መርኣያ ግፍዕታት ሸዋውያንን ባንዳታትን ኣብ ልዕሊ መራሒ ቀዳማይ ወያነ - Part 4

Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

መርኣያ ግፍዕታት ሸዋውያንን ባንዳታትን ኣብ ልዕሊ መራሒ ቀዳማይ ወያነ - Part 4

Post by africangear »

Blata-hailemariam-in-Mahyur.jpg
ራብዓይ ክፋል

ሽማግለታት ትግራይ ዓደይ፤ “…ሃይለማርያም ሰብ ተወድአ፤ ዓዲ ጠፍአ፤ ትግራይ ዓድኻ እንታይ ይገብሩዎ ከምዘለዉ ንኣኻዶ ጠፊኡካዋ፤ እዞም ሰባት ጨሪሶም ክውድኡና ተወሳኺ ጦር የምፅኡ ኣለዉ፡፡ እሞ ካገዲም ይቕረ ዝብሉና ዝምሕሩና እንተኾይኖም፤ እንታይ ኣለዎ ሓደ ሃይለማርያም በይዛ እዙ ኩሉ ህዝቢ እንተሞትካ? ኢድኻ ሃቦም እሞ እንተኾነ ይምሕሩኻ ይኾኑ፤ ዋላ እንተቐተሉኻ እውን ሙት፡፡ በይዛ ህፃውንቲ በይዛ ፈለስቲ፣ በይዛ ኣንሽቲ፣ በይዛ ወለድኻን ደቅኻን፣ በይዛ ኩላትና ሙት፡፡ ሓደ ሃይለማርያም ከይትሞት ዶ ብዓዱ ክውድኡና…” እናበሉ ብፅዑቕ ምስለመኑኒ፤ ድሕሪ እቱ ኩሉ ሽምግልና ሰላምን ምሕረትን፤ ምእንተ ህዝቢ ንመሓላ ሃፀይ ሃይለስላሰ፣ ንቶም ጳጳስን ራእሲ ኣበበን ተቐቢለ ኣተኹ፡፡ ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ንኣዲስ ኣበባ ተጉዓዝኩ፡፡

ገዛእቲ ሸዋ ምሒሎም ጥሒሎም ክጠልሙ ኣነ ናይ መጀመርታ ከምዘይኾንኩ እፈልጥ ነይረ፡፡ ሕጋዊ ወራሲ ንጉሰ ነገስት ሃፀይ ዮሃንስ ዝነበሩ ልዑል ራእሲ መንገሻ ዮሃንስ፤ “ምስ ባዕዳዊ ጥልያን ሸሪኹ መሬት ኢትዮጵያ ንዝሸጠ ምኒልክ ኣይግብርን” ኢሎም እንትዕምፁ፤ ራእሲ መኮንን ወልደሚካኤል፤ ኣቡኡ ንሃፀይ ሃይለስላሰ መታዓረቓይ ኮይኖም፤ ሸምጊሎም፤ ባዕሎምን ምኒልክን ምሒሎም ኣእተዉዎም፡፡ ብድሕሪኡ ናብ ሸዋ ወሲዶም ንቱ ኩሉ መሓላ ጠሊሞም ቀተሉዎም፡፡ ከም’ቱ ዝውረ እንተኾይኑ ሓሪዶም እዮም ዝቐተሉዎም ይብሃል፡፡

ኣብ ኢድ ሸዋ ካብ ወደቕኩ፤ ኣነስ ወዲ መን ኮይነ እሳቶምስ ደቂ መን ኮይኖም፤ ቀደሞም ምስመሓሉን ምስጠለሙን፡፡ እቶም ንጉስ ብወዶም ራእሲ መኮንን፣ ራእሲ ኣበበ እውን ብወዶም፣ እቶም ጳጳስ እውን ብመስቀል ምሒሎም ምስኣተኹ፤ ንኣይ እውን ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ፈረዱ፡፡ ራእሲ ኣበበ ኣረጋይን ንሶም ዝሓዙዎም ሃርበኛታት ሸዋን፤ “ብመስቀልን ብደቅናን ምሒልና ኣእቲናዮስ፤ ከመይ ገይሩ” እንትብሉ ስለዝተቓወሙዎምን ምስኦም ድማ ክጓነፁ ስለዘይደልዩን እምበር፤ ሃፀይ ሃይለስላሰ ካብ መጀመርትኡ ብሞት ክቐፅዑኒ ድሌት ነይሩዎም እዩ፡፡

