ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኽ ወለድናን ኣምሓሩን ዶ ክነዘንትው!

Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኽ ወለድናን ኣምሓሩን ዶ ክነዘንትው!

Post by africangear »

blata-hailemariam-reda.jpg
ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኽ ወለድናን ኣምሓሩን ዶ ክነዘንትው!

ካብ ዝሓለፈ ዝቐፀለ፤

(እንተነውሐኩም እኳ፤ ቅድሚ 79 ዓመታት ወለድና ዘሕለፉዎ ግን መርኣያ እቱ ሎሚ ዝፍፀም ዘሎ ግፍዕን መከራን እዩ እሞ፤ ተፀሚምኩም ኣንብቡዎ፤ ንሰብና እውን ኣባፅሑዎ)
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~

ብኣንደበት ብላታ ሃይለማርያም ረዳ (ኣባ መብረቕ)

መራሒ ቀዳማይ ወያነ ትግራይ ሓምለ 1985 ዓ.ም ካብ ዝተዛረቡዎ

.... ሃፀይ ሃይለስላሰ ድማ መቐፀልታ ግፍዒን በደልን ምኒልክ ንዝተረፍና ከጥፍአና ኩሉ መዓቱ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣውረዶ፡፡ እቱ ማእለያ ዘይብሉ ሰሪ ተግባር ምኒልክ ከምዘሎ ኮይኑ፤ ብድሕሪ ምኒሊክ ብሃፀይ ሃይለስላሰ ዝተገበረ በደል ዝኸፍአ ኮነ፡፡

ብ1928 ንሸሞንተ ኣዋርሕ ትግራይ ንበይንትና ብዘይገለ ሓገዝ መንግስቲ ሸዋ ንወራር ጥልያን እንትንምክት፤ እሳቶም ፀግዒ ሒዞም እናረአዩ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ተጋሩ ተወዳእና፡፡ ዓዲ ብሙሉኡ ትግራይ ብመሬትን ብሰማይን በሓዊ ብመርዚ ጥልያን ነደደ፡፡ መርዚ እናገበሩሉ ዝስተ ማይ’ኳ ተስኣነ፡፡ ማይ ፅምኢ ገዲዱዎ ዝሰተዬ ብኣሽሓት ዝቑፀር ሰብ ተወድአ፡፡ ብመረብ ብዳእሮ ተኽሊ፣ ብላዕላይ ብእዳማርያም ሸዊቶ፣ ብእንዳባጉና ብሽረ፣ ብክልተኣውላዕሎ ፋጌና፣ ብተምቤን ብእንደርታ ክሻብ እምባኣርዓዶም ማይጨውን ኮረምን ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ትግራይ ሃለቐ፡፡

እዙ ኩሉ እንትኾን እቶም ኣዛዚ ጦር ኢትዮጵያ ዝነበሩ ራእሲ ሙሉጌታ ይገዙ ምስሙሉእ ዝኸተተ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ እምባኣርዓዶም፣ ፀኒሖም እውን ባዕሎም እቶም ንጉስ ምስ ሰዓብቶም ኣብ ማይጨውን ኮረምን ኮይኖም ህልቀት ትግራይ ይዕዘቡ ነይሮም፡፡ ብድሕሪኡ ድሕሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ ጥልያን ንትግራይ ኣዳኺሙ ናብ’ቱ ሽዋ ዝቋመቱሉ ማይጨው ምስበፅሐ ብናይ ሓደ ማዕልቲ ገርጨውጨው ሸዋውያን ሃዲሞም ተበታተኑ፡፡ ብኡኡ ገይሮም እውን እቶም ንጉስ ምስ ሰቦም ዓዲ ሓዲጎም ተሰደዱ፡፡ ብኸም’ዙይ ነይሩ ወራር ጥልያንን መንግስቲ ሃፀይ ሃይላስላሴን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፈፀሙዎ ወራር ህልቂትን ክሕደትን፡፡

