መርኣያ ግፍዕታት ሸዋውያንን ባንዳታትን ምስ ባዕዳዊ እንግሊዝ፤ ኣብ እዋን ቀዳማይ ወያነ - Part 3

Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

መርኣያ ግፍዕታት ሸዋውያንን ባንዳታትን ምስ ባዕዳዊ እንግሊዝ፤ ኣብ እዋን ቀዳማይ ወያነ - Part 3

Post by africangear »

Blata-Hailemariam-Reda.jpg
ሳልሳይ ክፋል፤

ዘስካሕክሕ ጨፍጫፍ ህዝቢ ትግራይ ብነፈርቲ እንግሊዝ፤ ብኣንደበት ኣባ መብረቕ

ንልዕሊ ሰሙን ኣብ ኣላጀ ኣብ ዘካየድናዮ መሪርን ደማውን ኵናት፤ ሰራዊታት ክልተ መንግስትታት እንግሊዝን ኢትዮጵያን መሊእና ክነቃብፆም ኣብ ኣፍዕርበቶም እናሃለዉ፤ ነፈርቲ እንግሊዝ ኣርከባሎም፡፡ ብፍላይ 25 መስከረም 1936 ኣጋወጋሕታ ንቱ ፀላኢ ዝተሸጎጠሉ ጥልያን ዝሃነፆ ዕርድታት ኣላጀ ክነቃብፅ፤ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ምስጀመርና፣ ሓይሊ ፀላኢ ብማይ ፅምኢ እውን ተዳኺሙ ስለዝነበረ ብፍላይ እቶም ዝኸተቱ ደቂዓዲ ብበዝሒ ኢዶም ምሃብ ጀመሩ፡፡

ብኸም’ዙይ ብክልቴና ገፅ እናተዋደቕና ርፍድ ምስበለ፤ በበይ መፂአን ዘይበልናየን ነፈርቲ እንግሊዝ ኣቐዲመን ዘወርወር ኢለን ፅንሕ ኢለን ሓዊ ኣብ ዝባንና ኣውረዳልና፡፡ ትግራዋይ ኣብ ዝባኑ ሓዊ ከም ማይ ፈሰሶ፤ ብደዉ እናነደደ ብዙሕ ጅግና ወደቐና፡፡ ንማዕልትታት ኣብ ዘካየድናዮ ውግእ ኣላጀ ካብ ዝወደቑና በዝሒ ዕፅፊ ዝኸውን ትግራዋይ ኣብ ሰዓታት ደብዳብ ነፈርቲ እንግሊዝ ተወድአና፡፡

ሰብኣይ ንሰብኣይ ክገጥሙና ስለዝተስዓሩ፤ ጦር እንግሊዝን ራእሲ ኣበበ ኣረጋይን ጀነራል ኣበበ ዳምጠውን ምስሰራዊቶምን ኣብ ዕርዲ ጥልያን ተሓቢኦም እንናሃለዉ፤ ነፈርቲ እንግሊዝ ክሻብ ኣጋምሸት ብዙሕ ግዘ ተመላሊሰን ብዙሓት ኣማኢት ጀጋኑ ተጋሩ ኣውደቓልና፡፡ ንድሕሪት ተመሊስና ኣብ እግሪ እቱ ግድምታት ሰብና ክፅጋዕ ብምግባርና እምበር ካብኡ ንላዕሊ ሰብ መውደቓልና ነይረን፡፡

ኣብዛ ማዕልቲ ኣብ ልዕሌና ኣብ ኣላጀ ጥራሕ እንተይኾነ፤ ኣብ ከተማታትን ቀንዲ ፅርጊያን፣ ሕርሻን ዕዳጋን፣ ዋላ እክብ ዝበላ እንሰሳት እንተይሓደጋ ካብ ዓዘቦ ኣትሒዙ ክሻብ ውቕሮ ክልተኣውላዕሎ እንግሊዝ ኣብ ኩሉ ዓዲ ቦምባ ከም ማይ ኣዝነቦ፡፡ ህፃውንቲ ኣረጋውያን ኣንሽትን ሰብኡትን እንተይፈለየ ንኩሉ ወድኦ፡፡

