Page 1 of 1

ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ ኣብ ከባቢ ራያ ቆቦ ዝነበረ ሓይሊ ጸላኢ ደምሲሱ

Posted: Fri Jul 23, 2021 2:15 pm
by africangear
ኣብ ግንባር ራያ ቆቦ ኣብ መንጎ ሓይሊ ምክልኻል ትግራይን ወተሃደራት ኢትዮጵያን ገፈጥ መፈጥ ሰራዊት ኣምሓራን ሓያል ውግእ ክካየድ ከምዝቐነየ ዝተገለጸ ኮይኑ ጸላኢ ፀጋጊኑ ዘሰለፎም መበል 12 ፣ 13 ፣ 32፣ 21 ስሩዕ ክፍላተ ሰራዊት ከምኡ እውን 6ይ ሜካናይዝድ ሓዊስካ እኽብኻብ ሰራዊት ፍሉይ ሓይሊ ክልላትን ኮማንዶን ኣየር ወለዳትን ኣሰሊፉ ክገጥም’ኳ እንተፈተነ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ዝለሓሰ ሰራዊት ትግራይ ግን ናብ ሓሞኽሽቲ ተቐይሩ ከምዝሃደመ ተፈሊጡ’ሎ።

ብዙሕ ምዉት፣ ቁስልን ምሩኽን ኮይኑ፣ ክሳብ ሕዚ ብቑፅሪ ዘይተነግረ ብርክት ዝበለ ኣፅዋር ውግእ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ትግራይ ከምዝኣተወ ካብ ጋዜጠኛ ዳደ ደስታ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝመርሕ ዘሎ ኢታማጆር ሹም ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ኣባል ኮማንዶ ሰራዊት ደርጊ ኮይኑ ኣብ 1982 ዓ/ም ኣብ ራያ ቆቦ ብተጋደልቲ ትግራይ ከምዝተማረኸን ድሕሪኡ ድማ ተሃዲሱ ኣባል እቲ ሓድሽ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይኑ ክሳብ መዓርግ ጀነራልነት ዝበጽሐ ምሩኽ ወተሃደር ከምዝኾነ ዛንትኡ የረድእ።

ብተወሳኺ እውን ኣብቲ ሽዑ እዋን ሻምበል ዝነበረ ሎሚ ኣዛዚ ሓይልታት ሜካናይዝድ ዝኾነ ሜጀር ጀነራል ኣለምሸት ደግፌ ኢሉ’ውን እቶም ኣባላት ውድብ ብልፅግና ዝኾኑ ኣምባሳደር ስሌማን ደደፎን ኣወሉ ኣብድን ኣብቲ ሕጂ ንሶም ዝመርሕዎ ዘለዉ ሰራዊቶም ኣብ ዝተደሰቐሉ ከባቢታት ቆቦ ከምዝተማረኹ ድሕረ ባይትኦም የርእይ።

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ብሸነኽ ዓፋር ኣብ ልዕሊ ዝኣተወ ሓይሊ ጸላኢ በርቃዊ መጥቃዕቲ ወሲዱ ፋሕ ብትን ዘበሎ ኮይኑ ታንክታትን ካልኦት መካናይዝድ ኣጽዋራትን ከምዝማረኸ ኣብቲ ግንባር ካብ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ክንረኽቦ ዝቐነና ሓበሬታ የመልክት።

ካብ ኣዘዝቲ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ሓደ ዝኾነ ጅግና ተጋዳላይ ጀነራል ምግበይ ሃይለ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት “ኢድካ ሃብ ዝብል ቃል ንባዕሉ ካባና እዮም ተማሂሮሞ፤ ሰራዊት ትግራይ ምትዕርራይ ገይሩ ኣብ ቀረባ እዋን ጸራሪጉ ካብ ትግራይ ከውጽኦም’ዩ” ኢሉ ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ እነሆ ድማ ብመሰረት ቃሉ ሓሳብን ተግባርን ተሳንየን እቲ ውግእ ኣብ ዓዲ ኣምሓራን ዓፋርን ይቕጽል’ሎ።

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ብሸነኽ ምዕራብ ትግራይ’ውን እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ፈካሪ ሰራዊት ኣምሓራ ዘየላጢ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ብምውሳድ እታ ኣብ ውግእ እትፈስስ ሓሞቶም ክልሕስዋ ይገብሮም ከምዘሎ ካብ ግንባር ምዕራብ ትግራይ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።

ራድዮ ወጋሕታ ትግራይ
16 ሓምለ 2013 ዓ/ም

"Abiy Ahmed's war machine is essentially destroyed. What was little left of his regular army has been destroyed or in disarray in engagements in Afar, Northern Wollo and Northern Gondar yesterday today. The last strongholds in Qobo & AdiArqay, Chawber have been broken. Period!
Quite simply, there is nothing that could stop our advance and Abiy his cronies know it." Getachew Reda
Tigray-forces.jpg
Tigray-forces-1.jpg
Tigray-forces-2.jpg
Tigray-forces-3.jpg
Tigray-forces-4.jpg
Tigray-forces-5.jpg
Tigray-forces-6.jpg
Tigray-forces-8.jpg