ሃፀይ ሃይለስላሰ ከም ምኒልክ ዝወፀሎም ቂመኛ እዮም ነይሮም፡፡ ተጋሩ ወለድናን ደቆምን ኢና ካብ መፈጠርና ቂም ዘይንፈልጥ እምበር፤ ክንዲ እቱ ዝበደሉና ሕነ ክንፈዲ እንተንብልስ ክንደይ ነይሩ፡፡ እቶም ንኣደታት፣ ኣንሽትናን ኣዋልድ ደቅናን እናተጋሰሱ ዝነበሩን፤ ኣብ ኵሓ ዝማረኽናዮም ልዕሊ ሽሕን ሓሙሽተ ሚኢትን ኣርሚ ኢትዮጵያ’ኳ ምኣኸሉና ነይሮም፡፡

ድሕሪ ውሳነ ማሕዩር እቶም ንጉስ፤ ደገዝማት ጣሰው ምስዕስለ ሰዓብቱን ኣርሚ ኢትዮጵያን ብፅባሒቱ ብጓሓቱ መፀ፡፡ ራእሲ ኣበበ ኣረጋይ ተቐቢሎም፤ “ጣሰው ሐዚ እንታይ ክትገብር ኢኻ ሓሲብካ” ኢሎም ሓተቱዎ፡፡ “ንኣርባዕተ ሰብ እትኣክል ነፋሪት እንግሊዝ ተዳልያ ትፅበየና ስለዘላ፤ ኣነን ሃይለማያምን ምስ’ቶም ክልተ እንግሊዝ ኣብረርቲ ናብ ጎሬ ክንኸድ ኢና፡፡ ኣብ ከተማ ጎሬ ኣብ ዘሎ ጥልያን ዝሃነፆ ቤት ማእሰርቲ ብፅቡቕ ብኽብሪ ኢና ክንሕዞ” በሎም፡፡ ካብ ኩሎም መኳንንቲ ሸዋ ክንዲ ደገዝማት ጣሰው ዋለሉ ብስብእናይን ብመንነተይን ዝተጋፍዐኒ ሰብ ግን የለን፡፡ ደገዝማት ጣሰው ዋለሉ ኣብ’ቱ እዋን ገዛኢ ኢሉባቦርን ከፋን ዝነበረ እንትኾን ወራር ጥልያን ኣዲስ ኣበባ ምስተቖፃፀረ ብድሕሪኡ ንጥልያን ዝሓደረ ባንዳ ሽዋ እዩ፡፡

ራእሲ ኣበበ “ደቁን ሰቡን ክሻብ ዝሰናበት ቁሩብ ተፀበዮ” ኢሎም፤ ናብ ኣዳራሽ ኣተዉ፡፡ ክሳብ ፍርቂ ማዕልቲ ዝሓልፍ ኣብኡ ፀናሕና፡፡ ዕጣቐይ ኩሉ ንቶም ሰዓብተይ ኣረኪበ ቅያር ክዳን ጥራሕ ክሕዝ ተገበረ፡፡ ናይ መወዳእታ ሰዓት ኮይኑ እንትንፈላለ ንህፃውንቲ ደቀይ ምንም ኣይበልኩዎምን፤ ኣይተሰናበትኩዎምን እውን፡፡ ብዝከኣለኒ ስነይ ነኺሰ ስምዒተይ ተቖፃፂረ ወፃኹ፡፡ ሽዑ ማዕልቲ ንምሸቱ ነይሩ ጭካነ ዝተመልኦ ግፍዒ ደገዝማት ጣሰው ክወርደኒ ዝጀመረ፡፡

ቅያር ክዳንን ጫማን ከምኡ እውን ዳዊተይን መፅሓፍ ቅዱስን ሒዘ ተሰናቢተ ካብ እዳራእሲ ኣበበ ምስወፃእኹ ባዕሉ ደገዝማት ጣሰው ናብ ዝተፅዓነሉ ማኪና ኣእትዮም ኣብ ወሰን ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝነበረ መዕረፊ ነፈርቲ ወሰዱኒ፡፡ ኣብኡ ክሻብ እንበፅሕ ኩልና ሱቕ ሱቕ ተባሃሂልና ነይርና፡፡ ኣብ’ቱ መዕረፊ ነፈርቲ ኣብ ጥቓ ዝነበረት ሓንቲ ነፋሪት ደው ኣበሉኒ እሞ እንታይ ከምዝሓዝኩ ምሕታት ጥራሕ እንተይኮነስ ኩሉ ነብሰይ ፈተሹኒ፡፡ ንዝሓዝኩዎ ዳዊትን መፅሓፍ ቅዱስን ዘይተረፈ ሓደ ብሓደ እናገንፀሉ መርመሩዎ፡፡

