ንምዃኑ ስዩም መስፍን መን እዩ ነይሩ?

Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ንምዃኑ ስዩም መስፍን መን እዩ ነይሩ?

Post by africangear »

Tegadalay-Seyoum-Mesfin.jpg
ተጋዳላይ ስዩም መስፍን፡ ኣብ ፈለማ 40ታት፡ ኣዘባ ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ጣብያ ኣብ ኣውራጃ ዓጋመ ካብ ርኹባት 'መስፍናዊ' ስድራ ቤት ተወሊዱ። መባእታን ቀዳማይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ዓድ ግራት ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣግኣዚ ዛዚሙ ኣብ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ባህርዳር ብዲፒሎማ ተመሪቑ። ብድሕሪኡ ናይ ዲግሪ ትምህርቲ ንምቕጻል ናብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ስዩም ምስቶም ማሕበር ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ተጋሩ ዘጣየሱ ተማሃሮ ሓደ ነበረ። ኣብ 1965 ዓ/ም እቲ ማሕበር፡ ናብ ሕቡእ ፖለቲካዊ ውድብ ናብ ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ /ማገብት/ ማዕበለ። ስዩም ሓደ ኣባል እቶም ማገብት ዝመስረቱ ሸውዓተ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ነይሩ።

ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ሃይለስላሴ ብዙሓት መንእሰያት ዘዝመሰሎም ውድባት እናመስረቱ ፖለቲካ ቃልሲ የካይዱ ነበሩ። ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ "ፖለቲካዊ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ብዕጥቃዊ ቃልሲ እዩ ዝፍታሕ" ስለዝበሉ ፈለማ ተጋድሎ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ ድሓር ከኣ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣጣይሾም ብብረት ንኽቃለሱ ናብ በረኻታት ትግራይ ወጽኡ። ስዩም መስፍን ሓደ ካብኣቶም ነበረ።

ስዩም ኣብ ብረታዊ ቃልሲ

ብረታዊ ቃልሲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብወግዒ ክውላዕ ምስተወሰነ መሪሕነት እቲ ውድብ ናብ ብሰለስተ መዳያት ግቡኡ ክፍጽም ተወሲነ።

እቲ ሓደ ጉጅለ ኣብ በረኻ ደደቢት ከይዱ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ዘበስር፣ እቲ ካልኣይ ናብ ኤርትራ ተጓዒዙ ተሞክሮ ቃልሲ ዝቐስም፡ እቲ ሳልሳይ ጉጅለ ከኣ ኣብ ከተማ ኮይኑ ስርዒታት ክመርሕ ተረዳድኡ።

ኣቶ ስዩም መስፍን ከኣ ምስቶም ናብ በረኻ ደደቢት ወጺኦም ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመሩ ዓሰርተ ተጋደልቲ ሓደ እዩ።

ተጋዳላይ ስዩም መስፍን፡ ብስድርኡ እምባየ መስፍን ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ ነይሩ። ናብ ቃልሲ ምስ ወጽአ ግን ልክዕ ከም መስረትቲ ብጾቱ ናይ ግድን ሽሙ ክቕይር ስለዝነበሮ፡ ሓደ ካብ ብጾቱ ተጋዳላይ ስሑል፡ 'ስዩም' ክብል ከምዝሰመዮ ዛንትኡ የረድእ።

ተጋዳላይ ስዩም መስፍን፡ ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ኣብ እግሪ ዳዕሮ ሓደ ካብ መራሒ ህወሓት ኮይኑ ተመርጸ።

ስዩም መስፍን ኣብ ከባቢ ኣድያቦ ምስ ሰራዊት ደርግ ኣብ ዝተገብረ ኵናት ኣብ ርእሱ ምስተወቕዐ ብተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ሕክምናዊ ረድኤት ከምዝተገብረሉ "ጽንዓት" ኣብ ዝተሰምየ ንታሪኹ ምርኩስ ገይሩ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ተሰኒዱ ይርከብ።

ተጋዳላይ መሓሪ ተኽለ /ሙሴ/ ዝተባህለ ካብ ህዝባዊ ግንባር ናብ ህወሓት ዝተጸንበረ ካብቶም ውሑዳት ገዳይም ተጋደልቲ ህወሓት ብሰራዊት ደርግ ተታሒዙ ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ተኣሲሩ ነይሩ።