ብዙይን ክንድ’ዙይን ንሃይለስለሰ ንዒቕናዮምን ፀሊእናዮምን እንተለና ተመሊሶም መፂኦም ነገሱ ተብሃለ፡፡ ዓዱን ሰቡን ንፀላኢ ራሕሪሑ ዝሃደመ ዝኸድዐ ሰብ ከመይ ገይሩ ካልኣይ ይነግስ እናበልና እውን ንግረም ነይርና፡፡ ይግደድ ኢሎም ወዮም ብማዕዶ ኮይኖም ህልቀት ትግራይ ዝምልከቱ ዝነበሩን ዳሕራይ እውን ሃዲሞም ሓዲጎምና ዝኸዱን ንጉስ፤ ሽዑ ንሽዑ ምስተመለሱ ብግልባጡ ንትግራይ ወንጀሉና፡፡

“ትግሬ ወጋኝ፣ ለጣልያን ኣሳልፎ ሰጠኝ” ኢሎም ብዘይወዓልናዮ ወንጀሉና፡፡ ገዛእቲ ሸዋ ነገርካ እንትደልዩኻ ከምኡ ነይሩ ኣመሎም፤ ኣቐዲሞም ዘይናትካ ሱምን ፀያፍ ተግባርን ይጥቅኑልካ፡፡ ወዮ ባዕሎም ኣውዲቖምና ዝኸድዑ ዝሃደሙ ንጉስ፡፡ ‘ዋእ! ኣታ እዙ ንጉስ እንታይ ግበሩ እዩ ዝብለና’ሎ፤ እንታይ እንተገበርና ይሐሽ?’ እንትንብል እውን ነበረ በብዓድና ናብ ምኽሪ ዝኣተና፡፡

ገዛእትናን ንቱ ታሪኽ ዝፅሕፉዎን ባዕልቶም ንሳቶም ኮይኖም ሓቂ ተዓቢጡ እምበር፤ ሓቂ ከምተፀወየስ እቱ ታሪኽ ካሊእ እዩ ነይሩ፡፡ ብዘበን ወራር ጥልያን እቱ ኣብ ሙሉእ ሃገር ኢትዮጵያ ብፀላኢ ዝተቐተለ ሰብ በዝሑ ክንዲ ኣብ ትግራይ ዝተወድአስ ሲሶ እውን ኣይኮነን ኢና ንብል፡፡ ንሕና ኢና ሕልፍን ክንዲኣፍ ሙሉእ ሃገርን ሰለስተ ዕፅፊ ዝኾን ዝተወዳእና፣ ብድውልና ዝነደድና፣ ዓድና ቅርስና ዝጠፍአ፤ ካልኦትማ ኣፍደገ ከፊቶም ኣዐንጊዶም እኮ እዮም ንጥልያን ዘእተውዎ፡፡ ትግራዋይ ንሸሞንተ ኣዋርሕ መመላእታ ንበይንትና ገጢምና ጥልያን ካብ ትግራይ ከይሓልፍ ገይርናዮ፡፡ ማይጨው ምስሰገረ ግና እንትርፊ ምግያሽን ጓይላን እዙይ ዝብሃል ውግእ’ኳ እንተየጋጠሞ፣ ሰሙናት እውን እንተይወሰደሉ ኣዲስ ኣበባ ኣተወ፡፡ ዕድልና ኮይኑ ሎሚ እውን ደቅና በይዛ ሙሉእ ሃገር ኣንፃር ደርጊ ወዲቖም፡፡

እዙ ንጉስ እግሩ እንተይኣተወ ከም’ዙይ ገይሩ እንተጠቂኑና ደጊም ኣኽቲቱ እንተመፂኡ ኣይምሕረናን፤ እሞ እንታይ እንተገበርና ይሐሽ ኢልና’ውን ኢና ዝመኸርና፡፡ እቶም ተሸወምቲ ገዛእቲ ኣውራጃ፣ ወረዳታትን ምክትል ወረዳታትን ምስ ምስለነታቶም ገዛ ገዛ እናኣተዉ ህዝቢ ዘለዎ ኩሉ እናወረሩዎ፤ ዓዲ እናጠፋፍኡ እንተለዉ፤ ኣብ ልዕሊኡ ክሲ ንጉስ ተወሲኹዎ መሊኦም ከጥፍኡና እዮም ኢልና ኢና ዝዘተና፡፡