ብድሕሪኡ ኣነ፣ ደገዝማት ጣሰውን ክልተ ዘወርቲ እታ ነፋሪትን ተሳፊርና ካብ ኣዲስ ኣበባ ተልዓልና፡፡ ነፋሪት ተሳፊረ ስለዘይፈልጥን እታ ነፋሪት እውን ምስ’ቱ ፀልማት ዝኾነ ግመ ክረምቲ ይመስለኒ የመና ላዕልን ታሕትን እናበለት ከርና ሓሚመ ነይረ፡፡ ከምኡ እናበልና ነዊሕ ምስከድና፤ ኣነን ደገዝማት ጣሰውን ጥራሕ እንተይኮናስ እቶም ዘወርቲ እታ ነፋሪት እንተይተረፉ እናተጨነቑ፤ እታ ነፋሪት እውን ሓፍ ኮፍ ምባል ገዲዱዋ ብዙሕ እናኾለልና ፀናሕና፡፡

ኣብ ውሽጢ ፀልማት ግመ ኮይንና እንትርፊ ሰማይ፤ ምድሪ ዝብሃል ኣይርአን ነይሩ፡፡ ካብኡ እንታይ ከምዝበሉን ከምዝኾንናን ኣይተረድአንን፤ ንኣዲስ ኣበባ ተመሊስና ናብ መሬት ወረድና፡፡ ካብ’ታ ነፋሪት ካብ ዝወረድኩላ ሰዓት ኣትሒዙ ደገዝማት ጣሰው ንቱ ኩሉ ኣብ ውሽጡ ቋፂሩዎ ዝነበረ በደልን ግፍዕን ኣብ ልዕለይ ከውርዶ ጀመረ፡፡

ካብ’ታ ነፋሪት ምስወረድና ንዝኾኑ ኣብኡ ዝፀንሑ ሰባት ግዛዕ ኢሉ ነገሮም እሞ ንኣይ ኣብ’ቱ መዕረፊ ነፈርቲ ናብ ሓደ ፀግዒ ሓፁር ኣፀጊዑ ኣብ መሬት ኮፍ በል በለኒ፡፡ ስለምንታይ እዬ ኣብ መሬት ኮፍ ዝብል ኢለ ኣበኹዎ፡፡ ሽጉጡ ኣብ ኢዱ ምስሓዘ፤ “ኮፍ በል ከይትበላሸው” እናበለ ከፋራርሐኒ ፈተነ፡፡ እንታይ እዩ ዝኾን ዘሎ ኢለ ቅጭ መፂኡኒ ኣይሰማዕኹዎን፤ ሱቕ ኢለ ደው በልኩ፡፡ ገለ ከይገብሮ ዝፈርሐ እውን መሲሉኒ፤ ካብ ጥቓይ ርሕቕ እናበለ ከም’ዙ ሓገዝ ዝደሊ ሰብ ናብ ኩሉ ይቋመት ነይሩ፡፡

እቶም ሰቡ ክሻብ ዝመፁ እዩ ዝፅበ ነይሩ፡፡ ኮፍ ክብል ኣዚዙኒ ምስኣበኹዎ፤ ካብ’ቱይ ናብ’ቱይ እናኮለለ ኣዐሪዩ ብዕሉግ ብዝኾነ ክፀርፈኒ ጀመረ፡፡ ካብ’ቱ ዝበለኒ ወትሩ ዝዝክሮ፤ “ኣንተ ኣስማተኛ ምንኣባክ ደግመህባት ነው ኣውሮፕላኗ ጎሬ ላይ ማረፍ እምቢ ያላት” ዝበለኒ ብጣዕሚ ገሪሙኒ ነይሩ፡፡ ቀፂሉ እውን “ማመን ኣቅቶኝ እንጂ፤ ጥይት የማይመታህ ኣስማተኛ መሆንህንም በጅሮንድ ፍቅረስላሰ ነግረውኛል” እናበለ የህተፍትፍ ነይሩ፡፡ እቱ ዝብለኒ ዝነበረን ኣረኣእያኡን ፈፂመ ዘይተፀበኹዎ ወደቓ እዩ ኮይኑኒ ነይሩ፡፡

ብኸም’ዙይ ክንደይ ዘይናተይ ሱም እናሃበኒ ቁሩብተይ ፀኒሕና እቶም ሰቡ ምስመፁ፤ ብሙሉእ ኢዱ ብፅፍዒት ኣብ ፀጋማይ ገፀይ ክወቐኒ ትንዕ እንትብል፤ ሽዑ ብናይማን ደንጊፀ ዝገበርኩዎ ኣይተፈለጠንን፡፡ ክሻብ እቱ ዕድመይ ኣሽምባያ ክፅፋዕ፤ ማንም ሰብ ኢዱ ኣልዒሉለይ ኣይፈልጥን፡፡

