ካብ ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ
Posted: Tue Aug 03, 2021 7:39 am
ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ
ዝኸበርካ ሰራዊት ትግራይ
ባይቶና ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ዝወፈሩ ወረርትን ፋሺሽታውያን ሓይልታት ንምምካት ኣብ ዝተገብረ ኩለመዳያዊ ኵናት ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ፤ ኣብ ናይ ከተማ ምንቅስቓሳትን ዲፕሎማሲያዊ ቃልስን ተኸፋፊሉ ከም ውድብ ምስ ህዝቡ ሰሚሩ ብዘይንሕስያ እናተኳሸሐ ፀኒሑ እዩ፡፡
ሕዚ እውን እንተኾነ፣ ኣብዙ ታሪኻዊ ገድሊ እዙይ ምስ ኣሃዱታት ሰራዊት ትግራይ ተሰሊፎም ግቡኦም ይፍፅሙ ዘለዉ ጀጋኑ ኣባላትና ፀላእትና ክሳብ ዝቕበሩን ሒሳብና መልኢና ክሳብ ነወራርድን ቃልሶም ኣበርቲዖም ንክቕፅሉ ነተሓሳሰብ።
ብካልእ ገፅ፣ ሃለዋትን ድሕነት ህዝቢ ትግራይ ውሑስ ንምግባርን ዓባይ ሃገረ ትግራይ ንምግሃድን ኣብ ዝግበር ዘሎ ህዝባዊ ኵናት፣ መንግስቲ ዝኸዶ ዘሎ በለፀኛን ዓምራራይን ክያዶ ነዙ ዓብዩ ብሄራዊ ዕማም ዝጨውን ዘኽሽፍን ኮይኑ ስለዝረኸብናዮ ነዚ መግለፂ ክነውፅእ ተገዲድና ኣለና፡፡ መንግስቲ ነቲ ህዝባዊ ኩናት ይመርሕ ኔረ እየ ንምባል ብናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ስራሕ ፈፃሚ ዝዕብለልን ዝዝወርን “ማእኸላይ ኮማንድ” ዝተሰየመ ኣካል መሰረታዊ ዓለም ለኻዊ ናይ ሕጊ መትከል ብምጥሓስ ካብ ሕዳር 1/2013 ዓም (ትሸዓተ ኣዋርሕ ንድሕሪት ተመሊሱ) ዝሰርሕ ሕጊ ሓምለ 17/2013 ዓም ብቤት ምኽሪ ኣቢሉ ብምፅዳቕ ንኹለን ውድባትን ሙሁራት ተጋሩን ኣግሊሉ ደፋእን ኣምባገነናውን ኣካይዳ ይኸይድ ኣሎ፡፡ ብወገንና ጉዳይ ሃለዋትን ድሕነትን ትግራይ ንሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ዝግደፍ ውራይ እዩ ኢልና ኣይንኣምንን፡፡ ብተወሳኺ እውን፣ ነፃን ዓባይን ሃገረ ትግራይ ንምግሃድ ከም ህዝቢ ዝኸፈልናዮን እንኸፍሎ ዘለናን ከቢድ መስዋእቲ "መሰል ዓርሰውሳነና ክነረጋግፅ ኢና" ብዝብል መደንዘዚን መዘሓሓልን ተጠቒምካ ኣንፈት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ናይ ምስሓት ስራሕቲ ብዕሊ ይስራሕ ኣሎ፡፡ “ሕብረ ብሄራዊ ፌዴራሊዝም ” ዝበሃል ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ንክበሳበስን መሰታ ዘይብሉ ውርደትን ክሳራን ንክበፅሖ ምኽንያት ዝኾነ ግዘ ዝሓለፎ ቅዋም ሂወት ንክዘርእ ናይቲ ህዝባዊ ቃልሲ ዓላማ ከይይንፀርን ኣጀንደ ሃገርነት ትግራይ መዘራረቢ ዛዕባ ከይይኸውንን ብዝተፈላለዩ መንገዲታት ሰፊሕ ናይ ዓፈና ስራሕቲ ይስርሑ ኣለዉ። ብሽም መንግስቲ ትግራይ ዝወፀ ህዝቢን ብሄራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን ዘይተመያየጥሉ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ዕማመ ሰላም እውን እንተኾነ ጉዳይ ሪፈረንደምን (ህዝበ ውሳነን) ካልኦት ህዝባዊ ሕቶታትን ከይኣልዓለ ንኽቀርብ ይግበር ኣሎ፡፡