ስዩም፡ ኣብቲ ንሙሴ ንምድሓኑ ዝሰላሰል ዝነበረ ስርሒት "ኦፕሬሽን ሙሴ" ንምጽናዕ ከቢድ ነገር ተጻዊሩን 'ዕቡድ' መሲሉን ኣብ ስለላ ከምዝተሳተፈ ኣብ ማህደር ታሪኹ ተመዝጊቡ ኣሎ። ሙሴ እውን በቲ ዝተኻየደ ስርሒት ካብ'ቲ ቤት ማእሰርቲ ምውጽኡ ይዝንቶ።

ስዩም ልኡኽ ህወሓት ኣብ ሱዳን

ስዩም ኣብ መወዳእታ 1969 ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኮይኑ ንኣስታት 15 ዓመታት ኣብ ሱዳን ኮይኑ ኣገልጊሉ። ኣብ ካርቱም ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከኣ፡ ስሙ፡ ካብ ስዩም ናብ ሙሳ ተቐይሩ ከምዝነበረ ይንገር።

ስዩም፡ ኣብ 1991፡ ኣብ ለንደን ምስ ስርዓት ደርግ ኣብ ዝተገብረ ዝርርብ ሰላም ምስ ዝተሳተፉ ብጾቱ፡ መለስ ዜናውን ብርሃነ ገብረክርስቶስን ንካርቱም መጺኦም፡ ካብኡ ፕረዚደንት ነበር ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ብዝለቀሖም ሄሊኮፕተር ንኣዲስ ኣበባ ንዝተቖጻጸረ ሰራዊቶም ክጽንበሩ ምስነቐሉ እታ ነፋሪት ኣብ ሰማይ ቴክኒካዊ ጸገም ኣጋጢሙዋ።

ኣቶ ስዩም መስፍንን ኣባይ ጸሃየን ዝርከብዎም መራሕቲ ህወሓት ከምዝተቐትሉ ሰራዊት ኢትዮጵያ ገሊጹ ሓሙሽተ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣተዉ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ነበር እቲ ኣብራሪኣ እታ ሄሊኮፕተር ክትወድቕ ከምእትኽእል ምስተነግሮም እቲ ን17 ዓመታት ዝመርሕዎ ቃልሲ ተዓዊቱ ናብ ኣዲስ ኣበባ እናተጓዕዙ ብምዃኖም ከቢድ ስንባደ ከምዝፈጠረሎም ይዝረብ።

ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን እታ ሄሊኮፕተር ብዕድል ኣዲስ ኣበባ ብሰላም ስለዝዓረፈት፡ እቲ ኩነታት ዝተሓበሮ መራሕ መንግስቲ ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ናይ ሽዕኡ ሄሊኮፕተር ንታሪኽ ክትከውን ሂቡዎምስ ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ ቤተ መዘክር ሓወልቲ ሰማእታት ትርከብ።

ስዩም ከም ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ

ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ኣቶ ስዩም ንኣስታት 20 ዓመት ከም ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኮይኑ እቲ ብቀዳማይ ሚኒሰተር ነበር መለስ ዜናዊ ዝተሓንጸጸ 'ልምዓታውን ዴሞክራስያውን መርሓ' ብምኽታል ኣገልጊሉ።

ኣብ'ቲ ናይ 1993 ዓ.ም ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓት ምክፍፋል መሰጋጠመ ከኣ ስዩም ምስ መለስ ዜናዊ እዩ ወጊኑ ነይሩ።

ምስ ጎንጺ ዶብ ኢት-ኤርትራ ብዝዛመድ፡ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ዘ'ሄግ ባድመ ንኤትራ'ኳ ወሲኑ እንተነበረ፡ ንኢትዮጵያ ከምዝተወሰነ ኣምሲሉ መግለጺ ምስ ሃበ፡ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓብዪ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ክወጽእ ብምግባሩ ይንቀፍ።

ምስ ኤርትራ ድማ፡ 'ኣይ ኲናት ኣይ ሰላም' ክቕጽል ብምግባር እቲ ጎንጺ ሰላማዊ ፍታሕ ንክረክብ ዘበርከቶ ጻዕሪ የለን ተባሂሉ'ውን ይውቀስ።

