ቀዳማይ ክፋል፤ መርኣያ ግፍዕታት ሸዋውያንን ባንዳታትን ኣብ እዋን ቀዳማይ ወያነ

Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ቀዳማይ ክፋል፤ መርኣያ ግፍዕታት ሸዋውያንን ባንዳታትን ኣብ እዋን ቀዳማይ ወያነ

Post by africangear »

ክሻብ መወዳእታ 1937 ንተጋሩ ሰብኡት ምቕታልን ዘርኢ ከይቕፅል ኣካሎም ምጉዳልን፣ ንኣንሽትን ኣዋልድን ድማ ምግሳስ እዩ ነይሩ እቱ ቀንዲ ዋኒኖም፡፡ 1938 ካብ ዝኣቱ ኣትሒዙ ግና ቁፅሪ እንግሊዝ እውን ካብ ትግራይ እናገለሰ ምስምኻዱ ምስ ኣርሚ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኸተቱ ተወለድቲ ትግራይን ደቂ ማእኸል ሃገርን ባህሬቶም ብዝገደደ እናኸፍአ እዩ ከይዱ ነይሩ፡፡

እዙይ እውን ንተጋሩ ኣንሽትን ኣዋልድን ካብ ምግሳስ ሓሊፎም ኣሳቕዮም ክቐትሉወን ጀመሩ፡፡ ንቶም ሰብኡት ክነሕዝንን ክንጎድእን እንተኾይንና ኣንሽቶም ነሳቕየን ንቕተለን ዝበሉ ብዝመስል ኣብ ዝኸተቱዎ ዓዲ ኩሉ ኣንሽቲ ልዕሊ ሰብኡት ስቅያት በዝሐን፡፡ ብፍላይ እቶም ኣርሚ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኣተዉዎ ዓዲ ኩሉ፤ ንኣዴታትናን ንኣዋልድ ኩለን ብሓፂን ገይሮም ጨጉረን ላፀይወን፡፡

ማይ’ኳ እንተይገበሩ እንግሊዝ ብዘምፅኦ ሓደ በሊሕ ቁራፅ ሓፂን ገይሮም ክሻብ ኣማኢት ዝተቖነና ተጋሩ ኣንሽቲ ዝላፀዩሉ ማዕልቲ ነይሩ፡፡ “እኛ ኣማራ ኣገር ሴት ፀጉሯ ኣጭር ሲሆን ነው የምንወደው” እናበሉ እናላገፁ ናይ ኣዴታትናን ኣዋልድ ኣሓትናን ገይፀንን ማዕርገንን ንዝነበረ ቁናኖ ላፀዩዎ፡፡

እቱ ዝኸፍአ ሓድጊ ግፍዖም፤ ብዙሓት ኣቦኣቶም ዘይፍለጡ ቆልኡት እውን ተወሊዶም እዮም፡፡ ኣንሽቲ ተጋሩ ቆረብትን ሰብ ሓዳርን’ኳ እንተይበሉ ኣብ ልዕሊ ምግሳሶም፤ ኣብ ገዛ ዓፅዮም ሓዊ ምንዳድ፣ ካብኡ ሓሊፎም እውን ብናይ ጨው ሽመል ኵርንኩሪት ኣሲሮም እናሓነቑ ብደወን ናብ ፀድፊ እናደርበዩ ቀቲሎምወን እዮም፡፡ ንኣይ ክሕዙ ወይ ክቐትሉ ስለዘይኸኣሉ ኣብ ደርግዓጀን እንደርታ ንጓል ሓፍትነይ ኣማረች ደርሶ ምስ ካልኦት ኣዝማድና ከምኡ ሓኒቖም ኣፅዲፎም ቀተሉወን፡፡

ኣማረች ብዓቲገዛ ሓፍትን ወላዲትን ኣቦ ገረባትን ኣቦ ወየንትን ጥራሕ እንተይኾነት ዓሰርተታት ወየንቲ ኣዝማዳ ኣብ’ቱ ወያነ ተሰሊፎም ክንደይ ጅግንነት ፈፂሞም እዮም፡፡ ንሳ እውን ካብ ሓደ ላዕለዋይ ኣቦ ገረብ ብዘይንእስ ከምሓንቲ ኣዶ ገረብ ኣብ ደርግዓጀን ኩሉ ዓዲ እናተሓባበረት ስንቂ እናተዳለወ፤ ቆላ እንተሊና ናብ ቆላ፣ ደጉዓ እንተደይብና ናብ ዘለናሉ ቦታ ክበፅሐና እናገበረት ክንደይ ዝተቓለሰት ጅግና እያ፡፡ ሰብኡት ምስወፈርና ኣብ ዓዲ ኣብ ደርግዓጀን ዘለዋ ኣንሽቲ ኣተሓባቢራ ካብ ማሕረስን ዘርኢን ኣትሒዙ ክሻብ ዓውዲ ኣዝመራ ዘቕንዐት እያ፡፡ ዓቕሚ ዘለዎም መናእሰይን ሰብኡትን ደርግዓጀን፤ “ኪዱ ዓዲ ከይትውዕሉ፣ ኪዱ ሰዓቡዎም” እናበለት ክንደይ ሰብኡት ዘወየነት ወላዲት እያ፡፡