ብመጀመርታ ብገፊሑ ዝዘተናሉ እቱ በብዓዱ በሓደሽቲ ተሸወምቲ ሃፀይ ሃይለስላሰን ራእሲ ስዩምን ዝፍፀም ዝነበረ ጋዶ ነበረ፡፡ ሓደሽቲ ተሸወምቲ ሸዋ እንታይ ይገብሩ ከምዝነበሩ፤ ንህዝቢ የጋፍዑን ዓዲ የጥፍኡን ከምዘለዉ ብዙሕ ኣዋጋዕና፡፡ ብኸመይ መንከ እዩ ሃዬ ክብሎም ኢልና እውን መኸርና፡፡ ምስ’ዙይ ተታሓሒዙ እውን ሃፀይ ሃይለስላሰ ኣውሪዶምልና ዘለዉ፤ “ትግሬ ከዳኝ” ዝብል ጠቐነ ወደቓ ምዃኑ ዘቲና ነይርና፡፡ ንጉስ ባዕሎም ምስ መኳንንቶም ክሒዶምና ጠሊሞም ምስሃደሙ ንሕና ንበይነትና ንሓሙሽተ ዓመት ብሃርበኝነት ንጥልያን ስለዝመከትና፤ ብኸመይ ብግልባጡ ንኣና ከደዓት ይብሉና ክንብል እውን ዘቲና ነይርና፡፡

ወራር ሸዋ አይተረፈን:: ግፍዕን በደልን እቶም ተወለድቲ ገዛእትና ሰንሰን ኣቢሉና እናሃለወ 1934 ዓ.ም ምስተኣታተወ ከባቢ ጥቅምትን ሕዳርን በዝሒ ተሸወምቲ ሃፀይ ሃይለስላሰ ምስ ኣርሚ ኢትዮጵያ ኸቲቶም ወረሩና፡፡ እዙ ኣብ ልዕሊ ግፍዕን በደልን ተወለድቲ ገዛእትና ንኣርሚ ኢትዮጵያ፣ ወዲዓዲ ወሎ ሸዋ ጎንደርን ጎጃምን ሓዊሶም ዘካየዱዎ ወራር ፀዊኻዮ ዘይውዳእን ዝመረረን ግፍዕን በደልን ኣብፂሑልና እዩ፡፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀሙዎ እዙ ግፍዕን ዘብፅሑዎ በደልን፤ ጥልያን ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ዘበን ወራሩ ካብ ዝፈፀሞ ግፍዒን ዘውረዶ በደልን ዝኸፍዐ እዩ ነይሩ፡፡ እቶም ንጉስ ንፊታውራሪ ኣለማየሁ ጠና ዝብሃል ኣምሓራይ ዲሬክተር ጀነራል ትግራይ ኢሎም ተቆፃፃሪን መቐበሊ ወረን ብምሿም ቅድሚ ኩሉ ሃገር ንትግራይ ጠመተ ብምሃብ መንበረ ስልጣኖም ምስ ዝሓዙ ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ብኸም’ዙይ ወረሩና፡፡

ደቂ ማእኸል ሃገር ብበዝሒ ብኣርሚ ኢትዮጵያን ካብ ወሎ ሸዋ ጎንደርን ጎጃምን ብዝኸተቱ ደቂዓዲን ተሓጊዞም ዝኸፍአ ግፍዒ ክፍፅሙ ምስ ተወለድቲ ገዛእትና ዝተሓወሱ ኣብ’ዙ ኣብ ጥቅምትን ሕዳርን 1934 ዓ.ም እኽሊ ኣብ ዝኣትወሉ እዋን እዩ ነይሩ፡፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ክንፃወሮ ዝኸብድ፤ “ትግራይ ንጥልያን ኣሕሊፉ ኣውሪሩና፤ ንኣና እውን ወጊኡና ጠሊሙና እዩ፡፡ ስለዝኾነ እውን ትግራይ ክክሕሰና ኣለዎ” ዝብል ወደቓ ጠቐነ ክሲ ወንጂሎም ወረሩና፡፡ ብዙይ እውን መቕፃዕቲ በይኖም፤ ንቱ ካብ ወለድናን ብስረና ጥልያንን ባንዳታቱን ኣውዲቕናን ንዝተዓጠቕናዮ ጠባናጁ፤ “ኩሉ ሰብኣይ ዘበለ ትግራዋይ፤ ጥልያን ‘ዘዕጠቖ’ ጠባናጁ ብነፍስ ወከፍ ሓደ ሓደ ጠበንጃ ክኸፍል ኣለዎ” ኢሎም ዝኣወጁ፡፡ “ጠበንጃ የብለይን” ዝብል ሰብኣይ እንተልዩ ድማ “ክንዲ ሓደ ጠበንጃ ሓደ ሚኢቲ ማሪያተሬዛ ክኸፍል ኣለዎ” ዝብል ኣገዳድ ብሓይሊ ዝወደቐና፡፡

