 385 ድማ ቁሱላት ኮይኖም እዮም : ካብዚ ብተወሳኺ 3 ኣባላት ውልቀ መላኺ ኣብይ ኣሕመድ እውን ተማሪኾም እዮም::

- ኣብዚ 8,446 ጠያይትን : ሽድሽተ ኣፈሙዝ ዘካተተ 1 ብሬን : ክልተ መነፀሩ ሸውዓተ ካዝና ዝሓዘ ስናይፐር : ብርክት ዝበሉ ክላሽናትን ጠያይቲ ክላሽናትን : ካልኦት ተተኮስትን : ብርክት ዝበሉ ዕጥቅታትን ኣብ ትሕቲ ጅግና ሰራዊት ትግራይ ውዒሎም ኣለው::


ብኻሊእ ኣንፈት መጥቃዕቲ ክገብር ዝፈተነ ሓይሊ ፀላኢ እውን ተመሳሳሊ ዕድል ገጢምዎ : ከም ልማዱ ኣብ ህድማ ውዒሉ ኣሎ:: እቲ ብኣንፈት ሓውዜን ንከባቢ ኣጎዛ ዳህሳስ ዝወፀ ሓይሊ ፀላኢ : ኣብ ኩሎም መንገድታትን እምባታትን ትግራይ ዘይስኣንን ፀላኢ ኣብ ዝተረኸበሉ ቦታ እንዳተረኸበ ዓወት ዝሓፍስ ዘሎ ወዲ ትግራይ ደሲቑ ዋግኡ ሂብዎ ኣሎ:: ፀላኢ ገና ግብረ መልሲ ሰራዊት ትግራይ ምስ ሰምዐ : እቲ ኸባቢ ብሰራዊት ትግራይ ዝተትሓዘ ምኻኑ ምስፈለጠን ህድማ ዝጀመረ እንትኸውን : ንዝሃደሙ እናርከበ ዝቐሽመዶም ጅግና ሰራዊት ትግራይ 47 ኣባላት ሰራዊት ፀላኢ እንትቕተሉ : 36 ድማ ቁሱላት ኮይኖም እዮም::

ኣብዚ ዓውደ ውግእ ካብ ኢድ ፀላኢ ስናይፐራት ሓዊሱ ክላሽናትን ጠያይትን ሬድዮ ርክብን ተማሪኾም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ጅግና ሰራዊት ትግራይ ውዒሎም ኣለው:: ኣብዚ ንድርዕቶ ዕላምኡ ዘይሓለወ ደብዳባት ኣብ ስራሕ ተፀሚዱ ብኹለ መዳይ ኣብ ኪሳራ ዝውዓለ ፈተነ መጥቃዕቲ ፀላኢ ኩሎም ፈተነታቱ ሙሉእ ንሙሉእ ዝፈሸለ እንትኸውን : እቲ ፊት ንፊት ብዓረር ሰራዊት ትግራይ ብድሕሪት ድማ ኣይትህደም ዝብል ጠያይት መራሕቱ ዝቑሎ ዕሱብ ሰራዊት : ካብዚ ኣምሊጦም ዝወፁ ድማ ናይ ሲቪል መካይን እንዳገደዱ ካብቲ ግንባር ክርሕቑ ውዒሎም እዮም::


ካብቲ ነቕ ዘይብል ጅግንነትን ፅንዓትን ሕራነ ሰራዊት ትግራይ ዝርኣየሉ ዘሎ መስተንክራዊ ቅያ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ምቑራት ዓወታት እናተመዝገቡ : መፃኢ ተስፋ ዓወት ትግራይ ቀረባ ምኻኑ የመላኽተና ኣሎ::

ዓወት ንህዝቢ ትግራይ!
ትግራይ ትስዕር!