እቱ ዝኸፍአ ጉድኣት ነፈርቲ እንግሊዝ ኣብ ልዕሊ ወየንቲ ተጋሩ ዝበፅሐ ግና፤ 27 መስከረም 1936 ንኣጋግዘ እቱ ዝወርድ ዝነበረ ማይ ምስፀሓዬ እዩ ነይሩ፡፡ እቱ ኩሉ ኣብ ኵናት ኣላጀ ዝቐነየ ጅግና ብደብዳብ ነፈርቲ እንግሊዝ ተደናጊፁ፤ ንዓዱ ዓዱ ክረድእ ካብ ዝባን ኣላጀ እናተጓየየ ታሕቲ ከባቢ ሒዋነ ምስወረደ፣ ሽዑ ንሽዑ ነፈርቲ እንግሊዝ ኣርኪበን ንቱ ኩሉ ጅግና ሙሉእ ምሸት ብዘይዕረፍቲ ኣብ ስጡሕ ሜይዳ ኣርኪበን ደብደበኦ፡፡

ብዙሓት ነፈርቲ እናተመላለሳ እናስዓባ፤ ካብ ቤትማሪያ ኣትሒዙ ናብ ምብራቕ ሙሉእ ድድባ ክሻብ ኣራ ሰርጌን፤ ብቕድሚት እውን ክሻብ ዓዲጉዶምን ማይቀያሕን፤ ንገፅ ጋባት ምላሽ እውን ዱርኣምበሳ ሒዝካ ክሻብ ሕንጣሎ እግሪ እምባኣርዓዶምን ጨለቖትን እናዞራ፤ ሓዊ ከም ማይ እናዝነባ ንዝረአየኦ ሰብ፣ ገዛን እንሰሳን ኩሉ ኣንደዳ፡፡

ብድሕሪኡ ዘለና ሓይሊ ኣተኣኻኺብና ፀላኢ ካብ ኣላጀ ምስወረደ ክንገጥሞ ተሊምና ንማይቀያሕ ኣንስሓብና፡፡ ኩነታት መቐለ እውን ክነዳግግ ስለዝነበረና፤ እቱ ኩሉ ሰራዊት ወያነ ማእኸሉ ማይቀያሕ ገይሩ ልዕሊን ትሕቲ ፅርጊያን ኩሉ ጠረር ብምሓዝ ዙርይኡ ቦትኡ ምስኣማቻቸና፤ ንኣጋግዘ ዝተወሰኑ ላዕለዎት ኣቦ ገረባትን ኣቦ ወየንትን ምስውሕዳት ሰዓብትና፤ ብጠቕላላ ሰብዓ ክሻብ ሰማንያ እንኾን ንመቐለ ገስገስና፡፡

29 መስከረም 1936 ኣማሺና መቐለ እንትንኣቱ ዝተረዳእናዮ ክሻብ እቱ ዕለት መቐለ ብነፈርቲ እንግሊዝ ኣይተወቕዐትን ፀኒሓ፡፡ ኩሉ እቱ ህዝቢ ግና ጨኒቑዎ ከምዝነበረ፣ ብዙሕ ሰብ እውን ነፈርቲ እንግሊዝ ክውድኣና እዬን ብዝብል ኣብ ዓብዪ ስግኣት እናሃለወ ኢና መቐለ ኣቲና፡፡ ሃይለማርያም መቐለ ኣትዩ ዝብል ወረ ምስተሰምዐ ኩሉ ሰብ ግልብጥ ኢሉ ወፂኡ ካባና ተስፋ እንተሃልዩ ጭንቀቱ ክገልፀልና ይፀቓቐጥ ነይሩ፡፡

ብዝተኽኣለና ንቱ ብኣላጀ ገይሩ ብእግሪ ዝመፅእ ዘሎ ፀላኢ ክንምክቶ ከምእንኽእል ንህዝቢ መቐለ ክነረጋግእ ፈቲንና ነይርና፡፡ ካብ ነፈርቲ እንግሊዝ ግና ክነድሕኖ ስለዘይንኽእል፤ እተን ነፈርቲ እንትመፃ እንተለዋ ብዝተኽኣለ ህዝቢ ንባዕሉ ከድሕን ኣብ ኣብያተክርስትያናትን ኣዕዋምን ክኽወል ከምዘለዎ ብዝመሰለና እናመኸርና ኣምሸና፡፡