ስለምንታይ እዙ ኩሉ ጋዶ እንተተብሃለ፤ “ትግራዋይስ ክሒዱኒ እዩ፡፡ ንጥልያን ኣሕሊፉ ኣውጊኡና፣ ዳሕራይ እውን ድሕሪ ኵናት ማይጨው ንቱ ናብ ሸዋ ዝምለስ ዝነበረ ጦር ማእኸል ሃገር ወጊኡ ከቲሩ እዩ፡፡ ወራር ጋዝ ብምክያድ እውን ክሻብ ወሎ ዓዲ ኣጥፊኡ እዩ” ዝብል ክሲ እዩ ተጠቂኑናስ ክንዓዲ እውን በይኖም ዝወረሩና፡፡ ንዙ “ሰብኣይ ዘበልካ ሓደ ሓደ ጠበንጃ ኣረክብ ወይ ድማ ብቑፅሪ ሰብኣይ ሓደ ሚኢቲ ማሪያተሬዛ ክፈል” ዝብል መቕፃዕቲ ብኣዋጅ እዮም ኣንጊሮም፡፡ ብኣዋጅ ከፈፅሙዎ ስለዘይከኣሉ እዮም ድማ ብሓይሊ ኣጋፊዖም ከፈፅሙ ዝወፈሩ፡፡

ኣብ ልዕሊ እዙይ እውን ብፍላይ ህዝቢ ራያ ክሻብ ከባቢ ዋጀራት፤ ቀዳማይ፤ ንቶም ንጉስን ሰዓብቶምን ጥልያን መፂኡዎም ካብ ማይጨው እንትሃድሙ እንተለዉ፤ “ህዝቢ እዘን ከባቢ ወጊኡና እዩ’ሞ፣ ህዝቢ እዙ ከባቢ ብተወሳኺ ከቢድ መቅፃዕቲ ክቕፃዕ ኣለዎ” በሉታ፡፡ ካልኣይ፤ “ህዝቢ እዘን ከባቢ ወራር ጋዝ ብምክያድ ዝዘረፎ ጥሪት ኩሉ ንመንግስቲ ኣታዊ ከምዝገብርን ከምዝቕፃዕን” ክብሉ ኣወጁ፡፡

ናይ’ቱ ኩሉ ሕማቕ ታሪኻቶም መቐፀልታ፤ ብዓብዮም ንጉሶም ንጥልያን ኣሕሊፎም ሂቦምና ስለዝሃደሙን፣ ብባዕዳዊ ፀላኢ ንበይንትና ትግራይ ንሓሙሽተ ዓመታት ናይ ዝተጨፍጨፍናን፤ “ትግሬ ስለከዳኝ” እናበሉ፤ ገዛ ገዛ እናኸተቱ ኣጥፊኦምና፡፡ ዕጥቅና እውን ተቋሚቶምዎ፡፡ ድሕሪ መሪር ተጋድሎ ወራረ ጥልያን ተተኪኦም የጋፍዑናን ይገፍዑናን፡፡ ካብ ሕድማን ስደትን ዝተመለሱ ንጉስ፤ ግርምቢጥ ማይ ንዓቕብ ኮይኑ፤ እቶም ዝሃደሙ ንጉስ ደፊሮም ንሃርበኛ ትግራዋይ ብክሕደት ክኸሱዎ፡፡ እቱ ብጥልያን ሰንሰን ዝበለ፣ ክንደይ ሰቡ ዝሰኣነ፣ ገዛውቱ ዝነደደን ብመርዚ ጥልያን ሕሙም ኮይኑ ዝተረፈን ህዝቢ ትግራይ፤ ገና እንተይሓወየን እፎይ እንተይበለን ዝመረረ ግፍዒ መንግስቲ ተኣዚዙዎ፡፡