ኣብ ደርግዓጀን ምስዝነበሩ ዓበይቲ ማዕረ ኣብ ገረብ ኮፍ ኢላ ዳኝነት እትህብ፣ እተሸማግል እትዓርቕ ዝነበረት እያ፡፡ ከም ኣማረች ዝኣምሰላ ኣማኢት ተጋሩ መራሕቲ ኣዴታት ነይረን፡፡

ፀላእትና ኣብ መወዳእታ ዝዘመቱዎ ኣብ ልዕሊ እዘን ኣዴታት ነይሩ፡፡ ንመብዛሕትአን እውን ብሽመል እናሓነቑ ኩርንክሪት ኣሲሮም እናፅደፉ ቀተሉወን፤ ንጥኑሳት ኣዴታት’ኳ ኣይሓደጉን፡፡

ሹመኛታት ሃፀይ ሃይለስላሰን ባንዳታት ተጋሩን፤ ንሃይለማርያምን ንዞም ኩሎም ኣዝማዱን ክነርክበሎም እንተኾይንና ንኣማረች ዝኣምሰላ ኣሕዋቱ ክንቐትል ኣለና እንትብሉ ምኽሪ ገብሩ፡፡

ብዙይ እውን በሓደ ወገን ደገዝማት በየነ ተድላ መንገዲ ዝሕብሩ ተወለድቲ ባንዳታት ተጋሩ ሒዙ፣ ብኻሊእ ወገን ፊታውራሪ ደስታ ሸዋርካብን ዋግሹም ማሞ ሓይሉን ዝመርሑዎም ኣሽሓት ኣርሚ ኢትዮጵያን፤ ካብ ማእኸል ሃገር ካብ ወሎ፣ ጎንደር፣ ጎጃምን ሽዋን ዝኸተቱ ነጭለባሻትን ሒዞም፤ ካብ መቐለን ኵሓን ገስጊሶም ድንገት ደርግዓጀን ወረሩዎ፡፡ ከም’ቱ ካሊእ ግዘ ዝገብሩዎ ዓዲ ኣጠፋፊኦም፣ ዝሕረድ ሓሪዶም፣ ሰብኡት ቀቲሎም፣ ኣካል ኣጉዲሎም፣ ኣንሽትን ኣዋልድን ዓሚፆም ኣይዓገቡን፡፡ ንሓፍተይ ኣማረች ኣርባዕተ ርእሳ ብናይ ጨው ሽመል ኩርንኩሪት ኣሲሮም ብምሕናቕ፤ ካብኣተን ውሽጢ ጥንስቲ እውን ዘላቶ፤ ድሕሪ ምግራፍን ምስቓይን ብህይወተን እንተለዋ ናብ ገደል ኣፅደፉወን፡፡

ንኣማረች ሓፍተይ ኣርባዕተ ርእሳ ኩለን ኣዝማድና ኣፅዲፎም ምስቀተሉወን እውን ኣይኣኸሎምን፡፡ ካልኦት ኣዝማድ ዝተብሃላ እናኣለሹ ተወሰኽቲ ሓሙሽተ ኣንሽትን ኣዋልድ ቆልዑትን እውን ብተመሳሳሊ ኣሲሮም ድሕሪ ምስቓይ ኣፅዲፎምወን እዮም፡፡ ክንድ’ዙይ ዝኣክል ግፍዒ ዝፈፀሙሉ፤ እኒ ኣማረች ዝፀደፋሉ ካብ ዓፀፃ ሕልፍ ኢሉ ዝርከብ ፀድፊ ደርግዓጀን፤ ብድሕሪኡ “ምፅዳፍ ወይዘራዝር” እናተብሃለ ይፅዋዕ ነይሩ፡፡ ንኣማረች ከምኣብነት ኣቕረብኩ እምበር ብ1938 ብኸም’ዙይ ንብዙሓት ኣዴታትናን ኣዋልድ ኣሓትናን ኣሳቕዮም ሓኒቖም ኣፅዲፎም ቀቲሎምወን እዮም፡፡ ሸዋውያንን ባንዳታትን!

#ካሳ_ሃይለማርያም


Post Reply