መቐለ ካብ እንሕዝ ኣትሒዙ ክሻብ እቱ ዕለት ሓደ ጌጋ ገይርና ነይርና፤ እቱ ቴሌግራማት መንግስቲ ስኣን ፍላጥና መሊእና ኣይቆረፅናዮን ፀኒሕና፡፡ ኣብ ዝባን እንዳየሱስ እናተዋጋእና እንተለና ዝቖረፅናዮ ንኹሉ ቴሌግራማት መሲሉና ነይሩ፤ ግና ኣይኮነን፡፡ ለካስ ካብ’ቱ ናይ መቐለ ዋና መስመር ወፂኡ ናብ እንዳየሱሰ ዝኣቱ ጥራሕ ኢና ቆሪፅናዮ፡፡ እቱ ቀንዲ ንመቐለ ምስ ሸዋ ዘራኽብ ግና ከምዘሎ እዩ ነይሩ፡፡ እዙይ ዝተረድአና ካብ ማይቀያሕ መፂና ብፅባሒቱ መሬት ምስወግሐ እዩ ነይሩ፡፡

ምሸት መቐለ ምስኣተና ኣብ መንገዲ እንዳማርያም ጥልያን ንደገዝማት ሃይለስላሰ ጉግሳ ዝሃነፆ ዓብዪ ገዛ ነይሩ፤ ኣብኡ ኢና ኣዕሪፍና ነይርና፡፡ ብፅባሒቱ መሬት ኣዐሪዩ እንተይወግሐ ኣትሒዙ ኣብ’ቱ ገዛ ኮይነ ኣመሓደርቲ ከተማ መቐለ ምስዝነበሩ ኣቦ ገረባትን ዓበይትን መቐለ እናተጋነኹ ምኽሪ እናገበርና ፀኒሕና ርፍድ ምስበለ፤ ኩሉ ዓቕሚ ዘለዎ ሰብኣይ ናብ ማይቀያሕ ክስዕበና ኣዊጅና፣ ህዝቢ መቐለ ዘተኣኻኸቦ ብዙሕ ጎጎን ካሊእ ስንቂን ብበዝሒ መፅዓኛታት ሒዝና ናብ ማይቀያሕ መንገዲ ጀመርና፡፡

ካብ ከተማ መቐለ ውፂእና ዝባንዳዕሮ ሕልፍ ኢልና ገና ኣይናለም እንተይበፃሕና ክልተ ነፈርቲ እንግሊዝ ብእግሪወምበር ብዓዲወለል ብደጉዓ መቐለ ገይረን መፃ እሞ ብማይፍክሪ ትሕት ኢለን ወሪደን ንከተማ መቐለ ኣቋሪፀን ንገምበላ ገፅ ከዳ፡፡ ንባዕልትና እውን ኣብ ዝባን ኣብ ስጡሕ ሰውሒ ስለዝነበርና ብፍላይ ድማ ብመቐለ ኣቋሪፀን ብምሕላፈን ንመቐለ ከይወቕዓ ፈራሕና፡፡ ናብ ዝባንዳዕሮ ተመሊስና ኦማት ተኸዊልና ክነፃናፅን ተፀበና፤ ብዝኸድኦ እንተይ ተመለሳ ቁሩብተይ ብምድንጓየን ዝሓልፋ እየን ዝኾና ኢልና መንገድና ቀፀልና፡፡

ስድሪ’ኳ እንተይኸድና ሽዑ ንሽዑ ብቱ ዝኸድኦ የመና ትሒተን ተመሊሰን ብዕዳጋ ሰኑይ ሒዘን ክሻብ እንዳማርያም እቱ ዝሓደርናሉ ገዛ ብሙሉኡ ደብደብኦ፡፡ ኣብ ዝባን ኮይንና ኩሉ ይርአየና ነይሩ፤ ክክንዲ በራሚል ዝኾን ቦምባታት ኣብ ልዕሊ ቆልዓ ሰበይቲ ኣውረድኦ፡፡ እሳተን ውድእ ኣቢለን ምስከዳ ካልኦት ኣርባዕተ ኰይነን ተተኪአን ክልተ ዙር ንመቐለ ሓዊ ኣዝነባሉ፡፡ ክንገብሮ እንኽእል ነገር ኣይነበረን፡፡ መንገድና ሓዲግና ተጓዪና ንመቐለ ተመለስና፡፡ ሙሉእ ከተማ መቐለ ኣውያት ብኣውያት ኮነ፡፡ ምስ’ቱ ማዕልቲ ዕዳጋ ምንባሩ ብፍላይ ኣብ ዕዳጋ ሰኑይ ህዝቢ ሃለቐ፤ ካብ’ቱ ደዉ ዝበለ እቱ ዝወደቐ ይበዝሕ ነይሩ፡፡