እምበኣርከስ ብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ተደራረብቲ ግፍዕታትን በደላትን፣ ወደቓ ክሲን ክትፆሮ ዘይክኣል መቕፃዕትን፤ ህዝቢ ኣብ ምንባርን ዘይምንባርን ሕቶ እዩ ኣትዩ ነይሩ፡፡ ብቱ ሓዱሽ መንግስቲ ሃፀይ ሃይለስላሰን ተሸወምቶምን ንህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ዝተቐረበልና መማረፂ ጠቕሊሉ ምጥፋእ ጥራሕ እዩ ነይሩ፡፡

ብኸም’ዙይ ገዛ ትግራዋይ ዘጥረዮ ኩሉ እናዘረፉ፤ ንሰብኣይ ዘበለ ኣብ ቅድሚ ብዓልቲ ገዝኡን ደቑን ብጨው ገመድ ኣሲሮም ገረፉ፡፡ ብዙይ እንተይዓገቡ እውን ኣንሽትን ኣዋልድን፤ ሰብ ሓዳር ይኹና ኣይኹና ብዘየግድስ፣ ዋላ ቖረብቲ ኣንሽቲ ኣቕሽቲ እንተይተረፋ እናኣሰሩ ብበዝሒ ይጋሰሱወን ነይሮም፡፡ ኣብ ገሊኡ ጣብያታት’ውን ኣብ ቅድሚ ወለድንን ሰብኡተንን እዮም ኣምሓሩ ንዙ ፀያፍ ተግባር ዝፍፅሙ ዝነበሩ፡፡

ንዙ ተርእዩ ዘይፈልጥ ግፍዒ እናገበሩ እናሃለዉ፤ ይግደድ ኢሎም ንዙ ግፍዕን ኣገዳድን ኣስዒቡ ንቶም ፈፀምቲ ግፍዒ ከብልዕ፣ ከስትን ከጣይሽን ጥራሕ እንተይኮነስ ንመንግስቲ እውን እግሪ ከትክል ግብርን ኣስራትን ክኸፍል ትግራዋይ ዕደ ተብሃለ፡፡ ሕሉፍ ሓሊፎም ናይ’ቱ ዝተሸወሙሉ ዘበን ግብርን ኣስራትን ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ዘበን ወራር ጥልያን እውን ግብሪ ክትከፍል ኣለካ ተባሂሉ እዩ፡፡

ካብ ጣብያ ናብ ጣብያ እናኣተዉ እውን እዳሓደ ገባር ካብ ሰላሳ ክሻብ ስድሳ - ሰብዓ ሰብ እናእተዉ እናስፈሩ ንቱ ዘእተዎ እኽሊ ኩሉ ኣፋሲሶም ኣጥፍኡዎ፡፡ ንህዝቢ ኣሳቐዩዎ ገረፍዎ ኣሰሩዎ፡፡ ኣቦ ገረባት ምስተነቓነቕቲ ወየንቲ በብጣብይኦም ክምክቱ እንተበሉ እውን ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ኮኖም፡፡ ካብ ጣብያ ናብ ጣብያ ብኣውያት ከይተሓጋገዝ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ክወሩ ኸቲቶም ስለዝነበሩ ወይ ንወራር ይዳለዉ ስለዝነበሩ ኣይተኽኣለን፡፡