ዘሊለ እንትሓንቆ እሞ ናብ መሬት እንተውድቖን ኩሎም እቶም ሰቡ በትሮም ኣብ ዝባነይ እንተውዕሉዎን ጥራሕ ይዝከረኒ፡፡ ብድሕሪኡ እንታይ ከምዝገበሩኒ ኣይፈለጥኩን፤ ግና ውነይ ስሒተ ከምዝነበርኩን ኣብ ዝኾነ ምድርቤት እንትድብርዩኒ ባህረርኩ፡፡ ደገዝማት ጣሰው ምስ ሰዓብቱ ከቢቦም ቁልቁል ይሪኡኒ ነይሮም፡፡ ገፀይ ክዳውንተይ ደም ተፀይቑ፤ ርእሰይ ነቲዑ ከምገለ ዝተፅዓነኒ ከቢዱኒ ነይሩ፡፡

ጣሰው “ጥርሑ ኣውፅኡለይ” ኢሉ ብዝሃቦም ትእዛዝ፤ ክዳውንተይን ጫማይን ቀንጢጦም ዕርቃነይ ኣውፅኡኒ፡፡ “እዙ ሰብኣይ ምትሃት ዘለዎ ስለዝኾነ፤ ዋላ ሓንቲ ነገር እንትይሓደግኩም ኩሉ ኣብ ነፍሱ ዘሎ ቀንጢጥኩም ከምእተንድድዎ” ኢሉ እውን ኣዘዞም፡፡

ኣብ ክሳደይ ዝነበረ ማዕተብ ክርስትና፣ ዳዊተይን መፅሓፍ ቅዱስን እንተይተረፈ ምስ ክዳውንተይን ጫማይን ኣብ ቅድመይ ኣንደዱዎ፡፡ ኣዐሪዩ ዝገረመኒን ኣብኡ ብውዱቐይ ምስቃንዛይ እናሃለኹ ዘስሐቐንን፤

“…እዙ ሰብኣይ ኩሉ ነገሩ ምትሃት ስለዝኾነ፤ ኣፍንጫኹም ሸፍኑ፣ እቱ ትኪ ናብ ኣፍንጫኹም ከይኣትወኩም…” እናበለ ደገዝማት ጣሰው ንሰዓበቱ እንተጠንቅቖም ምስሰማዕኹ ነይሩ፡፡ ንሕናስ እንትርፊ ምድጋም ዳዊት ካብ ወለድና ዝውረስ ርስሓት ኣይነበረናን፤ ወዮ ምትሃትን ጥንቆላን ናቶምን መናብርቶምን እዩ፡፡

ጥራሕ ዝባነይ ኣብ’ቱ ምድሪቤት ብቁሪ ተኾርምዬ እናሃለኹ ሸንኬሎ ሙሉእ በረድ ዝኾነ ማይ ክረምቲ ኣምፂኦም ኣብ ዝባነይ ኣፍሰሱዎ፡፡ “ማይ ዘየርክሶ ኣስማት የለን” እናበሉ እናደጋገሙ እቱ ምድሪ ቤት ክሻብ ዝጥልቅይ ኣለኹኒ፡፡ የመና ቁሪ ኣስናነይ ገርጨውጨው ክሻብ ዝብል እናንቀጥቀጠኒ፤ ክሻብ ዝደኽሞም ቀፀሉሉ፡፡

ኣብ’ቱ ዝጠልቀየ ምድርቤት ጥራሕ ዝባነይ ምስደብረዩኒ ብድሕሪት ሾጊሮምዎ ከዱ፡፡ ጥምዬት ይኹን ማይ ፅምኢ ኣይተሰምዐንን፤ እቱ ቑሪ ግና ኮፍ ኮነ ደው ምባል ከሊኡኒ ብቁርን ቃንዛን እናተምበድበድኩ ምንም ህራስ ኣብ ዓይነይ እንተይዞረ ከምዘይሓልፍ የለን እቱ ለይቲ ሓሊፉ ወግሐ፡፡ ምስወግሐ ክልተ ኮይኖም ንቱ በሪ ከፊቶም ኣተዉ እሞ፣ ሓደ ኣረጊት ኩታ ዝመስል ጨርቂ፣ ቁራስ ጎጎን ታኒካ ማይን ሂቦምኒ ንድሕሪት ሾጊሮምዎ ከዱ፡፡

ብድሕሪኡ እታ ዝሃቡኒ ኣረጊት ኩታ እትመስል ጨርቂ ጥራሕ ምስተኸደንኩ፤ ጓሓትን ምሸትን ቁራስ ጎጎን ታኒካ ማይን እናሃቡኒ፤ ንኽንደይ ማዕልትታት ምዃኑ ብዕሊ ዘይፈልጦ ኣብ’ቱ ክፍሊ ፀናሕኹ፡፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዘ ግና የመና ሓመምኩ፡፡ ርእሰይ፣ ረስኒን እናንቀጥቀጠን ውነይ ክሻብ ምስሓት በፃሕኹ፡፡

#ካሳ_ሃይለማርያም


Post Reply