ስዩም፡ ኣብ ናቱ ሓላፊነት ጉዳያት ወጻኢ፡ ኢትዮጵያ ምስ ብዙሓት ጎራብቲ ሃገራት ኣብ ጉርብትና ዝተመስረተ ሰናይ ርክብ ንክህልወን ከምዝገበረ ይዝረብ።

እቲ ህድኣት ዝመልኦ ዲፕሎማት፡ ኣብታ ንኣስታት 20 ዓመታት ኣልቦ መንግስቲ ዝነበረት ሶማልያ፡ ፌዴራላዊ ቅርጽ ዘለዎ መንግስቲ ንክቖም ዘይተሓለለ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ከምዝገበረ ይዝንቱ።

ከምኡ'ውን፡ ብፕረዚደንት ሳልቫኪርን ዶክተር ማቻርን ዝምርሑ ተጻባእቲ ሓይልታት ደቡብ ሱዳን ተቐራሪቦም ንክዘራረቡ ብመንገዲ በየነ-መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪቃ [ኢጋድ] ኣቢሉ ብዙሕ ዝደኸመ እዩ።

ህወሓት ዓብላሊ ኢህወዴግ ኮይኑ እናሃለወ ኣብታ ሃገር ንዝተፈጸሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጥርጣረ ብልሽውናን ከም ኣመራርሓ ይንቀፍ።

ሰብ ሃብቲ ሃገራት ኤስያ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንኽገብሩ ልዑል ጻዕሪ ከምዝነበሮ ዝንገረሉ ስዩም፡ ዳሕራይ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ኮይኑ ንሽዱሽተ ዓመታት ኣገልጊሉ እዩ።

ስዩም ኣብ ፖለቲካዊ ለውጢ 2018 ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ ደየበ፡ ስዩም ናብቲ ሚኒስተር ኮይኑ ዝመርሖ ዝነበረ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ተሳሒቡ ከገልግል ጀሚሩ ነይሩ። ድሓር ግን ኣብቲ ዝተመደበሉ ቤት ጽሕፈት ዕጉብ ከምዘይኮነ ገሊጹ ናብ መቐለ ከምዝኸደ ይንገር።

ኣብ መንጎ ኣቢዪን ህወሓትን ዝነበረ ግርጨት እናኸረረ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ስዩም ዋላ'ኳ መንግስታዊ ኾነ ውድባዊ ብወግዒ ዝፍለጥ ስልጣን ኣይንበሮ፡ ኣብ ሚድያታት ብምቕራብ ንኣመራርሓ ኣቢዪ ኣሕመድ ካብ ዝነቕፉ ተንተንቲ ፖለቲካኛታት ሓደ እዩ ነይሩ።

ምስ ዝተፈላለየ ናይ ሚድያ ትካላት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ከኣ 'ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢዪን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ንሰላምን ርግኣትን ትግራይን ኢትዮጵያን ይዘርግዎ ኣለዉ' ዝብል ጽኑዕ መርገጺኡ ብቓልዕ ይዛረበሉ ነይሩ።

ብፍላይ ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዘካየዶ ቃለ መሕትት "መሪሕነት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ብናይ ሃገር ክሕደት ዘሕትት ገበን ፈጺሙ'ዩ" ክብል ኣትሪሩ ምንቃፉ ይዝከር።

እቲ ኣብ መንግስታት ፌደራልን ክልል ትግራይን ዝጸንሐ ምስሕሓብ ናብ ኵናት ምስ ዓረገን መቐለ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስኣተወን፡ ላዕለዎት መሪሕነት ህወሓት ካብ መቐለ ተደፊኡ ወጺኡ።

ድሕሪ ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ናይቲ ኵናት ከኣ ኣምባሳደር ስዩም መስፍን ዝርከቦም ብመንግስቲ ፈደራል ዝቐረበሎም ጻውዒት ኢድካ ምሃብ ዘይተቐበሉን "ኢድና ኣይንህብን" ዝበሉ ሓያሎ ሰበስልጣን ህወሓትን ካድራትን ከምዝተቐተሉ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ክብርን መጎስን ንዓካ ይኩን ኣቦ ውፅዓት !


Post Reply