ወዲዓዲ ንዝነበሮ እኽለ ማይ ኣጠፋፊኦም፤ ዘግነዩዎ ጤለ በጊዕ ይኹን ከፍቲ ገኒሖም ብምውሳድ ዓዲ ዖና ገበሩዎ፡፡ ሕሉፍ ሓሊፎም ንወርሒ ሰነ ዘርኢ ከይተርፎ ቆፍኡን ጎዳጉዱን እናፈሓሩ እኽሊ ዘርኢ ይቐልዉ፣ ኣርዑትን ነዊትን የንድዱ ነይሮም፡፡ ቆርበት ማእስን ክዳውንትን እንተይተረፈ ወሲዶም፡፡

ን’ዙይን ክንዲ’ዙይን ግፍዒ ኣውሪዶም ሱቕ ኣይበሉን፡፡ ኣከብቲ ግብሪ ተባሂሎም ናይ ባዕሎም ዕጡቓት ደቂዓዲ ዘለዉዎም ምስለነታት፤ ኣብ ገሊኡ እውን ሓደሽቲ ሰልጠንቲ ኣርሚ ኢትዮጵያ ሒዞም በብዓዱ እናኸተቱ ሰሙን ክልተ ሰሙን ተቐመጡ፡፡ እቶም ግብርን ኣስራትን ኣገዲዶም ዝእክቡ ምስለነታት ምስ ዕጡቓቶምን ዘኽተቱዎም ሰዓብቶምን ኣብ ዝኣተዉዎ ዓዲ እንትቕንዩ ካብ ባዕልቶም ጀሚሩ ክሻብ ኩሎም ሰዓብቶምን ኣድገ በቕሎምን፣ ህዝቢ እታ ዓዲ ተገዲዱ ንኽቕልቦም ይግደድ ነይሩ፡፡ ቀለቦምን ኩሉ መነባብርኦምን ካብ’ቱ ዝኣተዉዎ ዓዲ እናመንጠሉ፣ ካሊእስ ይትረፍ ንኣብቅልቶምን ኣፍራሶምን እኳ ስገም ክቐርበለን የገድዱ ነይሮም፡፡ ኣብ ልዕሊኡ ክንድ’ቱ ዝወሰኑሉ ግብርን ኣስራትን ከቕርብ ግድነት ነይሩዎ፤ በዚሑኒ ኢሉ ዝጠርዐሉ እውን ኣይነበረን፡፡

እቶም ሓደሽቲ ተሸወምቲ በብዓዱ እናኸዱ ልሙዕን ማይ ዝኣትዎን መሬት ደቂዓዲ ንባዕልቶምን ንሰዓብቶምን መናበሪ እናበሉ ካብ ህዝቢ መንጢሎም ወሲዶም እዮም፡፡ ተሸወምቲ ተጋሩ እናመርሑዎም ኣርሚ ኢትዮጵያን ዝኸተቱ ደቂዓዲ ወሎ ሸዋ ጎንደርን ጎጃምን ዓድታት ኣጠፋፊኦም፣ ኣንሽቲ ዓሚፆም፣ ገንዘብና ኮነ እንስሳት ኩሉ መንጢሎም፣ ዝሕረድ ሓሪዶም ዝነድድ ኣንዲዶም፤ ኣብ መወዳእታ እውን ብስረና ንዝተዓጠቕናዮን ሽዑ መዐቀኒ ስብእነትና ንዝነበረን ጠባናጁና ተቛሚቶም፤ ግፍዒ በዚሑ፤ ዓቐን ሓለፈ፡፡ ጠቕሊሎም ከጥፍኡና ኮነ፡፡ ናብ መንከ ከይድኻ ይጥራዕ፡፡ ካልኦት ዝጠርዑ እውን ብበዝሒ ብላዕ ኣሸንኳይዶ ፍትሒ ክረኽቡስ ዝሓዙዎ እውን ስኢኖም ሰንሰን ኢሎም ይምለሱ ነይሮም፡፡ ዳኝነት ጠቕሊሉ ጠፊኡ፡፡ ህዝቢ ትግራይ መገዛ ዓዱ ንብረቱን ግራቱን ኣይግብኦን ዝበሉ ከተርቲ ነገሱሉ፡፡

