ብ1938 ግፍዕታት ሸዋውያንን ባንዳታትን ኣብ ልዕሊ ኣደታትን ኣዋልድን ትግራይ - Part 1

Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ብ1938 ግፍዕታት ሸዋውያንን ባንዳታትን ኣብ ልዕሊ ኣደታትን ኣዋልድን ትግራይ - Part 1

Post by africangear »

ቀዳማይ ክፋል

ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን መከራን፤ ሞትን ብርሰትን ናይ መጀመሪያ ኣይኮነን! ግን ናይ መወዳእታ ክኸውን እዩ! ብመሰረት ዝኣተኹዎ ቃል ቅድሚ 70 ዓመታት ኣብ ቀዳማይ ወያነ ዝፈፀሙዎ ግፍዕታት ሸዋውያን እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ እናቆንጠርኩ ከቕርብ እየ፡፡ እቱ ሎሚ ደቂ ደቆም ንሸዋውያን ምስ ኩሎም ባዕዳውያን ፀላእቲ ሓቢሮም፤ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውርዱዎ ዘለዉ ግፍዕን መከራን ሞትን ብርሰትን ካብቱ ናይ ወለዶም ዝገደደ እንተኾነ እምበር ዘይፍለ ምዃኑ ንምርኣይ እዩ! ውልድ ውልዶም ሓደን ሓደን ኣረመነታት እዮም!

እዙ ብተኸታታሊ ዝቕርቦ ፅሑፋት ካብ ቀጥታ ምስክርነት ኣቦና መራሒ ቀዳማይ ወያነ ትግራይ ብላታ ሃይለማርያም ረዳ (ኣባ መብረቕ) ብ1984/1985 ካብ ዝሃቡዎ ቃል እዩ፡፡ መፅሓፍ ገረብ ዓረና ወያነ ትግራይ ዘለኩም ኣብኡ ትረኽቡዎ ኢኹም፡፡ እቱ መፅሓፍ ኣብ ኩሉ ስለዘይበፅሐ እናቆንጠርኩ ኣብዙይ ከስፍሮ እየ፡፡ ከምቱ ሽዑ ኣቦና ኣባ መብረቕ ዝበሉና፤
“… እቱ እትፈልጦ ታሪኽ ህዝብናን ትግራይን ኣዋግዐና ክትብሉኒ እንተለኹም፤ ብሓደ ገፅ ታሪኽ መከራ፣ ግፍዒ፣ ብርሰት፣ ስቓይን መቕተልትን እንትኸውን፤ ብኻሊእ ገፅ ድማ ታሪኽ ሓቦን ሓበንን፣ ታሪኽ ጅግንነትን ወያነን፣ ሰብ ፅኑዕ ሃይማኖት፣ ፃዕረኛ፣ ሓቅን እምነትን እዩ፡፡ እሞ ደቀይ ኩሉ እቱ ዘሕለፍናዮ ታሪኽ ገረብ ዓረና ወያነ ብዝርዝር ከዋግዐኩም እዬ፤ ምእንታን ክትሕበኑሉን ክትምሃሩሉን፡፡ ፀፅቡቖም ክትኮርዑሎም እቶም ኣብ ከይዲ ዝፈፀምናዮም ጌጋታት ድማ ክትምሃሩሎም እዬ ዝደሊ፡፡ ኣውራ ግና ካብ’ቱ ዘይሓዊ ሕማም ተጋሩ ኮይኑ ዝነበረ ንኣና እውን ኣርኪቡ ልዕሊ እንግሊዝን ገዛእቲ ሸዋን ዝጎድአና ዘይምሕባር ሕመቕና ክትምሃሩ እደሊ፡፡

“… ሱር ዝሰደደ ሕመቕና ሓደ ዘይምዃና እዩ ነይሩ፡፡ ተጋሩ ሓድነትና እያ ውሕስነት መንነትና፡፡ እንተሓቢርናን ሓደ እንተኾይንናን ጥራሕ ኢና ሓያላት ኮይንና መንነትና እነኽብር፡፡ እንተዘየሎ ከም’ቱ ኣብ ታሪኽና እናተደጋገመ ዝተርኣየ፣ ኣብ ወያነ እውን መብዛሕትኦም ተወለድቲ ገዛእቲ ትግራይ ምስ ገዛእቲ ሸዋ ተሰሊፎም ኣንፃርና ክንደይ ግፍዒ ዝፈፀሙ፤ ገዛእቲ ሸዋ እውን ንኣና እናመቓቐሉ ንዘበናት ዝተፃወቱልና፤ ግዙኣት ሓሻኽርን ዝተገፍዓናን ኮይንና ኢና ክንተርፍ፡፡

“… ሕድሪ እዙ ታሪኽ ምምቕቓል ኣብ ደቅና ከይቕፅል፡፡ መላገፂ ማንም ከይትኾኑ ሓድነትኩም ሕድሪ፡፡ ሓደ እንተኾይንኹም ንፀላእትኹም ረዘንቲ ኢኹም፡፡ ሓደ እንተኾይንኹም ዓዲ ሊቃውንትን ጠቢባንን፣ ዓዲ ሰላምን ቅሳነትን፣ ዓዲ ሓልዮትን ራህዋን ኢኹም፡፡ ብዓብይኡ ክርስትያን ይኹኑ ኣስላም፣ ንኩሉ ንዘጓንፎም ኮነ ዋላ እናተገፍዑን ፆሞም እናሓደሩን፤ ‘ተመስገን ፈጣሪ’ ዝብሉ ዓዲ ቅቡኣት ኢኹም…” ኢሎም ነይሮም ኣባ መብረቕ ሓምለ 1985፡፡


Post Reply