ስለዝኾነ ባይቶና መንግስቲ ትግራይ ካብቲ ግጉይ ኣካይድኡ ብኣጋ ተኣርኒቡ ናብ ትኽክለኛ መንገዲ ንክኣቱ እናተሓሳሰበና እዞም ዝስዕቡ መአረምታታት ብቅልጡፍ ክውሰዱ ይፅውዕ፡-
- ቀፃሊ ኣንፈት ጉዕዞ ትግራይ ዝንፅር፣ ነቲ ኩለመዳያዊ ህዝባዊ ኵናት ዝመርሕን ዘተሓብብርን፣ ብሓፈሻ ነቲ ኣቲናዮ ዘለና ሓዱሽ ምዕራፍ ዝምጥን ማሕበረኢኮኖምያዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማስያዊን ስትራቴጂካዊ ኣመራርሓ ክህብ ዝኽእል ንኹሎም ውድባት፤ ምሁራትን ፅቡቕ ብቕዓትን ተሞክሮን ዘለዎም ተጋሩን ዝሓቖፈ ስሙር ብሄራዊ ባይቶ ክጣየሽ፤
- ካብ ኩሎም ኣብ ሃለዋትን ድሕነትን ህዝቢ ትግራይ ዘይደራደሩን ኣብ መረፃ ትግራይ 2012 ዝተሳተፉን ብሄራዊ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ዝተወፃፀአ ተደራዳሪ ኣካል ንክጣየሽ፤
- ናይቲ ህዝባዊ ቃልሲ መኸንበቲ ሓደ መማረፂ ነፃን ሉኣላዊትን ዓባይ ሃገረ ትግራይ ምምስራት ከምዝኾነ ተነፂሩ ጉዳይ ሪፈረንዶም ኣብ ዝግበሩ ድርድራት ቀዳማይ ኣጀንዳ ክኾንን ኣብ ሚድያ ይኹን ኣብ ህዝባዊ መድረኻት ብዘይ ዝኾነ ዕንቅፋት ክቐርብ፤
- እቲ ሕዚ ዘሎ ካርታ ትግራይ ፈፂምና ከም ዘይንቅበሎ እናገለፅና ኣብ ኣምሓራ ፣ ዓፋርን ኤርትራን ዘለዉ ናይ ዓባይ ትግራይ ሉኣላዊ ሕጋዊን ታሪኻውን መሬታትና ብዘምልስ መንገዲ እቲ ቃልሲ ክቃነ
- ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፀረ ትግራይን ተጋሩን ስለዝኾነ “ብሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ መሰረት” ንደራደር ዝብል መርገፂ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝሕንሽሽ ኣካይዳ ስለዝኾነ ብህፁፅ ደው ክብልን "ብዓለም ለኻዊ ሕጊን መስርሕን" ብዝብል ንኽትካእ ንፅውዕ፡፡
መንግስቲ ትግራይ ነዚ ፃውዒት ነፂጉ ከም ወትሩ ደፋኣይን ፋሉላውን ኣካይዳ እንተቐፂሉ ንዝፍጠሩ ክሳራታት ብሕታዊ ተሓታታይ ኣካል ከም ዝኾነ እናዘኻኸርና፣ ሃለዋትን ድሕነትን ህዝቢ ትግራይ ብዘላቕነት ውሑስ ንምግባር ምስ ህዝብናን ምስ ኩሎም ውድባትን ትግራይ ኮይንና ብትሪ ከምንቃለስ ነፍልጥ፡፡
ትግራይ ትስዕር!
ፅንዓት ንዘይተርፍ ዓወት!
ዘለኣለማዊ ክብሪን መጎስን ንሰማእታትና!
ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና)
ሓምለ 26/ 2013ዓ.ም
መቐለ