ብኸም’ዙይ ብዘይብደል በዲሎምና፤ ብዘይንዓቕ ንዒቖምና፡፡ ሽዑ ብዙሓት ሰብኡት ተጋሩ ብስረና ጥልያንን ባንዳታቱን ቐቲልና ጠባናጁ ይኹን እኹል ጠያይትን ክሻብ ሽጉጥን ቦንባታትን ተዓጢቕና ዝፀናሕናሉ ግዘ እዩ ነይሩ፡፡ ልምዲ ውግእ እውን ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ሃርበኝነት የመና ኣማዕቢልና ነይርና፡፡ እሞ እዙ ኹሉ ግፍዒ ምስበዝሐና እዩ ነይሩ ብበረኻን ብዓዲን ዝነበርና ኣጓብዝ መኺርና ድሕሪ ደጊምስ ይኣኽለና ዝበልና፡፡ ኣፈሙዝና ኣተሓባቢርና ኣብ ልዕሊ እዞም ዘጋፍዑና ዘቕናዕና፡፡

መቕተልቲ፣ ምምንጣል ግራውትና፣ ምንዳድ ገዛውትናን ንብረትናን ምስበዝሐና ኢና፤ ‘ንምንታይ ሱቕ ኢልና ንርኢ ዘለና’ ዝበልና፡፡ ኩልና ድማ ጓሂና ስምዒትናን ቁጠዐናን ተመሳሳሊ እዩ ነይሩ፡፡

ክንዱ’ዙይ ዝኣክል ግፍዒ ምስ ኣውረዱሉልና፤ ህዝብና በዚሑዎ መሪሩዎ፤ ትግራዋይ ሰብኣይ ኣስካሕኪሑ ተገዲዱ እዩ ናብ’ቱ ናይ መወዳእታ ጫፍ ከይዱ ጠንጠነለይ ኢሉ ዝወየነ፡፡ ኣቐዲምና ዝሸፈትና ጥራሕ እንተይኮናስ ብዙሓት ኣጉባዝ ዓዲ ካብ በብጣብይኡ፤ ጠበንጃ ዘለዎም ጥራሕ እንተይኾኑስ ዋላ ዘይብሎም ጥራሕ ኢዶም ከይኾኑ ዘግነዩዎ ሽቶል፣ ጭማራ፣ ምሳር፣ ጎጆሞ ኮነ ካራ፣ ዋላ ራእሳን በትሪ እናሓዙ ናብ ወያነ ትግራይ ዝተሓወሱ::

ክቕፅል እዩ...

ፍልፍል ዛንታ፤ ብላታ ሃይለማርያም ረዳ (ኣባ መብረቕ) መራሒ ቀዳማይ ወያነ ሓምለ 1985 ዓ.ም ካብ ዝተዛረቡዎ፤ መፅሓፍ ገረብ ዓረና ወያነ ትግራይ 2010 ዓ.ም ዝተሓተመ፡፡ መፅሓፈይ ዘለኩም ሰባት ደጋጊምኩም ኣንብቡዎ ንወለዶ እውን ኣሕልፉዎ፡፡ እቱ ወለድና ዘሕለፉዎ ታሪኽ ክሕደት ኣምሓሩን፣ ግፍዕን መከራን እዩ ሎሚ እውን ዝደጋገም ዘሎ፡፡ ንሕና ከም ህዝቢ ምስ’ዛ በስናዕ ሃገር ዘለና ርክብ ምብታኽ ኣብዩና እምበር፤ ንሳቶምስ ከምኣ ኢሎም ካብ ውልድ ወለዶኦም መጥፋእትና እዮም፡፡ ድሕሪ ደጊም ግና፤ ንሕና ዓበይቲ ኣሕዋት ኣሓትኩም እንተዓንቂፅና’ኳ፤ ደቅና ሕድሪ፤ ከም ህዝቢ ተኸቢርኩም ክትነብሩን ክትምዕብሉን፤ ንሃገረ ትግራይ ዝኽፈል ኩሉ ዋጋ ክፈሉ! ሕድሪ ትግራይ እያ ሃገርኩም!

#ካሳ_ሃይለማርያም
Source: https://www.facebook.com/kassa.hailemar ... 4671490148


Post Reply