ኣዐሪዩ ዘስካክሕን ንወትሩ ካብ ህልናኻ ዘይወፅእን ፀልማት ማዕልቲ ነይሩ፡፡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ተጋሩ፣ በዝሒ ኣንሽትን ቆልዑትን፣ ክተለልዮም ብዘይከኣል ኣካላቶም ተበታቲኹ ዕዳጋ ሰኑይ መቐለ ብደም ንፁሃት ተጋሩ ተሸፊኑ ነይሩ፡፡ እንታይ ከምእንገብር ኣይፈለጥናን፡፡ ንቶም ዝተወቕዑ ብህይወት ዘለዉ ክነላዕል ጀሚርና ነይርና፡፡ ግና ንዕዳጋ ኢሉ ዝወፀ ሰቡ ክእልሽ እናኣእወየ ግልብጥ ኢሉ ዝመፀ ህዝቢ መቐለ ድማ እተን ነፈርቲ ሳልሳይ እግሪ ተመሊሰን ከይውድእኦ ስለዝፈራሕና ግገዝኡ ክንመልሶ ቅልስ ኮነ፡፡ ኩሉ ሰብ ኣውያት ብኣውያት እምበር ሰማዒ ኣይነበረን፡፡

ተወቒዖም ደም ዝፈሶም የመና ብዙሓት እንተነበሩ እውን እሞ በበይ ገይርካ ንኦኦም ንምሕጋዝ እኳ ኣይተኽኣለን፡፡ ኣዐሪዩ ብዘስካሕክሕ ስጋ ተጋሩ ኣዴታትናን ህፃውንትን ክትፈልዮ ብዘፀግም ምስስጋን ደምን መፅዓኛ ተሓዋዊሱ እንገብሮ ጨነቐና፡፡ ምስነብስና እናተቓለስና ኣብ ማእኸል ሬሳታት ህፃውንትን ኣዴታትን፣ ኣውያትን ስቅያትን ኣካሎም ዝተበታተኸ ውቑዓት ሰብን እንሰሳን ኣብ ማእኸል ዕዳጋ ሰኑይ እናሃለኹ እዩ፤ ኣብ’ቱ ጥቓ ዕዳጋ ሰብ ድንኳን ዝነበሩ ክልተ ዓበይቲ ሰብኡት ቀሪቦም ብዛዕባ ቴሌግራም ከም’ዙይ ክብሉ ሕሹኽ ዝበሉኒ፡፡

“ናትካ ናብ መቐለ ምእታው ስዒቡ ነፈርቲ ምድብዳበን ብቴሌግራም ምሽጥር ስለዝበፅሖም እምበር ሱቕ ኢሉ ብግምት ኣይኮነን፤ እሞ ንቱ ቴሌግራም ዘይትበትኩዎ፤ ንመረዳእታ እኳ እኒሀ ንኣኻ ከርክቡ እቱ ዝሓደርኩምሉ ገዛ ተወቒዑ ኣሎ” በሉኒ፡፡ ሽዑ ነይሩ ኣብ እዳየሱስን ኣላጀን መሊእና ከምዘይቖረፅናዮን ክሻብ እቱ ማዕልቲ ቴሌግራም ይሰርሕን ወረ የቐብሎምን ከምዘሎ ዝፈለጥና፡፡

ኣሻዓቲኡ ንሓለዋ መቐለ መዲብናዮ ጦሩ ሒዙ ኣብኡ ዝነበረ ላዕለዋይ ኣቦ ወያነ በርሀ ገብረግዚሄር ኣብ ጥቓይ ስለዝነበረ፤ ምስ’ቱ ዝነበርኩሉ ሕማቕ ስምዒት ንድሕሪት እንተይበልኩ፤ ንቱ ቴሌግራም ምቁርራፅ ምንዳድ ጥራሕ እንተይኮነስ ንቶም እዙይ እናገበሩ ዝፀንሑ ሰብ መንግስቲ ብሙሉኦም በሎም በልኩዎ፡፡ ከምዝተግበሮ እውን ብድሕሪኡ ኣብ ካሊእ ማዕልቲ ኣብ ዴስኣ ኣዋጊዑኒ ነይሩ፡፡ ክሻብ እታ ማዕልቲ ኩሉ ወረ እናኣራረዩ እንተየብደዩ ብተሌግራም ንመንግስቲ ሃፀይ ሃይለስላሰ የመሓላልፉ ከምዝነበሩ እውን ካብ ኣፍ እቶም ሰብ ቴሌግራም ምስኣረጋገፀ እዩ ላዕለዋይ ኣቦ ወያነ በርሀ ክንዲ ሕነ እቶም ብኣማኢት ዝቑፀሩ ህፃውንትን ኣዴታትን ዝቐፅዖም፡፡

ብዙ ዘስካኽሕ ተግባር እንግሊዝ ምስ ሃፀይ ሃይለስላሰን ባንዳታት ተጋሩን፤ ብፍላይ ኣብ ዕዳጋ ሰኑይ ካብ’ቱ ዝወረደ ቦምባታት ንላዕሊ ሰብ ዝወድአ እቱ ቦንባ ዝፈናፅሖ ኣእማን እናበረረ ዘጥፍኦ ነብስን ዘጉደሎ ኣካልን ፀዊኻ ዝውዳእ ኣይኮነን፡፡ ብኹሉ ገፅ መቐለ ብደም ተዓብለኸት፤ ፎቖዱኡ ሬሳታት ወዲቑ፣ በብቦትኡ ደም ዛሕ እንዛሕ እናፈሰሶ ዝቕንዘው ብፅሑለይ እናበለ ዝምሕፀን ትግራዋይ ብዙሕ እዩ ነይሩ፡፡ ህፃውንቲ፣ ኣደታትን ሰብኡትን ጥራሕ እንተይኾኑ እተን መፅዓኛታት እውን ምስ’ቱ ሰብ ተሓዋዊሰን ኣካላተን ተበታቲኹ ይቕንዘዋ ነይረን፡፡

እወ እንግሊዝ ንካልኣይ ውግእ ኣለም ዘዋፈሩዎ ነፈርትን በራሚል ቦምባታትን ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን፣ ቆልዓን ሰበይትን መቐለ ኣዝነቡዎ፡፡ ክሻብ ሎሚ እውን ንቱ ኩሉ ዝፈፀሙዎ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ኣይኮነንዶ ካሕሳ ክኸፍሉስ ይትረፍ፤ ይቕሬታ’ኳ ኣይሓተቱን፤ ክሓሱና ኢሉ ዝጥይቖም እውን ኣይተገነየን፡፡

ክሳብ ኣጋምሸት ምስበዝሒ ህዝቢ መቐለ ንቶም ውቑዓት እናለዓልና፣ ስድራ ዘለለዩዎም ሬሳታት እናወሰዱ፣ ንቱ ክልለ ዘይኽእል ሬሳታት እውን ኣብ ሓደ እናተኣኻኸብና እናሃለና፤ እቱ ናይ ኣላጀ ፀላኢ ካብ ዝባን ወሪዱ ምቕማጥ ዕውር በፂሑ ዝብሉ ፈረሰኛታት መፁ፡፡ ኣቦ ገረባትን ዓበይቲ ዓዲ መቐለን ህዝቢ ኣተሓባቢሮም ቀብሪ ይኹን ኩሉ ዝኸኣሉዎ ክገብሩ ተማኺርና፣ ካብ መቐለ ሰብኣይ ዘበለ ኩሉ ብኒሕ ዝሓዞ ሒዙ ስዒቡና ንለይቱ ገስጊስና ማይቀያሕ በፃሕና፡፡

ሸዋውያንን ባንዳታት ተጋሩን ንዘበናት ንመዋእሎም ምስ ባዕዳዊ ፀላኢ እናሓበሩ እዮም ዝጨፍጨፉናን ዘብረሱናን፤ ሎሚ እውን ንሱ እዩ እቱ ንልዕሊ ሚኢቲ ዓመታት ዝቐፀለ ግፍዕን ክህደትን ዝግበር ዘሎ!

ሃገረ ትግራይ ትስዕር!

#ካሳ_ሃይለማርያም


Post Reply